ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዑዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-5)

      • ጅግንነት ዑዝያ (6-15)

      • ዑዝያ ብሰንኪ ትዕቢቱ ድዉይ ኰነ (16-21)

      • ሞት ዑዝያ (22, 23)

2 ዜና መዋእል 26:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:8
  • +2ነገ 14:21

2 ዜና መዋእል 26:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣቦኡ ኣማስያ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:26፣ 2ነገ 16:6
  • +2ነገ 14:22

2 ዜና መዋእል 26:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1፣ 6:1
  • +2ነገ 15:2

2 ዜና መዋእል 26:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:1, 3

2 ዜና መዋእል 26:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:7፣ መዝ 1:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 10

2 ዜና መዋእል 26:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:1፣ 2ዜና 21:16፣ ኢሳ 14:29
  • +1ዜና 18:1
  • +እያ 15:11, 12
  • +እያ 15:20, 46፣ 1ሳሙ 5:1

2 ዜና መዋእል 26:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 17:11

2 ዜና መዋእል 26:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 11:15

2 ዜና መዋእል 26:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:13፣ ኤር 31:38፣ ዘካ 14:10
  • +ነህ 3:13
  • +2ዜና 14:2, 7

2 ዜና መዋእል 26:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወቒሩ ዀዓተ፡” ካብ ከውሒ ኪኸውን ኣለዎ።

  • *

    ወይ፡ “ከበሳን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:17

2 ዜና መዋእል 26:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:11
  • +ዘሁ 1:2, 3፣ 2ሳሙ 24:9

2 ዜና መዋእል 26:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:1፣ 13:3፣ 14:8፣ 17:14፣ 25:5

2 ዜና መዋእል 26:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 12
  • +1ሳሙ 17:4, 5
  • +መሳ 20:16፣ 1ሳሙ 17:49፣ 1ዜና 12:1, 2

2 ዜና መዋእል 26:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:2, 7

2 ዜና መዋእል 26:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 1:51

2 ዜና መዋእል 26:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:39, 40፣ 18:7
  • +ዘጸ 30:7፣ 1ዜና 23:13

2 ዜና መዋእል 26:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:10፣ 25:15, 16
  • +ዘሁ 12:10፣ 2ነገ 5:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1504

2 ዜና መዋእል 26:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1501

2 ዜና መዋእል 26:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 13:45, 46፣ ዘሁ 5:2፣ 12:14, 15
  • +2ነገ 15:5-7

2 ዜና መዋእል 26:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1፣ 6:1

2 ዜና መዋእል 26:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:32

ሓፈሻዊ

2 ዜና 26:1ማቴ 1:8
2 ዜና 26:12ነገ 14:21
2 ዜና 26:21ነገ 9:26፣ 2ነገ 16:6
2 ዜና 26:22ነገ 14:22
2 ዜና 26:3ኢሳ 1:1፣ 6:1
2 ዜና 26:32ነገ 15:2
2 ዜና 26:42ነገ 14:1, 3
2 ዜና 26:52ዜና 14:7፣ መዝ 1:2, 3
2 ዜና 26:62ሳሙ 8:1፣ 2ዜና 21:16፣ ኢሳ 14:29
2 ዜና 26:61ዜና 18:1
2 ዜና 26:6እያ 15:11, 12
2 ዜና 26:6እያ 15:20, 46፣ 1ሳሙ 5:1
2 ዜና 26:72ዜና 17:11
2 ዜና 26:8ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 11:15
2 ዜና 26:92ነገ 14:13፣ ኤር 31:38፣ ዘካ 14:10
2 ዜና 26:9ነህ 3:13
2 ዜና 26:92ዜና 14:2, 7
2 ዜና 26:102ነገ 9:17
2 ዜና 26:112ዜና 24:11
2 ዜና 26:11ዘሁ 1:2, 3፣ 2ሳሙ 24:9
2 ዜና 26:132ዜና 11:1፣ 13:3፣ 14:8፣ 17:14፣ 25:5
2 ዜና 26:142ዜና 11:5, 12
2 ዜና 26:141ሳሙ 17:4, 5
2 ዜና 26:14መሳ 20:16፣ 1ሳሙ 17:49፣ 1ዜና 12:1, 2
2 ዜና 26:152ዜና 14:2, 7
2 ዜና 26:16ዘሁ 1:51
2 ዜና 26:18ዘሁ 16:39, 40፣ 18:7
2 ዜና 26:18ዘጸ 30:7፣ 1ዜና 23:13
2 ዜና 26:192ዜና 16:10፣ 25:15, 16
2 ዜና 26:19ዘሁ 12:10፣ 2ነገ 5:27
2 ዜና 26:21ዘሌ 13:45, 46፣ ዘሁ 5:2፣ 12:14, 15
2 ዜና 26:212ነገ 15:5-7
2 ዜና 26:22ኢሳ 1:1፣ 6:1
2 ዜና 26:232ነገ 15:32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 26:1-23

2 ዜና መዋእል

26 ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ዑዝያ+ ወሲዶም፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።+ 2 ንጉስ* ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ንሱ ንኤሎት+ ዳግም ሰርሓ፡ ናብ ይሁዳ እውን መለሳ።+ 3 ዑዝያ+ ኺነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 16 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 52 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የኮልያ እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 4 ንሱ ኸምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 5 ብዘመን እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈርሆ ዚምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ድማ፡ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ኣብቲ ንየሆዋ ዚደልየሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የቕንዓሉ ነበረ።+

6 ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡+ መካበብያ ጋትን+ መካበብያ ያብነን+ መካበብያ ኣሽዶድን+ ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ክሊ ኣሽዶድን ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሐ። 7 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንን ኣንጻር እቶም ኣብ ጉርበዓል ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር መዑኒምን ይሕግዞ ነበረ። 8 እቶም ዓሞናውያን+ ከኣ ንዑዝያ ግብሪ ሃብዎ። ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ዝናኡ ኽሳብ ግብጺ ተዘርግሐ። 9 ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ኣፍ ደገ መኣዝንን+ ኣብ ኣፍ ደገ ስንጭሮን+ ኣብ ደጋፍ መንደቕን ግምብታት ሃነጸ፡+ ኣጽንዖ እውን። 10 ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻ ግምብታት ሃነጸ፡+ ብዙሕ መዕቘሪታት ማይ እውን ኰዓተ፣* ኣብ ሼፈላን ኣብ ጐልጐልን* እውን ከምኡ ገበረ። ሕርሻ ይፈቱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቀርሜሎስን ሓረስቶትን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።

11 ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተዓጥቀ ሰራዊት ነበሮ። ብኽፍልታት ተወዲቦም ድማ ንወተሃደራዊ ወፈራ ይወጹ ነበሩ። ንዓታቶም ከኣ የዒኤል እቲ ጸሓፍን+ ማዓስያ እቲ ሓለቓን፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ዝዀነ ሓናንያ ዀይኖም ቈጸርዎምን መዝገብዎምን።+ 12 ብዘሎ ቝጽሪ እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ዝዀኑ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 2,600 ነበረ። 13 ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝነበረ ዕጡቕ ሰራዊት፡ 307,500 ነበረ፣ እዚ ድማ ንንጉስ ኣንጻር ጸላእቱ ዚሕግዞ ንውግእ እተዳለወ ሓያል ሰራዊት ነበረ።+ 14 ዑዝያ ኸኣ ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ዋላቱን ሕላሳትን+ ቍራዓት ርእስን ድርዕታትን+ ቀስትታትን ኣእማን ወንጭፍን+ ኣዕጠቖ። 15 ኣብ የሩሳሌም ድማ ብመሃንድሳት እተነድፈ መሳርያታት ውግእ ገበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናት መካበብያን ተገብረ፡+ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን እውን ኪውርውር ይኽእል ነበረ። ንሱ ብዜደንቕ መገዲ ተሓጊዙን በርቲዑን ስለ ዝነበረ፡ ዝናኡ ኽሳብ ርሑቕ ተዘርግሐ።

16 ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምእታው ድማ ንየሆዋ ኣምላኹ ጠለሞ።+ 17 ብኡብኡ፡ ካህን ዓዛርያን 80 ተባዓት ካህናት የሆዋን ደድሕሪኡ ኣተዉ። 18 ንሳቶም ድማ ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ እውን በልዎ፦ “ኦ ዑዝያ፡ ንስኻ ንየሆዋ ዕጣን ክትዓጥን ግቡእ ኣይኰነን!+ እቶም እተቐደሱ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮን እዮም እሞ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ዕጣን ኪዓጥኑ ዘለዎም።+ ጠሊምካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ መቕደስ ውጻእ፣ በዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ።”

19 ዑዝያ ግና ነታ ዚዓጥነላ ጽንሃህ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸሎ፡ ነደረ፣+ ኣብቶም ካህናት ኪንድር ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት፡ ኣብ ግምባሩ ደዌ ወጾ።+ 20 ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም ካህናትን ምስ ጠመትዎ ድማ፡ ኣብ ግምባሩ ብደዌ ኸም እተወቕዐ ረኣዩ! ስለዚ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ፣ የሆዋ ስለ ዝወቕዖ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ እውን ተቐላጢፉ ወጸ።

21 ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ድዉይ ነበረ። ካብ ቤት የሆዋ ተወጊዱ ነበረ እሞ፡ ድዉይ ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ።+ ወዱ ዮታም ከኣ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት* ንጉስ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ ይፈርድ ነበረ።+

22 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዑዝያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ተመዝጊቡ ኣሎ። 23 ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ቀበርዎ። ግናኸ፡ “ንሱ ድዉይ እዩ” ኢሎም፡ ኣብታ ኣብ መቓብር ነገስታት ዘላ መሬት ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮታም+ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ