ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ሰኽራማት ኤፍሬም ወይለኦም! (1-6)

      • ካህናትን ነብያትን ይሁዳ ሰንከልከል ኪብሉ እዮም (7-13)

      • “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና” (14-22)

        • ክቡር እምኒ መኣዝን ኣብ ጽዮን (16)

        • ዘይልሙድ ዕዮ የሆዋ (21)

      • ተግሳጽ የሆዋ ጥበብ ዝመልኦ ምዃኑ ዚሕብር ምሳሌ (23-29)

ኢሳይያስ 28:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”

  • *

    ነታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሰማርያ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 7:2

ኢሳይያስ 28:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2011፡ ገጽ 3

ኢሳይያስ 28:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዕቡይ፣ ኵሩዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6፣ ኢሳ 17:3

ኢሳይያስ 28:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:16

ኢሳይያስ 28:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 18:34፣ 68:35

ኢሳይያስ 28:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:10, 11፣ ኤር 5:31

ኢሳይያስ 28:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:13፣ ኢሳ 28:17፣ ድጕ 2:8

ኢሳይያስ 28:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከንፈርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15፣ 1ቈረ 14:21

ኢሳይያስ 28:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 81:10, 11

ኢሳይያስ 28:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ገመድ መለክዒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:17
  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 8:14, 15

ኢሳይያስ 28:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ራእይ ኣምጺእና” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:18
  • +ኢሳ 30:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2003፡ ገጽ 13

ኢሳይያስ 28:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 118:22
  • +ኤፌ 2:19, 20
  • +ማቴ 21:42፣ ማር 12:10፣ ሉቃ 20:17፣ ግብ 4:11
  • +ሮሜ 9:33፣ 10:11፣ 1ጴጥ 2:4, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ”

ኢሳይያስ 28:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መለክዒ መንደቕ፣ ኣድማስ፣ ቢምቦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:13
  • +ኤር 11:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2011፡ ገጽ 3፡ 6-7

ኢሳይያስ 28:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:15

ኢሳይያስ 28:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ተረድኡ፡ ፈጺሞም ኪሽበሩ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:1

ኢሳይያስ 28:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:15፣ ኣን 1:5-7
  • +እያ 10:8-14፣ 2ሳሙ 5:20፣ 1ዜና 14:10-16

ኢሳይያስ 28:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንብዘላ ምድሪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:23፣ 24:1
  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 20:7

ኢሳይያስ 28:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 30:5፣ 103:9፣ ሚክ 7:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2001፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 28:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 9:31, 32፣ ህዝ 4:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2001፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 28:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይግስጾ፣ ይቐጽዖ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 119:71

ኢሳይያስ 28:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:15፣ ኣሞ 1:3

ኢሳይያስ 28:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 103:9፣ ኢሳ 21:10፣ ሚክ 7:18
  • +ዘሌ 26:44፣ ኤር 10:24

ኢሳይያስ 28:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዕላማኡ።”

  • *

    ወይ፡ “ግብራዊ ጥበቡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 40:5፣ ኤር 32:19፣ ሮሜ 11:33

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 28:1ኢሳ 7:2
ኢሳ. 28:32ነገ 17:6፣ ኢሳ 17:3
ኢሳ. 28:5ኢሳ 11:16
ኢሳ. 28:6መዝ 18:34፣ 68:35
ኢሳ. 28:72ነገ 16:10, 11፣ ኤር 5:31
ኢሳ. 28:102ነገ 21:13፣ ኢሳ 28:17፣ ድጕ 2:8
ኢሳ. 28:11ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15፣ 1ቈረ 14:21
ኢሳ. 28:12መዝ 81:10, 11
ኢሳ. 28:13ኢሳ 28:17
ኢሳ. 28:132ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 8:14, 15
ኢሳ. 28:15ኢሳ 28:18
ኢሳ. 28:15ኢሳ 30:9, 10
ኢሳ. 28:16መዝ 118:22
ኢሳ. 28:16ኤፌ 2:19, 20
ኢሳ. 28:16ማቴ 21:42፣ ማር 12:10፣ ሉቃ 20:17፣ ግብ 4:11
ኢሳ. 28:16ሮሜ 9:33፣ 10:11፣ 1ጴጥ 2:4, 6
ኢሳ. 28:172ነገ 21:13
ኢሳ. 28:17ኤር 11:20
ኢሳ. 28:18ኢሳ 28:15
ኢሳ. 28:19ኢሳ 24:1
ኢሳ. 28:21ድጕ 2:15፣ ኣን 1:5-7
ኢሳ. 28:21እያ 10:8-14፣ 2ሳሙ 5:20፣ 1ዜና 14:10-16
ኢሳ. 28:22ኢሳ 10:23፣ 24:1
ኢሳ. 28:222ዜና 36:15, 16፣ ኤር 20:7
ኢሳ. 28:24መዝ 30:5፣ 103:9፣ ሚክ 7:18
ኢሳ. 28:25ዘጸ 9:31, 32፣ ህዝ 4:9
ኢሳ. 28:26መዝ 119:71
ኢሳ. 28:27ኢሳ 41:15፣ ኣሞ 1:3
ኢሳ. 28:28መዝ 103:9፣ ኢሳ 21:10፣ ሚክ 7:18
ኢሳ. 28:28ዘሌ 26:44፣ ኤር 10:24
ኢሳ. 28:29መዝ 40:5፣ ኤር 32:19፣ ሮሜ 11:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 28:1-29

ኢሳይያስ

28 እታ ናይ ረኣዩለይ* ዘውዲ* እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምን+

እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ እቶም ብወይኒ እተሰነፉ ዘሎ

ክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባን፡ ወይለኡ!

 2 እንሆ፡ የሆዋ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ኣለዎ።

ከም ሃጽፊ በረድ፡ ከም ዜጥፍእ ህቦብላ ንፋስ፡

ከም ነጕዲ ሓያል ምዕልቕላቕ ማያት፡

ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኺድርብዮ እዩ።

 3 እቲ ናይ ረኣዩለይ* ዘውድታት እቶም ሰኽራማት ኤፍሬም

ኣብ ትሕቲ እግሪ ኺርገጽ እዩ።+

 4 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ ዘሎ

ክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባ ኸኣ፡

ከምቲ ቕድሚ ሓጋይ ዚርከብ ቀዳማይ በለስ ኪኸውን እዩ።

ሓደ ምስ ረኣዮ እሞ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዞ፡ ብኡብኡ ይውሕጦ።

5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቶም ካብ ህዝቡ ዝተረፉ፡ ክቡር ዘውድን ጽቡቕ ኣኽሊል ዕምባባን ኪኸውን እዩ።+ 6 ነቲ ኣብ ፍርዲ እተቐመጠ ኸኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ዚመልሱ እውን ምንጪ ሓይሊ ኪኸውን እዩ።+

 7 እዚኣቶም እውን ብወይኒ ይስሕቱ፣

ኣልኮላዊ መስተኦም ሰንከልከል የብሎም።

ካህንን ነብይን ብሰሪ ኣልኮላዊ መስተ ይስሕቱ፣

ወይኒ የደናግሮም፣

ብኣልኮላዊ መስተኦም ድማ ሰንከልከል ይብሉ።

ራእዮም የስሕቶም፣

ኣብ ፍርዲ እውን ይዕንቀፉ።+

 8 መኣድታቶምሲ ዜፈንፍን ትፋእ ዝመልአ እዩ፣

—ንሱ ዘይብሉ ቦታ የልቦን።

 9 ንመን ደኣ ፍልጠት ኬካፍል፡

ንመንከ መልእኽቲ ኺገልጽ እዩ፧

ነቶም ጸባ ዝሓደጉ፡

ነቶም ጡብ ሕዳግ ድዩ፧

10 ከመይሲ፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡

መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+

ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” እዩ።

11 እምበኣር፡ ብወታእ ዘረባን* ብቛንቋ ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኺዛረቦ እዩ።+ 12 ንሱስ፡ “እዚኣ መዕረፊት እያ። እቲ ድኹም ይዕረፍ፣ እዚኣ ቦታ ዕረፍቲ እያ” ኢልዎም ነይሩ፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣብዮም።+ 13 ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ንዓታቶም፡

“ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡

መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+

ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” ኪኸውን እዩ።

ስለዚ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡

ኪዕንቀፉ፡ ጥንቅልዒት ኪወድቁ፡

ኪስበሩ፡ ኪፍንጠሩ፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።+

14 እምበኣር፡ ኣቱም ምኩሓት፡

ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትገዝኡ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣

15 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ትብሉ ኢኹም፦

“ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፡+

ምስ መቓብር* ድማ ተዋዓዒልና* ኢና።

ንሓሶት መዕቈቢና ጌርናዮ፡

ብምትላል እውን ተሓቢእና ኢና እሞ፡+

ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡

ኣይኪበጽሓናን እዩ።”

16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንሆ፡ ኣብ ጽዮን መሰረት ዚኸውን ፍቱን እምኒ፡+

ርግጽ መሰረት+ ዚኸውን ክቡር እምኒ መኣዝን+ አንብር ኣለኹ።

ብእኡ ዚኣምን ኣይኪስምብድን እዩ።+

17 ፍትሒ፡ ገመድ መለክዒ፡+

ጽድቂ ኸኣ፡ መዐቀኒ ጽፍሒ* ኽገብር እየ።+

በረድ ንመዕቈቢ ሓሶት ኪዅስትሮ፡

ማያት ድማ ነቲ መሕብኢ ኺድምስሶ እዩ።

18 እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንኩም ኪፈርስ፡

እቲ ምስ መቓብር* ዝገበርኩምዎ ውዕል እውን ኣይኪቐውምን እዩ።+

ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡

ብእኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።

19 ንግሆ ንግሆ፡

መዓልትን ለይትን ኪሓልፍ እዩ እሞ፡

ብዝሓለፈ መጠን፡

ኪዅስትረኩም እዩ።+

ሽበራ ጥራይ እዩ ነቲ ዝሰምዕዎ ዜረድኦም።”*

20 ከይተሳፍሓሉስ ዓራት ሓጺር እዩ፣

ከይትጕልበብ ድማ መደረብታ ጸቢብ እዩ።

21 የሆዋስ ከም ኣብ ከረን ጰራጺም ኪትንስእ እዩ፣

ተግባሩ፡—እቲ ዜደንቕ ተግባሩ፡—ምእንቲ ኺገብር፡

ዕዮኡ፡—እቲ ዘይልሙድ ዕዮኡ፡+—ድማ ምእንቲ ኺፍጽም፡

ከምቲ ኣብ ጥቓ ጊብዖን+ ዘሎ ስንጭሮ* እውን ርእሱ ኼለዓዕል እዩ።

22 ንዅላ እታ ምድሪ* ጥፍኣት ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡+

ካብ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፡

ማእሰርትኹም ከይጸንዕሲ፡

ሕጂ ኣይተላግጹ።+

23 ጽን በሉ፡ ድምጸይ እውን ስምዑ፣

ኣቕልቡ፡ ዝብሎ ድማ ስምዑ።

24 ሓረስታይሲ ዘርኢ ኸይዘርአ ምሉእ መዓልቲዶ ኺሓርስ ይውዕል እዩ፧

ብቐጻሊዶ ንምድሩ ይባርዎን ድንኩል ይሰብርን እዩ፧+

25 ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ፡

ኣበሱዳዶ ኣይብትንን፡ ካሙንዶኸ ኣይዘርእን እዩ፧

ስርናይን ብልቱግን ስገምን ኣብ ቦታኡ፡

ዓለስ+ ድማ ኣብ ወሰን ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧

26 ንሱስ ቅኑዕ መገዲ የፍልጦ፡*

ኣምላኹ ይምህሮ እዩ።+

27 ኣበሱዳስ ብመኼዲ ኣይርገጽን እዩ፣+

ካሙን ከኣ ብመንኰርኰር ሰረገላ ኣይክየድን እዩ።

የግዳስ፡ ኣበሱዳ ብበትሪ፡

ካሙን ድማ ብዘንጊ እዩ ዚዝበጥ።

28 ሰብዶ ነቲ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ይጥሕኖ እዩ፧

ኣይፋሉን፡ ብዘይምቍራጽሲ ኣየኺዶን እዩ፣+

ብኣፍራሱ ገይሩ መንኰርኰር ሰረገላኡ ኣብ ልዕሊኡ ኬኽይድ ከሎ ኸኣ፡

ኣይጥሕኖን እዩ።+

29 እዚ እውን ካብቲ ምኽሩ* ዜደንቕ፡

ዕዮኡ* ድማ ዓብዪ ዝዀነ+

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ዚመጽእ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ