ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt 2 ቈረንቶስ 1:1-13:14
  • 2 ቈረንቶስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2 ቈረንቶስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ቈረንቶስ

ካልአይቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ

1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ+ ዘለዉ ቕዱሳት፦

2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

3 እቲ ኣቦ ርሕራሐን+ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን+ ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ይወደስ። 4 በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡+ ኣብ ጸበባ* ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ፡+ ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና* የጸናንዓና* እዩ።+ 5 ከምቲ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዜጓንፈና መከራ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡+ ከምኡ ድማ እቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ ምጽንናዕ ይዓዝዝ ኣሎ። 6 ስለዚ፡ እንተ ጸቢቡና፡* ንምጽንናዕኩምን ንድሕነትኩምን እዩ፣ ወይስ እንተ ተጸናኒዕና፡ ከምቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ዝኣመሰለ መከራ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ንምጽንናዕኩም እዩ። 7 ከምቲ ተኻፈልቲ መከራ ዝዀንኩም፡ ከምኡ ኸኣ ተኻፈልቲ ምጽንናዕ ከም እትዀኑ ፈሊጥና፡+ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ጽንዕቲ እያ።

8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘጋጠመና ጸበባ፡+ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ልዕሊ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ 9 ንሞት ከም እተፈርደና እውን ተሰሚዑና ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንእመን* እዩ።+ 10 ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሓደጋ ሞት ኣናጊፉና፡ ኬናግፈና ድማ እዩ፣ ገና እውን ከም ዜናግፈና፡ ኣብኡ ተስፋ ኣሎና።+ 11 ብዙሓት ነቲ ሳላ ጸሎት ብዙሓት ዝረኸብናዮ ሞገስ ምእንታና ምእንቲ ኼመስግኑሉ፡+ ንስኻትኩም እውን ብምህለላኹም ክትድግፉና ትኽእሉ ኢኹም።+

12 ከመይሲ፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኸኣ ምሳኻትኩም፡ ብስጋዊ ጥበብ ዘይኰነስ፡+ ብጸጋ ኣምላኽ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ቕድስናን ግርህነትን ከም ዝነበርና፡ ትምክሕትና እዚ እዩ፣ ሕልናና እውን ይምስክረልና እዩ። 13 ብዘይካ እቲ ኸተንብብዎን ክትርድእዎን እትኽእሉሲ፡* ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፣ ነዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ* ክትርድእዎ ተስፋ እገብር። 14 ከምቲ ንስኻትኩም እውን ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ንዓና ትምክሕትና እትዀኑ፡ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብእተወሰነ ተረዲኡኩም ኣሎ።

15 በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡* ቅድም ናባኻትኩም ክመጽእ ሓሲበ ነይረ፣ 16 እወ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ካብ መቄዶንያ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እሞ፡ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።+ 17 ከምዚ ኢለ ምስ ሓሰብኩስ፡ ነዚ ኣቕሊለ ድየ ርእየዮ፧ ወይስ “እወ፡ እወ” ኽብል ጸኒሐ፡ “ኣይፋል፡ ኣይፋል” እናበልኩ ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧ 18 ከምቲ ኣምላኽ እሙን ዝዀነ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝበልናኩም፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን። 19 ከመይሲ፡ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን* ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ+ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣብኡ “እወ፡ እወ” ዀይኑ እዩ። 20 ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ “እወ” ዀይኑ እዩ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ንኣምላኽ “ኣሜን” ይብሃል እዩ።+ 21 ግናኸ፡ እቲ ንሕናን ንስኻትኩምን ናይ ክርስቶስ ምዃንና ውሕስነት ዝሃበናን ዝቐብኣናን ኣምላኽ እዩ።+ 22 ማሕተም እውን ገይሩልና፡+ ኣብ ልብና ኸኣ ዕርቡን፡ ማለት መንፈስ፡+ ሂቡና ኣሎ።

23 ክሳዕ ሕጂ ናብ ቈረንቶስ ዘይመጻእኩ፡ ክንሕፈኩም ኢለ ምዃነይ፡ ኣምላኽ ኪምስክረለይ* እጽውዕ ኣለኹ። 24 ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ መዓይይትኹም ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን።+

2 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ብጓሂ ኸይመጸኩም ወሲነ ኣለኹ። 2 ንዓኻትኩም እንተ ኣጕህየኩምሲ፡ ንዓይ ብዘይካ እቶም ዘጕሃኽዎም ካልእ ዜሐጕሰኒ መን ኪህሉ እዩ፧ 3 ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም ስለ ዝተኣማመን፡ ምስ መጻእኩ፡ በቶም ክሕጐሰሎም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኸይጕሂ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 4 ክሳዕ ክንደይ ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን+ ነዚ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም።

5 ንሰብ ዘጕሃየ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡+ እምብዛ ደኣ ኸየኽብደሉ እምበር፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ብእተወሰነ ንዅላትኩም እዩ ኣጕህዩ። 6 ነዚ ኸምዚ ዝበለስ፡ እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ እዩ፣ 7 እኳ ደኣስ፡ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ፡+ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።+ 8 ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ።+ 9 ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም መርትዖ ምእንቲ ኸተቕርቡ ኢለ እውን እየ ዝጸሓፍኩልኩም። 10 ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፡ ኣነ እውን ይቕረ እብለሉ እየ። እኳ ደኣስ፡ ይቕረ ዝበልክዎ ዘበለ፡ (ማለት ይቕረ ዝበልክዎ እንተ ኣልዩ፡) ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ፣ 11 ማለት ሰይጣን ከይብለጸልና* ኢለ እየ፣+ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ* ኣይንስሕቶን ኢና።+

12 ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸበስር ኢለ ናብ ጥሮኣስ+ ምስ መጻእኩ፡ ብጐይታ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ነይሩ፣ 13 ንቲቶስ+ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፡ መንፈሰይ ኣይቀሰነን። ስለዚ፡ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ነቒለ።+

14 ግናኸ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዓጀባ ዓወት ዚመርሓናን ብኣና ኣቢሉ ሽታ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚዝርግሕን* ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 15 ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን፡ ንኣምላኽ ምዑዝ ሽታ ክርስቶስ ኢና፣ 16 ነቶም ዚጠፍኡ ናብ ሞት ዚመርሕ ሽታ* ሞት፡+ ነቶም ዚድሕኑ ግና ናብ ህይወት ዚመርሕ መዓዛ ህይወት ኢና። ነዚኸ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ 17 ንሕና ኢና፣ ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብዅሉ ግርህነት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን።*+

3 ከም ብሓድሽዶ ርእስና ኽንንእድ ንጅምር ኣለና፧ ወይስ ከም ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ወይ ካባኻትኩም ዚልኣኻ ዚንእዳና ደብዳበታትዶ* የድልያና እየን፧ 2 ኣብ ልብና እተጻሕፈትን ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳበናስ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኢኹም።+ 3 ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ብኣና ብኣገልገልቲ+ ኣቢልኩም ብቐለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡+ ኣብ ጽላት ስጋ፡ ማለት ኣብ ልቢ+ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።

4 ብክርስቶስ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኣሎና። 5 ብቕዓትና ኻብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ጌርና ኽንሓስብ ብርእስና ብቕዓት የብልናን።+ 6 ጽሑፍ ሕጊ ንሞት ይዅንን፡+ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡+ ንሱ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን+ ብቑዓት ገይሩና እዩ።

7 ደቂ እስራኤልሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ኽብሪ፡ ገጹ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን፣+ እቲ ሞት ዜስዕብን ኣብ ኣእማን ብፊደላት እተቐርጸን ሕጊ+ እውን ብኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ኻብ መጸ፡ 8 እቲ ኣገልግሎት መንፈስ+ ግዳ ስለምንታይ ዝያዳ ኽብሪ ዘይህልዎ፧+ 9 እቲ ዅነኔ ዜስዕብ ሕጊ+ ኽቡር እንተ ነይሩስ፡+ እቲ ኣገልግሎት ጽድቂ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር!+ 10 እቲ ኽቡር ዝነበረ እኳ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብኡ ዚበልጽ ክብሪ፡ ክብሩ ተቐንጢጡ ኣሎ።+ 11 ምኽንያቱ፡ እቲ ሓላፊ ብኽብሪ ኻብ መጸ፡+ ክብሪ እቲ ነባሪ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ዘይበልጽ!+

12 ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡+ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣለና፣ 13 ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኣተኲሮም ከይጥምቱ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ዚገብር ዝነበረ፡+ ኣይንገብርን ኢና። 14 ግናኸ፡ እቲ ብሉይ ኪዳን ኪንበብ ከሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዚቕንጠጥ+ መጐልበቢ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡+ ኣእምሮኦም ደንዚዙ እዩ።+ 15 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሙሴ ኺንበብ ከሎ፡+ መጐልበቢ ንልቦም ይሽፍኖ ኣሎ።+ 16 ሓደ ናብ የሆዋ* ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ መጐልበቢ ይቕንጠጥ እዩ።+ 17 የሆዋ* መንፈስ እዩ፣+ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ* ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።+ 18 ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ* ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ በቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ* ዚግበር፡* ካብ ሓደ ደረጃ ኽብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ኽብሪ* ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና።+

4 ስለዚ፡ በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና። 2 እኳ ደኣስ፡ ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና እምበር፡ ብጕርሒ ኸይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽ እውን ከይበከልና፡+ ነቲ ዜሕፍር ሕቡእ ነገር ነጺግና ኢና።+ 3 እቲ እነበስሮ ብስራት እተጋረደ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተጋረደ፣ 4 ንዓታቶም እውን፡ ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡+ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡+ ኣምላኽ እዚ ስርዓት* እዚ+ ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ ኣሎ።+ 5 ከመይሲ፡ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ የሱስ ባሮትኩም ከም ዝዀንና እምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘለና። 6 እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብሪህዎ ኣሎ።+

7 ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡+ እዚ መዝገብ እዚ+ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና።+ 8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ምንቅስቓስ ክሳዕ እንስእን ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፣*+ 9 ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን፣+ ተወቒዕና ንወድቕ፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።+ 10 ህይወት የሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዜብጽሕ መከራ ኣብ ሰብነትና ንጸውር ኣለና።+ 11 ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንጋጠም ኣለና።+ 12 ስለዚ፡ ሞት ኣባና ይዓዪ ኣሎ፣ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ።

13 ከምቲ፡ “ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ” ዚብል እተጻሕፈ+ ዓይነት መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ንኣምን፡ ስለዚ ኸኣ ንዛረብ ኢና፣ 14 ከምኡ እንገብር ድማ፡ እቲ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ ንዓና እውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ፡ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቕርበና ስለ እንፈልጥ ኢና።+ 15 ብዙሓት ተወሰኽቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ብምቕራቦም ብዝሒ እቲ ጸጋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኵሉ እዚ ምእንታኹም እዩ።+

16 ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። 17 ከመይሲ፡ ጸበባና* ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ* ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ።+ 18 እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።+

5 እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈሪሳስ፡+ ካብ ኣምላኽ ህንጻ፡ ማለት ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት+ ኣብ ሰማያት ከም እትህልወና፡ ንፈልጥ ኢና። 2 ከመይሲ፡ ነታ ኻብ ሰማይ ንዓና ዝዀነት* ክንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዛ ቤት* እዚኣ ነስቈርቍር ኣለና፣+ 3 ምስ ለበስናያስ፡ ዕሩቓት ኴንና ኣይክንርከብን ኢና። 4 ንሕና ኣብዛ ድንኳን እዚኣ ዘለናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሓጥ፡+ ነታ ሓንቲ ኽንለብስ ኢና እንደሊ እምበር፡+ ነዚኣ ኽንቅንጥጣ ስለ ዘይንደሊ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና። 5 እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ከም ዕርቡን ገይሩ ኸኣ መንፈስ ዝሃበና፡+ ኣምላኽ እዩ።+

6 እምበኣር፡ ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና፣ ኣብዚ ሰብነት እዚ ኽሳዕ ዝሰፈርና ድማ፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና፣+ 7 ከመይሲ፡ ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ኢና እንመላለስ ዘለና። 8 ግናኸ፡ ትብዓት ኣሎና፣ ካብዚ ሰብነት እዚ ርሒቕና ምስ ጐይታ ኽንነብር እውን ምፈተና።+ 9 ስለዚ፡ ምስኡ ሰፊርና ንሃሉ ወይ ካብኡ ንርሓቕ፡ ብእኡ ተቐባልነት ኪህልወና ንጽዕት ኣለና። 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ በዚ ሰብነት እዚ ኸሎ ዝገበሮ፡ ጽቡቕ ወይስ ክፉእ፡ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ* ኣሎና።+

11 እምበኣር፡ ፍርሃት ጐይታ ስለ እንፈልጥ፡ ንሰባት ነእምን ኣለና፡ ንኣምላኽ ግና ፍሉጣት* ኢና። ንሕልናኹም እውን ፍሉጣት* ክንከውን ተስፋ እገብር። 12 ነቶም በቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ብደጋዊ ትርኢት ዚምክሑ ምላሽ ምእንቲ ኽትህቡ፡+ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኣይኰንናን ንንእድ ዘለና። 13 እንተ ተጸሊልናስ፡+ ንኣምላኽ ኢና፣ ምስ ቀልብና እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንዓኻትኩም ኢና። 14 እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣+ ስለዚ፡ ኵሎም ሞይቶም እዮም። 15 እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።+

16 ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስጋዊ ኣረኣእያ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና።+ ንክርስቶስ ብስጋ እኳ እንተ ፈለጥናዮ፡ ሕጅስ ብርግጽ ከምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።+ 17 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣልይዎ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፣+ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ ሓድሽ ኰይኑ ኣሎ። 18 ኵሉ ግና ካብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዓረቐናን+ ኣገልግሎት ዕርቂ ዝሃበናን+ ኣምላኽ እዩ፣ 19 ማለት፡ ኣምላኽ ኣበሳኦም ከይቈጸረ፡+ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ምስ ርእሱ ይዓርቃ ኣሎ፣+ ነቲ ቓል ዕርቂ ድማ ንዓና ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ።+

20 እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ+ ኣምባሳደራት ኢና፣+ ስለዚ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምሕጸን ከም ዘሎ እዩ። ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” ኢልና ንልምን ኣለና። 21 ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡+ እቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ፡+ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት* ከም ዚኸውን ተገይሩ እዩ።

6 ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢልኩምሲ ዕላማኡ ኸይትስሕትዎ፡+ ምስኡ እናዓየና+ ንምሕጸነኩም ኣለና። 2 ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰሚዐካ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ” ይብል እዩ።+ እንሆ፡ እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ።

3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣+ 4 ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣+ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡+ 5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡+ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡+ 6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡+ ብለውሃት፡+ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡+ 7 ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡+ ብኣጽዋር ጽድቂ+ የማነ* ጸጋም፡* 8 ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣ 9 ከም ዘይፍሉጣት፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ እንመውት ከም ዘለና፡* ግናኸ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣+ ከም ቅጹዓት፡* ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣+ 10 ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና።+

11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ክንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣* ልብና እውን ጋህ ኣቢልናልኩም ኣለና። 12 ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡+ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።* 13 ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።*+

14 ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።*+ ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧+ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧+ 15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧+ ወይስ ኣማኒ* ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት* ኣለዎ፧+ 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧+ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡+ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡+ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።+ 17 “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡* ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’”፣+ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”+ 18 “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣+ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’+ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”*

7 እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።+

2 ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና።+ ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።+ 3 ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ። 4 ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።+

5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡+ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ደኣ ጸቢቡና ነይሩ እምበር፡ ዕረፍትስ ኣይረኸብናን።* 6 እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡+ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናኒዑና እዩ፣ 7 ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ብዙሕ ሓልዮትን* ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ እውን እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ።

8 በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡+ ኣይጥዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጥዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡) 9 ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10 ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ዘይትጥዓሰሉ ንስሓ እዩ ዜፍሪ፣+ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜፍሪ። 11 እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም!+ በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12 እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ+ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13 ስለዚ ድማ ኢና ተጸናኒዕና ዘለና።

ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕ ድማ፡ ቲቶስ ብዅላትኩም መንፈሱ ስለ ዝቐሰነ፡ ብሓጐሱ ኣዚና ተሓጒስና ኢና። 14 ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ተመኪሐ እንተ ዀይነ፡ ኣይሓፈርኩን፣ ከምቲ ዅሉ እቲ ዝነገርናኩም ሓቂ ዝዀነ ግና፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶስ እተመካሕናዮ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 15 ኵላትኩም ከም እተኣዘዝኩምን+ ከመይ ጌርኩም እናፈራህኩምን ራዕራዕ እናበልኩምን ከም እተቐበልኩምዎን እናዘከረ፡ ንዓኻትኩም ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ በዚሑ ኣሎ። 16 ብዅሉ ኣባኻትኩም እምንቶ ስለ ዘሎኒ፡* እሕጐስ እየ።

8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና።+ 2 ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዚዝዎ እዩ።* 3 ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡+ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን+ 4 ምእንቲ ኺልግሱን ኣብቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት ረድኤት ምእንቲ ኺካፈሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ከም ዝለመኑና እምስክረሎም እየ።+ 5 ቅድም ንጐይታ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዓና ብፍቓድ ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን። 6 ስለዚ ኸኣ፡ ንቲቶስ፡+ ከምቲ ነዚ ዕዮ እዚ ኣባኻትኩም ዝጀመሮ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ልግስኹም ኪፍጽሞ ኣተባቢዕናዮ ኢና። 7 ግናኸ፡ ከምቲ ብዅሉ፡ ማለት ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን በታ ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕርን ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ልግሲ እዚ እውን ዕዙዛት ኩኑ።+

8 ጸዓት ካልኦት ከፍልጠኩምን ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብን እየ እምበር፡ ክእዝዘኩም ኣይኰንኩን እዚ ዝብለኩም ዘለኹ። 9 ምኽንያቱ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ሃብታም ክነሱስ፡ ንስኻትኩም ብድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ምእንታኹም ደኽዩ እዩ።+

10 ብዛዕባ እዚ፡ ርእይቶይ ክህበኩም፦+ ዓሚ ነቲ ተግባር እቲ ጀሚርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምግባሩ ድሌት ከም ዘሎኩም ስለ ዘርኣኹም፡ እዚ ንጥቕምኹም እዩ። 11 ሕጂ ኸኣ ነቲ ንምግባሩ ዘሎኩም ድሉውነት ከም ዓቕምኹም ምእንቲ ኽትፍጽምዎ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ። 12 ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡+ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13 ንኻልኦት ከቕልለሎም፡ ንዓኻትኩም ከኣ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኰንኩን፣ 14 የግዳስ፡ ብምምዕርራይ ሕጂ ዘሎ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ። 15 ከምቲ፡ “እቲ ብዓል ብዙሕ ኣይተረፎ፡ እቲ ብዓል ሒደት እውን ኣይጐደሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+

16 ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቲቶስ+ ከምዛ ንዓኻትኩም ዘላትና ብዙሕ ሓልዮት ስለ ዘሕደረ፡ ምስጋና ይኹኖ፣ 17 ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ እተዋህቦ መተባብዒ ተቐቢሉስ፡ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፡ ብተበግሶኡ ናባኻትኩም ይመጽእ ኣሎ። 18 ምስኡ እውን ነቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ብስብከት ብስራት እተወደሰ ሓው ንሰድዶ ኣለና። 19 እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ንኽብሪ ጐይታን ክንረድእ ድሉዋት ምዃንና ንምርኣይን እነመሓድሮ ልግሲ መጋይሽትና ኪኸውን ብጉባኤታት ተሸይሙ እዩ። 20 በዚ ኸምዚ፡ ምስዚ ንሕና እነመሓድሮ ብዙሕ ውጽኢት ብእተተሓሓዘ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቕ ኣለና።+ 21 ከመይሲ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።’+

22 ብዘይካዚ፡ ትጉህ ከም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ ነገር ፈቲንና ዘረጋገጽናዮ፡ ሕጂ ኸኣ ስለቲ ኣባኻትኩም ዘላቶ ዓባይ እምንቶ ዝያዳ ትጉህ ዝዀነ ሓውና ምሳታቶም ንሰድዶ ኣለና። 23 ብዛዕባ ቲቶስ ሕቶ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ብጻየይን* ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀነ እውን፡ ንሳቶም ልኡኻት* ጉባኤታትን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24 እምበኣር፡ መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ፣+ ብዛዕባኹም ስለምንታይ ከም እተመካሕና ድማ ንጉባኤታት ኣርእይወን።

9 ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት፡+ ክጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ እቲ ኣካይያ ኻብ ዓሚ ኣትሒዛ ኸም እተዳለወት ንመቄዶናውያን እተመካሕኩሉ ፍቓደኛነትኩምን እቲ ንመብዛሕትኦም ዘለዓዓለ ቕንኣትኩምን እፈልጥ እየ። 3 ኰይኑ ግና፡ እቲ እተመካሕናዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ምእንቲ ኽትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት እሰድዶም ኣለኹ። 4 እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጺኦም እሞ ኸይተዳሎኹም እንተ ረኺቦምኹም፡ ንሕና ዀንና ንስኻትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዘሎና እምንቶ ኽንሓፍር ኢና። 5 እምበኣር፡ ነቶም ኣሕዋት ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ምእንቲ ኺመጹ ኸተባብዖምን እቲ ኸተበርክትዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ ተዳልዩ ኺጸንሕን ዜድሊ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እዚ ኸም ብግዲ እተዋህበ ዘይኰነስ፡ ከም እተበርከተ ህያብ ኰይኑ ኺዳሎ ይኽእል።

6 ብዛዕባ እዚ ግና፡ እቲ ቘጢቡ ዚዘርእ፡ ቈጢቡ ይዓጽድ፣ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ከኣ፡ ብበረኸት ይዓጽድ።+ 7 ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ* ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡+ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።

8 ብዘይካዚ፡ ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ምሉእ ዘይጕዱል ኣልዩኩም፡ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ዕዙዛት ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣምላኽ ጸጋኡ ኼብዝሓልኩም ይኽእል እዩ።+ 9 (ከምቲ፡ “ብሰፊሑ* ዓዲሉ፣ ንድኻታት ሂቡ። ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ 10 እቲ ንዘራኢ ዘርእን ንምግቢ ዚኸውን እንጌራን ኣብዚሑ ዚህብ፡ ንሱ ዘርኢ ኺህበኩምን ኬበርክተልኩምን ፍረ ጽድቅኹም ኬብዝሖን እዩ።) 11 ብዅሉ በቲ ብኣና ኣቢሉ ንኣምላኽ ምስጋና ዜምጽእ ኵሉ ልግሲ ትህብትሙ ኣለኹም፣ 12 ምኽንያቱ፡ እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዚ ዚግበር፡ ነቶም ቅዱሳት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ+ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዚቐርብ ብዙሕ ምስጋና ምእንቲ ኺዓዝዝ እውን እዩ። 13 ነቲ ብስራት ክርስቶስ ክትሰብኩ ኸለኹም ተገዛእቲ ስለ ዝዀንኩምን ንዓታቶምን ንዅሉን ብልግሲ ስለ እተዋጽኡን፡ እዚ ኣገልግሎት ረድኤት እዚ ብዜቕርቦ መርትዖ፡ ንኣምላኽ የሞግስዎ እዮም።+ 14 ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኹም ብምምህላል ከኣ፡ ኪላለዩኹም ሃረር ከም ዚብሉ የርእዩ ኣለዉ።

15 ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ናጻ ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።

10 ምሳኻትኩም ገጽ ንገጽ ክኸውን ከለኹ ያኢ ዝትሑት፡+ ምሳኻትኩም ከየለኹ ግና ዝተብዓልኩም ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ፡+ ብልእመትን ብለውሃትን ክርስቶስ እልምነኩም ኣለኹ።+ 2 ምሳኻትኩም ክኸውን ከለኹ፡ ነቶም ከም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና፡ ተቢዐ እቲ ዝሓለንክዎ ሓያል ስጕምቲ ኸይወስደሎም፡ እልምን ኣለኹ። 3 ብስጋ እንመላለስ ክነስናስ፡ ከም ስጋ ኣይንዋጋእን ኢና። 4 ኣጽዋር ውግእና ጽኑዕ ዕርድታት ዜፍርስ ሓይሊ ኣምላኽ ዘለዎ እዩ እምበር፡+ ስጋዊ ኣይኰነን።+ 5 ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና፣+ ኵሉ ሓሳብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝ ድማ፡ ንማርኽ ኣለና፣ 6 ምሉእ ብምሉእ እዙዛት ምዃንኩም ምስ ተራእየ እውን፡ ንዅሉ ዘይተኣዛዝነት ንምቕጻዕ ተዳሊና ኣለና።+

7 ንስኻትኩምሲ ገጽ ኢኹም እትርእዩ። ናይ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ብርእሱ ዚተኣማመን እንተሎ፡ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኸም ዝዀንና ኸም ብሓድሽ ይሕሰብ። 8 በቲ ጐይታ ንምፍራስኩም ዘይኰነስ፡ ንምህናጽኩም ዝሃበና ስልጣን+ ቍሩብ ኣብዚሐ እንተ ዝምካሕሲ፡ ኣይምሓፈርኩን ነይረ። 9 ብደብዳበታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደለኹ ኽመስል ኣይደልን እየ። 10 ከመይሲ፡ “እተን ደብዳበታቱ ኸበድትን ሓያላትን እየን፣ ብኣካል ምሳና ኸሎ ግና ድኹም፡ ዘረባኡ እውን ንዑቕ እዩ” ይብሉ እዮም። 11 እቲ ኸምዚ ዝበለ ሰብ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከየለና ብደብዳበታትና እንብሎ፡* ምሳኻትኩም ከለና እውን ከምኡ ኸም እንገብር* ይሕሰብ።+ 12 ምኽንያቱ፡ ምስቶም ርእሶም ዚንእዱ ኽንቍጸር ወይ ክንመዓራረ ኣይንደፍርን ኢና።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ንርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ንርእሶም እውን ምስ ርእሶም ካብ ዜመዓራርዩ፡ ኣእምሮ የብሎምን።+

13 ንሕና ግና በቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣምላኽ ለኪዑ ዝሃበና፡ ክሳዕ ኣባኻትኩም እውን ዚበጽሕ ደረት ዘሎ ኽሊ እምበር፡ በቲ ኻብቲ እተመደበልና ደረት ወጻኢ ዘሎ ኣይንምካሕን ኢና።+ 14 ብዛዕባ ክርስቶስ እናኣበሰርና ኽሳብ ናባኻትኩም ቀዲምና ዝበጻሕና ንሕና ኢና እሞ፡ ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕና ዄንናስ፡ እምብዛ ኣይንመጣጠርን ኢና።+ 15 ካብቲ እተመደበልና ደረት ወጺእና ብጻዕሪ ኻልኦት ኣይንምካሕን ኢና፣ ግናኸ፡ እምነትኩም እናወሰኸት ምስ ከደት፡ እቲ ኣብ ክልና ዝገበርናዮ ኺውስኽ ተስፋ ንገብር። ሽዑ፡ ብዝያዳ ኽንገብር፡ 16 በቲ ድሮ ኣብ ክሊ ኻልኦት እተገብረ ምእንቲ ኸይንምካሕ ድማ፡ ነተን ክንየውኩም ዘለዋ ሃገራት ከነበስር ኢና። 17 “ግናኸ፡ እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ።”+ 18 ከመይሲ፡ እቲ የሆዋ* ዚንእዶ እምበር፡+ እቲ ርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ብቕዓቱ ዘመስከረ።+

11 ገለ ቝሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደለኹ። ወረግ፡ ትዕገሱኒ ኣለኹም! 2 ከመይሲ፡ ከም ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡+ ንሓደ ሰብኣይ ሓጽየኩም እየ እሞ፡ ብኣምላኻዊ ቕንኣት* እቐንኣልኩም እየ። 3 ግናኸ፡ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡+ ኣእምሮኹም ተባላሽዩ ኻብቲ ንክርስቶስ ዚግባእ ግርህነትን ንጽህናን ከይርሕቕ እፈርህ ኣለኹ።+ 4 ስለምንታይሲ፡ ሓደ መጺኡ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻልእ የሱስ እንተ ሰቢኹ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ኣምጺኡ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ ብስራት እንተ ኣምጺኡ፡+ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም። 5 ኣነስ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ዝሓምቕ ኣይመስለንን።+ 6 ግናኸ፡ ብዘረባ እኳ ኽኢላ እንተ ዘይኰንኩ፡+ ብፍልጠትሲ ዚጐድለኒ የብለይን፣ እወ፡ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ነግህደልኩም ኢና።

7 ወይስ ንስኻትኩም ልዕል ምእንቲ ኽትብሉ፡ ርእሰይ ኣትሒተ ነቲ ብስራት ብናጻ ስለ ዝሰበኽኩልኩምዶ ሓጢአ እየ፧+ 8 ንዓኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ሓገዝ ብምቕባለይ ወጺዐየን* እየ።+ 9 ምሳኻትኩም ከለኹ ኸኣ፡ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት ዜድልየኒ ዘበለ ኣማሊኦምለይ እዮም እሞ፡ ንሓደ እኳ ጾር ኣይኰንኩን።+ ብዅሉ ድማ ጾር ምእንቲ ኸይኰነኩም ተጠንቂቐ እየ፡ ክጥንቀቕ እውን እየ።+ 10 ከምቲ ሓቂ ክርስቶስ ብርግጽ ኣባይ ዘሎ፡ ብዛዕባ ዞባታት ኣካይያ ኻብ ምምካሕ ኣየቋርጽን እየ።+ 11 ስለምንታይ፧ ስለ ዘየፍቅረኩም ድየ፧ ከም ዘፍቅረኩምሲ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ።

12 ግናኸ፡ ነቶም በቲ ዚምክሑሉ ነገራት* ማዕረና ኪዀኑ ምኽንያት ዚደልዩ፡ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ኽገብሮ እየ።+ 13 እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉስ፡ ናይ ሓሶት ሃዋርያት፡ ዜታልሉ ዓየይቲ፡ ንርእሶም ከም ሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።+ 14 ሰይጣን እኳ፡ ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።+ 15 እምበኣር፡ እቶም ኣገልገልቱ፡ ንርእሶም ከም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሲሎም፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን። መወዳእታኦም ግና፡ ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።+

16 ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣለኹ፦ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ ኣይምሰሎ። እንተ መሲሉኩም ግና፡ ኣነ እውን ገለ ቝሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17 እዚ ብርእሰ ምትእምማን ተመኪሐ ዝዛረቦ ዘለኹ፡ ከም ዓሻ እምበር፡ ኣብነት ጐይታ ስዒበ ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። 18 ብዙሓት ከም ስጋ* ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነ እውን ክምካሕ እየ። 19 ንስኻትኩም ያኢ ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሹ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኢኹም። 20 ከም ባርያ ንዝገበረኩም ዘበለ፡ ንብረትኩም ንዝወሓጠ ዘበለ፡ ዘሎኩም ንዝመንዝዐ ዘበለ፡ ንዝዀርዓልኩም ዘበለ፡ ገጽኩም ንዝወቕዓኩም ዘበለ እኳ፡ ትዕገስዎ ኢኹም።

21 ብድኽመት ከም ዝገበርና ስለ ዚመስል፡ ንውርደትና እየ እዚ ዝብል ዘለኹ።

ካልኦት ዚደፍሩ እንተ ዀይኖም ግና፡—ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ኣነ እውን እደፍር እየ። 22 እብራውያን ድዮም፧ ኣነ እውን እየ።+ እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ እውን እየ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነ እውን እየ።+ 23 ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝምልስ ዘለኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ፦ ሕልፊ ጽዒረ፡+ ዝያዳ ተኣሲረ፡+ ማእለያ ዘይብሉ ተወቒዐ፡ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሐ እየ።+ 24 ብኣይሁድ ሓሙሽተ ሳዕ ን40 ሓደ ጐደል ተገሪፈ እየ፣+ 25 ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ እየ፣+ ሓደ ሳዕ ብዳርባ እምኒ ጨፍጪፎምኒ እዮም፣+ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰይራ እያ፣+ ለይትን መዓልትን ኣብ ማእከል ባሕሪ ሓዲረን ውዒለን እየ፣ 26 ብዙሕ ሳዕ ኣብ ጕዕዞ፡ ካብ ኣፍላግ ኣብ ሓደጋ፡ ካብ ከተርቲ ኣብ ሓደጋ፡ ካብ ደቂ ዓደይ ኣብ ሓደጋ፡+ ካብ ኣህዛብ ኣብ ሓደጋ፡+ ኣብ ከተማ ኣብ ሓደጋ፡+ ኣብ በረኻ ኣብ ሓደጋ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ኣሕዋት ኣብ ሓደጋ ነይረ እየ፣ 27 ብጻዕርን ብልፍዓትን፡ ብዙሕ ግዜ ድቃስ ብምስኣን፡+ ብጥሜትን ብጽምእን፡+ ብዙሕ ግዜ ብዘይ ምግቢ፡+ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ እየ።

28 ኣብ ልዕሊ እዚ ኻብ ወጻኢ ዚመጽእ ነገራት እዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዚርብጸኒ* ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዅለን ጉባኤታት ዝጭነቖ ጭንቀት እዩ።+ 29 መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ እውን ዘይደክም፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ እውን ዘይነድድ፧

30 ክምካሕ እንተ ኣሎኒ፡ ብዛዕባ ድኻመይ ክምካሕ እየ። 31 እቲ ንዘለኣለም ዚውደስ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ፡ እሕሱ ኸም ዘየለኹ ይፈልጥ እዩ። 32 ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ሹም ኪሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ የሐልዋ ነይሩ፣ 33 ኣብ ከፈር ገይሮም ግና በቲ ኣብቲ መካበብያ ዘሎ መስኰት ኣውሪዶምንስ+ ካብ ኢዱ ኣምሊጠ።

12 ክምካሕ ኣሎኒ። እዚ ዘይጠቕመኒ ኽነሱ፡ ናብ ራእያትን+ ግልጸታትን ጐይታ+ ኽሓልፍ እየ። 2 ቅድሚ 14 ዓመት፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ሰብ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተመንዝዐ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ካብ ስጋ ወጻኢ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 3 ከምዚ ዝበለ ሰብ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ብዘይ ስጋ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፣ 4 ንሱ ናብ ገነት ተመንዚዑ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ቃላት እውን ሰሚዑ። 5 ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ክምካሕ እየ፣ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፡ ብዛዕባ ድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6 ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ስለ ዝዛረብ፡ ኣይምዓሸኹን ነይረ። ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኻብቲ ኣባይ ዚርእዮ ወይ ካብቲ ኻባይ ዚሰምዖ ንላዕሊ ገይሩ ኸይቈጽረኒ፡ ከምኡ ኣይገብርን እየ፣ 7 ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእያት፡ ሓደ እኳ ኣብሊጹ ኣይርኣየኒ።

ምእንቲ ኸይዕበ፡ ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ፣+ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪጸፋፍዓኒ* ተዋሂቡኒ። 8 እዚ ኻባይ ምእንቲ ኺርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለሚነዮ። 9 ንሱ ግና፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ” ኢሉኒ።+ እምበኣር፡ ሓይሊ ክርስቶስ ከም ድንኳን ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዛዕባ ድኻመይ ብብዙሕ ታሕጓስ ክምካሕ እየ። 10 ስለዚ፡ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡+ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ፡ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብስእነት፡ ብመስጐጕትን ብጸገምን ባህ ይብለኒ እዩ።

11 ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ስለ ዘይሓመቕኩ፡ ክትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ።+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣገዲድኩምንስ፡ ዓሽየ እየ። 12 ምልክታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብርታት ሓይልን+ ኣብ መንጎኹም ብዅሉ ተጻዋርነት ተገይሩ እዩ።+ 13 ብዘይካ እቲ ኣነ ባዕለይ ንዓኻትኩም ጾር ዘይምዃነይሲ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት እንታይ ጐዲሉኩም፧+ እዛ በደል እዚኣ፡ ብለውሃት ይቕረ በሉለይ።

14 እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም እምበር፡ ውሉዳት+ ንወለዶም ገንዘብ ኬዋህልሉሎም ትጽቢት ስለ ዘይግበረሎም ከኣ፡ ንዓኻትኩም እምበር፡ ገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘለኹ እሞ፡+ ጾር ኣይክዀነኩምን እየ። 15 ኣነስ ምእንታኹም* ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ ገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ።+ ኣዝየ ኻብ ኣፍቀርኩኹምዶ፡ ዝወሓደ እፍቀር፧ 16 ዝዀነ ዀይኑ፡ ጾር ኣየኽበድኩልኩምን።+ ንስኻትኩም ግና፡ “ጐራሕ” ከም ዝዀንኩን “ብጥበራ” ኸም ዝሓዝኩኹምን ትብሉ ኣለኹም። 17 በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ 18 ንቲቶስ ተማሕጺነዮ፡ ምስኡ እውን ሓደ ሓው ልኢኸ እየ። ቲቶስዶ ተበሊጹልኩም እዩ፧+ ብሓደ መንፈስን ብሓደ ኣሰርን ደይኰንናን እንመላለስ፧

19 ኣብዚ ዅሉስ ንርእስና ኣብ ቅድሜኹም ንማጐተላ ኸም ዘለና ዲኹም ትሓስቡ ዘለኹም፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት ኢና እንዛረብ ዘለና። ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም ኢና እንገብሮ። 20 ምስ መጻእኩ፡ ምናልባት ኣነ ኸምቲ ዘይደለኽዎ ዄንኩም ከይረኽበኩም፡ ንዓይ እውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባት ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ሕሜት፡ ሕሹዅሹዅ፡* ብትዕቢት ምንፋሕ፡ ህውከት ከይከውን እፈርህ ኣለኹ። 21 ምስ ተመለስኩ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም የዋርደኒ ይኸውን፣ ኣነ እውን በቶም ኣቐዲሞም ዝሓጥኡ፡ ግናኸ ኻብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን* ንውርምናን* ዘይተነስሑ እሓዝን እኸውን።

13 ናባኻትኩም ዝመጽእ ዘለኹ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። “ኵሉ ነገር ብምስክርነት* ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ኪጸንዕ ኣለዎ።”+ 2 ሕጂ ምሳኻትኩም እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ምሳኻትኩም ካልኣይ ግዜ ኸም ዘለኹ ጌርኩም ሕሰቡ፣ መሊሰ እንተ መጺአስ ነቶም ቅድም ዝሓጥኡን ንዝተረፉ ዅላቶምን ከም ዘይንሕፎም፡ ኣቐዲመ አጠንቅቖም ኣለኹ፣ 3 ምኽንያቱ፡ እቲ ኣባኻትኩም ብርቱዕ እምበር፡ ድኹም ዘይኰነ ክርስቶስ ብኣይ ይዛረብ እንተ ኣልዩ፡ መርትዖ ትደልዩ ኣለኹም። 4 ክርስቶስሲ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ግና ህያው ኰይኑ ይነብር ኣሎ።+ ንሕና እውን ምስኡ ድኹማት ኢና፣ በቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓይሊ ኣምላኽ ግና፡+ ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።+

5 ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ።+ ወይስ የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ሓድነት ከም ዘለዎዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ብቑዓት ኣይኰንኩምን። 6 ንሕና ዘይብቑዓት ከም ዘይኰንና ኽትፈልጡ ግና፡ ተስፋ እገብር።

7 ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ብቕዓትና ኸም ዘመስከርና ኽንመስል ኢልና ዘይኰንናስ፡ ንሕና እኳ ዘይብቑዓት እንተ መሰልና፡ ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ ኢልና ኢና። 8 ንሕናስ ንሓቂ ዚድግፍ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። 9 ንስኻትኩም እንተ በርቲዕኩምሲ፡ ንሕና እኳ እንተ ደኸምና፡ ንሕጐስ ኢና። ምእንቲ ኽትቀንዑ፡ ምእንቲ እዚ ድማ ኢና እንጽሊ ዘለና። 10 ስለዚ ኸኣ እየ ምሳኻትኩም ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ነቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኰነስ፡ ክሃንጸሉ ዝሃበኒ ስልጣን ብጭከና ምእንቲ ኸይጥቀመሉ፡+ ምሳኻትኩም ከየለኹ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።

11 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ቅንዑ፡* ተጸናንዑ፡+ ሓደ ሓሳብ ኩኑ፡+ ብሰላም ንበሩ፣+ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን+ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 12 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። 13 ኵሎም ቅዱሳት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

14 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ እንካፈሎ መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን።

ወይ፡ “ፈተና።”

ወይ፡ “ፈተናና።”

ወይ፡ “የተባብዓና።”

ወይ፡ “ተፈቲንና።”

ወይ፡ “ኸይንውከል።”

ወይ፡ “ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎን እትርድእዎንሲ” ኪኸውን ይኽእል።

ቃ.ቃ.፡ “ክሳዕ መወዳእታ።”

ወይ፡ “ክልተ ሳዕ ምእንቲ ኽትጥቀሙ” ኪኸውን ይኽእል።

ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ወይ፡ “ኣብ ነፍሰይ ኪምስክር።”

ወይ፡ “ከይጐርሓልና።”

ወይ፡ “ሓሳቡ፣ ተንኰሉ።”

ወይ፡ “ዚገልጽን።”

ወይ፡ “መዓዛ።”

ወይ፡ “ብቓል ኣምላኽ ኣይንነግድን (መኽሰብ ንምርካብ ኣይንጥቀመሉን) ኢና።”

ወይ፡ “ናይ ደገፍ ደብዳበታትዶ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ወይ፡ “ብመንፈስ የሆዋ ዚግበር” ኪኸውን ይኽእል።

ቃ.ቃ.፡ “ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ።”

ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።

ወይ፡ “ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ፈተናና።”

ቃ.ቃ.፡ “እናረዘነ።”

ወይ፡ “ነታ ኻብ ሰማይ ዝዀነት መንበሪትና።”

ወይ፡ “መንበሪት።”

ወይ፡ “ክንግሃድ።”

ወይ፡ “ግሁዳት።”

ወይ፡ “ግሁዳት።”

ወይ፡ “መስዋእቲ ሓጢኣት።”

ምናልባት ንመጥቃዕቲ።

ምናልባት ንመኸተ።

ወይ፡ “ሞት ከም ዚግብኣና።”

ወይ፡ “ግሱጻት።”

ወይ፡ “ብግህዶ ተዛሪብናኩም ኢና።”

ወይ፡ “ኣባናስ ኣይጸበበኩምን።”

ወይ፡ “ኣግፍሑ።”

እዛ ቓል እዚኣ ብግሪኽኛ ምስ ዘይመማጣጥንትኻ ወይ ምስ ዘይመጻምድትኻ ምጽማድ ተመልክት።

ቃ.ቃ.፡ “ጥሕሰት ሕግን።”

ካብ እብራይስጢ ዀይና፡ “ዘይጠቅም” ማለት እያ። ንሰይጣን ተመልክት።

ወይ፡ “እሙን።”

ወይ፡ “ግደ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ስጋናስ ዕረፍቲ ኣይረኸበን።”

ቃ.ቃ.፡ “ንዓይ ዘሎኩም ቅንኣትን።”

ወይ፡ “ብዅሉ ሳላኹም ትብዓት ስለ ዘሎኒ” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ገይርዎ እዩ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “መኻፍልተይን።”

ቃ.ቃ.፡ “ሃዋርያት።”

ወይ፡ “ከይፈተወ።”

ወይ፡ “ብልግሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ብቓል ደብዳበታትና ዝዀንናዮ።”

ቃ.ቃ.፡ “ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ብቕንኣት ኣምላኽ።”

ቃ.ቃ.፡ “ዘሚተየን።”

ወይ፡ “ሓላፍነት።”

ማለት፡ ብሰብኣዊ መገዲ።

ወይ፡ “ጸቕጢ ዚገብረለይ።”

ወይ፡ “ኪቕጥቅጠኒ።”

ወይ፡ “ምእንቲ ነፍሳትኩም።”

ወይ፡ “ወረ።”

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነትን።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ብኣፍ።”

ወይ፡ “ተኣረሙ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ