መዝሙር
33 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ እልል በሉ።+
ካብ ቅኑዓት ውዳሰ ይግብኦ እዩ።
3 ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+
እልል እናበልኩም፡ ጽቡቕ ጌርኩም በገና ውቕዑሉ።
4 ቃል የሆዋስ ቅኑዕ እዩ፣+
ኵሉ ተግባሩ እውን እሙን እዩ።
5 ንሱ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ።+
ምድሪ በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ መሊኣ እያ።+
7 ንማያት ባሕሪ ኸም ግድብ ይእክቦ፣+
ንቡሕቡሕታ ማያት ኣብ ማዕከን የንብሮ።
8 ብዘላ ምድሪ ንየሆዋ ትፍርሃዮ።+
ነበርቲ እታ ፍርያም ምድሪ የኽብርዎ።
12 የሆዋ ዝኣምላኹ፡
ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ።+
13 የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ይምልከት፣
ንዅሎም ደቂ ሰብ ይርእዮም።+
14 ካብ መንበሪኡ፡
ንነበርቲ ምድሪ ይጥምቶም።
15 እቲ ልቢ ዅላቶም ዚገብር ንሱ እዩ፣
ኵሉ ግብሮም ከኣ ይምርምር።+
20 ንሕና ንየሆዋ ኢና እንጽበዮ።*
ረዳኢናን ዋልታናን ንሱ እዩ።+
21 ብቕዱስ ስሙ ንእመን ኢና እሞ፡
ልብና ብእኡ ይሕጐስ።+