ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ሰለስተ መላእኽቲ ንኣብርሃም በጽሕዎ (1-8)

      • ንሳራ ወዲ ኸም እትወልድ ተስፋ ተዋህባ፣ ሰሓቐት (9-15)

      • ኣብርሃም ንሶዶም ለመነላ (16-33)

ዘፍጥረት 18:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:7፣ መሳ 13:21
  • +ዘፍ 13:18፣ 14:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 11

ዘፍጥረት 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 11

ዘፍጥረት 18:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 18:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:2፣ 24:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 18:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ልብኹም ኪብርትዕ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 18:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሴኣ።” ሓደ ሴኣ፡ 7.33 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2014፡ ገጽ 7

    1/10/1996፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 18:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 18:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 13:2

ዘፍጥረት 18:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:15

ዘፍጥረት 18:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:21፣ 21:2፣ ሮሜ 9:9

ዘፍጥረት 18:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ንሳራ ሓዲግዋ ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:17
  • +ሮሜ 4:19

ዘፍጥረት 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:11፣ 1ጴጥ 3:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 18:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:29፣ ማቴ 19:26፣ ሉቃ 1:36, 37

ዘፍጥረት 18:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 13:12

ዘፍጥረት 18:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 25:14፣ ኣሞ 3:7

ዘፍጥረት 18:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በረኸት ኪረኽቡ፡” ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:1-3፣ ገላ 3:14

ዘፍጥረት 18:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 27

ዘፍጥረት 18:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጴጥ 2:7, 8
  • +ዘፍ 13:13፣ ይሁ 7

ዘፍጥረት 18:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:5፣ ዘጸ 3:7, 8፣ መዝ 14:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 202

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 2

ዘፍጥረት 18:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:11፣ 32:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

ዘፍጥረት 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:22

ዘፍጥረት 18:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 37:10, 11፣ ምሳ 29:16፣ ሚል 3:18፣ ማቴ 13:49
  • +ዘዳ 32:4
  • +እዮ 34:12፣ ኢሳ 33:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 157

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2022፡ ገጽ 28-29

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 18-19

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2010፡ ገጽ 6

    15/4/2010፡ ገጽ 14

    1/1/2009፡ ገጽ 24

    15/5/2004፡ ገጽ 5

    15/7/2003፡ ገጽ 16-17

    15/8/1998፡ ገጽ 12፡ 20

ዘፍጥረት 18:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 14:18፣ መዝ 86:15

ዘፍጥረት 18:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 203

ዘፍጥረት 18:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 203

ዘፍጥረት 18:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:2, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 83

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 18:1ዘፍ 16:7፣ መሳ 13:21
ዘፍ. 18:1ዘፍ 13:18፣ 14:13
ዘፍ. 18:2ዘፍ 19:1
ዘፍ. 18:4ዘፍ 19:2፣ 24:32
ዘፍ. 18:8እብ 13:2
ዘፍ. 18:9ዘፍ 17:15
ዘፍ. 18:10ዘፍ 17:21፣ 21:2፣ ሮሜ 9:9
ዘፍ. 18:11ዘፍ 17:17
ዘፍ. 18:11ሮሜ 4:19
ዘፍ. 18:12እብ 11:11፣ 1ጴጥ 3:6
ዘፍ. 18:14ኢሳ 40:29፣ ማቴ 19:26፣ ሉቃ 1:36, 37
ዘፍ. 18:16ዘፍ 13:12
ዘፍ. 18:17መዝ 25:14፣ ኣሞ 3:7
ዘፍ. 18:18ዘፍ 12:1-3፣ ገላ 3:14
ዘፍ. 18:19ዘዳ 4:9
ዘፍ. 18:202ጴጥ 2:7, 8
ዘፍ. 18:20ዘፍ 13:13፣ ይሁ 7
ዘፍ. 18:21ዘፍ 11:5፣ ዘጸ 3:7, 8፣ መዝ 14:2
ዘፍ. 18:22ዘፍ 31:11፣ 32:30
ዘፍ. 18:23ዘሁ 16:22
ዘፍ. 18:25መዝ 37:10, 11፣ ምሳ 29:16፣ ሚል 3:18፣ ማቴ 13:49
ዘፍ. 18:25ዘዳ 32:4
ዘፍ. 18:25እዮ 34:12፣ ኢሳ 33:22
ዘፍ. 18:28ዘሁ 14:18፣ መዝ 86:15
ዘፍ. 18:30ዘጸ 34:6
ዘፍ. 18:33ዘፍ 18:2, 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 18:1-33

ዘፍጥረት

18 ድሕርዚ፡ መዓልቲ ኣብ ዚድህረሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ፡ የሆዋ+ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ ተራእዮ። 2 ኣዒንቱ ኸኣ ኣልዓለ እሞ፡ ሰለስተ ሰብኡት ካብኡ እተወሰነ ርሒቖም ደው ኢሎም ረኣየ።+ ምስ ረኣዮም፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ። 3 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ንጊልያኻ ኣይትሕለፈኒ። 4 በጃኹም ሒደት ማይ ይምጽኣልኩም እሞ፡ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፣+ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ተቐመጡ። 5 ናብ ጊልያኹም ካብ መጻእኩምሲ፡ ሓይልኹም ምእንቲ ኺሕደስ፡* ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም። ድሕሪኡ፡ ትኸዱ።” ንሳቶም ድማ፡ “ሕራይ። ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።

6 ኣብርሃም ከኣ ቀልጢፉ ናብ ድንኳን ናብ ሳራ ኸይዱ፡ “ቀልጥፊ! ሰለስተ ስፍሪ* ድኹም ሓርጭ ለዊስኪ፡ ቅጫታት ሰንክቲ” በላ። 7 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ናብ ከብቱ ጐይዩ፡ ልምሉም ጽቡቕ ምራኽ ሓረየ። ንጊልያኡ ድማ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኬዳልዎ ተቐላጠፈ። 8 ጠስምን ጸባን ነቲ ዘዳለዎ ምራኽን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም። ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው በለ።+

9 ንሳቶም ድማ፡ “ሰበይትኻ ሳራ+ ኣበይ ኣላ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ድንኳን እንሃ” ኢሉ መለሰ። 10 ሽዑ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ብርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በለ።+ ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪ እቲ ሰብኣይ ዘሎ ድንኳን ኰይና ትሰምዕ ነበረት። 11 ኣብርሃምን ሳራን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቲ ነበሩ።+ ሳራ ድማ ካብ እትወልደሉ ዕድመ ሓሊፋ ነበረት።*+ 12 ስለዚ፡ ሳራ ብልባ እናሰሓቐት፡ “ድሕሪ እርጋነይን ጐይታይ ምስ ኣረገንዶ እዚ ባህታ እዚ ኽረክብ እየ፧” በለት።+ 13 የሆዋ ኸኣ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ እያ ሳራ፡ ‘ኣሪገ ኸለኹስ፡ ብሓቂዶ ኽወልድ እየ፧’ ኢላ ዝሰሓቐት፧ 14 ንየሆዋዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ፧+ ንዓመታ ኸምዚ ምዱብ ግዜ እዚ ኽምለሰካ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በሎ። 15 ሳራ ግና ፈሪሃ ነበረት እሞ፡ “ኣይሰሓቕኩን!” ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ” በለ።

16 እቶም ሰብኡት ኪኸዱ ምስ ተንስኡ፡ ናብ ሶዶም ገጾም ኣንቈልቊሎም ጠመቱ፣+ ኣብርሃም ከኣ ኬፋንዎም ምሳታቶም ይኸይድ ነበረ። 17 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዝገብሮስ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧+ 18 ኣብርሃምሲ ብርግጽ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ* እዮም።+ 19 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቓል ኬምጽኦስ፡ ንሱ ንደቁን ብድሕሪኡ ንቤተ ሰቡን፡ ጽድቅን ፍትሕን ብምግባር መገዲ የሆዋ ኺሕልዉ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለ እየ ፈሊጠዮ።”+

20 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ብሰንኪ ሶዶምን ጎሞራን ዚእወ ኣውያት ኣመና በርቲዑ፡+ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ ኸቢዱ እዩ።+ 21 ስለዚ፡ ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ። እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ክፈልጥ እየ” በለ።+

22 ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ካብኡ ሓሊፎም ናብ ሶዶም ገጾም ከዱ፣ የሆዋ+ ግና ምስ ኣብርሃም ተረፈ። 23 ኣብርሃም ድማ ቀሪቡ፡ “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧+ 24 ምናልባት ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ፣ እሞኸ ኽትኵስትሮም ዲኻ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ 50 ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧ 25 መወዳእታ እቲ ጻድቕ ከምቲ እኩይ ኪኸውን፡ ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ክትገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ!+ እዝስ ኣባኻ ዘይሕሰብ እዩ።+ እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧”+ በለ። 26 የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ሶዶም፡ ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን እንተ ረኺበ፡ ምእንታኦም ኢለ ንብዘላ እታ ቦታ ኽንሕፋ እየ” በለ። 27 ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ኣነ ሓመድን ሓምዅሽትን ክነሰይ፡ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ። 28 ምናልባት ካብቶም 50 ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ። ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብዘላ እታ ኸተማ ኸተጥፍኣ ኢኻ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “45 እንተ ረኺበላ፡ ኣይከጥፍኣን እየ” በለ።+

29 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ምናልባት 40 ይርከብዋ ይዀኑ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 40 ኢለ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰ። 30 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ብምዝራበይ ኣይትቈጣዕ፦+ ምናልባት 30 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “30 እንተ ረኺበላስ፡ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ፦ ምናልባት 20 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 20 ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ። 32 ኣብ መወዳእታ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትቈጣዕ፦ ምናልባት ዓሰርተ ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ። 33 የሆዋ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ከደ፡+ ኣብርሃም እውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ