ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ንጻድቕ ዚፍረደሉ ፍርድን ዚረኽቦ ተስፋን (1-24)

        • የሆዋ ፈራድን ሓጋግ ሕግን ንጉስን እዩ (22)

        • ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ (24)

ኢሳይያስ 33:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:13፣ ኢሳ 10:5
  • +ኢሳ 10:12፣ ናሆ 3:7

ኢሳይያስ 33:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብርታዐና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 123:2
  • +መዝ 44:3፣ ኢሳ 52:10
  • +መዝ 46:1፣ ናሆ 1:7

ኢሳይያስ 33:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:6፣ 68:1፣ ኢሳ 17:13

ኢሳይያስ 33:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 27:1
  • +ምሳ 19:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2024፡ ገጽ 22

ኢሳይያስ 33:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 13-14፡ 18

ኢሳይያስ 33:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንጸላኢ የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:19, 20

ኢሳይያስ 33:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:24
  • +ናሆ 1:4

ኢሳይያስ 33:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:10

ኢሳይያስ 33:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:24

ኢሳይያስ 33:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:18

ኢሳይያስ 33:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:66, 67
  • +ዘዳ 32:22፣ ናሆ 1:6፣ እብ 12:29

ኢሳይያስ 33:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 18:17
  • +1ዜና 29:17
  • +ዘጸ 23:8፣ ዘዳ 16:19

ኢሳይያስ 33:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:5, 6፣ መዝ 34:9, 10፣ ኢሳ 65:13

ኢሳይያስ 33:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሽበራ ኸተስተንትነሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:19

ኢሳይያስ 33:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንምስማዑ ኣመና ዓሚቝ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኢሳ 28:11፣ ኤር 5:15

ኢሳይያስ 33:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 6
  • +መዝ 125:1

ኢሳይያስ 33:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:25፣ መዝ 50:6፣ 98:9
  • +ዘሌ 26:3፣ ያእ 4:12
  • +መዝ 44:4፣ 97:1፣ ራእ 11:15, 17
  • +ኢሳ 12:2፣ ጸፎ 3:17

ኢሳይያስ 33:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 33:4

ኢሳይያስ 33:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:15፣ ራእ 21:4፣ 22:1, 2
  • +ኤር 50:20፣ ሚክ 7:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 189

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 33:12ነገ 18:13፣ ኢሳ 10:5
ኢሳ. 33:1ኢሳ 10:12፣ ናሆ 3:7
ኢሳ. 33:2መዝ 123:2
ኢሳ. 33:2መዝ 44:3፣ ኢሳ 52:10
ኢሳ. 33:2መዝ 46:1፣ ናሆ 1:7
ኢሳ. 33:3መዝ 46:6፣ 68:1፣ ኢሳ 17:13
ኢሳ. 33:6መዝ 27:1
ኢሳ. 33:6ምሳ 19:23
ኢሳ. 33:82ነገ 18:19, 20
ኢሳ. 33:9ኢሳ 37:24
ኢሳ. 33:9ናሆ 1:4
ኢሳ. 33:10መዝ 46:10
ኢሳ. 33:11ኢሳ 5:24
ኢሳ. 33:12ኢሳ 9:18
ኢሳ. 33:14ዘዳ 28:66, 67
ኢሳ. 33:14ዘዳ 32:22፣ ናሆ 1:6፣ እብ 12:29
ኢሳ. 33:15ህዝ 18:17
ኢሳ. 33:151ዜና 29:17
ኢሳ. 33:15ዘጸ 23:8፣ ዘዳ 16:19
ኢሳ. 33:161ነገ 19:5, 6፣ መዝ 34:9, 10፣ ኢሳ 65:13
ኢሳ. 33:182ነገ 15:19
ኢሳ. 33:19ዘዳ 28:49, 50፣ ኢሳ 28:11፣ ኤር 5:15
ኢሳ. 33:20ዘዳ 12:5, 6
ኢሳ. 33:20መዝ 125:1
ኢሳ. 33:22ዘፍ 18:25፣ መዝ 50:6፣ 98:9
ኢሳ. 33:22ዘሌ 26:3፣ ያእ 4:12
ኢሳ. 33:22መዝ 44:4፣ 97:1፣ ራእ 11:15, 17
ኢሳ. 33:22ኢሳ 12:2፣ ጸፎ 3:17
ኢሳ. 33:23ኢሳ 33:4
ኢሳ. 33:24ዘዳ 7:15፣ ራእ 21:4፣ 22:1, 2
ኢሳ. 33:24ኤር 50:20፣ ሚክ 7:18, 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 33:1-24

ኢሳይያስ

33 ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፡+

ኣታ ዘይተጠለምካ ጠላሚ፡ ወይለኻ!

ኣጥፊእካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጠፍእ ኢኻ።+

ጠሊምካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጥለም ኢኻ።

 2 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና።+

ተስፋና ብኣኻ እዩ።

ንግሆ ንግሆ፡ ቅልጽምና*+ ኹን፣

እወ፡ ብግዜ ጭንቂ፡ ድሕነትና ኹን።+

 3 ብደሃይ ህውከት፡ ህዝብታት ይሃድሙ።

ምስ ተንሳእካ፡ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።+

 4 በላዒ ኣንበጣ ኸም ዚእከብ፡ ምርኮኹም ኪእከብ እዩ፣

ከም ዕስለ ኣንበጣ ኸኣ፡ ሰባት ጐይዮም ኪዓስልዎ እዮም።

 5 የሆዋ ኣብ ላዕሊ እዩ ዚነብር እሞ፡

ልዕል ኪብል እዩ።

ንጽዮን ብፍትሕን ብጽድቅን ኪመልኣ እዩ።

 6 ንሱ ርግኣት ግዜያትካ እዩ፣

ብዝሒ ድሕነትን+ ጥበብን ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን፡+

—እዚ መዝገቡ እዩ።

 7 እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ጐደና የእውዩ፡

ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።

 8 ጐደናታት ተሓዲጉ፣

ብመገድታት ዚጕዓዝ ሓደ እኳ የልቦን።

ንሱ* ኺዳን ኣፍሪሱ፣

ንኸተማታት ንዒቑ፣

ንመዋቲ ሰብ ግዲ የብሉን።+

 9 እታ ምድሪ ትሓዝንን* ትጽምሉን ኣላ።

ሊባኖስ ሓፊራ፡+ በዅቢዃ።

ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀይና፣

ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ኣቝጽልተን ረጊፉ።+

10 “ሕጂ ኽትንስእ እየ” ይብል የሆዋ፡

“ሕጂ ገዛእ ርእሰይ ልዕል ከብል እየ፣+

ሕጂ ርእሰይ ከዕቢ እየ።

11 ንቑጽ ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ድማ ትወልዱ።

መንፈስኩም ከም ሓዊ ኺበልዓኩም እዩ።+

12 ህዝብታት ከም ንዳድ ኖራ ኪዀኑ እዮም።

ከም እተቘርጸ እሾዅ፡ ብሓዊ ኺባርዑ እዮም።+

13 ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም፡ እቲ ዝገብሮ ስምዑ!

ኣቱም ኣብ ቀረባ ዘለኹም፡ ሓይለይ ፍለጡ!

14 ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጥኣን ይርዕዱ ኣለዉ፣+

ንኸሓድቲ ራዕራዕታ ሒዝዎም ኣሎ፦

‘ዚባላዕ ሓዊ ኣብ ዘለዎስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧+

ምስ ዘይጸግብ ሃልሃልታስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧’

15 እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ፡+

ብቕንዕና ዚዛረብ፡+

ረብሓ ሸፈጥን ዓመጻን ዚንዕቕ፡

ኣእዳዉ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዚሕዛስ ዝኣብያ፡+

ንዘረባ ምፍሳስ ደም እዝኑ ዚደፍን፡

ክፉእ ከይርኢ እውን ኣዒንቱ ዚዕምት፡

16 ንሱ ኣብ በረኽቲ ኺነብር፡

ዕርድታት ኣኻውሕ ከኣ እምባኡ* ኪኸውን፡

እንጌራኡ ድማ ኪውሃቦ፡

ማዩ እውን ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”+

17 ኣዒንትኻ ንንጉስ ብግርማኡ ኺርእያኦ፡

ርሕቕቲ ምድሪ ኺርእያ እየን።

18 ኣብ ልብኻ፡ ሽበራ ኽትዝክር* ኢኻ፦

“ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧

እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ፧+

እቲ ግምብታት ዝቘጸረ ኣበይ ኣሎ፧”

19 ነቲ ኸተስተውዕሎ ዜሸግር* ዝቛንቋኡን

ክትርድኦ ዘይከኣል ወታእ ዝልሳኑን

ደረቐኛ ህዝቢ ደጊም ኣይክትርእዮን ኢኻ።+

20 ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ!+

ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ህድእቲ መንበሪት፡

ዘይትግዕዝ ድንኳን ኰይና ኺርእያኣ እየን።+

ሽኻላታ ኣይኪምንቈስን፡

ኣግማዳ ኸኣ ኣይኪብተኽን እዩ።

21 ኣብኣ ግና እቲ ግርማዊ የሆዋ፡

ዞባ ኣፍላግን ሰፊሕ መትረባትን ኪዀነልና እዩ፣

ብመቕዘፍ ዚምራሓ መራኽብ ከኣ ናብኡ ኣይኪኣትዋን፡

ዓበይቲ መራኽብ እውን ብእኡ ኣይኪሓልፋን እየን።

22 ከመይሲ፡ የሆዋ ፈራዲና፡+

የሆዋ ሓጋግ ሕግና፡+

የሆዋ ንጉስና እዩ፣+

እቲ ዜድሕነና፡ ንሱ እዩ።+

23 ኣግማድካ ዘሊቑ ጠልጠል ኪብል እዩ፣

ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ደው ኣይኬብሎን፡ ነቲ ጋንጽላ እውን ኣይኪግትሮን እዩ።

ሽዑ፡ ብዙሕ ምርኮ ኺምቀል እዩ፣

ሓንካሳት እኳ ብዙሕ ዘመተ ኺወስዱ እዮም።+

24 ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+

እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ