ኣንባቆም
3 ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብቝዝማ፦
2 ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባኻ ሰሚዐ።
ኦ የሆዋ፡ ብተግባርካ ኣስተንኪረ።
ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ነዚ ህያው ግበሮ!
ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ኣፍልጦ።
ብግዜ ህውከት፡ ምሕረት ምግባር ዘክር።+
ግርማኡ ንሰማያት ከዲንዎ፣+
ብውዳሰኡ ምድሪ መሊኣ።
ካብቲ ብርታዐኡ እተሓብኣሉ ኢዱ፡
ክልተ ጩራ ወጺኡ።
ጠሚቱ ንኣህዛብ ብራዕዲ ኣዝሊልዎም።+
እቲ ዘለኣለማዊ ኣኽራን ተሰባቢሩ፣
እቲ ናይ ጥንቲ ዅርባታት ከኣ ሰጊዱ።+
መገድታት ጥንቲ ናቱ እዩ።
7 ኣብ ድንኳናት ኩሽ ሽግር ርእየ።
ዓለባታት ድንኳን ምድሪ ሚድያን ራዕራዕ ኢሉ።+
8 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ፡
ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ድዩ ዚነድድ ዘሎ፧
ወይስ ነድርኻ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ፧+
9 ቀስትኻ ተቐሊዓን ተዳልያን ኣላ።
ንምድሪ ብኣፍላግ ትስንጥቓ።
ዝናም ማያት ሓሊፉ።
መዓሙቝ ድምጹ ኣስሚዑ።+
ኣእዳዉ ናብ ላዕሊ ኣልዒሉ።
11 ጸሓይን ወርሕን ኣብ ልዑል ስፍራአን ቈይመን።+
ፍላጻታትካ ኸም ብርሃን ወጺኡ።+
በርቂ ዂናትካ ድሙቕ ነይሩ።
12 ብቝጥዓ ብመንጎ ምድሪ ኼድካ።
ንኣህዛብ ብዅራ ረጊጽካዮም።*
13 ንድሕነት ህዝብኻ፡ ንቕቡእካ ንምድሓን ወጺእካ።
ንመራሒ* ቤት እከይ ጨፍሊቕካ።
ንሳ ኻብ መሰረት ክሳብ ላዕሊ* ተቐሊዓ። (ሴላ)
ንውጹዕ ብሕቡእ ምውሓጥ የሐጕሶም ነይሩ።
15 ብኣፍራስካ ንባሕሪ፡
ንቡሕቡሕታ ሰፊሕ ማያት ረጊጽካዮ ሓሊፍካ።
ኣነ ግና ንመዓልቲ ጭንቂ ስቕ ኢለ እየ ዝጽበ፣+
ንሳስ ኣብቶም ዜጥቅዑና ህዝቢ ትመጽእ ኣላ።
17 ኦም በለስ እኳ እንተ ዘይዓምበበ፡
ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ፍረ እንተ ዘይሃለወ፡
ፍረ ኣውልዕ እኳ እንተ ጠለመ፡
ግራውቲ* እውን ምግቢ እንተ ዘየፍረየ፡
መጓሰ እኳ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፡
ኣብ ቀጽሪ እውን ከብቲ እንተ ዘይሃለዋ፡
18 ኣነ ግና ብየሆዋ ኽፍሳህ፡
ብኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክሕጐስ እየ።+
ንኣላዪ፣ ብበገናታተይ።