ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ኣማስያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-4)

      • ምስ ኤዶም ዝገበሮ ውግእ (5-13)

      • ኣማስያ ዝገበሮ ኣምልኾ ጣኦት (14-16)

      • ምስ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ውግእ (17-24)

      • ሞት ኣማስያ (25-28)

2 ዜና መዋእል 25:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:1-6

2 ዜና መዋእል 25:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:26

2 ዜና መዋእል 25:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 24:16

2 ዜና መዋእል 25:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:11, 12
  • +ዘሁ 1:2, 3

2 ዜና መዋእል 25:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

2 ዜና መዋእል 25:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 19:2

2 ዜና መዋእል 25:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:11፣ 20:6

2 ዜና መዋእል 25:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:7፣ ምሳ 10:22፣ ሃጌ 2:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    5/2023፡ ገጽ 7

2 ዜና መዋእል 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:13፣ መዝ 60:ልዕለ ጽሑፍ
  • +2ነገ 14:7፣ 2ዜና 20:10, 11

2 ዜና መዋእል 25:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 25:9
  • +1ነገ 16:29
  • +2ዜና 8:3, 5

2 ዜና መዋእል 25:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:3, 5፣ ዘዳ 7:25፣ 2ዜና 28:22, 23

2 ዜና መዋእል 25:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:20፣ መዝ 115:8፣ ኤር 2:5፣ 10:5

2 ዜና መዋእል 25:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:10፣ 18:25, 26
  • +ኢሳ 30:10
  • +1ሳሙ 2:25፣ ምሳ 29:1

2 ዜና መዋእል 25:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጽ ንገጽ ንርአአ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:8-10

2 ዜና መዋእል 25:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ወቒዕካዮ።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 25:11

2 ዜና መዋእል 25:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 25:14
  • +2ዜና 22:7
  • +2ነገ 14:11-14

2 ዜና መዋእል 25:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 21:8, 16፣ 1ሳሙ 6:19

2 ዜና መዋእል 25:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድንኳኑ።”

2 ዜና መዋእል 25:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣሓዝያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

  • *

    ኣስታት 178 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 8:16፣ 12:38, 39
  • +2ዜና 26:9፣ ኤር 31:38፣ ዘካ 14:10

2 ዜና መዋእል 25:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ትሕቲ ሓልዮት።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:51፣ 15:18፣ 2ነገ 24:12, 13፣ 25:13-15፣ 2ዜና 12:9

2 ዜና መዋእል 25:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:1
  • +2ነገ 13:10
  • +2ነገ 14:17-20

2 ዜና መዋእል 25:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:20፣ 15:8, 10፣ 21:23

ሓፈሻዊ

2 ዜና 25:12ነገ 14:1-6
2 ዜና 25:32ዜና 24:26
2 ዜና 25:4ዘዳ 24:16
2 ዜና 25:51ሳሙ 8:11, 12
2 ዜና 25:5ዘሁ 1:2, 3
2 ዜና 25:72ዜና 19:2
2 ዜና 25:82ዜና 14:11፣ 20:6
2 ዜና 25:91ሳሙ 2:7፣ ምሳ 10:22፣ ሃጌ 2:8
2 ዜና 25:112ሳሙ 8:13፣ መዝ 60:ልዕለ ጽሑፍ
2 ዜና 25:112ነገ 14:7፣ 2ዜና 20:10, 11
2 ዜና 25:132ዜና 25:9
2 ዜና 25:131ነገ 16:29
2 ዜና 25:132ዜና 8:3, 5
2 ዜና 25:14ዘጸ 20:3, 5፣ ዘዳ 7:25፣ 2ዜና 28:22, 23
2 ዜና 25:152ዜና 24:20፣ መዝ 115:8፣ ኤር 2:5፣ 10:5
2 ዜና 25:162ዜና 16:10፣ 18:25, 26
2 ዜና 25:16ኢሳ 30:10
2 ዜና 25:161ሳሙ 2:25፣ ምሳ 29:1
2 ዜና 25:172ነገ 14:8-10
2 ዜና 25:192ዜና 25:11
2 ዜና 25:202ዜና 25:14
2 ዜና 25:202ዜና 22:7
2 ዜና 25:202ነገ 14:11-14
2 ዜና 25:21እያ 21:8, 16፣ 1ሳሙ 6:19
2 ዜና 25:23ነህ 8:16፣ 12:38, 39
2 ዜና 25:232ዜና 26:9፣ ኤር 31:38፣ ዘካ 14:10
2 ዜና 25:241ነገ 7:51፣ 15:18፣ 2ነገ 24:12, 13፣ 25:13-15፣ 2ዜና 12:9
2 ዜና 25:252ነገ 14:1
2 ዜና 25:252ነገ 13:10
2 ዜና 25:252ነገ 14:17-20
2 ዜና 25:272ነገ 12:20፣ 15:8, 10፣ 21:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 25:1-28

2 ዜና መዋእል

25 ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዮዓዳን እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 2 ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ብምሉእ ልቢ ኣይኰነን። 3 እታ መንግስቲ ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኰነት፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።+ 4 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት” ኢሉ የሆዋ ኸም ዝኣዘዘ ተጻሒፉ ዘሎ ብምግባር፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።+

5 ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤቶም፡ ንዅሎም ይሁዳን ብንያምን በብኣሕሉቕ ሽሕን በብኣሕሉቕ ሚእትን ደው ኣበሎም።+ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘበሉ መዝገቦም፣+ ሕላስን ዓብዪ ዋልታን ሒዞም ኣብ ሰራዊት ዜገልግሉ ድማ፡ 300,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ ዀይኖም ረኸቦም። 6 ካብ እስራኤል ከኣ፡ ብ100 ታለንት* ብሩር 100,000 ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ። 7 ሓደ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “ኦ ንጉስ፡ የሆዋ ምስ እስራኤል፡ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡+ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። 8 ግናኸ፡ በይንኻ ኺድ፡ ግበር፡ ኣብ ውግእ እውን ትባዕ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ኪረድእ ኰነ ኼዐንቅፍ ሓይሊ ኣለዎ እሞ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኼዐንቅፈካ እዩ” በሎ። 9 ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “እቲ ንሰራዊት እስራኤል ዝሃብክዎ 100 ታለንትኸ፧” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ “የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 10 ሽዑ፡ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ሰራዊት ናብ ቦታኦም ኪኸዱ ኣሰናበቶም። ንሳቶም ግና ብይሁዳ ኣዝዮም ተቘጥዑ፣ ናብ ቦታኦም ከኣ ብቝጥዓ ነዲዶም ተመልሱ።

11 ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንሰራዊቱ ናብ ስንጭሮ ጨው መርሖ፣+ ካብ ደቂ ሰዒር ከኣ 10,000 ቀተለ።+ 12 እቶም ሰብ ይሁዳ ድማ ን10,000 ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም። ናብ ርእሲ ሓደ ኸውሒ ኣደይቦም ከኣ፡ ካብ ርእሲ እቲ ኸውሒ ኣጽደፍዎም፣ ኵላቶም ድማ ተሓምሸሹ። 13 ኣባላት እቶም ኣማስያ ምስኡ ናብ ውግእ ከይከዱ ዝመለሶም ሰራዊት ግና፡+ ካብ ሰማርያ+ ኽሳብ ቤት-ሖሮን፡+ ንኸተማታት ይሁዳ ይወርርወን ነበሩ፣ ካባታተን 3,000 ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮ እውን ማረኹ።

14 ኣማስያ ንኤዶማውያን ወቒዑ ምስ ተመልሰ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ኣምጺኡ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ኣቘሞም፣+ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዓጠነሎም እውን። 15 ስለዚ፡ የሆዋ ብኣማስያ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰዲዱ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየናገፉ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ እትስዕቦም ዘለኻ፧” በሎ።+ 16 ንሱ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ንጉስ፡ “ኣማኻሪ ንጉስ ጌርናዶ ሸይምናካ ኢና፧+ ሕደግ፡+ ንምንታይ ዚቐትሉኻ፧” በሎ። እቲ ነብዪ ኸኣ ሓደገ፣ ግናኸ፡ “እዚ ስለ ዝገበርካን ንምኽረይ ስለ ዘይሰማዕካን፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝወሰነ ፈሊጠ” በለ።+

17 ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ምስ ኣማኸርቱ ምስ ተማኸረ፡ ናብ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ንጉስ እስራኤል ልኢኹ፡ “ንዓ፡ ንሓድሕድና ኣብ ውግእ ንጋጠም”* በሎ።+ 18 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ፡ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ግናኸ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እንስሳ ዘገዳም ሓለፈ እሞ፡ ነቲ እሾዅ ረገጾ። 19 ‘እንሆ፡ ንኤዶም ወቒዐዮ’* ትብል ኣለኻ።+ ልብኻ ድማ ኪኽበር ደልዩ ተዓብዩ ኣሎ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ቤትካ* ተቐመጥ። ንይሁዳ ምሳኻ ኽትልክሞሲ፡ ስለምንታይ መዓት ኣለዓዒልካ እትወድቕ፧”

20 ግናኸ፡ ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝሰዓብዎም፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡+ ኣማስያ ኣይሰምዐን።+ 21 ሽዑ፡ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፣ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቤት-ሸመሽ+ ናይ ይሁዳ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ተጋጠሙ። 22 ይሁዳ ኸኣ ብእስራኤል ተሳዕረ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ቤቱ* ሃደመ። 23 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡* ኣብ ቤት-ሸመሽ ሓዞ። ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ፣ ንመካበብያ የሩሳሌም ከኣ ካብ ኣፍ ደገ ኤፍሬም+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡+ 400 እመት* ኣፍረሰ። 24 ነቲ ምስ* ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቕሑን ወሰደ፣+ ብዘይካዚ እውን ጅሆ ወሰደ። ናብ ሰማርያ ድማ ተመልሰ።

25 ኣማስያ+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል 15 ዓመት ብህይወት ጸንሐ።+ 26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣማስያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉዶ የሎን፧ 27 ካብታ ኣማስያ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዘልገሰላ ግዜ ኣትሒዞም፡ ኣብ የሩሳሌም ውዲት ኣለሙሉ፣+ ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ፣ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰደዱ፡ ኣብኣ እውን ቀተልዎ። 28 ኣብ ኣፍራስ ጽዒኖም ከኣ መለስዎ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ይሁዳ ቐበርዎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ