ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ሲምሶን ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ኼእቱ ደለየ (1-4)

      • ሲምሶን ብመንፈስ የሆዋ ኣንበሳ ቐተለ (5-9)

      • ሲምሶን ኣብ መርዓኡ ዘቕረቦ ሕንቅሕንቅሊተይ (10-19)

      • ሰበይቲ ሲምሶን ንኻልእ ሰብ ተዋህበት (20)

መሳፍንቲ 14:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ።”

መሳፍንቲ 14:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:3

መሳፍንቲ 14:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:1

መሳፍንቲ 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:24, 25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:2

መሳፍንቲ 14:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:67፣ ማቴ 1:24

መሳፍንቲ 14:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:8, 9

መሳፍንቲ 14:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:5

መሳፍንቲ 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:15

መሳፍንቲ 14:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:16, 18

መሳፍንቲ 14:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሱ ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ ቕድሚ ምእታዉ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:14
  • +መሳ 14:15

መሳፍንቲ 14:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:24, 25፣ 14:6፣ 15:14
  • +እያ 13:2, 3፣ መሳ 1:18
  • +መሳ 14:12

መሳፍንቲ 14:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:2
  • +መሳ 14:11፣ 15:1, 2

ሓፈሻዊ

መሳ. 14:3ዘዳ 7:3
መሳ. 14:4መሳ 13:1
መሳ. 14:6መሳ 13:24, 25
መሳ. 14:7መሳ 14:2
መሳ. 14:8ዘፍ 24:67፣ ማቴ 1:24
መሳ. 14:14መሳ 14:8, 9
መሳ. 14:15መሳ 16:5
መሳ. 14:16መሳ 16:15
መሳ. 14:17መሳ 16:16, 18
መሳ. 14:18መሳ 14:14
መሳ. 14:18መሳ 14:15
መሳ. 14:19መሳ 13:24, 25፣ 14:6፣ 15:14
መሳ. 14:19እያ 13:2, 3፣ መሳ 1:18
መሳ. 14:19መሳ 14:12
መሳ. 14:20መሳ 14:2
መሳ. 14:20መሳ 14:11፣ 15:1, 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 14:1-20

መሳፍንቲ

14 ሲምሶን ድማ ናብ ቲምና ወረደ፣ ኣብ ቲምና ኸኣ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ* ረኣየ። 2 ደዪቡ ድማ ንኣቦኡን ንኣዲኡን፡ “ኣብ ቲምና ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ርእየ ኣለኹ እሞ፡ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኡለይ” በሎም። 3 ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ “ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተእቱስ፡ ኣብ መንጎ ኣዝማድካን ኣብ መንጎ ህዝብኻንዶ ሰበይቲ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ፧” በልዎ።+ ሲምሶን ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣብ ኣዒንተይ ባህ ዝበለትኒ ንሳ እያ እሞ፡ ንዓኣ ደኣ ኣምጽኣለይ” በሎ። 4 ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ እዚ ኻብ የሆዋ ኸም ዝዀነ፡ በታ ግዜ እቲኣ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ንምጽራር ኣጋጣሚ ይደሊ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጡን ነበሩ።+

5 ሽዑ፡ ሲምሶን ምስ ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምና ወረደ። ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ቲምና ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መጾ። 6 መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣኽእሎ ሃቦ፣+ ሰብ ንማሕስእ ከም ዚጨድዶ ገይሩ ድማ ብኣእዳዉ ጥራይ ጨደዶ። እቲ ዝገበሮ ግና፡ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ኣይነገረን። 7 ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፣ ሽዑ እውን ኣብ ኣዒንቲ ሲምሶን ባህ እተብል ነበረት።+

8 ጸኒሑ፡ ኪወስዳ ኢሉ ኺምለስ ከሎ፡+ ነቲ ምዉት ኣንበሳ ኺርኢ ኣላገሰ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ምዉት ኣንበሳ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። 9 ነቲ መዓር ሓግሒጉ ናብ ኢዱ ወሲዱ ድማ እናበልዐ ኸደ። ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ኸኣ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ በልዑ። ግናኸ፡ ነቲ መዓር ካብ ምዉት ኣንበሳ ኸም ዝሓግሓጎ ኣይነገሮምን።

10 ኣቦኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፣ እቶም መንእሰያት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶን እውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። 11 ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ምስኡ ዚዀኑ 30 ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። 12 ሲምሶን ከኣ ንዓታቶም፡ “ሕንቅሕንቅሊተይ ግዳ ኽብለኩም። በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ እንተ ፈቲሕኩምለይን መልሱ እንተ ነጊርኩምንን፡ 30 ቐምሽ በፍታን 30 ኽዳንን ክህበኩም እየ። 13 መልሱ ኽትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንዓይ 30 ቐምሽ በፍታን 30 ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና፣ ክንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ። 14 ሽዑ፡ ንሱ፡

“ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡

ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ” በሎም።+

ንሳቶም ከኣ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኺፈትሑሉ ኣይከኣሉን። 15 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ንሰበይቲ ሲምሶን፡ “መልሲ እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ኪነግረና፡ ንሰብኣይኪ ሓባብልዮ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ንዓኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና። ከተንድዩና ዲኹም ዝዓደምኩምና፧” በልዋ። 16 ሽዑ፡ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ዀይና እናበኸየት፡ “ትጸልኣኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይተፍቅረንን ኢኻ።+ ንህዝበይ ሕንቅሕንቅሊተይ ኢልካዮምሲ፡ መልሱ ንዓይ ኣይነገርካንን” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ንኣቦይን ንኣደይን እኳ ዘይነገርክዎምሲ፡ ንዓኺዶ ኽነግረኪ እየ፧” በላ። 17 ንሳ ግና ኣብተን ዝተረፋ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዀይና ትበኪ ነበረት። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ጸቕጢ ስለ ዝገበረትሉ፡ ነገራ። ንሳ ኸኣ መልሲ እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንህዝባ ነገረቶም።+ 18 ስለዚ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ* ሰብ እታ ኸተማ፡

“ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፧

ካብ ኣንበሳ ዚሕይልከ መን እዩ፧” በልዎ።+

ንሱ ድማ፡

“ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡+

ሕንቅሕንቅሊተየይ ኣይምፈታሕኩምዎን ኔርኩም” ኢሉ መለሰሎም።

19 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ናብ ኣሽቀሎን ወሪዱ፡+ ካባታቶም 30 ሰብኡት ቀተለ፣ ክዳውንቶም ቀንጢጡ ድማ፡ ነቶም ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ዝመለሱ ኽዳውንቲ ሃቦም።+ ናብ ቤት ኣቦኡ ኺድይብ ከሎ ኸኣ፡ ተቘጢዑ ነበረ።

20 ሰበይቲ ሲምሶን+ ድማ ንሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ተዋህበት።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ