ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • የሆያዳ ጣልቃ ኣተወ፣ ዮኣስ ንጉስ ኰነ (1-11)

      • ዓታልያ ተቐትለት (12-15)

      • የሆያዳ ዝገበሮ ተሓድሶ (16-21)

2 ዜና መዋእል 23:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4

2 ዜና መዋእል 23:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 8:14

2 ዜና መዋእል 23:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:3
  • +2ሳሙ 7:8, 12፣ 1ነገ 2:4፣ 9:5፣ መዝ 89:20, 29

2 ዜና መዋእል 23:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:3
  • +2ነገ 11:5-8፣ 1ዜና 9:22-25፣ 26:1

2 ዜና መዋእል 23:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:1
  • +1ነገ 7:12

2 ዜና መዋእል 23:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:28, 32

2 ዜና መዋእል 23:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ።”

2 ዜና መዋእል 23:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:1፣ 26:1
  • +2ነገ 11:9-12

2 ዜና መዋእል 23:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4
  • +1ዜና 26:26, 27፣ 2ዜና 5:1
  • +2ሳሙ 8:7

2 ዜና መዋእል 23:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተወርዋሪኡ።”

2 ዜና መዋእል 23:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:2
  • +ዘዳ 17:18
  • +1ሳሙ 10:1, 24

2 ዜና መዋእል 23:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:13-16

2 ዜና መዋእል 23:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምልክት ይህቡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:1
  • +1ነገ 1:39, 40

2 ዜና መዋእል 23:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

2 ዜና መዋእል 23:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:17, 18፣ 2ዜና 34:1, 31

2 ዜና መዋእል 23:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:27, 28
  • +ዘዳ 12:3፣ 2ዜና 34:1, 4
  • +ዘዳ 13:5፣ 1ነገ 18:40

2 ዜና መዋእል 23:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:38፣ ዘሁ 28:2
  • +1ዜና 23:6, 30, 31

2 ዜና መዋእል 23:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 9:26፣ 26:1, 13

2 ዜና መዋእል 23:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:9
  • +1ነገ 7:7
  • +2ነገ 11:19, 20

ሓፈሻዊ

2 ዜና 23:12ነገ 11:4
2 ዜና 23:22ዜና 8:14
2 ዜና 23:32ሳሙ 5:3
2 ዜና 23:32ሳሙ 7:8, 12፣ 1ነገ 2:4፣ 9:5፣ መዝ 89:20, 29
2 ዜና 23:41ዜና 24:3
2 ዜና 23:42ነገ 11:5-8፣ 1ዜና 9:22-25፣ 26:1
2 ዜና 23:51ነገ 7:1
2 ዜና 23:51ነገ 7:12
2 ዜና 23:61ዜና 23:28, 32
2 ዜና 23:81ዜና 24:1፣ 26:1
2 ዜና 23:82ነገ 11:9-12
2 ዜና 23:92ነገ 11:4
2 ዜና 23:91ዜና 26:26, 27፣ 2ዜና 5:1
2 ዜና 23:92ሳሙ 8:7
2 ዜና 23:112ነገ 11:2
2 ዜና 23:11ዘዳ 17:18
2 ዜና 23:111ሳሙ 10:1, 24
2 ዜና 23:122ነገ 11:13-16
2 ዜና 23:132ዜና 23:1
2 ዜና 23:131ነገ 1:39, 40
2 ዜና 23:162ነገ 11:17, 18፣ 2ዜና 34:1, 31
2 ዜና 23:172ነገ 10:27, 28
2 ዜና 23:17ዘዳ 12:3፣ 2ዜና 34:1, 4
2 ዜና 23:17ዘዳ 13:5፣ 1ነገ 18:40
2 ዜና 23:18ዘጸ 29:38፣ ዘሁ 28:2
2 ዜና 23:181ዜና 23:6, 30, 31
2 ዜና 23:191ዜና 9:26፣ 26:1, 13
2 ዜና 23:202ነገ 11:9
2 ዜና 23:201ነገ 7:7
2 ዜና 23:202ነገ 11:19, 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 23:1-21

2 ዜና መዋእል

23 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ተቢዑ ምስቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ምስ ዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማኤል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚክሪን፡ ኪዳን ገበረ።+ 2 ኣብ ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ኣከብዎም።+ ናብ የሩሳሌም ምስ መጹ፡ 3 ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኪዳን ገበሩ፣+ ድሕሪኡ፡ ከምዚ በሎም፦

“እንሆ፡ ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዘተስፈዎ፡ ወዲ ንጉስ ኪነግስ እዩ።+ 4 እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ብሰንበት ዚዓይዩ ሲሶ ኻህናትን ሌዋውያንን፡+ ሓለውቲ ማዕጾ ኪዀኑ እዮም፣+ 5 ሲሶ ድማ ኣብ ቤት* ንጉስ ኪዀኑ፡+ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ኪዀኑ እዮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ ኪኸውን እዩ።+ 6 ብዘይካ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ሓደ እኳ ናብ ቤት የሆዋ ኺኣቱ ኣይትሕደጉ።+ ንሳቶም ግና ቅዱስ ጕጅለ ስለ ዝዀኑ፡ ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ። 7 እቶም ሌዋውያን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።”

8 እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ካህን የሆያዳ ነቶም ክፍልታት+ ካብ ዕዮኦም ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሰዱ።+ 9 ካህን የሆያዳ ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ እቲ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበረ+ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ንኣሽቱ ዋላቱን* ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም።+ 10 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ* ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም። 11 ንሳቶም ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም፡+ ዘውዲ ደፍኡሉ፡ ምስክር*+ እውን ሃብዎ፣ ኣንገስዎ ኸኣ፣ የሆያዳን ደቁን እውን ቀብእዎ። ንሳቶም ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+

12 ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩን ንንጉስ ዚውድስዎን ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 13 ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ኣብቲ መእተዊ ቘይሙ ድማ ረኣየት። እቶም መሳፍንትን+ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ፣+ እቶም ዘመርቲ እውን ብናውቲ ሙዚቃ ገይሮም ነቲ ውዳሰ ይመርሕዎ* ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 14 ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” በሎም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 15 ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ናብ ቤት* ንጉስ እተእቱ ኣፍ ደገ ኣፍራስ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ቐተልዋ።

16 የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኣብ መንጎ ንጉስን ኪዳን ገበረ።+ 17 ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ኣፍረስዋ፣+ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+ 18 የሆያዳ ድማ ሓላፍነት ቤት የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ገበረ፣ ንዓታቶም ከኣ ዳዊት ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ+ ዚሓርር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርቡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሆዋ ብኽፍልታት ሰሪዕዎም ነበረ፣+ ብትእዛዝ* ዳዊት ድማ፡ ነዚ ብሓጐስን ብመዝሙርን ኪገብርዎ ነበሮም። 19 ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እውን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ቤት የሆዋ ኣቘሞም። 20 ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ነቶም ልዑላንን ነቶም ገዛእቲ ህዝብን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ድማ ወሰዶም፣ ንንጉስ ከኣ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቡ ኣውረዶ። በታ ላዕለወይቲ ኣፍ ደገ ናብ ቤት* ንጉስ ኣትዮም ድማ፡ ንንጉስ ኣብቲ ዝፋን+ መንግስቲ ኣቐመጥዎ።+ 21 ንዓታልያ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ