ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሃልየ መሃልይ 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሃልየ መሃልይ—ትሕዝቶ

    • እታ ሹላማዊት ኣብ የሩሳሌም (3:6–8:4)

        • 8 ጓል (1-4)

          • “ሓወይ እንተ ትኸውን” (1)

      እታ ሹላማዊት ተመልሰት፡ ተኣማንነታ ተረጋገጸ (8:5-14)

        • ኣሕዋት እታ ጓል (5ሀ)

          • ‘እዛ ኣብ ፍቱዋ ተመርኲሳ ዘላ መን እያ፧’

        • ጓል (5ለ-7)

          • “ፍቕርስ ከም ሞት ሓያል እያ” (6)

        • ኣሕዋት እታ ጓል (8, 9)

          • “መንደቕ እንተ ዀይና፡

        • ጓል (10-12)

          • “ኣነስ መንደቕ እየ” (10)

        • ጓሳ (13)

          • ‘ድምጽኺ ግዳ ኣስምዕኒ’

        • ጓል (14)

          • ‘ከም ሰስሓ ፍጠን’

መሃልየ መሃልይ 8:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:2

መሃልየ መሃልይ 8:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 3:4

መሃልየ መሃልይ 8:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 2:6

መሃልየ መሃልይ 8:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 2:7፣ 3:5

መሃልየ መሃልይ 8:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    “ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 15:13፣ ኤፌ 5:25፣ ራእ 12:11
  • +ዘዳ 4:24፣ 1ዮሃ 4:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    5/2023፡ ገጽ 20

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 29

    15/5/2012፡ ገጽ 4

    15/11/2006፡ ገጽ 20

መሃልየ መሃልይ 8:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሱ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 13:8, 13
  • +ሮሜ 8:38, 39

መሃልየ መሃልይ 8:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:6

መሃልየ መሃልይ 8:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 2:4

መሃልየ መሃልይ 8:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሽሕሲ።”

መሃልየ መሃልይ 8:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:6፣ 6:11
  • +መሃ 2:14

መሃልየ መሃልይ 8:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 2:9, 17

ሓፈሻዊ

መሃ. 8:1መሃ 1:2
መሃ. 8:2መሃ 3:4
መሃ. 8:3መሃ 2:6
መሃ. 8:4መሃ 2:7፣ 3:5
መሃ. 8:6ዮሃ 15:13፣ ኤፌ 5:25፣ ራእ 12:11
መሃ. 8:6ዘዳ 4:24፣ 1ዮሃ 4:8
መሃ. 8:71ቈረ 13:8, 13
መሃ. 8:7ሮሜ 8:38, 39
መሃ. 8:8መሃ 1:6
መሃ. 8:11መክ 2:4
መሃ. 8:13መሃ 1:6፣ 6:11
መሃ. 8:13መሃ 2:14
መሃ. 8:14መሃ 2:9, 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሃልየ መሃልይ 8:1-14

መሃልየ መሃልይ

8 “ኣየ ኸምቲ ኣጥባት ኣደይ ዝጠበወ

ሓወይ እንተ ትኸውን!

ሽዑ፡ ኣብ ወጻኢ እንተ ዝረኽበካ፡ ምሰዓምኩኻ፣+

ዋላ ሓደ እውን ኣይምነዓቐንን።

 2 ምመራሕኩኻ፣

ናብ ቤት እታ ዝመሃረትኒ ኣደይ+

መእቶኹኻ።

እተቐምመ ወይኒ፡

ጽማቝ ሮማን መስተኹኻ።

 3 ጸጋመይቲ ኢዱ መተርኣሰትኒ፣

የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ምሓቘፈትኒ።+

 4 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦

ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+

 5 “እዛ ኣብ ፍቱዋ ተመርኲሳ

ኻብ በረኻ እትመጽእ ዘላ መን እያ፧”

“ኣብ ትሕቲ ኦም ቱፋሕ ኣንቃሕኩኻ።

ኣብኡ ኣዴኻ ቕልውላው ሓዛ።

ኣብኡ ብጻዕሪ ወለደትካ።

 6 ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡

ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።

ፍቕርስ ከም ሞት ሓያል እያ፣+

ንበይና እትደልዮ ተወፋይነት ድማ ከም መቓብር* ጽኑዕ እዩ።

ሃልሃልታኣ ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ* እዩ።+

 7 ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት ኬጥፍኣ፡+

ኣፍላግ ድማ ኪወስዳ ኣይክእልን እዩ።+

ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዜቕርብ፡

እዚ* ብጥራስ ምተናዕቀ።”

 8 “ጡብ ዘየውጽአት

ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና።+

በታ ብዛዕባኣ ዚዝረበላ መዓልቲ

ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፧”

 9 “መንደቕ እንተ ዀይና፡

ኣብ ልዕሊኣ መጋረዲ ብሩር ክንሰርሕ ኢና፣

ማዕጾ እንተ ዀይና ግና፡

ብኣልዋሕ ቄድሮስ ክንዓጽዋ ኢና።”

10 “ኣነስ መንደቕ እየ፣

ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን።

ስለዚ፡ ኣብ ኣዒንቱ፡

ሰላም ከም ዝረኸበት ኰንኩ።

11 ሰሎሞን ኣብ በዓል-ሃሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።+

ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ንሓለውቲ ብሕድሪ ሃቦ።

ነፍሲ ወከፎም ኣብ ክንዲ ፍሪኡ ሽሕ ብሩር የምጽኡ ነበሩ።

12 እታ ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እያ።

ኦ ሰሎሞን፡ ሽሕ ብሩርሲ* ናትካ፡

ክልተ ሚእቲ ድማ ናይቶም ፍሪኡ ዚሕልዉ እዩ።”

13 “ኣቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እትቕመጢ፡+

እቶም ብጾትሲ ንድምጽኺ ጽን ይብሉ እዮም።

ንዓይ ግዳ ኣስምዕኒ!”+

14 “ፍቱወየ፡ ቀልጥፍ፣

ኣብ ኣኽራን ሽቱ፡

ከም ሰስሓ

ወይ ከም ውላድ እራብ ፍጠን።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ