ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ክፍልታት እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ (1-19)

      • ተሓዝቲ መዛግብትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን (20-32)

1 ዜና መዋእል 26:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 9:2, 22፣ 2ዜና 23:16, 19
  • +1ዜና 26:14, 19

1 ዜና መዋእል 26:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:14, 19

1 ዜና መዋእል 26:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 16:33

1 ዜና መዋእል 26:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:4, 5

1 ዜና መዋእል 26:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:10, 11

1 ዜና መዋእል 26:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:15

1 ዜና መዋእል 26:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:16

1 ዜና መዋእል 26:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተወፈየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:51፣ 14:25, 26፣ 1ዜና 9:26፣ 18:10, 11

1 ዜና መዋእል 26:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:8

1 ዜና መዋእል 26:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:18

1 ዜና መዋእል 26:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 3:27

1 ዜና መዋእል 26:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 18:3, 4
  • +1ዜና 23:17

1 ዜና መዋእል 26:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:3, 4
  • +1ዜና 29:6, 7
  • +ዘሁ 31:50፣ 1ዜና 18:10, 11

1 ዜና መዋእል 26:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:19
  • +ዘሁ 31:28

1 ዜና መዋእል 26:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:9
  • +1ሳሙ 14:50
  • +2ሳሙ 20:23
  • +2ሳሙ 2:18

1 ዜና መዋእል 26:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:12
  • +ዘዳ 17:9፣ 2ዜና 19:8

1 ዜና መዋእል 26:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:12

1 ዜና መዋእል 26:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:19
  • +1ዜና 29:26, 27
  • +እያ 13:24, 25፣ 21:8, 39

ሓፈሻዊ

1 ዜና 26:11ዜና 9:2, 22፣ 2ዜና 23:16, 19
1 ዜና 26:11ዜና 26:14, 19
1 ዜና 26:91ዜና 26:14, 19
1 ዜና 26:13ምሳ 16:33
1 ዜና 26:151ዜና 26:4, 5
1 ዜና 26:161ዜና 26:10, 11
1 ዜና 26:171ዜና 26:15
1 ዜና 26:181ዜና 26:16
1 ዜና 26:201ነገ 7:51፣ 14:25, 26፣ 1ዜና 9:26፣ 18:10, 11
1 ዜና 26:211ዜና 29:8
1 ዜና 26:221ነገ 15:18
1 ዜና 26:23ዘሁ 3:27
1 ዜና 26:25ዘጸ 18:3, 4
1 ዜና 26:251ዜና 23:17
1 ዜና 26:261ዜና 29:3, 4
1 ዜና 26:261ዜና 29:6, 7
1 ዜና 26:26ዘሁ 31:50፣ 1ዜና 18:10, 11
1 ዜና 26:27እያ 6:19
1 ዜና 26:27ዘሁ 31:28
1 ዜና 26:281ሳሙ 9:9
1 ዜና 26:281ሳሙ 14:50
1 ዜና 26:282ሳሙ 20:23
1 ዜና 26:282ሳሙ 2:18
1 ዜና 26:291ዜና 23:12
1 ዜና 26:29ዘዳ 17:9፣ 2ዜና 19:8
1 ዜና 26:301ዜና 23:12
1 ዜና 26:311ዜና 23:19
1 ዜና 26:311ዜና 29:26, 27
1 ዜና 26:31እያ 13:24, 25፣ 21:8, 39
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 26:1-32

1 ዜና መዋእል

26 ክፍልታት እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ካብ ቆራሓውያን፡ መሸለምያ+ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ። 2 መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡ 3 እቲ ሓምሻይ ዔላም፡ እቲ ሻድሻይ ዮሓናን፡ እቲ ሻውዓይ ኤልይሆ-ዔናይ። 4 ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ሳካር፡ እቲ ሓምሻይ ናትናኤል፡ 5 እቲ ሻድሻይ ዓሚኤል፡ እቲ ሻውዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሻምናይ ጰዑለታይ፣ ኣምላኽሲ ባሪኽዎ ነበረ።

6 ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ፡ ኣወዳት ተወልዱሉ፣ ንሳቶም ክኢላታት ሓያላት ነበሩ እሞ፡ ኣሕሉቕ ማይ ቤታቶም ኰኑ። 7 ደቂ ሸማዕያ፦ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፣ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን እውን ክኢላታት ነበሩ። 8 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዖቤድ-ኤዶም እዮም፣ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን፡ ንኣገልግሎት ብቑዓት ክኢላታት ሰባት፡ 62 ናይ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ። 9 መሸለምያ+ ድማ ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ 18 ክኢላታት ሰባት። 10 ሖሳ ኻብ ደቂ መራሪ ኸኣ ደቂ ነበርዎ። ሺምሪ ርእሲ ነበረ፣ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣቦኡ ርእሲ ገይሩ ሸሞ፣ 11 እቲ ኻልኣይ ሒልቅያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠባልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ። ኵሎም ደቅን ኣሕዋትን ሖሳ 13 ነበሩ።

12 ካብዞም ክፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡ እቲ ርእሲ ኸምቶም ኣሕዋቱ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግል ሓላፍነት ነበሮ። 13 ስለዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ብማዕረ፡ በብማይ ቤቶም፡ ንኣፍ ደገታት ዕጫ ኣውደቑ።+ 14 እቲ ናይ ምብራቕ ዕጫ ኸኣ ናብ ሸለምያ ወደቐ። ነቲ ኣስተውዓሊ ኣማኻሪ ዝነበረ ዘካርያስ ወዱ ዕጫ ኣውደቑሉ፣ ዕጫኡ ድማ ብሰሜን ወጸ። 15 ዖቤድ-ኤዶም ከኣ ብደቡብ ወጸሉ፣ ደቁ+ ድማ ኣብቲ ማዕከናት ተመደቡ። 16 ሹጲምን ሖሳን+ ድማ ጕጅለ ሓለዋ ኣብ ጐድኒ ጕጅለ ሓለዋ ኪዀኑ፡ ብምዕራብ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ሻለክት፡ ኣብቲ ንዓቐብ ዚድይብ ጐደና ወጸሎም። 17 ብምብራቕ ሽዱሽተ ሌዋውያን ነበሩ፣ ብሰሜን ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ብደቡብ ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ኣብቲ ማዕከናት+ ከኣ ክልተ ብኽልተ ነበሩ፣ 18 ኣብቲ ብምዕራብ ዝነበረ ወገፈ፡ ኣብቲ ጐደና+ ኣርባዕተ፡ ኣብቲ ወገፈ ድማ ክልተ ነበሩ። 19 እቶም ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ካብ ደቂ መራራውያንን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ እዚኣቶም እዮም።

20 ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ* ነገራትን ሓላፍነት ነበሮ።+ 21 ደቂ ላዕዳን፦ ደቂ ጌርሾናውያን ናይ ላዕዳን፡ ማለት ርእስታት ማይ ቤታት ናይ ላዕዳን እቲ ጌርሾናዊ፡ የሒኤሊ፡+ 22 ደቂ የሒኤሊ ድማ፡ ዜታምን ሓዉ ዮኤልን። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት የሆዋ+ ሓላፍነት ነበሮም። 23 ካብ ዓምራማውያንን ይጽሃራውያንን ኬብሮናውያንን ዑዚኤላውያንን፡+ 24 ሸቡኤል ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት ሓላፍነት ዝነበሮ መራሒ ነበረ። 25 እቶም ካብ ኤልዔዘር+ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ+ ወዱ፡ የሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ። 26 እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ መዛግብቲ እቲ ንጉስ ዳዊትን+ ርእስታት ማይ ቤታትን+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዝቐደስዎ እተቐደሰ ነገራት ሓላፍነት ነበሮም።+ 27 ንሳቶም ካብ ውግእን+ ካብ ምርኮን+ ንመተዓራረዪ ቤት የሆዋ ቐዲሶም ነበሩ፣ 28 ኵሉ እቲ ሳሙኤል እቲ ረኣይን+ ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብኔር+ ወዲ ኔርን ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ዝቐደስዎ እውን ከምኡ። ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ዘበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሸሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ።

29 ካብ ይጽሃራውያን፡+ ከናንያን ደቁን ኣብ ናይ ግዳም ምምሕዳራዊ ዕዮ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣሕሉቕን ፈራዶን+ ኪዀኑ ተመደቡ።

30 ካብ ኬብሮናውያን፡+ ሓሻብያን ኣሕዋቱን፡ 1,700 ክኢላታት ሰብኡት፡ ንዅሉ ዕዮ የሆዋን ንዅሉ ኣገልግሎት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር እቲ ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዘሎ ዞባ እስራኤል ነበሩ። 31 ካብ ኬብሮናውያን፡ የሪያ+ ብትውልዲ ማይ ቤታቶም ርእሲ ኬብሮናውያን ነበረ። ኣብ መበል 40 ዓመት ንግስና ዳዊት+ ተደልዩ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣብ ያዕዜር+ ኣብ ጊልዓድ ክኢላታት ሓያላት ተረኽቡ። 32 ኣሕዋቱ ኸኣ 2,700 ዝቝጽሮም ክኢላታት ሰብኡት፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነገር ንጉስን፡ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናስያውያንን መደቦም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ