መዝሙር
ንኣላዪ። ማህሌት። መዝሙር።
66 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ ንኣምላኽ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+
2 ነቲ ኽቡር ስሙ ዘምሩሉ።*
ክቡር ውዳሰ ሃብዎ።+
3 ንኣምላኽ ከምዚ በልዎ፦ “ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ!+
ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ሓይልኻ፡
ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ እዮም።+
5 ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርኣዩ።
ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ግብርታት ዜፍርህ እዩ።+
ኣብኡ ብእኡ ተሓጒስና።+
7 ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ።+
ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይቋመታ።+
እቶም ነቓጻት ርእሶም ልዕል ኣየብሉ።+ (ሴላ)
8 ኣቱም ህዝቢ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ።+
ድምጺ ውዳሰኡ ኸኣ ይሰማዕ።
10 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መርሚርካና ኢኻ፣+
ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ኣጽሪኻና።
11 ናብ መርበብ ሃድን ኣእቲኻና፣
ኣብ ሕቘና ኸኣ ዚደቍስ ጾር ኣንቢርካ።
13 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ሒዘ ናብ ቤትካ ኽመጽእ እየ፣+
መብጽዓታተይ ክፍጽመልካ እየ፣+
14 እዚ ድማ ከናፍረይ እተመባጽዓኦ፡+
ብግዜ ጭንቂ እውን ኣፈይ እተዛረበቶ እዩ ነይሩ።
15 ዕጣን ምስ ዚዀኑ ደዓውል፡
ዚሓርር መስዋእቲ ገይረ ስቡሓት ክስውእ እየ።
ምስ ድቤላታት ከኣ ኣብዑር ክስውእ እየ። (ሴላ)
17 ብኣፈይ ጸዊዐዮ፣
ብልሳነይ እውን ኣሞጊሰዮ።
18 ኣብ ልበይ ገለ ኽፉእ እንተ ዝሕዝ፡
የሆዋ ኣይምሰምዓንን ነይሩ።+
20 እቲ ንጸሎተይ ዘይነጸጎ፡
ብተኣማንነት ዜርእየኒ ፍቕሩ እውን ካባይ ዘየርሓቐ ኣምላኽ ይወደስ።