ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም። ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ኢሉ፡ ንቤቱ ኺሕልዉ ሰባት ምስ ሰደደ።+
59 ኦ ኣምላኸይ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣+
ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣዕቍበኒ።+
2 ካብቶም እከይ ዚገብሩ ኣናግፈኒ፣
ካብ ዓመጽቲ ሰባት ድማ ኣድሕነኒ።
3 እንሆ፡ ኣድብዮም ይጽበዩኒ ኣለዉ፣+
ብርቱዓት የጥቅዑኒ ኣለዉ፣
ግናኸ፡ ኦ የሆዋ፡ ስለ ዝዓሎኹ ወይ ስለ ዝሓጣእኩ ኣይኰነን።+
4 ከይበደልኩስ፡ ጐይዮም ኬጥቅዑ ይዳለዉ።
ብጻውዒተይ ተንስእ፡ ርአ እውን።
5 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ንስኻስ ኣምላኽ እስራኤል ኢኻ።+
ቈላሕታኻ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክትገብርሲ፡ ንቓሕ።
ካብቶም ሕሱማት ከዳዓት ንሓደ እኳ ኣይትምሓር።+ (ሴላ)
6 ምሸት ምሸት ይምለሱ፣+
ከም ኣኽላባት ሕኒን ይብሉ፡+ ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ ኣለዉ።+
7 ካብ ኣፎም ዚወጽእ እሞ ርአ፣
“መን ዚሰምዕ ኣሎ፧” ይብሉ ኣለዉ እሞ፡+
ከናፍሮም ከም ኣስያፍ እየን።+
8 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክትስሕቆም፡+
ንዅሎም ኣህዛብ ከኣ ከተላግጸሎም ኢኻ።+
9 ኣምላኽ እምባይ እዩ እሞ፡+
ኦ ብርታዐይ፡ ናባኻ እጥምት ኣለኹ።+
10 እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ ኪረድኣኒ እዩ፣+
ኣምላኽ ንጸላእተይ ብዓወት ኬርእየኒ እዩ።+
11 ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም።
ብሓይልኻ ዀለል ኣብሎም፣
ኦ የሆዋ፡ ዋልታና፡ ኣውድቆም።+
12 ብሰንኪ እቲ ዚዛረብዎ መርገምን ምትላልን፡
ብሓጢኣት ኣፎም፡ ብቓል ከናፍሮም፡
ብትምክሕቶም ይተሓዙ።+
13 ብቝጥዓኻ ወድኣዮም፣+
ከይህልዉስ፡ ወድኣዮም፣
ኣምላኽ ኣብ ያእቆብን ክሳብ ወሰናት ምድርን ይገዝእ ከም ዘሎ ኣፍልጦም።+ (ሴላ)
14 ምሸት ይመለሱ፣
ከም ኣኽላባት ሕኒን ይበሉ፡ ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ።+
15 ዚብላዕ ደልዮም ኰለል ይበሉ፣+
ኣይጽገቡ፡ መሕደሪ እውን ኣይርከቡ።
16 ኣነ ግና ብዛዕባ ብርታዐኻ ኽዝምር እየ፣+
ንግሆ ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ ብሓጐስ ክነግር እየ።
ንስኻስ እምባይ፡+
ብግዜ ጭንቂ ድማ መህደምየይ ኢኻ።+
17 ኣምላኽ እምባይ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+
ኦ ብርታዐይ፡ ንዓኻ ውዳሰ ኽዝምረልካ እየ።+