ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ሰራዊት ሓረየ (1-4)

      • ሳኦል ብድፍረት ስጕምቲ ወሰደ (5-9)

      • ሳሙኤል ንሳኦል ገንሖ (10-14)

      • ኣብ እስራኤል ኣጽዋር ኣይነበረን (15-23)

1 ሳሙኤል 13:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብቲ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ ቍጽሪ ኣይርከብን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:21

1 ሳሙኤል 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1፣ 2ሳሙ 1:4፣ 21:7
  • +እያ 18:28፣ 1ሳሙ 10:26

1 ሳሙኤል 13:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 21:8, 17
  • +እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 9:16
  • +መሳ 3:26, 27፣ 6:34፣ 2ሳሙ 2:28

1 ሳሙኤል 13:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 5:9፣ 1ሳሙ 11:14

1 ሳሙኤል 13:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:1
  • +እያ 7:2፣ 18:11, 12፣ 1ሳሙ 14:23

1 ሳሙኤል 13:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:11

1 ሳሙኤል 13:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:1, 33፣ እያ 13:24, 25

1 ሳሙኤል 13:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:22, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2017፡ ገጽ 17

1 ሳሙኤል 13:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:6, 8
  • +1ሳሙ 13:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 12-13

1 ሳሙኤል 13:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣየፈሽሓውኩን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 12-13

1 ሳሙኤል 13:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:11

1 ሳሙኤል 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:28
  • +1ሳሙ 16:1፣ 2ሳሙ 7:15፣ መዝ 78:70፣ ግብ 13:22
  • +ምሳ 11:2
  • +ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 5:2፣ 7:8፣ 1ዜና 28:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2011፡ ገጽ 26-29

1 ሳሙኤል 13:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:7፣ 14:2

1 ሳሙኤል 13:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:3
  • +1ሳሙ 13:2

1 ሳሙኤል 13:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:11

1 ሳሙኤል 13:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ብዕራይ ንምዅብካብ ዜገልግል በሊሕ ዝኣንፉ በትሪ።

  • *

    ብገምጋም ክልተ ሲሶ ሲቃል ዝሚዛኑ ጥንታዊ ኣሃዱ ሚዛን።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 75

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1525

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 29

1 ሳሙኤል 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:47, 50

1 ሳሙኤል 13:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:2፣ 14:4, 5

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 13:1ግብ 13:21
1 ሳሙ. 13:21ሳሙ 18:1፣ 2ሳሙ 1:4፣ 21:7
1 ሳሙ. 13:2እያ 18:28፣ 1ሳሙ 10:26
1 ሳሙ. 13:3እያ 21:8, 17
1 ሳሙ. 13:3እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 9:16
1 ሳሙ. 13:3መሳ 3:26, 27፣ 6:34፣ 2ሳሙ 2:28
1 ሳሙ. 13:4እያ 5:9፣ 1ሳሙ 11:14
1 ሳሙ. 13:5ዘዳ 20:1
1 ሳሙ. 13:5እያ 7:2፣ 18:11, 12፣ 1ሳሙ 14:23
1 ሳሙ. 13:61ሳሙ 14:11
1 ሳሙ. 13:7ዘሁ 32:1, 33፣ እያ 13:24, 25
1 ሳሙ. 13:91ሳሙ 15:22, 23
1 ሳሙ. 13:111ሳሙ 13:6, 8
1 ሳሙ. 13:111ሳሙ 13:5
1 ሳሙ. 13:131ሳሙ 15:11
1 ሳሙ. 13:141ሳሙ 15:28
1 ሳሙ. 13:141ሳሙ 16:1፣ 2ሳሙ 7:15፣ መዝ 78:70፣ ግብ 13:22
1 ሳሙ. 13:14ምሳ 11:2
1 ሳሙ. 13:14ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 5:2፣ 7:8፣ 1ዜና 28:4
1 ሳሙ. 13:151ሳሙ 13:7፣ 14:2
1 ሳሙ. 13:161ሳሙ 13:3
1 ሳሙ. 13:161ሳሙ 13:2
1 ሳሙ. 13:18እያ 10:11
1 ሳሙ. 13:221ሳሙ 17:47, 50
1 ሳሙ. 13:231ሳሙ 13:2፣ 14:4, 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 13:1-23

1 ሳሙኤል

13 ሳኦል ኪነግስ ከሎ ወዲ . . .* ዓመት ነበረ፣+ ክልተ ዓመት ከኣ ኣብ እስራኤል ነገሰ። 2 ሳኦል ድማ ካብ እስራኤል 3,000 ሰብኡት ሓረየ፣ ካብዚኣቶም 2,000 ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ኣኽራን ቤት-ኤልን ነበሩ፣ እቶም 1,000 ከኣ ምስ ዮናታን+ ኣብ ጊብዓ+ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ። 3 ዮናታን ከኣ ነቲ ኣብ ጌባዕ+ ዝነበረ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ፣+ ፍልስጥኤማውያን ድማ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ከኣ፡ “እብራውያን ይስምዑ!” ኢሉ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ መለኸት ኣንፍሐ።+ 4 ኵሉ እስራኤል ድማ ነቲ፡ “ሳኦል ንዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎ፣ ሕጂ ኸኣ እስራኤል ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያን ሕማቕ ጨና ዀይኑ ኣሎ” ዚብል ወረ ሰምዐ። እቶም ህዝቢ ድማ ንሳኦል ኣብ ጊልጋል ኪስዕብዎ ተኣከቡ።+

5 ፍልስጥኤማውያን እውን 30,000 ሰረገላን 6,000 ፈረሰኛን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ሰራዊትን ሒዞም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተኣከቡ፣+ ደዪቦም ድማ ኣብታ ብምብራቕ ቤት-ኣዌን+ ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ። 6 ሰብ እስራኤል ከኣ ጸቕጢ በርቲዕዎም ስለ ዝነበረ፡ ጭንቂ ኸም ዝዀኖም ረኣዩ፣ ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ በዓትታትን+ ኣብ ጕሕጓሓትን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ መዕቘሪታት ማይን ተሓብኡ። 7 ገሊኦም እብራውያን እውን ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ።+ ሳኦል ግና ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ራዕራዕ እናበሉ ይስዕብዎ ነበሩ። 8 ክሳዕ እታ ሳሙኤል ዝመደባ ግዜ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸበየ። ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፣ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ ይብል ነበረ። 9 ሳኦል ከኣ፡ “ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣምጽኡለይ” በለ። ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረበ።+

10 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕሪቡ ውድእ ምስ ኣበለ ግና፡ ሳሙኤል መጸ። ሳኦል ከኣ ኪቕበሎን ኪምርቖን ወጸ። 11 ሳሙኤል ድማ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧” በሎ። ሳኦል ከኣ፡ “እቲ ህዝቢ ይሓድገኒ ኸም ዘሎ፡+ ንስኻ ድማ ኣብቲ እተመደበ ግዜ ኸም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያን እውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተኣከቡ ርእየ።+ 12 ስለዚ፡ ‘ሕጂ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ኪወርዱ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ሞገስ የሆዋ ኣይለመንኩን’* ኢለ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኽስውእ ተገዲደ” ኢሉ መለሰ።

13 ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዓሺኻ። እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ኣይሓሎኻን።+ እንተ ትሕሉ ኔርካ፡ የሆዋ ንመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም መጽንዓልካ ነይሩ። 14 ሕጂ ግና መንግስትኻ ኣይክትቀውምን እያ።+ የሆዋ ኸም ልቡ ዝዀነ ሰብኣይ ኪረክብ እዩ፣+ የሆዋ ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓሎኻ ድማ፡+ የሆዋ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መራሒ ኪኸውን ኪምዝዞ እዩ።”+

15 ሳሙኤል ከኣ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ድማ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ ቘጸሮም፣ እቶም ገና ምስኡ ዝነበሩ፡ ኣስታት 600 ሰብኡት ኰኑ።+ 16 ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እቲ ገና ምሳታቶም ዝነበረ ህዝብን ኣብ ጌባዕ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ሚኽማሽ ሰፊሮም ነበሩ።+ 17 እቶም ወረርቲ ድማ ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ብሰለስተ ጭፍራ ይወጹ ነበሩ። እቲ ሓደ ጭፍራ ብመገዲ ዖፍራ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ሹዓል፡ 18 እቲ ኻልኣይ ጭፍራ ብመገዲ ቤት-ሖሮን፡+ እቲ ሳልሳይ ጭፍራ ኸኣ በታ ናብ ስንጭሮ ጸቦዒም ናብ ዜማዕዱ ዶብ እተምርሕ መገዲ ኣቢሉ ናብ በረኻ የብል ነበረ።

19 ፍልስጥኤማውያን፡ “እብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ከይሰርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ሓጓዳይ ኣይርከብን ነበረ። 20 ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ማሕረሻታቶም፡ ወይ መባሮታቶም፡ ወይ ፋሳቶም፡ ወይ ማዕጺዳቶም ንምትባዕ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይኸዱ ነበሩ። 21 ማሕረሻታትን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስአታትን ፋሳትን ንምትባዕ፡ መጕጠዪ ብዕራይ* ከኣ ንምድላው ዋጋኡ ሓደ ፊም* ነበረ። 22 ብመዓልቲ ውግእ ከኣ፡ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይተረኽበን፣ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ጥራይ ኣጽዋር ነበሮም።+

23 ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብቲ መሳገሪ ስንጭሮ ሚኽማሽ ወጸ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ