ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ኣምልኾ ሞሌኽ፣ ጥንቈላ (1-6)

      • ቅዱሳት ኩኑ፡ ወለድኹም ኣኽብሩ (7-9)

      • ብጾታ ንዚዕምጹ ሞት ይፍረዶም (10-21)

      • ኣብታ ምድሪ ንምንባር ቅዱሳት ኩኑ (22-26)

      • ጠንቈልቲ ይቀተሉ (27)

ዘሌዋውያን 20:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:21፣ ዘዳ 18:10

ዘሌዋውያን 20:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:11

ዘሌዋውያን 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 13:6-9

ዘሌዋውያን 20:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:5

ዘሌዋውያን 20:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:31፣ ዘዳ 18:10-12፣ ገላ 5:19, 20፣ ራእ 21:8
  • +ዘሌ 20:27፣ ግብ 16:16
  • +1ዜና 10:13

ዘሌዋውያን 20:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:44፣ 1ጴጥ 1:15, 16

ዘሌዋውያን 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:4፣ መክ 12:13
  • +ዘጸ 31:13፣ ዘሌ 21:8፣ 1ተሰ 5:23፣ 2ተሰ 2:13

ዘሌዋውያን 20:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:17፣ ዘዳ 27:16፣ ምሳ 20:20፣ ማቴ 15:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 24

ዘሌዋውያን 20:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:18፣ 22:22፣ ሮሜ 7:3፣ 1ቈረ 6:9, 10

ዘሌዋውያን 20:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ኣቦኡ ቐሊዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:8፣ ዘዳ 27:20

ዘሌዋውያን 20:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:15, 29

ዘሌዋውያን 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:5፣ ዘሌ 18:22፣ መሳ 19:22፣ ሮሜ 1:26, 27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7

ዘሌዋውያን 20:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜሕፍር ተግባር፣ ብዕልግና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:17፣ ዘዳ 27:23
  • +ዘሌ 21:9

ዘሌዋውያን 20:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:19፣ ዘዳ 27:21

ዘሌዋውያን 20:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:23

ዘሌዋውያን 20:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓብቱ ቐሊዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:9፣ ዘዳ 27:22

ዘሌዋውያን 20:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:19

ዘሌዋውያን 20:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:12, 13

ዘሌዋውያን 20:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓው ኣቦኡ ቐሊዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:14

ዘሌዋውያን 20:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርቃን ሓዉ ቐሊዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:16፣ ዘዳ 25:5

ዘሌዋውያን 20:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:26, 28
  • +ዘጸ 21:1፣ ዘዳ 5:1
  • +መክ 12:13

ዘሌዋውያን 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:3, 24፣ ዘዳ 12:30
  • +ዘሌ 18:27፣ ዘዳ 9:5

ዘሌዋውያን 20:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:17፣ 6:8፣ ዘዳ 8:7-9፣ ህዝ 20:6
  • +ዘጸ 19:5፣ 33:16፣ 1ነገ 8:53፣ 1ጴጥ 2:9

ዘሌዋውያን 20:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:46, 47፣ ዘዳ 14:4-20
  • +ዘሌ 11:43

ዘሌዋውያን 20:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:2፣ መዝ 99:5፣ 1ጴጥ 1:15, 16፣ ራእ 4:8
  • +ዘዳ 7:6

ዘሌዋውያን 20:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6፣ ዘዳ 18:10-12፣ ራእ 21:8

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 20:2ዘሌ 18:21፣ ዘዳ 18:10
ዘሌ. 20:3ህዝ 5:11
ዘሌ. 20:4ዘዳ 13:6-9
ዘሌ. 20:5ዘጸ 20:5
ዘሌ. 20:6ዘሌ 19:31፣ ዘዳ 18:10-12፣ ገላ 5:19, 20፣ ራእ 21:8
ዘሌ. 20:6ዘሌ 20:27፣ ግብ 16:16
ዘሌ. 20:61ዜና 10:13
ዘሌ. 20:7ዘሌ 11:44፣ 1ጴጥ 1:15, 16
ዘሌ. 20:8ዘሌ 18:4፣ መክ 12:13
ዘሌ. 20:8ዘጸ 31:13፣ ዘሌ 21:8፣ 1ተሰ 5:23፣ 2ተሰ 2:13
ዘሌ. 20:9ዘጸ 21:17፣ ዘዳ 27:16፣ ምሳ 20:20፣ ማቴ 15:4
ዘሌ. 20:10ዘዳ 5:18፣ 22:22፣ ሮሜ 7:3፣ 1ቈረ 6:9, 10
ዘሌ. 20:11ዘሌ 18:8፣ ዘዳ 27:20
ዘሌ. 20:12ዘሌ 18:15, 29
ዘሌ. 20:13ዘፍ 19:5፣ ዘሌ 18:22፣ መሳ 19:22፣ ሮሜ 1:26, 27፣ 1ቈረ 6:9, 10፣ ይሁ 7
ዘሌ. 20:14ዘሌ 18:17፣ ዘዳ 27:23
ዘሌ. 20:14ዘሌ 21:9
ዘሌ. 20:15ዘጸ 22:19፣ ዘዳ 27:21
ዘሌ. 20:16ዘሌ 18:23
ዘሌ. 20:17ዘሌ 18:9፣ ዘዳ 27:22
ዘሌ. 20:18ዘሌ 18:19
ዘሌ. 20:19ዘሌ 18:12, 13
ዘሌ. 20:20ዘሌ 18:14
ዘሌ. 20:21ዘሌ 18:16፣ ዘዳ 25:5
ዘሌ. 20:22ዘሌ 18:26, 28
ዘሌ. 20:22ዘጸ 21:1፣ ዘዳ 5:1
ዘሌ. 20:22መክ 12:13
ዘሌ. 20:23ዘሌ 18:3, 24፣ ዘዳ 12:30
ዘሌ. 20:23ዘሌ 18:27፣ ዘዳ 9:5
ዘሌ. 20:24ዘጸ 3:17፣ 6:8፣ ዘዳ 8:7-9፣ ህዝ 20:6
ዘሌ. 20:24ዘጸ 19:5፣ 33:16፣ 1ነገ 8:53፣ 1ጴጥ 2:9
ዘሌ. 20:25ዘሌ 11:46, 47፣ ዘዳ 14:4-20
ዘሌ. 20:25ዘሌ 11:43
ዘሌ. 20:26ዘሌ 19:2፣ መዝ 99:5፣ 1ጴጥ 1:15, 16፣ ራእ 4:8
ዘሌ. 20:26ዘዳ 7:6
ዘሌ. 20:27ዘጸ 22:18፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6፣ ዘዳ 18:10-12፣ ራእ 21:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 20:1-27

ዘሌዋውያን

20 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚቕመጡ ጓኖት፡ ዘርኡ ንሞሌኽ ዚህብ ዘበለ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። 3 ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ብምሃብ ንመቕደሰይ ኣርኪሱን+ ንቕዱስ ስመይ ኣሕሲሩን እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቍሶ እየ። 4 እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሌኽ ኪህብ ከሎ፡ ህዝቢ እታ ምድሪ ዀነ ኢሎም ኣዒንቶም እንተ ዓሚቶምን እንተ ዘይቀቲሎምዎን፡+ 5 ሽዑ ኣነ ነቲ ሰብኣይን ንቤተ ሰቡን ብርግጽ ገጸይ ናባታቶም ገይረ ኽጻረሮም እየ።+ ነቲ ሰብኣይ ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ሓቢሮም ምስ ሞሌኽ ዝመንዘሩ ኻብ ህዝቡ ኽምንቍሶ እየ።

6 “‘ምሳታቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምንዝር ኢሉ ናብ ጠየቕቲ መናፍስትን+ ናብ ጠንቈልትን+ ንዚምለስ ሰብ፡* ነቲ ሰብ* እቲ ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ።+

7 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+ 8 ሕግታተይ ሓልዉ፡ ግበርዎ እውን።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ እየ።+

9 “‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም ዘበለ ሰብ ብርግጽ ይቀተል።+ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ።

10 “‘ምስ ሰበይቲ ኻልእ ብዛዕባ ዝዘመወ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዘማውን እታ ዘማዊትን ብርግጽ ይቀተሉ።+ 11 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ፡ ንኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡+ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 12 ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወዱ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። እዚ ዘይባህርያዊ እዩ። ደሞም ከኣ ኣብ ርእሶም እዩ።+

13 “‘ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ገይሩ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ፍንፉን ነገር ገይሮም እዮም እሞ፡+ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ።

14 “‘ሰብኣይ ንሰበይቲ ምስ ኣዲኣ እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ጽያፍ* እዩ።+ እዚ ጽያፍ እዚ ኣብ መንጎኹም ምእንቲ ኸይቅጽል፡ ንዕኡን ንዓታተንን ብሓዊ የንድድዎም።+

15 “‘ሰብኣይ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኺቡ፡ ብርግጽ ይቀተል፣ ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ።+ 16 ሰበይቲ ምስኡ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ናብ እንስሳ እንተ ቐሪባ፡+ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፣ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ።

17 “‘ሰብኣይ ምስ ሓብቱ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ዕርቃና ኸኣ እንተ ርእዩ፡ ንሳ እውን ዕርቃኑ እንተ ርእያ፡ እዚ ነውሪ እዩ።+ ካብ ቅድሚ ኣዒንቲ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሓብቱ ንሕፍረት ኣቃሊዕዋ* እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ይኹን።

18 “‘ሰብኣይ ብጻግኒኣ ምስ ዘላ ሰበይቲ ደቂሱ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ንሱን ንሳን ምፍሳስ ደማ ቐሊዖም እዮም እሞ፡+ ክልቲኦም ካብ መንጎ ህዝቦም ይመንቈሱ።

19 “‘ንቐረባ ዘመድካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ እሞ፡ ምስ ሓትኖኻ ወይ ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ እዚኣቶም ብስሕተቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። 20 ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ ንሓው ኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ።+ እዚኣቶም ብሓጢኣቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። ሓድጊ ዘይብሎም ይሙቱ። 21 ሰብኣይ ሰበይቲ ሓው እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ፍንፉን እዩ።+ ንሓዉ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ይኹኑ።

22 “‘እታ ኽትቅመጡላ ኢለ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ምእንቲ ኸይትተፍኣኩም፡+ ኵሉ ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፡+ ግበርዎ እውን።+ 23 ብሕግታት እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ ኣይትመላለሱ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ዅሉ ገይሮም እዮም፡ ኣነ እውን እፍንፍኖም እየ።+ 24 ስለዚ፡ “ምድሮም ክትርስተዩ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ርስትኹም ገይረ ኽህበኩም እየ።+ ኣነ ኻብ ኣህዛብ ዝፈለኹኹም የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” በልኩኹም።+ 25 ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዑፍ ፍለዩ።+ በቲ ኸም ርኹስ ክትርእይዎ ኢለ ዝፈለኹልኩም እንስሳ ወይ ዑፍ ወይ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ርእስኹም* ኣይተፈንፍኑ።+ 26 ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ።+ ናተይ ክትኰኑ ድማ ካብ ህዝብታት እፈልየኩም ኣለኹ።+

27 “‘ጠያቒ መናፍስቲ ወይ ጠንቋሊ* ዝዀነ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብርግጽ ይቀተል።+ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎም። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ