ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣጋርን እስማኤልን (1-16)

ዘፍጥረት 16:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:2, 3
  • +ገላ 4:25

ዘፍጥረት 16:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:1, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 12-13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 27

ዘፍጥረት 16:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 13-14

ዘፍጥረት 16:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 13-14

ዘፍጥረት 16:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:17, 18፣ ዘጸ 15:22

ዘፍጥረት 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:20፣ 25:13-16፣ 1ዜና 1:29-31

ዘፍጥረት 16:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ይሰምዕ።”

ዘፍጥረት 16:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣድጊ ኸደን፡” ዓይነት ኣድጊ መሮር። ብርእስኻ ናይ ምሕዳር ባህርይ ዜመልክት ከይኰነ ኣይተርፍን።

  • *

    ወይ፡ “ኣንጻር ኵሎም ኣሕዋቱ ዀይኑ” ኪኸውን ይኽእል።

ዘፍጥረት 16:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚርአ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 15:3

ዘፍጥረት 16:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ዒላ እቲ ዚርእየኒ ህያው።”

ዘፍጥረት 16:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:9፣ ገላ 4:22, 24

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 16:1ዘፍ 15:2, 3
ዘፍ. 16:1ገላ 4:25
ዘፍ. 16:2ዘፍ 30:1, 3
ዘፍ. 16:7ዘፍ 25:17, 18፣ ዘጸ 15:22
ዘፍ. 16:10ዘፍ 17:20፣ 25:13-16፣ 1ዜና 1:29-31
ዘፍ. 16:13ምሳ 15:3
ዘፍ. 16:15ዘፍ 21:9፣ ገላ 4:22, 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 16:1-16

ዘፍጥረት

16 ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+ 2 ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ። 3 ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ንኣጋር እታ ግብጻዊት ገረዳ ወሲዳ፡ ንሰብኣያ ኣብራም፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ። 4 ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንእመቤታ ነዓቐታ።

5 ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ “እዚ ኣባይ እተገብረ ዓገብ፡ ናትካ ጌጋ እዩ። ኣነ እየ ንገረደይ ኣብ ሕቝፍኻ ዝሃብኩኻ፣ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ከኣ ንዒቓትኒ። የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ። 6 ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ “እንሆ፡ ገረድኪ ኣብ ኢድኪ እያ። ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኪ ግበርያ” በላ። ሽዑ፡ ሳራይ ኣዋረደታ፣ ንሳ እውን ካብኣ ሃደመት።

7 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዓይኒ ማይ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ መገዲ ሹር ዘላ ዓይኒ ማይ ረኸባ።+ 8 “ኣጋር ገረድ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፧ ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ፧” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ካብ እመቤተይ ሳራይ እሃድም ኣለኹ” በለት። 9 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” በላ። 10 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በላ።+ 11 ብተወሳኺ እውን፡ መልኣኽ የሆዋ፡ “እንሆ ጥንስቲ ኢኺ፣ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ የሆዋ ጸበባኺ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ስሙ እስማኤል* ኣውጽእሉ። 12 ንሱ ኸም ኣድጊ በረኻ* ዝበለ ሰብ ኪኸውን እዩ። ኢዱ ኣንጻር ኵሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ኣንጻሩ ኽትከውን እያ፣ ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ* ኸኣ ኪቕመጥ እዩ” በላ።

13 ንሳ ድማ፡ “ነቲ ዚርእየንስ ብሓቂዶ ኣብዚ ርእየዮ እየ፧” ኢላ፡ ስም እቲ ዚዛረባ ዝነበረ የሆዋ ጸዊዓ፡ “ኣታ ዚርኢ* ኣምላኽ”+ በለት። 14 ስለዚ ኸኣ እያ እታ ዒላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ* እተባህለት። (ንሳ ኣብ መንጎ ቃዴስን ቤሬድን ኣላ።) 15 ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ፣ ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።+ 16 በቲ ኣጋር ንኣብራም፡ እስማኤል ዝወለደትሉ ግዜ፡ ኣብራም ወዲ 86 ዓመት ኰይኑ ነበረ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ