ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ማሕደር፡ ቦታ መስዋእቲ (1-9)

      • ደም ምብላዕ ተኸልከለ (10-14)

      • ስርዓት ብዛዕባ ሞይቱ እተረኽበ እንስሳ (15, 16)

ዘሌዋውያን 17:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ዘሌዋውያን 17:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:1, 2፣ 7:11

ዘሌዋውያን 17:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:3-5፣ 7:29-31

ዘሌዋውያን 17:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:15፣ ዘዳ 31:16
  • +ዘዳ 32:17፣ እያ 24:14

ዘሌዋውያን 17:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:3፣ ዘዳ 12:5, 6, 13, 14

ዘሌዋውያን 17:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 3:17፣ 7:26፣ 19:26፣ 1ሳሙ 14:33፣ ግብ 15:20, 29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 39

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2014፡ ገጽ 10-11

ዘሌዋውያን 17:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሳትኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 17:14፣ ዘዳ 12:23
  • +ማቴ 26:28፣ ሮሜ 3:25፣ 5:9፣ ኤፌ 1:7፣ እብ 9:22፣ 13:12፣ 1ጴጥ 1:2፣ 1ዮሃ 1:7፣ ራእ 1:5
  • +ዘሌ 8:15፣ 16:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “ፍቕሪ ኣምላኽ፡” ገጽ 75

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2004፡ ገጽ 15

ዘሌዋውያን 17:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓንቲ ነፍሲ”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:49
  • +ዘዳ 12:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2004፡ ገጽ 15

ዘሌዋውያን 17:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:16፣ 15:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ይምህረና፡ ገጽ 139

    መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፡ ገጽ 129

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2004፡ ገጽ 15

    15/10/2000፡ ገጽ 30-31

ዘሌዋውያን 17:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 17:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 39

ዘሌዋውያን 17:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝዀነት ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:31፣ ዘዳ 14:21
  • +ዘሌ 11:40

ዘሌዋውያን 17:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስጋኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 19:20

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 17:5ዘሌ 3:1, 2፣ 7:11
ዘሌ. 17:6ዘሌ 3:3-5፣ 7:29-31
ዘሌ. 17:7ዘጸ 34:15፣ ዘዳ 31:16
ዘሌ. 17:7ዘዳ 32:17፣ እያ 24:14
ዘሌ. 17:9ዘሌ 1:3፣ ዘዳ 12:5, 6, 13, 14
ዘሌ. 17:10ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 3:17፣ 7:26፣ 19:26፣ 1ሳሙ 14:33፣ ግብ 15:20, 29
ዘሌ. 17:11ዘሌ 17:14፣ ዘዳ 12:23
ዘሌ. 17:11ማቴ 26:28፣ ሮሜ 3:25፣ 5:9፣ ኤፌ 1:7፣ እብ 9:22፣ 13:12፣ 1ጴጥ 1:2፣ 1ዮሃ 1:7፣ ራእ 1:5
ዘሌ. 17:11ዘሌ 8:15፣ 16:18
ዘሌ. 17:12ዘጸ 12:49
ዘሌ. 17:12ዘዳ 12:23
ዘሌ. 17:13ዘዳ 12:16፣ 15:23
ዘሌ. 17:14ዘሌ 17:10, 11
ዘሌ. 17:15ዘጸ 22:31፣ ዘዳ 14:21
ዘሌ. 17:15ዘሌ 11:40
ዘሌ. 17:16ዘሁ 19:20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 17:1-16

ዘሌዋውያን

17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ እዚ እዩ፦

3 “‘“ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ብዕራይ ወይ ገንሸል* ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ 4 ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ኬቕርቦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ ነቲ ሰብ እቲ ዕዳ ደም ይቝጸረሉ። ደም ኣፍሲሱ እዩ፣ እቲ ሰብ እቲ ኻብ መንጎ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ። 5 እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ መስዋእቶም ናብ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ምእንቲ ኼምጽእዎ እዩ። ነዚ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውእዎ።+ 6 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይንጸጎ፣ ነቲ ስብሒ ድማ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን የሕርሮ።+ 7 ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም መስዋእቶም ነቶም ምሳታቶም ዚምንዝሩ+ ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንቲ* ኣይሰውኡ።+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም።”’

8 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ እንተ ኣቕሪቡ፡ 9 ንየሆዋ ኺስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+

10 “‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ደም ዘበለ እንተ በሊዑ፡+ ነቲ ደም ዝበልዐ ሰብ* ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ እየ፣ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ። 11 ከመይሲ፡ ህይወት* እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣+ እቲ በታ ኣብኡ ዘላ ህይወት* ገይሩ ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡+ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም* ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም።+ 12 ስለዚ እየ ንእስራኤላውያን፡ “ካባኻትኩም ሓደ* እኳ ደም ኣይብላዕ፣ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና+ እውን ደም ኣይብላዕ”+ ዝበልክዎም።

13 “‘ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ+ ብሓመድ ይኽደኖ። 14 ከመይሲ፡ ህይወት* ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ህይወት* ኵሉ ስጋ ኣብ ደሙ እዩ። ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን፡ “ህይወት* ኵሉ ስጋ፡ ደሙ እዩ እሞ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ። ዚበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ” በልክዎም።+ 15 ዝዀነ ሰብ፡* ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝበትበቶ እንተ በሊዑ፡+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን፣+ ድሕሪኡ፡ ይነጽህ። 16 ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጺቡ፡ ሰብነቱ* ድማ እንተ ዘይተሓጺቡ ግና፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ