ናይ ዳዊት ውዳሰ።
א  [ኣሌፍ]
145 ኦ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡+
ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ስምካ ኽውድስ እየ።+
ב  [ቤት]
 2 ምሉእ መዓልቲ ኽውድሰካ፡+
ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ስምካ ኽውድስ እየ።+
ג  [ጊሜል]
 3 የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ፣+
ዕቤቱ ዘይምርመር እዩ።+
ד [ዳሌጥ]
 4 ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ኺውድሱ፡
ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኺነግሩ እዮም።+
ה  [ሄ]
 5 ብዛዕባ ኽቡር ግርማ ዕቤትካ ኺዛረቡ እዮም፣+
ኣነ ድማ ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸስተንትን እየ።
ו  [ዋው]
 6 ብዛዕባ እቲ ዜፍርህ ተግባራትካ ኺዛረቡ እዮም፣
ኣነ ኸኣ ዕቤትካ ኽነግር እየ።
ז  [ዛይን]
 7 ብዛዕባ ብዝሒ ሕያውነትካ ዘኪሮም ኬውርዩ፡+
ስለቲ ጽድቅኻ እውን እልል ኪብሉ እዮም።+
ח  [ሔት]
 8 የሆዋ ርሕሩሕን መሓርን፡+
ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+
ט  [ጤት]
 9 የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ፣+
ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ።
י  [ዮድ]
10 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ግብርታትካ ኼሞግሰካ እዩ፣+
እሙናትካ ኸኣ ኪውድሱኻ እዮም።+
כ  [ካፍ]
11 ክብሪ ንግስናኻ ኺነግሩ፡+
ብዛዕባ ሓይልኻ እውን ኪዛረቡ እዮም፣+
ל  [ላሜድ]
12 ግብርታት ሓይልኻን+
ክቡር ግርማ ንግስነትካን ድማ ንሰብ ኬፍልጡ እዮም።+
מ [ሜም]
13 ንግስናኻ ናይ ዘለኣለም ንግስና እዩ፣
ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+
ס [ሳሜኽ]
14 የሆዋ ንዅሎም ዚወድቁ ይድግፎም፡+
ንዅሎም ዝደነኑ ኸኣ የተንስኦም።+
ע  [ዓይን]
15 ኵለን ኣዒንቲ ብተስፋ ናባኻ ይጥምታ፣
ንስኻ እውን ብግዜኡ ምግቦም ትህቦም።+
פ  [ፌ]
16 ኢድካ ትኸፍት እሞ፡
ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ተዕግብ።+
צ [ጻዴ]
17 የሆዋ ብዅሉ መገድታቱ ጻድቕ፡+
ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ድማ እሙን እዩ።+
ק  [ቆፍ]
18 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡+
ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።+
ר  [ሬሽ]
19 ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡+
ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን።+
ש  [ሺን]
20 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ይሕልዎም፣+
ንዅሎም እኩያት ግና ኬጥፍኦም እዩ።+
ת  [ታው]
21 ኣፈይ ውዳሰ የሆዋ ኺዛረብ እዩ፣+
ኵሉ ህያው ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለመ ኣለም ይወድሶ።+