ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ንባዕሳ ዝፈረዶ ፍርዲ (1-7)

      • ኤላህ፡ ንጉስ እስራኤል (8-14)

      • ዚምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (15-20)

      • ዖምሪ፡ ንጉስ እስራኤል (21-28)

      • ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል (29-33)

      • ሒኤል ንያሪኮ ዳግም ሰርሓ (34)

1 ነገስት 16:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 19:2፣ 20:34
  • +2ዜና 16:7

1 ነገስት 16:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:8
  • +1ነገ 13:33

1 ነገስት 16:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:10, 11፣ 15:29

1 ነገስት 16:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:21, 33

1 ነገስት 16:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንናዳብ ወዲ የሮብዓም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:25-29

1 ነገስት 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:31

1 ነገስት 16:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፈደይቲ ደም።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።

1 ነገስት 16:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:1-3

1 ነገስት 16:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:21፣ 1ሳሙ 12:21፣ 2ነገ 17:15፣ ኢሳ 41:29

1 ነገስት 16:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:44, 48፣ 21:20, 23፣ 1ነገ 15:27

1 ነገስት 16:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:26፣ ሚክ 6:16

1 ነገስት 16:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 9:53, 54፣ 1ሳሙ 31:4፣ 2ሳሙ 17:23

1 ነገስት 16:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 14:7, 9

1 ነገስት 16:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐይታ።”

  • *

    ትርጉማ፡ “ናይ እንዳ ሸመር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 20:1፣ 2ነገ 17:24፣ ኣሞ 6:1፣ ግብ 8:5

1 ነገስት 16:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 6:16

1 ነገስት 16:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33

1 ነገስት 16:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:33፣ 21:4, 20-22፣ 2ነገ 10:1

1 ነገስት 16:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:23, 24፣ ኢሳ 7:9

1 ነገስት 16:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:25፣ 21:25፣ 2ነገ 3:1, 2

1 ነገስት 16:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30
  • +1ነገ 18:4, 19፣ 21:7፣ 2ነገ 9:30፣ ራእ 2:20
  • +ዘፍ 10:15
  • +መሳ 2:11፣ 10:6፣ 2ነገ 10:19፣ 17:16

1 ነገስት 16:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:21, 27

1 ነገስት 16:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:13፣ 2ነገ 10:26, 28፣ 13:6

1 ነገስት 16:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/1998፡ ገጽ 21-22

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 16:12ዜና 19:2፣ 20:34
1 ነገ. 16:12ዜና 16:7
1 ነገ. 16:21ሳሙ 2:8
1 ነገ. 16:21ነገ 13:33
1 ነገ. 16:31ነገ 14:10, 11፣ 15:29
1 ነገ. 16:61ነገ 15:21, 33
1 ነገ. 16:71ነገ 15:25-29
1 ነገ. 16:102ነገ 9:31
1 ነገ. 16:121ነገ 16:1-3
1 ነገ. 16:13ዘዳ 32:21፣ 1ሳሙ 12:21፣ 2ነገ 17:15፣ ኢሳ 41:29
1 ነገ. 16:15እያ 19:44, 48፣ 21:20, 23፣ 1ነገ 15:27
1 ነገ. 16:162ነገ 8:26፣ ሚክ 6:16
1 ነገ. 16:18መሳ 9:53, 54፣ 1ሳሙ 31:4፣ 2ሳሙ 17:23
1 ነገ. 16:191ነገ 12:28-30፣ 14:7, 9
1 ነገ. 16:241ነገ 20:1፣ 2ነገ 17:24፣ ኣሞ 6:1፣ ግብ 8:5
1 ነገ. 16:25ሚክ 6:16
1 ነገ. 16:261ነገ 12:28-30፣ 13:33
1 ነገ. 16:281ነገ 16:33፣ 21:4, 20-22፣ 2ነገ 10:1
1 ነገ. 16:291ነገ 16:23, 24፣ ኢሳ 7:9
1 ነገ. 16:301ነገ 16:25፣ 21:25፣ 2ነገ 3:1, 2
1 ነገ. 16:311ነገ 12:28-30
1 ነገ. 16:311ነገ 18:4, 19፣ 21:7፣ 2ነገ 9:30፣ ራእ 2:20
1 ነገ. 16:31ዘፍ 10:15
1 ነገ. 16:31መሳ 2:11፣ 10:6፣ 2ነገ 10:19፣ 17:16
1 ነገ. 16:322ነገ 10:21, 27
1 ነገ. 16:33ዘጸ 34:13፣ 2ነገ 10:26, 28፣ 13:6
1 ነገ. 16:34እያ 6:26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 16:1-34

1 ነገስት

16 ንየሁ+ ወዲ ሓናኒ+ ድማ ኣንጻር ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦ 2 “ካብ ሓመድ ኣተንሲአ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ገይረካ፣+ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ተመላሊስካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ምእንቲ ኬዀርዩኒ ኣሕጢእካዮም።+ 3 ስለዚ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ክዅስትሮም እየ፣ ንቤቱ ድማ ከም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። 4 እቲ ኻብ ባዕሳ ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኻብኡ ኣብ መሮር ዚመውት ከኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።”

5 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ባዕሳ፡ እቲ ዝገበሮን እቲ ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 6 ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ቲርጻ+ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤላህ ነገሰ። 7 ከም ቤት የሮብዓም ብምዃን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብተግባር ኢዱ ኬዀርዮ ኢሉ ዅሉ ኽፍኣት ስለ ዝገበረን ንዕኡ* ስለ ዝቐተሎን፡ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኣቢሉ፡ ቃል የሆዋ ኣንጻር ባዕሳን ቤቱን መጸ።+

8 ኣብ መበል 26 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤላህ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት እውን ነገሰ። 9 ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ሓለቓ ፍርቂ ሰረገላታቱ፡ ውዲት ኣለመሉ፣ ንሱ ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት ኣርጻ፡—ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቲርጻ ዘሎ ቤተ ሰብ እተሸመ እዩ፡—ክሳዕ ዚሰክር ይሰቲ ነበረ። 10 ዚምሪ ኸኣ ኣትዩ፡ ኣብ መበል 27 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ወቒዑ ቐተሎ፣+ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 11 ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ንዅሎም ቤት ባዕሳ ቐተሎም። ካብ ኣዝማዱ* ዀነ፡ ካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ሓደ ተባዕታይ* እኳ ኣይነሓፈን። 12 በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ የሆዋ ብነብዪ የሁ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።+ 13 እዚ ዝዀነ ድማ ብሰሪ ዅሉ እቲ ባዕሳን ወዱ ኤላህን ዝገበርዎ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱ ጣኦታት ብምዅራይ ንእስራኤል ዘሕጥእዎን እዩ።+ 14 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኤላህ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧

15 ኣብ መበል 27 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም ሰራዊት ኣንጻር ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ሰፊሮም ከለዉ፡ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። 16 እቶም ሰፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ፡ “ዚምሪ ውዲት ኣሊሙ፡ ንንጉስ እውን ቀቲልዎ” ኺብሃል ሰምዑ። ኵሉ እስራኤል ድማ ንዖምሪ+ እቲ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገስዎ። 17 ዖምሪን ምስኡ ኸኣ ኵሎም እስራኤልን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ። 18 ዚምሪ ድማ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረኣየ፡ ናብታ እተዓርደት ግምቢ ቤት* ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ኣብ ልዕሊኡ ኣንደዳ እሞ ሞተ።+ 19 እዚ ዝዀነ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብመገዲ የሮብዓም እናኸደ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ብምግባር ዝሓጥኦ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦን እዩ።+ 20 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዚምሪን ውዲቱን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧

21 ሽዑ፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። እቲ ሓደ ኽፍሊ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ደልዩ ሰዓቦ፣ እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ድማ ንዖምሪ ሰዓቦ። 22 እቲ ንዖምሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሰዓሮ። ስለዚ፡ ቲብኒ ሞተ፡ ዖምሪ ድማ ነገሰ።

23 ኣብ መበል 31 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ዖምሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ 12 ዓመት እውን ነገሰ። ኣብ ቲርጻ ኸኣ ሽዱሽተ ዓመት ነገሰ። 24 ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት* ብሩር ዓደጎ፣ ኣብቲ ኸረን ከኣ ከተማ ሰርሐ። ነታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ወናኒ* እቲ ኸረን፡ ሰማርያ* ኢሉ ሰመያ።+ 25 ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ፣ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ድማ ዝኸፍአ ነበረ።+ 26 ብዅሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱ ጣኦታት ኬዀርይዎ ኢሉ ንእስራኤል ዘሕጥኦ ሓጢኣትን ተመላለሰ።+ 27 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዖምሪ፡ እቲ ዝገበሮን እቲ ሓያል ግብሩን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 28 ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ሰማርያ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ+ ነገሰ።

29 ኣብ መበል 38 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ+ 22 ዓመት ነገሰ። 30 ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ነበረ።+ 31 ብሓጢኣት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ምምልላስ ቀሊልዎስ፡ ንኢዛቤል+ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶናውያን+ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ፣ ንበዓል ድማ ኣገልገሎን+ ሰገደሉን። 32 ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሃነጻ ቤት* በዓል+ ከኣ፡ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ። 33 ኣከኣብ ድማ ዓንዲ ኣምልኾ* ገበረ።+ ኣከኣብ ከኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንምዅራይ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ዝገደደ ገበረ።

34 ብዘመኑ ድማ ሒኤል እቲ ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ዳግም ሰርሓ። ከምቲ የሆዋ ብእያሱ ወዲ ነዌ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል ከኣ፡ መሰረታ ኼንብር ከሎ፡ ንኣቢራም እቲ በዅሩ ሰኣኖ፣ መዓጹኣ ኬቕውም ከሎ ድማ፡ ንሴጉብ እቲ ሕሳስ ልደኡ ሰኣኖ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ