ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ንዳዊት ዝነበሮ ቐጻሊ ጽልኢ (1-13)

      • ዳዊት ካብ ሳኦል ኣምለጠ (14-24)

1 ሳሙኤል 19:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:9፣ ምሳ 27:4

1 ሳሙኤል 19:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1፣ ምሳ 18:24

1 ሳሙኤል 19:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:9, 13፣ ምሳ 17:17

1 ሳሙኤል 19:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:14

1 ሳሙኤል 19:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ ኣብ ኢዱ ኣንቢሩ።”

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:49
  • +1ሳሙ 20:32

1 ሳሙኤል 19:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:21፣ 18:2, 13

1 ሳሙኤል 19:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:14
  • +1ሳሙ 18:10, 11

1 ሳሙኤል 19:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ እንተ ዘየድሒንካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 59:ልዕለ ጽሑፍ፣ 59:3

1 ሳሙኤል 19:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፣ ጣኦት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2004፡ ገጽ 29

1 ሳሙኤል 19:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:9

1 ሳሙኤል 19:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፣ ጣኦት።”

1 ሳሙኤል 19:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:29

1 ሳሙኤል 19:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:15, 17
  • +1ሳሙ 20:1

1 ሳሙኤል 19:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:18

1 ሳሙኤል 19:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጥራይ ዝባኑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:11

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 19:11ሳሙ 18:9፣ ምሳ 27:4
1 ሳሙ. 19:21ሳሙ 18:1፣ ምሳ 18:24
1 ሳሙ. 19:31ሳሙ 20:9, 13፣ ምሳ 17:17
1 ሳሙ. 19:41ሳሙ 22:14
1 ሳሙ. 19:51ሳሙ 17:49
1 ሳሙ. 19:51ሳሙ 20:32
1 ሳሙ. 19:71ሳሙ 16:21፣ 18:2, 13
1 ሳሙ. 19:91ሳሙ 16:14
1 ሳሙ. 19:91ሳሙ 18:10, 11
1 ሳሙ. 19:11መዝ 59:ልዕለ ጽሑፍ፣ 59:3
1 ሳሙ. 19:151ሳሙ 18:9
1 ሳሙ. 19:171ሳሙ 18:29
1 ሳሙ. 19:181ሳሙ 7:15, 17
1 ሳሙ. 19:181ሳሙ 20:1
1 ሳሙ. 19:221ሳሙ 19:18
1 ሳሙ. 19:241ሳሙ 10:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 19:1-24

1 ሳሙኤል

19 ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን፡ ንዳዊት ብዛዕባ ምቕታል ተዛረቦም።+ 2 ዮናታን ወዲ ሳኦል ንዳዊት ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡+ ዮናታን ንዳዊት ከምዚ ኢሉ ነገሮ፦ “ኣቦይ ሳኦል ኬቕትለካ ይደሊ ኣሎ። በጃኻ፡ ተጠንቀቕ፣ ንግሆ ድማ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኼድካ ተሓባእ። 3 ኣነ ኸኣ ከይደ ኣብታ ንስኻ እትህልዋ ግራት፡ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ክብል እየ። ብዛዕባኻ ድማ ንኣቦይ ክዛረቦ እየ፣ ገለ ነገር እንተ ፈሊጠ ኸኣ፡ ብርግጽ ክነግረካ እየ።”+

4 ዮናታን ከኣ ንኣቦኡ ሳኦል፡ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረቦ።+ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዳዊት ኣይበደለካን፡ ዝገበረልካ ነገር ድማ ጠቒሙካ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። 5 ህይወቱ ቐቢጹ* እዩ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲልዎ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ዓወት* ኣምጺኡ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ርኢኻስ ተሓጒስካ ኢኻ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታል ብንጹህ ደም እትሓጥእ፧”+ 6 ሳኦል ከኣ ንዮናታን ሰምዖ፣ ሳኦል ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንሱ ኣይኪቕተልን እዩ” ኢሉ መሓለ። 7 ድሕርዚ፡ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ እሞ እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣምጽኦ፣ ንሱ ኸኣ ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።+

8 ከም ብሓድሽ ድማ ውግእ ኰነ፣ ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡ ወቒዑ ድማ ብዙሓት ቀተለ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ሃደሙ።

9 ሳኦል ኲናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊኡ መጸ፣+ ዳዊት ድማ መሰንቆ* ይወቅዕ ነበረ።+ 10 ሳኦል ከኣ በቲ ዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ፈተነ፣ ንሱ ግና ንሳኦል ኣስሓቶ እሞ፡ እቲ ዂናት ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ድማ ሃዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ። 11 ሳኦል ከኣ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ፣+ ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ “ሎሚ ለይቲ እንተ ዘየምሊጥካ፡* ጽባሕ ክትመውት ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። 12 ብኡብኡ፡ ሚካል ንዳዊት፡ ሃዲሙ ምእንቲ ኼምልጥ፡ ብመስኰት ኣውረደቶ። 13 ሚካል ከኣ ተራፊም* ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፣ ኣብ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ገበረትሉ፡ ብኽዳን እውን ከደነቶ።

14 ሳኦል ድማ ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ሰደደ፣ ንሳ ግና፡ “ሓሚሙ ኣሎ” በለት። 15 ሽዑ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪርእይዎ ልኡኻት ሰደደ፡ “ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራቱ ጌርኩም ኣምጽኡለይ” ከኣ በሎም።+ 16 እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ዓራት ተራፊም* ነበረ፣ ኣብቲ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ነበረ። 17 ሽዑ፡ ሳኦል ንሚካል፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርኪ ብምትላል ጸላእየይ ኬምልጥ ሰዲድክዮ፧” በላ።+ ሚካል ድማ ንሳኦል፡ “‘ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” ኢላ መለሰትሉ።

18 ዳዊት ከኣ ሃዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ድማ መጸ።+ ኵሉ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ኸኣ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ጸንሑ።+ 19 ንሳኦል ከኣ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 20 ብኡብኡ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ድማ ዓበይቲ እቶም ነብያት ኪንበዩ፡ ሳሙኤል ከኣ ደው ኢሉ ኺመርሖም ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሳኦል መጸ እሞ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ።

21 እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ፡ ብኡብኡ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጕጅለ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። 22 ሽዑ፡ ንሱ እውን ናብ ራማ ኸደ። ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ መዕቘር ማይ ምስ መጸ ድማ፡ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብቲ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ” ኢሎም መለሱሉ።+ 23 ሳኦል ካብኡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኪኸይድ ከሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ እውን መጸ፣ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ ኪኸይድ ከሎ ከም ነብዪ ዀይኑ ነበረ። 24 ክዳውንቱ ቐንጢጡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ከም ነብዪ ዀነ፡ ምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣን ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣን ኣብኡ ጥራዩ* በጥ በለ። ስለዚ እዮም፡ “ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ዚብሉ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ