ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ናብቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ዝለኣኻ ደብዳበ (1-23)

        • እስራኤል ድሕሪ 70 ዓመት ኪምለስ እዩ (10)

      • ናብ ሸማዕያ እተላእከ መልእኽቲ (24-32)

ኤርምያስ 29:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተጌን።”

  • *

    ወይ፡ “ሰራሕቲ ዕርድን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:8፣ ኤር 22:24
  • +ኤር 22:26
  • +2ነገ 24:15, 16፣ ኤር 24:1

ኤርምያስ 29:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:18
  • +2ነገ 22:8፣ ኤር 26:24፣ 39:13, 14፣ ህዝ 8:11

ኤርምያስ 29:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 6

ኤርምያስ 29:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 2:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1996፡ ገጽ 11

ኤርምያስ 29:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ 27:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 5-6

ኤርምያስ 29:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:21፣ 28:15

ኤርምያስ 29:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ እዝ 1:1-3፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 1:12
  • +ዘዳ 30:3፣ እዝ 2:1፣ ኤር 24:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2011፡ ገጽ 26-27

    ኤርምያስ፡ ገጽ 161-162

ኤርምያስ 29:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:17
  • +ጸፎ 3:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 2

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 3 2021፡ ገጽ 14

ኤርምያስ 29:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 9:3

ኤርምያስ 29:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:29፣ 30:1-4፣ 1ነገ 8:47, 48፣ ኤር 24:7
  • +ዘሌ 26:40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 114-115

ኤርምያስ 29:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:6
  • +ኢሳ 49:25፣ ኤር 30:3፣ ህዝ 39:28
  • +መዝ 126:1፣ ሆሴ 6:11፣ ኣሞ 9:14፣ ጸፎ 3:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 114-115

ኤርምያስ 29:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 28:1

ኤርምያስ 29:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕማምን።”

  • *

    ወይ፡ “ዝነትዐ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 24:10
  • +ኤር 24:2, 8

ኤርምያስ 29:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33
  • +ዘዳ 28:25፣ ኤር 34:17
  • +1ነገ 9:8፣ 2ዜና 29:8፣ ኤር 25:9፣ ድጕ 2:15
  • +ኤር 24:9

ኤርምያስ 29:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:13
  • +ኤር 6:19

ኤርምያስ 29:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ 29:8፣ ድጕ 2:14

ኤርምያስ 29:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:14
  • +ኤር 7:9, 10፣ 27:15
  • +ኤር 16:17፣ 23:24

ኤርምያስ 29:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:31, 32

ኤርምያስ 29:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:18, 21፣ ኤር 21:1, 2፣ 37:3፣ 52:24, 27

ኤርምያስ 29:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓጺን ክሳድን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:2

ኤርምያስ 29:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:2
  • +ኤር 1:1

ኤርምያስ 29:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:5

ኤርምያስ 29:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:18, 21

ኤርምያስ 29:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:14፣ 28:15, 16፣ ህዝ 13:8, 9

ሓፈሻዊ

ኤር. 29:22ነገ 24:8፣ ኤር 22:24
ኤር. 29:2ኤር 22:26
ኤር. 29:22ነገ 24:15, 16፣ ኤር 24:1
ኤር. 29:32ነገ 24:18
ኤር. 29:32ነገ 22:8፣ ኤር 26:24፣ 39:13, 14፣ ህዝ 8:11
ኤር. 29:71ጢሞ 2:1, 2
ኤር. 29:8ኤር 14:14፣ 27:14
ኤር. 29:9ኤር 23:21፣ 28:15
ኤር. 29:102ዜና 36:20, 21፣ እዝ 1:1-3፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 1:12
ኤር. 29:10ዘዳ 30:3፣ እዝ 2:1፣ ኤር 24:6
ኤር. 29:11ኤር 31:17
ኤር. 29:11ጸፎ 3:15
ኤር. 29:12ዳን 9:3
ኤር. 29:13ዘዳ 4:29፣ 30:1-4፣ 1ነገ 8:47, 48፣ ኤር 24:7
ኤር. 29:13ዘሌ 26:40
ኤር. 29:14ኢሳ 55:6
ኤር. 29:14ኢሳ 49:25፣ ኤር 30:3፣ ህዝ 39:28
ኤር. 29:14መዝ 126:1፣ ሆሴ 6:11፣ ኣሞ 9:14፣ ጸፎ 3:20
ኤር. 29:16ኤር 28:1
ኤር. 29:17ኤር 24:10
ኤር. 29:17ኤር 24:2, 8
ኤር. 29:18ዘሌ 26:33
ኤር. 29:18ዘዳ 28:25፣ ኤር 34:17
ኤር. 29:181ነገ 9:8፣ 2ዜና 29:8፣ ኤር 25:9፣ ድጕ 2:15
ኤር. 29:18ኤር 24:9
ኤር. 29:19ኤር 7:13
ኤር. 29:19ኤር 6:19
ኤር. 29:21ኤር 14:14፣ 29:8፣ ድጕ 2:14
ኤር. 29:23ኤር 23:14
ኤር. 29:23ኤር 7:9, 10፣ 27:15
ኤር. 29:23ኤር 16:17፣ 23:24
ኤር. 29:24ኤር 29:31, 32
ኤር. 29:252ነገ 25:18, 21፣ ኤር 21:1, 2፣ 37:3፣ 52:24, 27
ኤር. 29:26ኤር 20:2
ኤር. 29:27ኤር 43:2
ኤር. 29:27ኤር 1:1
ኤር. 29:28ኤር 29:5
ኤር. 29:292ነገ 25:18, 21
ኤር. 29:31ኤር 14:14፣ 28:15, 16፣ ህዝ 13:8, 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 29:1-32

ኤርምያስ

29 ነብዪ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ናብቶም ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት ህዝቢ ዘለዉ ዝተረፉ ዓበይትን ናብ ካህናትን ናብ ነብያትን ናብ ኵሎም እቶም ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ዝወሰዶም ህዝብን ዝለኣኻ ደብዳበ ዝሓዘቶ ቓላት እዚ እዩ፣ 2 እዚ ኸኣ ንጉስ የኮንያን+ ኣደ ንጉስን*+ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን መሳፍንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ ዝዀነ እዩ።+ 3 ነታ ደብዳበ ድማ ብኢድ እቶም ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ናብ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሻፋንን+ ገማርያ ወዲ ሒልቅያን ለኣኻ። ከምዚ ኸኣ ትብል ነበረት፦

4 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ከም ዚኸዱ ዝገበርክዎም ኵሎም ምሩኻት ከምዚ ይብል፦ 5 ‘ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። 6 ኣንስቲ ኣእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ፣ ንሳቶም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ምእንቲ ኺወልዱስ፡ ንኣወዳትኩም ኣንስቲ ኣምጽኡ፣ ንኣዋልድኩም ድማ ኣመርዕውወን። ኣብኡ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሓዱ። 7 ነታ ኣነ ናብኣ ተማሪኽኩም ከም እትውሰዱ ዝገበርኩኹም ከተማ ኸኣ ሰላማ ድለዩ፣ ብሰላማ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ምእንታኣ ናብ የሆዋ ጸልዩ።+ 8 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ነብያትኩምን ጠንቈልትኹምን ኣየታልሉኹም፣+ ነቲ ዚሓልምዎ ሕልሚ ድማ ኣይትስምዕዎ። 9 ከመይሲ፡ ‘ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን’+ ይብል የሆዋ።”’”

10 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ባቢሎን 70 ዓመት ምስ መልአ፡ ቈላሕታይ ክገብረልኩም፡+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ ድማ፡ ነቲ ዝኣቶኽዎ ቓል ክፍጽሞ እየ።’+

11 “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡+ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።+ 12 ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ።’+

13 “‘ብዅሉ ልብኹም ክትደልዩኒ ኢኹም እሞ፡+ ክትደልዩንን ክትረኽቡንን ኢኹም።+ 14 ኣነ ድማ ክርከበልኩም እየ’+ ይብል የሆዋ። ‘ንምሩኻትኩም ክእክቦም፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ካብ ኵሉ እቲ ዝበተንኩኹም ቦታታትን ከኣ ክእክበኩም እየ’+ ይብል የሆዋ። ‘ናብታ ኻብኣ ናብ ምርኮ ዝሰደድኩኹም ቦታ ድማ ክመልሰኩም እየ።’+

15 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘የሆዋ ኣብ ባቢሎን ነብያት ኣተንሲኡልና ኣሎ’ ትብሉ ኣለኹም።

16 “የሆዋ ነቲ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጡ ዘሎ ንጉስን+ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኸተማ ተቐሚጦም ዘለዉ ህዝብን፡ ነቶም ምሳኻትኩም ናብ ምርኮ ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፡ ከምዚ ይብል፦ 17 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰይፍን ጥሜትን ለበዳን* እሰድደሎም ኣለኹ፣+ ከምቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ዝመሽመሸ* በለስ ክገብሮም እየ።”’+

18 “‘ብሰይፍን+ ብጥሜትን ብለበዳን ክሰጕጎም እየ፣ ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሒ ኪዀኑ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ናባታቶም ዝብትኖም ኣህዛብ+ ከኣ ንመራገምን ንመገረምን ንመፋጸይን+ ንመጻረፍን ክገብሮም እየ፣+ 19 እዚ ድማ እተን ብገላዎይ ነብያት ገይረ ደጋጊመ*+ ዝሰደድኩሎም ቃላተይ ስለ ዘይሰምዑ እዩ’ ይብል የሆዋ።

“‘ግናኸ፡ ኣይሰማዕኩምን’+ ይብል የሆዋ።

20 “ስለዚ፡ ኣቱም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት ኵላትኩም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 21 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብዛዕባ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩልኩም+ ዘለዉ ኣከኣብ ወዲ ቆላያን ጼዴቅያስ ወዲ ማዓስያን ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ክህቦም እየ፣ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኪቐትሎም እዩ። 22 እቲ ንዓታቶም ዚወርዶም ከኣ፡ “የሆዋ ኸምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ጼዴቅያስን ኣከኣብን ይግበርካ!” እናተባህለ ብዅሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ይሁዳ መራገሚ ኪኸውን እዩ። 23 ከመይሲ፡ ኣብ እስራኤል ዜዋርድ ተግባር ገይሮም፡+ ምስ ኣንስቲ ብጾቶም ዘምዮም፡ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃላት ሓሶት ከኣ ብስመይ ተዛሪቦም እዮም።+

“‘“ነዚ ዝፈልጦ ኣነ እየ፡ ምስክር እውን እየ”+ ይብል የሆዋ።’”

24 “ንሸማዕያ+ ብዓል ኔሕላም ከኣ ከምዚ ኽትብሎ ኢኻ፦ 25 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ንስኻስ ብስምካ ደብዳበታት ናብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ህዝብን ናብ ጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን ናብ ኵሎም ካህናትን ከምዚ ኢልካ ሰዲድካ ኢኻ፦ 26 ‘ኣብ ቤት የሆዋ ሓላዊ ኽትከውን፡ ከም ነብዪ ዚኸውን ዘበለ ዕቡድ ክትቈጻጸር፡ ንዕኡ ኸኣ ኣብ ጕንድን ኣብ መስገደልን* ክትኣስሮስ፡ የሆዋ ኣብ ክንዲ ኻህን የሆያዳ ኻህን ገይሩ ሸይሙካ ኣሎ፣+ 27 ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ነቲ ኸም ነብዪ ዚዀነልካ ዘሎ+ ኤርምያስ ብዓል ዓናቶት+ ዘይገናሕካዮ፧ 28 ንሱስ፡ “ነዊሕ ግዜ ኣሎ! ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ፡+—” ኢሉ ናባና ናብ ባቢሎን ልኢኹልና ኣሎ።’”’”

29 ካህን ጸፎንያስ+ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ነብዪ ኤርምያስ እናሰምዐ ምስ ኣንበባ፡ 30 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 31 “ከምዚ ኢልካ ናብ ኵሎም እቶም ምሩኻት ልኣኽ፦ ‘የሆዋ ብዛዕባ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላም ከምዚ ይብል፦ “ሸማዕያ ኣነ ኸይለኣኽክዎ ስለ እተነበየልኩም፡ ብሓሶት ኬእምነኩም ከኣ ስለ ዝፈተነ፡+ 32 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላምን ናብ ዘርኡን ክገብር እየ። ኣብ የሆዋ ዕልወት ኪግበር ደፋፊኡ እዩ እሞ፡ ካብኡስ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኪተርፍን እዩ፣ ንህዝበይ ዝገብረሉ ጽቡቕ ድማ ኣይኪርእን እዩ’ ይብል የሆዋ።”’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ