35 በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡+
ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።+
2 ብርግጽ ኪዕምብብ እዩ፣+
ኪሕጐስን እልል ኪብልን እዩ።
ክብሪ ሊባኖስ፡+
ግርማ ቀርሜሎስን+ ሳሮንን+ ኪውሃቦ እዩ።
ክብሪ የሆዋ፡ ግርማ ኣምላኽና፡ ኪርእዩ እዮም።
3 ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፣
ወለል ንዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ።+
4 ነቶም ጭኑቕ ዝልቦም፡
“በርትዑ። ኣይትፍርሁ።
እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነ ኺመጽእ፡
ምስ ፍዳ እውን ኪመጽእ እዩ።+
ኪመጽእን ኬድሕነኩምን እዩ”+ በልዎም።
5 ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡+
ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።+
6 ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡+
ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ።+
ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡
ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።
7 ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ፡
ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ።+
ኣብ ሰፈር ወኻሩ፡+
ሳዕርን ሻምብቆን ጳጲሮስን ኪኸውን እዩ።
8 ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡+
እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ።
ርኹስ ብእኣ ኣይኪጕዓዝን እዩ።+
ነቶም በታ መገዲ ዚመላለሱ እተሓዝአት እያ፣
ዓሻ ኸኣ ስሒቱ ናብኣ ኣይኬብልን እዩ።
9 ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡
ሕሱም ኣራዊት ድማ ኣይኪድይባን እዩ።
ኣብኣ እውን ኣይኪርከብን እዩ፣+
ብጁዋት ጥራይ ደኣ ኣብኣ ኺመላለሱ እዮም።+
10 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከኣ ኪምለሱን+ ብእልልታ ናብ ጽዮን ኪመጹን እዮም።+
ዘይውዳእ ሓጐስ ድማ ኣብ ርእሶም ከም ዘውዲ ኪኸውን እዩ።+
ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣
ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+