ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ሽመት ክህነት ኣሮን (1-36)

ዘሌዋውያን 8:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:1
  • +ዘጸ 28:4፣ 39:33, 41
  • +ዘጸ 30:23-25፣ 40:15
  • +ዘጸ 29:1, 2

ዘሌዋውያን 8:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:4፣ 40:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2014፡ ገጽ 8-9

ዘሌዋውያን 8:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:39
  • +ዘጸ 39:27, 29
  • +ዘጸ 39:22
  • +ዘጸ 28:6፣ 39:2
  • +ዘጸ 28:8፣ 29:5፣ 39:20

ዘሌዋውያን 8:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:15፣ 39:9
  • +ዘጸ 28:30

ዘሌዋውያን 8:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ቕዱስ ኣኽሊል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:6፣ 39:27, 28
  • +ዘጸ 28:36፣ 39:30

ዘሌዋውያን 8:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:26-28

ዘሌዋውያን 8:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:4, 7፣ 30:30፣ 40:13፣ ዘሌ 21:10፣ መዝ 133:2

ዘሌዋውያን 8:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጠምጠመሎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:40፣ 29:8, 9

ዘሌዋውያን 8:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:10-14፣ ዘሌ 4:3, 4፣ 16:6

ዘሌዋውያን 8:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 9:21, 22

ዘሌዋውያን 8:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:8, 9

ዘሌዋውያን 8:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:11, 12፣ 16:27

ዘሌዋውያን 8:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:15-18፣ ዘሌ 1:4

ዘሌዋውያን 8:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:33
  • +ዘጸ 29:19, 20

ዘሌዋውያን 8:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2014፡ ገጽ 9-10

ዘሌዋውያን 8:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 24:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2014፡ ገጽ 9-10

ዘሌዋውያን 8:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:22-25

ዘሌዋውያን 8:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 2:4
  • +ዘጸ 29:1, 2

ዘሌዋውያን 8:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:29, 30
  • +ዘጸ 29:26, 27፣ ዘሌ 7:34, 35

ዘሌዋውያን 8:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:30
  • +ዘሁ 3:2, 3
  • +ዘጸ 29:21

ዘሌዋውያን 8:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:31, 32፣ 1ቈረ 9:13
  • +ዘሌ 6:28

ዘሌዋውያን 8:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:34

ዘሌዋውያን 8:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢድኩም ክትመልኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:30, 35፣ ዘሁ 3:2, 3

ዘሌዋውያን 8:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:36፣ ዘሌ 17:11

ዘሌዋውያን 8:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:37
  • +ዘሁ 1:53

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 8:2ዘጸ 28:1
ዘሌ. 8:2ዘጸ 28:4፣ 39:33, 41
ዘሌ. 8:2ዘጸ 30:23-25፣ 40:15
ዘሌ. 8:2ዘጸ 29:1, 2
ዘሌ. 8:6ዘጸ 29:4፣ 40:12
ዘሌ. 8:7ዘጸ 28:39
ዘሌ. 8:7ዘጸ 39:27, 29
ዘሌ. 8:7ዘጸ 39:22
ዘሌ. 8:7ዘጸ 28:6፣ 39:2
ዘሌ. 8:7ዘጸ 28:8፣ 29:5፣ 39:20
ዘሌ. 8:8ዘጸ 28:15፣ 39:9
ዘሌ. 8:8ዘጸ 28:30
ዘሌ. 8:9ዘጸ 29:6፣ 39:27, 28
ዘሌ. 8:9ዘጸ 28:36፣ 39:30
ዘሌ. 8:10ዘጸ 30:26-28
ዘሌ. 8:12ዘጸ 29:4, 7፣ 30:30፣ 40:13፣ ዘሌ 21:10፣ መዝ 133:2
ዘሌ. 8:13ዘጸ 28:40፣ 29:8, 9
ዘሌ. 8:14ዘጸ 29:10-14፣ ዘሌ 4:3, 4፣ 16:6
ዘሌ. 8:15እብ 9:21, 22
ዘሌ. 8:16ዘሌ 4:8, 9
ዘሌ. 8:17ዘሌ 4:11, 12፣ 16:27
ዘሌ. 8:18ዘጸ 29:15-18፣ ዘሌ 1:4
ዘሌ. 8:22ዘሌ 8:33
ዘሌ. 8:22ዘጸ 29:19, 20
ዘሌ. 8:24ዘጸ 24:6
ዘሌ. 8:25ዘጸ 29:22-25
ዘሌ. 8:26ዘሌ 2:4
ዘሌ. 8:26ዘጸ 29:1, 2
ዘሌ. 8:29ዘሌ 7:29, 30
ዘሌ. 8:29ዘጸ 29:26, 27፣ ዘሌ 7:34, 35
ዘሌ. 8:30ዘጸ 30:30
ዘሌ. 8:30ዘሁ 3:2, 3
ዘሌ. 8:30ዘጸ 29:21
ዘሌ. 8:31ዘጸ 29:31, 32፣ 1ቈረ 9:13
ዘሌ. 8:31ዘሌ 6:28
ዘሌ. 8:32ዘጸ 29:34
ዘሌ. 8:33ዘጸ 29:30, 35፣ ዘሁ 3:2, 3
ዘሌ. 8:34ዘጸ 29:36፣ ዘሌ 17:11
ዘሌ. 8:35ዘጸ 29:37
ዘሌ. 8:35ዘሁ 1:53
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 8:1-36

ዘሌዋውያን

8 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮን፡ ንደቁ ኸኣ ምስኡ፡+ ከምኡ ድማ ክዳውንትን+ ዘይቲ ቕብኣትን+ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክልተ ድዑልን መሶብ ቅጫን ውሰድ፣+ 3 ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ።”

4 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ። 5 ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፡ “እቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዝኣዘዘና እዚ እዩ” በለ። 6 ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።+ 7 ወለል ዚብል ክዳን ኣልበሶ፡+ ቅናት ከኣ ኣቐነቶ፡+ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ድማ ከደኖ፡+ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኤፎድ ገበረሉ፡+ በቲ እሉም ዕጣቕ+ ኤፎድ ኣቐኒቱ ኸኣ ኣጸቢቑ ኣዕጠቖ። 8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ልብሲ ኣፍ ልቢ+ ገበረሉ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን+ ገበረሉ። 9 ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ+ ኣንበረሉ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ መጠምጠምያ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ወርቂ፡ እቲ ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት*+ ገበረሉ።

10 ሙሴ ድማ ነቲ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ፡ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዅሉን+ ቀብኦን ቀደሶን። 11 ካብኡ ኸኣ ናብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ ሳዕ ነጸገ፣ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ። 12 ኣብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣት ኣፍሰሰ፣ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።+

13 ሙሴ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ድማ ከደኖም፡ ቅናውቲ ኸኣ ኣቐነቶም፡ መዐመምያ እውን ገበረሎም።*+

14 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ።+ 15 ሙሴ ኸኣ ሓረዶ እሞ፡ ነቲ ደም+ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ለኸዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሆ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ፣ ኣብኡ ንምትዕራቕ ከኣ ቀደሶ። 16 ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምዑት ዝነበረ ስብሕን ስብሒ ጸላም ከብድን ክልቲአን ኵሊት ምስ ስብሐንን ድማ ወሰደ፣ ሙሴ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 17 ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።+

18 ነቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ድዑል ድማ ኣቕረቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።+ 19 ሙሴ ድማ ሓሪዱ፡ ነቲ ደም ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ። 20 ነቲ ድዑል ከኣ በብብልዕቱ ቘራረጾ፣ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቝርጽራጽን ነቲ ስብሒ ዀላሊትን ኣሕረሮ። 21 ነቲ ኣምዑትን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓጸቦ፣ ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ነበረ።

22 ነቲ ኻልኣይ ድዑል፡ ነቲ ድዑል ሽመት ከኣ ኣቕረቦ፣+ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።+ 23 ሙሴ ኸኣ ሓሪዱ፡ ካብ ደሙ ወሲዱ፡ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸየ። 24 ሙሴ ድማ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፣ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ የማኖት መስቈር ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና፡ ሙሴ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+

25 ነቲ ስብሕን ነቲ ዀልኰልን ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምዑት ዘሎ ስብሕን ነቲ ስብሒ ጸላም ከብድን ንኽልቲአን ኵሊት ምስ ስብሐንን ነታ የማነይቲ እግርን ድማ ወሰደ።+ 26 ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበረ መሶብ ቅጫ ኸኣ፡ ሓደ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫን+ ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫ ዘይትን+ ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሰደ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ድማ ኣንበሮ። 27 እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ። 28 ሙሴ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ሽመት ነበረ። ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ነበረ።

29 ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ።+ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ሽመት፡ እዚ ግደ ሙሴ ዀነ።+

30 ሙሴ ኸኣ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን+ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኽዳውንቱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኽዳውንቲ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቁን ነጸገ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣሮንን ንኽዳውንቱን ንደቁን+ ንኽዳውንቶምን ቀደሰ።+

31 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ኣነ፡ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ተባሂለ እተኣዘዝኩ፡+ ነቲ ስጋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብስልዎ+ እሞ፡ ምስቲ ኣብ መሶብ ሽመት ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ብልዕዎ። 32 ካብቲ ስጋን ካብቲ እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።+ 33 ካህናት ኴንኩም ክትሽየሙ* ሸውዓተ መዓልቲ ስለ ዚወስድ፡ መዓልትታት ሽመትኩም ክሳዕ ዚመልኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።+ 34 ንምትዕራቕኩም ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዝገበርናዮ ኽንገብር፡ የሆዋ ኣዚዙ እዩ።+ 35 ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ሸውዓተ መዓልቲ፡ መዓልትን ለይትን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ጽንሑ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎኩም ግዴታ ኸኣ ፈጽሙ።”+

36 ኣሮንን ደቁን ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ነገር ገበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ