ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። ናይ ዳዊት።
61 ኦ ኣምላኽ፡ ኣውያተይ ስማዕ።
ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።+
2 ልበይ ምስ ቀበጸ፡+
ካብ ወሰናት ምድሪ ናባኻ ኸእዊ እየ፣
ካባይ ልዕል ናብ ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።+
3 ንስኻስ መዕቈብየይ፡
ካብ ጸላኢ ዜዕቍበኒ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ።+
4 ንዘለኣለም ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ፣+
ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ኽዕቈብ እየ።+ (ሴላ)
5 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መብጽዓታተይ ሰሚዕካ ኣለኻ።
ርስቲ እቶም ስምካ ዚፈርሁ ሂብካኒ ኣለኻ።+
6 ንዕድመ ንጉስ መዓልትታት ክትውስኸሉ ኢኻ፣+
ዓመታቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኪኸውን እዩ።
7 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ኪቕመጥ እዩ፣+
ምእንቲ ኺሕልዋኦስ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ሃቦ።+
8 ሽዑ፡ መዓልቲ መዓልቲ መብጽዓታተይ ክፍጽም ከለኹ፡+
ንስምካ ንዘለኣለም ውዳሰ ኽዝምረሉ እየ።+