ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • መዝሙር ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ (1-7)

      • ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ የሆዋ ዚወርድ ወዮ (8-24)

      • ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ህዝቡ ይነድድ (25-30)

ኢሳይያስ 5:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:7፣ ኤር 2:21፣ ሉቃ 20:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2006፡ ገጽ 17

ኢሳይያስ 5:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 21:33፣ ማር 12:1
  • +ሆሴ 10:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2006፡ ገጽ 17-18

ኢሳይያስ 5:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 6:2

ኢሳይያስ 5:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15፣ ህዝ 24:13

ኢሳይያስ 5:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:31, 33፣ ነህ 2:3፣ መዝ 79:1

ኢሳይያስ 5:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 29:22, 23፣ ኤር 25:11፣ 45:4
  • +ኢሳ 32:13
  • +ዘዳ 11:16, 17

ኢሳይያስ 5:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕርሻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 80:8፣ ኤር 12:10
  • +ሚክ 6:8
  • +ዘዳ 15:9

ኢሳይያስ 5:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 2:1, 2
  • +1ነገ 21:15, 16

ኢሳይያስ 5:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 27:10

ኢሳይያስ 5:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 17፣ ዮኤ 1:17

ኢሳይያስ 5:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 21:34፣ ሮሜ 13:13

ኢሳይያስ 5:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኽራርን።”

ኢሳይያስ 5:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 27:11፣ ኤር 8:7፣ ሆሴ 4:6
  • +ድጕ 4:9

ኢሳይያስ 5:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳ።”

  • *

    ወይ፡ “ክቡራታን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:63

ኢሳይያስ 5:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብፍትሑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:3፣ ራእ 4:8
  • +ዘዳ 32:4

ኢሳይያስ 5:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ኢሳይያስ 5:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሳነ፣ ምኽሪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:12፣ 17:15፣ ህዝ 12:22

ኢሳይያስ 5:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 17:15፣ ሚል 2:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2002፡ ገጽ 9

    1/8/2001፡ ገጽ 8-9

ኢሳይያስ 5:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 3:7፣ ሮሜ 12:16

ኢሳይያስ 5:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 23:20፣ 31:4, 5

ኢሳይያስ 5:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:19፣ ኢሳ 1:23፣ ሚክ 3:11
  • +1ነገ 21:13፣ ምሳ 17:15

ኢሳይያስ 5:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንትምህርቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:20፣ 2ነገ 17:13, 14፣ ነህ 9:26፣ ኢሳ 1:4

ኢሳይያስ 5:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:16, 17፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ድጕ 2:2
  • +ኤር 16:4

ኢሳይያስ 5:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:4
  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15
  • +ኤር 4:13

ኢሳይያስ 5:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪውርወር ድሉው።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣን 1:8

ኢሳይያስ 5:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:17

ኢሳይያስ 5:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:23
  • +ኤር 4:23

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 5:1መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:7፣ ኤር 2:21፣ ሉቃ 20:9
ኢሳ. 5:2ማቴ 21:33፣ ማር 12:1
ኢሳ. 5:2ሆሴ 10:1
ኢሳ. 5:3ሚክ 6:2
ኢሳ. 5:42ዜና 36:15፣ ህዝ 24:13
ኢሳ. 5:5ዘሌ 26:31, 33፣ ነህ 2:3፣ መዝ 79:1
ኢሳ. 5:6ዘዳ 29:22, 23፣ ኤር 25:11፣ 45:4
ኢሳ. 5:6ኢሳ 32:13
ኢሳ. 5:6ዘዳ 11:16, 17
ኢሳ. 5:7መዝ 80:8፣ ኤር 12:10
ኢሳ. 5:7ሚክ 6:8
ኢሳ. 5:7ዘዳ 15:9
ኢሳ. 5:8ሚክ 2:1, 2
ኢሳ. 5:81ነገ 21:15, 16
ኢሳ. 5:92ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 27:10
ኢሳ. 5:10ዘዳ 28:15, 17፣ ዮኤ 1:17
ኢሳ. 5:11ሉቃ 21:34፣ ሮሜ 13:13
ኢሳ. 5:13ኢሳ 27:11፣ ኤር 8:7፣ ሆሴ 4:6
ኢሳ. 5:13ድጕ 4:9
ኢሳ. 5:14ዘዳ 28:63
ኢሳ. 5:16ኢሳ 6:3፣ ራእ 4:8
ኢሳ. 5:16ዘዳ 32:4
ኢሳ. 5:19ኤር 5:12፣ 17:15፣ ህዝ 12:22
ኢሳ. 5:20ምሳ 17:15፣ ሚል 2:17
ኢሳ. 5:21ምሳ 3:7፣ ሮሜ 12:16
ኢሳ. 5:22ምሳ 23:20፣ 31:4, 5
ኢሳ. 5:23ዘዳ 16:19፣ ኢሳ 1:23፣ ሚክ 3:11
ኢሳ. 5:231ነገ 21:13፣ ምሳ 17:15
ኢሳ. 5:24ዘዳ 31:20፣ 2ነገ 17:13, 14፣ ነህ 9:26፣ ኢሳ 1:4
ኢሳ. 5:25ዘዳ 31:16, 17፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ድጕ 2:2
ኢሳ. 5:25ኤር 16:4
ኢሳ. 5:26ኤር 52:4
ኢሳ. 5:26ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 5:15
ኢሳ. 5:26ኤር 4:13
ኢሳ. 5:28ኣን 1:8
ኢሳ. 5:29ኤር 50:17
ኢሳ. 5:30ኤር 6:23
ኢሳ. 5:30ኤር 4:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 5:1-30

ኢሳይያስ

5 መዝሙር ፍቱወይን ኣታኽልቲ ወይኑን+

እስከ ንፍቑረይ ክዝምረሉ።

ፍቑረይ ኣብ ፍርያም ኵርባ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።

 2 ኰዓቶ፡ ኣእማኑ ድማ ኣውጽአ።

ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፣

ኣብ ማእከሉ ግምቢ ሃነጸሉ፣

ኣብ ውሽጡ ድማ መጽመቝ ወይኒ ወቒሩ ሰርሓሉ።+

ወይኒ ኼፍሪ ኸኣ ተጸበየ፣

ግናኸ፡ ወይኒ መሮር ጥራይ ኣፍረየ።+

 3 “ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ነበርቲ የሩሳሌምን ሰብ ይሁዳን፡

ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን በጃኹም ፍረዱ።+

 4 ንኣታኽልቲ ወይነይሲ ዛጊት ዘይገበርኩሉ+

እንታይ ተወሳኺ ነገር ክገብረሉ ምኸኣልኩ ነይረ፧

ስለምንታይ ደኣ ወይኒ ኽረክብ ምስ ተጸበኹስ፡

ወይኒ መሮር ጥራይ ዘፍረየለይ፧

 5 ሕጂ ድማ፡ ንኣታኽልቲ ወይነይ እንታይ ከም ዝገብሮ

እስከ ኽነግረኩም፦

ሓጹሩ ኸልግሶ እየ፣

ከንድዶ እውን እየ።+

መንደቑ ኸፍርሶ እየ፣

ኪርገጽ እውን እዩ።

 6 ከባድሞ እየ፣+

ኣይኪጥጠፍን ወይ ኣይኪጫዀርን እዩ።

ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኪውሓጥ እዩ፣+

ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ።+

 7 እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣+

ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ* እዮም።

ፍትሒ ተጸበየ፣+

እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት።

ጽድቂ ተጸበየ፣

እንሆ ግና፡ ኣውያት።”+

 8 ነቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡

ኣብ ሓደ ቤት ካልእ ቤት ዜላግቡ፡+

ኣብ ሓደ ግራት ከኣ ካልእ ግራት ዚውስኹ ወይለኦም፣+

ንስኻትኩምሲ በይንኹም ኣብታ ምድሪ ኽሳዕ እትነብሩ ኸምኡ ትገብሩ።

 9 ብዙሕ ኣባይቲ፡ ዓበይትን ጽቡቕን ክነሱ፡

መሰክሒ ኪኸውን፡

ብዘይ ነባሪ እውን ኪኸውን ምዃኑ፡

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኣእዛነይ ምሒሉ ኣሎ።+

10 ዓሰርተ መዓል ጽምዲ ዚኸውን ኣታኽልቲ ወይንስ፡ ሓደ ባት* ጥራይ፡

ሓደ ሖመር ዚኸውን ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ* ጥራይ ኬፍሪ እዩ።+

11 እቶም ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡+

ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም!

12 መሰንቆን* በገናን

ከበሮን ሻምብቆን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፣

ንተግባር የሆዋ ግና ኣይሓስብዎን፣

ንግብሪ ኣእዳዉ እውን ኣይርእይዎን።

13 ስለዚ፡ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት+

ኪማረኹ እዮም፣

ክቡራቶም ኪጠምዩ፡+

ኵሎም ሰቦም ከኣ ብጽምኢ ኺነቕጹ እዮም።

14 ስለዚ፡ መቓብር* ገዛእ ርእሳ* ኣስፍሐት፣

ኣፋ እውን ብዘይ መጠን ሃህ ኣበለት፣+

ግርማኣን* ጫውጫው ዚብል ህዝባን ዚፍንጥዙ ሰባን

ብርግጽ ናብኣ ኺወርዱ እዮም።

15 ሰብ ድማ ትሕት ኪብል፡

ሰብ ከኣ ኪዋረድ እዩ፣

ኣዒንቲ ዕቡያት እውን ኪዋረዳ እየን።

16 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብፍርዱ* ልዕል ኪብል እዩ፣

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ቕዱስ፡+ ገዛእ ርእሱ ብጽድቂ ኪቕድስ እዩ።+

17 ገንሸላት* ከኣ ከም ኣብ መጓሰይኦም ኪበልዑ እዮም፣

ጓኖት ኣብቲ ስቡሓት እንስሳታት ዝነበርዎ ዝባደመ ቦታታት ኪምገቡ እዮም።

18 እቶም ንበደሎም ብኣግማድ ምትላል፡

ንሓጢኣቶም ድማ ብመጥመሪ ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም!

19 እቶም፡ “ዕዮኡ የፍጥን፣

ምእንቲ ኽንርእዮስ ቀልጢፉ ይምጻእ።

ምእንቲ ኽንፈልጦስ፡

ዕላማ* እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ይፈጸም!” ዚብሉ ወይለኦም!+

20 እቶም ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ ዚብሉ፡+

ንጸልማት ብብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ብጸልማት ዚትክእዎ፡

ንመሪር ጥዑም፡ ንጥዑም እውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም!

21 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጥበበኛታት፡

ብርእይቶኦም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም!+

22 እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚብርትዑ፡

ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ምሕውዋስ ድማ ዋናታት ዚዀኑ ወይለኦም!+

23 እቶም ንእኩይ ብጉቦ ናጻ ዚገብርዎ፡+

ንጻድቕ ከኣ ፍትሒ ዚኸልእዎ ወይለኦም!+

24 ስለዚ፡ ንሕጊ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነጺጎምዎ፡

ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እውን ንዒቖምዎ እዮም እሞ፡

ከምቲ ልሳን ሓዊ ንሓሰር ዜንድዶ፡

ከምቲ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ዚቕምርር፡

ሱሮም ኪምሽምሽ፡

ዕምባባኦም ድማ ከም ተጐጓ ፋሕ ኪብል እዩ።+

25 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኺነድድ፡

ኢዱ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሕ እሞ ኺወቕዖም እዩ።+

ኣኽራን ኬንቀጥቅጡ፡

ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጐደናታት ከም ጐሓፍ ኪዀኑ እዮም።+

ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣

ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።

26 ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ ህዝቢ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዒሉሎም፡+

ካብ ወሰናት ምድሪ ኺመጹ ድማ ኣፋጽዩሎም ኣሎ፣+

እንሆ ኸኣ፡ ብልዑል ፍጥነት ይመጹ ኣለዉ።+

27 ድኹም ወይ ዚዕንቀፍ ኣብ መንጎኦም የልቦን።

ትኽስ ዚብል ወይ ዚድቅስ እውን የልቦን።

ዕጣቕ ሕቘኦም ኣይፍታሕን፡

ስራኽ ሳእኖም እውን ኣይብተኽን እዩ።

28 ኵሉ ፍላጻታቶም በሊሕ፡

ኵሉ ቐስትታቶም ድማ ግቱር* እዩ።

ሸዀናታት ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፡

መንኰራዅሮም ከኣ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+

29 ጓዝማኦም ከም ናይ ኣንበሳ እዩ፣

ከም ሽደን ኣንበሳ ድማ ይጓዝሙ።+

ሕኒን ይብሉን ንግዳዮም ይሕዙን፣

ዜናግፎ ዘይብሉ እውን ይወስድዎ።

30 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከም ጕርምርምታ ባሕሪ፡

ኣብ ልዕሊኡ ጕርምርም ኪብሉ እዮም።+

ናብታ ምድሪ ዚጥምት ዘበለ ዜጨንቕ ጸልማት ኪርኢ እዩ፣

ብርሃን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰንኪ ደበናታት ጸልሚቱ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ