ኣስቴር
1 ብዘመን ኣሓሽዌሮስ፡*—እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ* 127 ኣውራጃ ዝገዝአ እዩ፡+— 2 በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ፡* ኣብ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ 3 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ንዅሎም መሳፍንቱን ገላዉኡን ድግስ ገበረሎም። ሰራዊት ፋርስን+ ሜዶንን+ ልዑላንን መሳፍንቲ ኣውራጃታትን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ነበሩ፣ 4 ንሱ ድማ ሃብቲ እታ ኽብርቲ መንግስቱን ክብርን ግርማን ዕቤቱን ብዙሕ መዓልትታት፡ 180 መዓልቲ፡ ኣርኣዮም። 5 እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ተወድኣ፡ ንጉስ ንዅሎም እቶም ኣብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* እተረኽቡ፡ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ኣብ ኣጸድ ስፍራ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም። 6 በፍታን ቅጭን ዓለባ ጡጥን ሰማያዊ ዓለባን ምስ ገመድ ቅጭን ዓለባን ጁዅ ኣብ ዝሕብሩ ጸምሪ ምስ እተለገበ ቐላብቲ ብሩርን ምስ ኣዕኑድ እምነ በረድን ተተሓሒዙ ነበረ፣ ዓራውቲ ወርቅን ብሩርን ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ እምኒ ጶርፌሪን ጻዕዳ እምነ በረድን ሉልን ጸሊም እምነ በረድን እተነጽፎ ባይታ ነበረ።
7 ወይኒ ኸኣ ብጽዋኣት* ወርቂ ቐረበ፣ እቲ ጽዋኣት ድማ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ከኣ ከም ልግሲ ንጉስ ኣኺሉ ዚተርፍ ነበረ። 8 ንጉስ ምስ ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቱ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኪሕጐስ መሰናድዎ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ብዛዕባ መስተ ሓደ እኳ ኸይግደድ* ስርዓት ወጺኡ ነበረ።
9 ንግስቲ ዋሽቲ+ እውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንኣንስቲ ድግስ ገበረት።
10 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ልቢ ንጉስ ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ንመሁማንን ንቢዝታን ንሓርቦናን+ ንቢግታን ንኣባግታን ንዜታርን ንካርካስን፡ ነቶም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ብብሕቲ ዜገልግልዎ ሸውዓተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ፡ 11 ንግስቲ ዋሽቲ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብታትን ንመሳፍንትን ንምርኣይ፡ ዘውዲ* ገይራ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ ኣዘዞም። 12 ንግስቲ ዋሽቲ ግና፡ በቲ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ፈጺማ ኣበየት። ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ነድሩ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ነደደ።
13 ሽዑ፡ ንጉስ ነቶም ብዛዕባ ዝቐደመ ስርዓት* ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ጥበበኛታት ተዛረቦም፣ (ከመይሲ፡ ነገር ንጉስ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ፈላጣት ሕግን ጕዳይን ይቐርብ ነበረ፣ 14 እቶም ቀረባኡ ዝነበሩ ኸኣ ካርሽናን ሼታርን ኣድማታን ተርሲስን ሜረስን ማርሰናን መሙካንን፡ እቶም ሸውዓተ መሳፍንቲ+ ፋርስን ሜዶንን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዚቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ቦታ ዝሓዙን ነበሩ።) 15 ንጉስ ከኣ፡ “ንግስቲ ዋሽቲ ነቲ በቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ እተነግራ ትእዛዝ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ስለ ዘይተኣዘዘት፡ ብመሰረት ሕጊ እንታይ ትገበር፧” ኢሉ ሓተቶም።
16 ሽዑ፡ መሙካን ኣብ ቅድሚ ንጉስን እቶም መሳፍንትን ከምዚ በለ፦ “ንግስቲ ዋሽቲ ንንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም መሳፍንትን ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እውን እያ በዲላ።+ 17 እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገርሲ፡ ብዅለን ኣንስቲ ኺፍለጥ እዩ፣ ንሳተን ከኣ ንሰብኡተን ኪንዕቃ፡ ‘ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብ ቅድሚኡ ኼምጽእዋ ኣዚዙስ፡ ንሳ ግና ምምጻእ ኣብያ’ ድማ ኪብላ እየን። 18 በዛ መዓልቲ እዚኣ እቲ ንግስቲ ዝገበረቶ ዝፈለጣ ልዕልትታት ፋርስን ሜዶንን፡ ንዅሎም መሳፍንቲ ንጉስ ከምኡ ኺዛረባኦም፡ እዚ ኸኣ ንዕቀትን ቍጥዓን ኬስዕብ እዩ። 19 ንንጉስ ጽቡቕ ኰይኑ እንተ ተራእይዎስ፡ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፣ ኣብቲ ኺስረዝ ዘይከኣል ሕግታት ፋርስን ሜዶንን ድማ ይጸሓፍ፣+ ዋሽቲ ደጊም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፣ ንጉስ ከኣ ነቲ መዓርግ ንግስናኣ፡ ካብኣ ንእትሓይሽ ይሃብ። 20 ትእዛዝ ንጉስ ኣብ ኵሉ እቲ ሰፊሕ ግዝኣቱ ምስ ተሰምዐ ኸኣ፡ ኵለን ኣንስቲ ንሰብኡተን፡ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኺህባኦም እየን።”
21 እዚ እማመ እዚ ድማ ንንጉስን ነቶም መሳፍንትን ባህ ኣበሎም፣ ንጉስ ከኣ ከምቲ መሙካን ዝበሎ ገበረ። 22 ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ጐይታ* ኪኸውንን ብቛንቋ ህዝቡ ኺዛረብንሲ፡ ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ፡ ነናብ ሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ድማ ከከም ቋንቋኡ ደብዳበታት ሰደደ።+
2 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ነድሪ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ+ ምስ ዘሓለ፡ ነቲ ዋሽቲ ዝገበረቶን+ ኣብ ልዕሊኣ እተወሰነን ዘከረ።+ 2 ሽዑ፡ እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉ ንጉስ፡ “ንንጉስ መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ። 3 ኵለን መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ፡* ናብ ቤት ኣንስቲ* ኺእክቡ ኸኣ፡ ንጉስ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣቱ ሰብ መዚ ይሽም።+ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ድማ የንብርወን፣ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ከኣ ይገበረለን።* 4 እታ ንንጉስ ባህ እተብሎ ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ” በሉ።+ እዚ ሓሳብ እዚ ንንጉስ ባህ ኣበሎ፣ ከምኡ ኸኣ ገበረ።
5 ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ድማ ሓደ ማርዶካይ+ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ወዲ ያኢር ወዲ ሺምዒ ወዲ ቂስ፡ ብንያማዊ ነበረ።+ 6 ንሱ ኸኣ ምስቶም ምስቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ የኮንያ*+ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት፡ ካብ የሩሳሌም እተማረኸ ነበረ። 7 ንሃዳሳ* ጓል ሓው ኣቦኡ+ ድማ፡ ንሳ ኣስቴር፡ ኣቦን ኣደን ኣይነበርዋን እሞ፡ መዕበዪኣ* ነበረ። እታ ጓል ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጻን ማራኺ ዝትርኢታን ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ድማ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ገይሩ ወሲድዋ ነበረ። 8 ቃል ንጉስን ሕጉን ምስ ተኣወጀ፡ ብዙሓት ኣዋልድ ከኣ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ ምስ ተኣከባ፡ ኣስቴር እውን ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ እቲ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት* ንጉስ ተወስደት።
9 እታ ጓል ድማ ባህ ኣበለቶ፡ ሞገሱ እውን ረኸበት፣* ስለዚ፡ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክንን*+ ግቡእ ምግብን ቀልጢፉ ኣሰናደወላ፣ ካብ ቤት ንጉስ ከኣ ሸውዓተ ሕሩያት ኣዋልድ መደበላ። ንዓኣን ንኣግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ* ናብ ዝበለጸ ቦታ ቐየረን። 10 ማርዶካይ+ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፡+ ኣስቴር ብዛዕባ ህዝባ+ ወይ ኣዝማዳ ኣይነገረትን። 11 ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ደሓን ከም ዘላን እንታይ ይገብርዋ ኸም ዘለዉን ኪፈልጥ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣጸድ ቤት ኣንስቲ* ይመላለስ ነበረ።
12 ነፍሲ ወከፍ ጓል ነቲ ንኣንስቲ እተሰርዐ ናይ 12 ወርሒ ኽንክን ምስ ወድአት፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ክትኣቱ ተራ ይበጽሓ ነበረ። ከመይሲ፡ ነቲ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን* በዚ ኸምዚ፡ ማለት ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ ኸርበ፡+ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ በለሳን፡+ ከምኡ ድማ ንኽንክን ጽባቐ* ብዚኸውን እተፈላለየ ቕብእታት ትፍጽሞ ነበረት። 13 ሽዑ፡ እታ ጓል ናብ ንጉስ ክትኣቱ ድልውቲ ትኸውን ነበረት፣ ካብ ቤት ኣንስቲ* ናብ ቤት ንጉስ ክትኣቱ ኸላ ኸኣ፡ ዝሓተተቶ ዘበለ ይውሃባ ነበረ። 14 ንሳ ምሸት ትኣቱ፡ ንግሆ ድማ ናብታ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሻዕሽጋዝ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን+ ሓላው ኣንስቲ ወሰንን ዘላ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ* ትኸይድ ነበረት። ንጉስ ብእኣ ኣዝዩ ባህ እንተ ዘይኢልዎን ብስማ እንተ ዘይተጸዊዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።+
15 እታ ማርዶካይ ከም ጓሉ ዝወሰዳ ጓል ኣቢሓይል ሓው ኣቦኡ ዝዀነት ኣስቴር+ ናብ ንጉስ እትኣትወሉ ተራ ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ሄጋይ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ዝበላ ነገር ካልእ ኣይሓተተትን። (ኣስቴር ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ዅሎም ሞገስ ትረክብ ነበረት።) 16 ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ጤቤት፡* ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት+ ንግስናኡ፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተወስደት። 17 ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን ኣንስቲ ብዝያዳ ኣፍቀራ፣ ሓለፋ ዅለን ደናግል ከኣ ሞገሱን ስምረቱን* ረኸበት። ስለዚ፡ ኣብ ርእሳ ዘውዲ* ገበረላ፡ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ+ እውን ኣንገሳ።+ 18 ንጉስ ድማ ንዅሎም መሳፍንቱን ገላዉኡን ዓብዪ ድግስ፡ ናይ ኣስቴር ድግስ፡ ገበረሎም። ንኣውራጃታት ከኣ ምሕረት ኣወጀ፣ ከም ልግሲ ንጉስ ድማ ህያባት ሃበ።
19 ደናግል*+ ካልኣይ ግዜ ኺእከባ ኸለዋ፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ነበረ። 20 ኣስቴር ከኣ ከምቲ ማርዶካይ ዝኣዘዛ፡ ብዛዕባ ኣዝማዳን ህዝባን ኣይነገረትን ነበረት።+ ኣስቴር ድማ ከምቲ ኣብ ትሕቲኡ ኸላ እትገብሮ ዝነበረት፡ ማርዶካይ ዝበላ ትገብር ነበረት።+
21 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ተቘጢዖም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ኣለሙ። 22 ግናኸ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ፈለጠ፣ ብኡብኡ ኸኣ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ* ንንጉስ ነገረቶ። 23 እቲ ነገር ከኣ ተመርመረ እሞ ተረጋገጸ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕሉ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመናት ተጻሕፈ።+
3 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ኽብ ኣበሎ፣ ዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንቲ ልዕል ኣበለ።+ 2 ኵሎም እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ከኣ ንሃማን ፍግም ኢሎም ይሰግዱሉ ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ብዛዕባኡ ኸምኡ ኣዚዙ ነበረ። ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ምስጋድ ኣበየ። 3 እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ድማ ንማርዶካይ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ትእዛዝ ንጉስ ዕሽሽ እትብል፧” በልዎ። 4 መዓልቲ መዓልቲ ይዛረብዎ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን። ሽዑ፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፡+ ግብሪ ማርዶካይ ሸለል ዚብሃል እንተ ዀይኑ ኺርእዩ፡ ንሃማን ነገርዎ።+
5 ሃማን ከኣ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ምስጋድ ከም ዝኣበየ ምስ ረኣየ፡ ሃማን ብነድሪ መልአ።+ 6 ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ንማርዶካይ ጥራይ ምቕታል* ዚብል ሓሳብ እተናዕቀ ዀይኑ ተራእዮ። ስለዚ፡ ሃማን ነቶም ኣብ ብዘላ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ፡ ንዅሎም ህዝቢ ማርዶካይ፡ ኬጥፍኦም ደለየ።
7 ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኒሳን፡* ኣብ መበል 12 ዓመት+ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ መዓልትን ወርሕን ንምውሳን ኣብ ቅድሚ ሃማን ጱር+ (ማለት ዕጫ) ኣውደቑ፣ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ኣዳር፡* ከኣ ወደቐት።+ 8 ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣትካ+ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ዝበሉን እተበተኑን ሓደ ህዝቢ ኣለዉ።+ ሕግታቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት እተፈልየ እዩ፣ ሕግታት ንጉስ ከኣ ኣይእዘዙን እዮም። ምሕዳጎም ድማ ንንጉስ ዚጠቅም ኣይኰነን። 9 ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኪጠፍኡ ትእዛዝ ይጸሓፍ። ኣነ ኸኣ ናብ መዝገብ ንጉስ ኪኣቱ፡ 10,000 ታለንት* ብሩር ነቶም ሰበ ስልጣን ክኸፍል እየ።”*
10 ሽዑ፡ ንጉስ ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ+ ንሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ ጸላእ ኣይሁድ፡ ሃቦ።+ 11 ንጉስ ድማ ንሃማን፡ “ግቡእ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብር፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንዓኻ ተዋሂቡ እዩ” በሎ። 12 ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ+ ተጸውዑ። ኵሉ ትእዛዝ ሃማን ድማ ናብ ራእስታት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃታት ናብ ዝነበሩ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ እተፈላለዩ ህዝብታትን፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ ጸሓፉ።+ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ድማ ተሓትመ።+
13 እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ንዅሎም ኣይሁድ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሕጻናትን ንኣንስትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡+ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ድማ ኪዘምቱ+ ዚብል ትእዛዝ ሒዘን፡ ብመልእኽተኛታት ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ተላእካ። 14 ነታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ቅዳሕ እቲ ሰነድ ኣብ ኵሉ ኣውራጃ ኸም ሕጊ ኺወጽእን ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅን ነበሮ። 15 እቶም መልእኽተኛታት ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ፣+ እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ወጸ። ንጉስን ሃማንን ድማ ኪሰትዩ ኾፍ በሉ፣ ከተማ ሱሳን* ግና ዕግርግር በለት።
4 ማርዶካይ+ ድማ ኵሉ እቲ እተገብረ ነገር ምስ ፈለጠ፡+ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ማቕን ሓምዅሽትን እውን ለበሰ። ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ፡ ዓው ኢሉ መሪር ኣውያት ኣእወየ። 2 ሓደ እኳ ማቕ ተኸዲኑ ብኣፍ ደገ ንጉስ ኣይኣቱን ነበረ እሞ፡ ክሳብ ኣፍ ደገ ንጉስ ጥራይ ከደ። 3 ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሓ ዘበለት ኣውራጃ፡+ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን+ ብኽያትን ዋይዋይታን ኰነ። ብዙሓት ኣብ ማቕን ሓምዅሽትን በጥ በሉ።+ 4 ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባታን መጺኦም ምስ ነገርዋ፡ ንግስቲ ኣዝያ ተጨነቐት። ንማርዶካይ ከኣ ኣብ ክንዲ ማቑ ኪኽደኖ፡ ክዳውንቲ ሰደደትሉ፣ ንሱ ግና ኣበዮም። 5 ሽዑ፡ ኣስቴር ንሃታክ፡ ሓደ ኻብቶም ንጉስ ኬገልግልዋ ዝሸመላ ስሉባቱ፡ ጸውዓቶ፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ካብ ማርዶካይ ኪፈልጥ ድማ ኣዘዘቶ።
6 ሃታክ ከኣ ናብ ማርዶካይ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ኣፍ ደገ ንጉስ ዘሎ ኣደባባይ ወጸ። 7 ማርዶካይ ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀኖን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ቓል ዝኣተዎ ልክዕ መጠን ገንዘብን ነገሮ።+ 8 ንኣስቴር ኬርእያን ኪገልጸላን፡ ናብ ንጉስ ኣትያ ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድን ብቐጥታ ኽትልምኖን ከኣ ኪነግራ፡+ ቅዳሕ እቲ ንምጥፋኦም ኣብ ሱሳን* ብጽሑፍ ዝወጸ ትእዛዝ ሃቦ።+
9 ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ እቲ ማርዶካይ ዝበሎ ነገራ። 10 ኣስቴር ከኣ ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ፦+ 11 “ሰብኣይ ኰነ፡ ሰበይቲ ዀነት፡ ከይተጸውዐ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ንጉስ+ ዚኣቱ ኺመውት ሓደ ሕጊ ጥራይ ከም ዘሎ፡ ኵሎም ገላዉ ንጉስን ህዝቢ ኣውራጃታት ንጉስን ይፈልጡ እዮም። ንጉስ ነታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል።+ ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ካብ ዘይጽዋዕ፡ ሕጂ 30 መዓልቲ ዀይኑ ኣሎ።”
12 ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምስ ተነግሮ፡ 13 ንኣስቴር ከምዚ ኢሉ መለሰላ፦ “ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ንጉስ ስለ ዘለኺ፡ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ ኸተምልጢ ኸም እትኽእሊ ጌርኪ ኣይትሕሰቢ። 14 ኣብዚ ግዜ እዚ ስቕ እንተ ኢልክስ፡ ንኣይሁድ ራህዋን ድሕነትን ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ እዩ፣+ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም። ንኸምዚ ዝበለ እዋን መዓርግ ንግስና ረኺብኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧”+
15 ሽዑ፡ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፦ 16 “ኬድካ፡ ኣብ ሱሳን* ንእተረኽቡ ዅሎም ኣይሁድ ኣክቦም እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰተኹምን ጽሙለይ።+ ኣነ እውን ምስ ኣግራደይ ክጸውም እየ። ሽዑ፡ ኣንጻር ሕጊ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፣ እንተ ጠፊአ ኸኣ፡ እጥፋእ።” 17 ማርዶካይ ድማ ከይዱ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣስቴር ኪገብሮ ዝኣዘዘቶ ገበረ።
5 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡+ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ፡ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ደው በለት፣ ንጉስ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ኢሉ ነበረ። 2 ንጉስ ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ ኣጸድ ደው ኢላ ምስ ረኣያ፡ ሞገሱ ረኸበት፣ ንጉስ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ።+ ኣስቴር ድማ ቀሪባ፡ ርእሲ እቲ ዘንጊ ተንከየት።
3 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧ እንታይ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪውሃበኪ እዩ” ኢሉ ሓተታ። 4 ኣስቴር ከኣ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎስ፡ ንጉስ ምስ ሃማን+ ኰይኑ ናብቲ ዘዳሎኹሉ ድግስ ሎሚ ይምጻእ” ኢላ መለሰት። 5 ንጉስ ድማ ንሰቡ፡ “ከምቲ ኣስቴር ዝለመነቶ፡ ንሃማን ቀልጢፉ ኺመጽእ ንገርዎ” በሎም። ንጉስን ሃማንን ከኣ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ድግስ ከዱ።
6 ኣብቲ ድግስ ወይኒ ድማ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+ 7 ኣስቴር ከኣ፡ “ልማኖይን ሕቶይን እዚ እዩ፦ 8 ኣብ ንጉስ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ልማኖይ ኪህበንን ከም ሕቶይ ኪገብርን ድማ ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ናብቲ ጽባሕ ዝገብሮ ድግስ ይምጻእ፣ ጽባሕ ከኣ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ” ኢላ መለሰት።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ እውን ተሓጒሱ ወጸ። ግናኸ፡ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ምስ ረኣዮ፡ ከም ዘይተንስአን ብእኡ ራዕራዕ ከም ዘይበለን ድማ ምስ ኣስተብሃለ፡ ሃማን ኣብ ልዕሊ ማርዶካይ ነድሪ መልኦ።+ 10 ሃማን ግና ገዛእ ርእሱ ተቘጻጺሩ ናብ ቤቱ ኸደ። ንፈተውቱን ንሰበይቱ ዘረሽን+ ከኣ ልኢኹ ጸውዖም። 11 ሃማን ድማ ብዛዕባ ዕቤት ሃብቱን ብዛዕባ ብዝሒ ደቁን+ ንጉስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ መሳፍንትን ገላዉ ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎን ተመክሐ።+
12 ሃማን ከኣ ወሲኹ፡ “ንግስቲ ኣስቴር ንንጉስ ናብቲ ዘዳለወቶ ድግስ ንምስናይ እውን፡ ብዘይካይ ካልእ ኣይዓደመትን።+ ጽባሕ ድማ ምስኣን ምስ ንጉስን ክኸውን ተዓዲመ ኣለኹ።+ 13 ግናኸ፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ፡ እዚ ዅሉ ኣየዕግበንን እዩ ዘሎ” በለ። 14 ሽዑ፡ ሰበይቱ ዘረሽን ኵሎም እቶም ፈተውቱን፡ “50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣትክል። ንግሆ ኸኣ ንንጉስ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀል ንገሮ።+ ድሕሪኡ፡ ምስ ንጉስ ናብቲ ድግስ ባህ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ንሃማን ጽቡቕ መሰሎ፣ ስለዚ፡ ጕንዲ ኣትከለ።
6 በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንጉስ ድቃስ ሰኣነ።* ስለዚ፡ መጽሓፍ መዝገብ ታሪኽ ዘመናት ኪመጽእ ኣዘዘ፣+ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ተነብበ። 2 ኣብኡ ኸኣ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እቶም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ዝኣለሙ ቢግታናን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ከም ዝነገረ ተጻሒፉ ተረኽበ።+ 3 ንጉስ ድማ፡ “ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ እንታይ ክብርን ዕቤትን ተገይሩሉ፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉኡ ኸኣ፡ “ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን” በሉ።
4 ንጉስ ድማ፡ “ኣብ ኣጸድ መን ኣሎ፧” በለ። ሃማን ከኣ ንንጉስ፡ ንማርዶካይ ኣብቲ ዘዳለወሉ ጕንዲ ብዛዕባ ምስቃል ኪዛረቦ ኢሉ+ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ ኣትዩ ነበረ።+ 5 ገላዉ ንጉስ ድማ፡ “ሃማን ኣብ ኣጸድ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ።+ ንጉስ ከኣ፡ “ይእቶ” በለ።
6 ሃማን ምስ ኣተወ፡ ንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኪግበረሉ ይግባእ፧” በሎ። ሃማን ከኣ ብልቡ፡ “ንጉስ ካባይ ኣብሊጹ ንመን ኬኽብር ምደለየ፧” በለ።+ 7 ሃማን ድማ ንንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ 8 ንጉስ ዚኽደኖ ልብሰ መንግስትን+ ኣብ ርእሱ ዘውዲ* ዝገበረ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስን የምጽኡሉ። 9 እቲ ልብስን እቲ ፈረስን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሓደ ኻብቶም ልዑላን መሳፍንቲ ንጉስ ይወሃብ፣ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፣ ኣብቲ ፈረስ ኣወጢሖምዎ ኸኣ ብኣደባባይ ከተማ የሕልፍዎ። ቀቅድሚኡ ድማ፡ ‘ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!’ ኢሎም ይጨድሩ” በለ።+ 10 ሽዑ፡ ንጉስ ንሃማን፡ “ቀልጥፍ! ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኸምቲ ዝበልካዮ ግበረሉ። ካብቲ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይተጕድል” በሎ።
11 ሃማን ከኣ ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሰዶ፣ ንማርዶካይ ድማ ከደኖ፡+ ኣብቲ ፈረስ ከኣ ኣወጥሖ፡ ብኣደባባይ እታ ኸተማ እውን ኣሕለፎ፣ ቀቅድሚኡ ድማ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!” ኢሉ ጨደረ። 12 ማርዶካይ ከኣ ናብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተመልሰ፣ ሃማን ግና ጕህዩን ርእሱ ተጐልቢቡን ናብ ቤቱ ተቐላጢፉ ኸደ። 13 ሃማን ድማ፡ እቲ ዝዀኖ ንሰበይቱ ዘረሽን+ ንዅሎም ፈተውቱን ምስ ኣዘንተወሎም፡ እቶም ጥበበኛታቱን ሰበይቱ ዘረሽን፡ “እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ ማርዶካይ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ዀይኑ፡ ኣይክትስዕሮን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ ክትወድቕ ኢኻ” በልዎ።
14 ገና ምስኡ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ መጺኦም፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዝገበረቶ ድግስ ቀልጢፎም ወሰድዎ።+
7 ንጉስን ሃማንን+ ከኣ ናብ ድግስ ንግስቲ ኣስቴር መጹ። 2 ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ኣብቲ ድግስ ወይኒ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+ 3 ንግስቲ ኣስቴር ድማ፡ “ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ህይወተይ* ከም ልማኖይ፡ ህዝበይ+ ከኣ ከም ሕቶይ ይወሃበኒ። 4 ኣነን ህዝበይንሲ፡ ክንጸንትን ክንቅተልን ክንጠፍእን+ ተሼጥና ኢና።+ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን ኴንና ጥራይ እንተ ንሽየጥ፡ ስቕ ምበልኩ። ግናኸ፡ እዚ ንንጉስ ዚጐድኦ እዩ እሞ፡ እቲ ጭንቂ ግቡእ ኣይኰነን” ኢላ መለሰት።
5 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ከምዚ ኺገብር ዝደፈረ መን እዩ፧ ኣበይከ ኣሎ፧” በላ። 6 ኣስቴር ከኣ፡ “እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ፡ እዚ ኽፉእ ሃማን እዩ” በለት።
ሽዑ፡ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ተሸበረ። 7 ንጉስ ድማ ነዲሩ ኻብቲ ድግስ ወይኒ ተንስአ፡ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ከደ፣ ሃማን ግና፡ ንጉስ ኪቐጽዖ ኸም ዝቘረጸ ተገንዚቡ ነበረ እሞ፡ ንንግስቲ ኣስቴር ምእንቲ ህይወቱ* ኺልምና ተንስአ። 8 ንጉስ ከኣ ካብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ናብቲ ቤት እቲ ድግስ ወይኒ ተመልሰ እሞ፡ ንሃማን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ረኣዮ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንንግስቲኸ ኣብ ገዛእ ቤተይዶ ኺዕምጻ እዩ፧” በለ። እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ። 9 ሽዑ፡ ሓርቦና፡+ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ “ሃማን ነቲ ነጊሩ ንንጉስ ዘድሓኖ+ ማርዶካይ ኪኸውን ኢሉ እውን 50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣዳልዩ ኣሎ።+ ኣብ ቤት ሃማን ከኣ ቈይሙ ኣሎ” በለ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኣብኡ ስቐልዎ” በለ። 10 ንሃማን ድማ ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፣ ነድሪ ንጉስ ከኣ ዘሓለ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ቤት ሃማን+ እቲ ጸላእ ኣይሁድ+ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር ድማ፡ ማርዶካይ እንታያ ምዃኑ ስለ ዝነገረት፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።+ 2 ንጉስ ከኣ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐለቤት ማሕተሙ ኣውጺኡ+ ንማርዶካይ ሃቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሓላፍነት ሃበቶ።+
3 ኣስቴር ከኣ ከም ብሓድሽ ንንጉስ ተዛረበቶ። ኣብ ኣእጋሩ ወዲቓ ድማ፡ ሃማን እቲ ኣጋጋዊ ዝገበሮን እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎምን ምእንቲ ኺፈርስ እናበኸየት ለመነቶ።+ 4 ሽዑ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ እቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ፣+ ኣስቴር ከኣ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት። 5 ከምዚ ድማ በለት፦ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ግቡእ እንተ መሲልዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ባህ ዘብል እንተ ዀይነ፡ እቲ ተንኰለኛ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ነቶም ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝጸሓፎ ሰነዳት ምእንቲ ኺስረዝ፡ ትእዛዝ ይጸሓፍ። 6 ከመይ ገይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚመጽእ መዓት ክርኢ እኽእል፧ ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክርኢ እኽእል፧”
7 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፣+ ንሱ ንኣይሁድ ኬጥቅዕ* ውዲት ስለ ዝኣለመ ድማ፡ ኣብ ጕንዲ ኸም ዚስቀል ገይረዮ ኣለኹ።+ 8 እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እተሓትመን ትእዛዝ ኪስረዝ ኣይከኣልን እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኣይሁድ ግቡእ ኰይኑ እተራእየኩም ዘበለ ብስም ንጉስ ክትጽሕፉን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ክትሓትምዎን ትኽእሉ ኢኹም።”+
9 በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ሲዋን፡* ኣብ መበል 23 መዓልቲ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ኵሉ እቲ ማርዶካይ ዝኣዘዞ ድማ ናብ ኣይሁድን ናብ ራእስታትን+ ናብ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ ኣውራጃታትን፡+ ካብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ 127 ኣውራጃ፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ፡ ናብ ኣይሁድ እውን ብስርዓት ኣጸሓሕፋኦምን ብቛንቋኦምን ጸሓፉ።
10 ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ድማ ጸሓፎ፣ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እውን ሓተሞ።+ ነቲ እተጻሕፈ ሰነዳት ብኢድ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት ሰደዶ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ፈጣናት ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ተወጥሑ። 11 ኣብቲ ሰነዳት ድማ፡ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ተኣኪቦም ንህይወቶም* ኪከላኸሉላ፡ ንዜጥቅዕዎም ኵሎም ሓይልታት ህዝቢ ወይ ኣውራጃ፡ እንተላይ ንኣንስትን ሕጻናትን፡ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ከኣ ኪዘምቱ ፈቐደሎም።+ 12 እዚ ድማ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብታ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡* ኪኸውን ነበሮ።+ 13 ጽሑፍ* እቲ ሰነድ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ከም ሕጊ ኺወጽእ ነበሮ። ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ሕነ ንምፍዳይ በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅ ነበሮ።+ 14 እቶም ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት፡ ብትእዛዝ ንጉስ ብህጹጽን ብፍጥነትን ወጹ። እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* እውን ወጸ።
15 ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኸኣ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ካብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እተገብረ ቕጭን ዓለባ ዝዀነ ባርኖስ ድማ ደሪቡ፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ።+ ከተማ ሱሳን* ከኣ ብሓጐስ እልል በለት። 16 ንኣይሁድ ድማ ራህዋን* ሓጐስን ፍስሃን ክብርን ኰነሎም። 17 ኣብ ኵለን ኣውራጃታትን ኣብ ኵለን ከተማታትን፡ ማለት ትእዛዝ ንጉስን ሕጉን ኣብ ዝበጽሖ ዘበለ፡ ኣይሁድ ይሕጐሱን ይፍስሁን ይድግሱን የብዕሉን ነበሩ። ብዙሓት ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ራዕዲ ኣይሁድ ኣባታቶም ስለ ዝወደቐ፡ ኣይሁድ ኰኑ።+
9 እታ ቓል ንጉስን ሕጉን ዚፍጸመላ+ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡*+ በታ ጸላእቲ ኣይሁድ ኪስዕርዎም ተስፋ ዝገበሩላ መዓልቲ፡ ብኣንጻሩ፡ ኣይሁድ ነቶም ዚጸልእዎም ሰዓርዎም።+ 2 ኣይሁድ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡+ ኣንጻር እቶም ኪጐድእዎም ዚደልዩ ኣእዳዎም ኬልዕሉ ኣብ ከተማታቶም ተኣከቡ፣ ራዕዶም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኺቃወሞም ኣይከኣለን።+ 3 ኵሎም መሳፍንቲ ኣውራጃታትን ራእስታትን+ ሹማምንትን ጕዳይ ንጉስ ዚገብሩን ከኣ፡ ንማርዶካይ ስለ ዝፈርህዎ፡ ንኣይሁድ ይድግፉ ነበሩ። 4 ማርዶካይ ኣብ ቤት* ንጉስ ዓብዪ ዀይኑ ነበረ።+ ማርዶካይ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ዝናኡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ተዘርግሐ።
5 ኣይሁድ ከኣ ንዅሎም ጸላእቶም ብሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎምን ኣጥፍእዎምን፣ ነቶም ዚጸልእዎም፡ ከም ዝደለይዎ ገበርዎም።+ 6 ኣይሁድ ድማ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ፡* 500 ሰባት ቀተሉን ኣጥፍኡን። 7 ነቶም ጳርሻንዳታን ደልፎንን ኣስጳታን 8 ጶራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን 9 ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን 10 ዚብሃሉ ዓሰርተ ደቂ ሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ጸላእ ኣይሁድ ከኣ ቀተልዎም።+ ግናኸ፡ ምስ ቀተልዎም፡ ዘመተ ዚብሃል ኣይወሰዱን።+
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* እተቐትሉ ንንጉስ ተነግሮ።
12 ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ኣይሁድሲ ኣብ ሱሳን* እዛ ዕርዲ ኸተማ* 500 ሰባትን ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ቀቲሎምን ኣጥፊኦምን። ኣብ ዝተረፈ ኣውራጃታት ንጉስ ደኣ እንታይ ኰን ገይሮም ይዀኑ፧+ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ። እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ኪግበር እዩ” በላ። 13 ሽዑ፡ ኣስቴር፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡+ ኣብ ሱሳን* ዘለዉ ኣይሁድ ጽባሕ ከምዚ ናይ ሎሚ ሕጊ ኺገብሩ ይፈቐድ፣+ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ከኣ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢላ መለሰት።+ 14 ንጉስ ድማ ከምኡ ኺግበር ትእዛዝ ሃበ። ኣብ ሱሳን* ከኣ ሕጊ ወጸ፣ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ተሰቕሉ።
15 እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ወርሒ ኣዳር ከም ብሓድሽ ተኣከቡ፣+ ኣብ ሱሳን* ድማ 300 ሰባት ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን።
16 እቶም ኣብ ኣውራጃታት ንጉስ ዝነበሩ ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ተኣኪቦም ንህይወቶም* ተኸላኸሉላ።+ ንጸላእቶም ከኣ ኣጥፍእዎም፣+ ካብቶም ዚጸልእዎም ድማ 75,000 ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን። 17 እዚ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር ኰነ፣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ኸኣ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ድማ ገበርዋ።
18 እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 13 መዓልትን+ ኣብ መበል 14 መዓልትን+ ተኣከቡ፣ ኣብ መበል 15 መዓልቲ ድማ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ከኣ ገበርዋ። 19 ስለዚ፡ እቶም ኣብ ናይ ገጠር ከተማታት ዚርከቡ ኣብ ገጠር ዚነብሩ ኣይሁድ፡ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር መዓልቲ ሓጐስን ድግስን መዓልቲ በዓልን+ ንሓድሕዶም ግደታት ምግቢ ዚለኣኣኹላ እዋንን ገበርዋ።+
20 ማርዶካይ+ ድማ ነዚ ነገር እዚ መዝጊቡ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዚርከቡ ዅሎም ኣይሁድ ወግዓዊ ደብዳበታት ሰደደ። 21 መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር፡ ከምኡ እውን መበል 15 መዓልቲ፡ ዓመት ዓመት ኬብዕሉ ኣዘዞም። 22 ከመይሲ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዓረፉ፡ በታ ወርሒ እቲኣ እውን ጓሂኦም ናብ ሓጐስ፡ ሓዘኖም+ ከኣ ናብ በዓል ተቐየረ። መዓልትታት ድግስን ሓጐስን፡ ግደታት ምግቢ ንሓድሕዶም ዚለኣኣኹሉን ንድኻታት ህያባት ዚህቡሉን እዋን ገይሮም ኬብዕልወን ነበሮም።
23 ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎ በዓል ኪቕጽልዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሓፈሎም ኪገብርዎን ተሰማምዑ። 24 ከመይሲ፡ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ እቲ ጸላእ ኵሎም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ፣+ ኪርብሾምን ኬጥፍኦምን ኢሉ እውን ጱር፡+ ማለት ዕጫ፡ ኣውዲቑ ነበረ። 25 ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸት ግና፡ ንሱ፡ “እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎም ክፉእ ተንኰሉ+ ኣብ ርእሱ ይመለስ” ኢሉ ብጽሑፍ ትእዛዝ ሃበ፣+ ንሳቶም ከኣ ንዕኡን ንደቁን ኣብ ጕንዲ ሰቐልዎም።+ 26 ስለዚ እዮም ነዘን መዓልትታት እዚአን፡ ብስም ጱር፡ ጱሪም ኢሎም ዝጸውዕወን።*+ እምበኣር፡ ብምኽንያት እቲ ዅሉ ኣብዛ ደብዳበ እዚኣ እተጻሕፈን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝረኣይዎን ኣብ ልዕሊኦም ዝመጸን፡ 27 ኣይሁድ ነዘን ክልተ መዓልቲ ብርግጽ ኬብዕልወን፡ እቲ ብዛዕባአን እተጻሕፈ ድማ ኣብቲ ምዱብ ግዜ በብዓመቱ ኺገብሩ፡ ኣብ ርእሶምን ኣብ ዘርኦምን ምሳታቶም ኣብ ዚሓብሩ ዅሎምን ግዴታ ጸዓኑ።+ 28 እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ኣብ ኣኣውራጃን ኣብ ከከተማን ኣብ ኵሉ ወለዶ በብዓሌት ኪዝከራን ኪብዓላን እየን፣ እዘን መዓልትታት ጱሪም እዚአን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ኣይኬቋርጻን፡ ዝኽረን ከኣ ኣብ መንጎ ዘርኦም ኣይኪጠፍእን እዩ።
29 ሽዑ፡ ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን፡ ብዛዕባ ጱሪም ንእትገልጽ ካልአይቲ ደብዳበ ንምጽናዕ ብምሉእ ስልጣን ጸሓፉ። 30 ነቲ ወግዓዊ ደብዳበታት ከኣ ኣብ 127 ኣውራጃ፡+ ኣብ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ+ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ብቓላት ሰላምን ሓቅን ሰደዶ፣ 31 እዚ ድማ ከምቲ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ኪገብርዎ ዝኣዘዝዎም፡+ ከምቲ ንሳቶም እውን ብዛዕባ ጾምን+ ምህለላን+ ኪገብርዎ ኢሎም ኣብ ርእሶምን* ኣብ ዘርኦምን ዝጸዓንዎ ግዴታ፡+ እቲ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዚብዓል መዓልትታት ጱሪም ምእንቲ ኺጸንዕ እዩ። 32 ትእዛዝ ኣስቴር ከኣ ነዚ ናይ ጱሪም ነገር ኣጽንዖ፣+ ኣብ መጽሓፍ ድማ ተመዝገበ።
10 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ብግዲ ኣሸቀለ።
2 ኵሉ ብርቱዕን ሓያልን ግብሩ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ጸብጻብ እቲ ንጉስ ልዕል ዘበሎ ዕቤት+ ማርዶካይ፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን+ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 3 ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውስ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ካልኣዩ ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዓብዪ፡* ብብዙሓት ኣሕዋቱ ድማ ዚኽበር፡ ንጽቡቕ ህዝቡ ዚዓይን ንድሕንነት ኵሎም ዘርኦም ዚጣበቕን* ነበረ።
እዚ ዘርክሲስ ቀዳማይ፡ ወዲ ዳርዮስ እቲ ዓብዪ (ዳርዮስ ሂስታስፒስ) ከም ዝዀነ እዩ ዚእመን።
ወይ፡ “ኩሽ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ብኣቕሑ፣ ብዋናጩ።”
ወይ፡ “ኸይቅየድ።”
ወይ፡ “ናይ ንግስና ስልማት ርእሲ፣ መጠምጠምያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ግዜያት።”
ወይ፡ “መስፍን።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ይደረዛ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ኣብ 2ነገ 24:8 ዮያኪን ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ትርጉሙ፡ “ኦም ኣደስ።”
ወይ፡ “ኣላዪኣ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ብተኣማንነት እውን ፍቕሩ ረኸበት።”
ወይ፡ “ክትድረዝን።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ምድራዝ።”
ወይ፡ “ንምድራዝ ኣንስቲ።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ኻልአይቲ ሓሪም።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን።”
ወይ፡ “ናይ ንግስና ስልማት ርእሲ፣ መጠምጠምያ።”
ወይ፡ “ኣዋልድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኢዶም ኬንብሩሉ።”
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ማርዶካይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንማርዶካይ ጥራይ ኢዱ ኼንብረሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣነ ኸኣ ነቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዚፍጽሙ፡ 10,000 ታለንት ክኸፍል እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ኣስታት 22.3 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ድቃስ ንጉስ በረረ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኢዶም ኬንብሩሉ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ናይ ንግስና ስልማት ርእሲ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ኣስታት 22.3 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጻር ኣይሁድ ኢዱ ኺዝርግሕ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ቅዳሕ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብርሃንን።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
“ጱር፡” ትርጉሙ “ዕጫ።” እታ፡ “ጱሪም” እትብል ንብዙሕ እተመልክት ቃል፡ መጸውዒ እቲ ኣብ መበል 12 ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕ ዚብዓል በዓል ኣይሁድ ኰነት። ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሶምን።”
ወይ፡ “ክቡር።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዅሎም ዘርኦም ሰላም ዚዛረብን።”