መልእኽቲ ናብ እብራውያን
1 ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛሪብዎም እዩ።+ 2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡+ ብእኡ እውን ስርዓታት* ዝገበረ+ ወዱ ገይሩ ተዛሪቡና እዩ።+ 3 ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን+ ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣+ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።+ 4 ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ብምውራስ፡+ ክሳዕ ክንድኡ ኻባታቶም በሊጹ እዩ።+
5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧ 6 ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ+ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ”* ይብል።
7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ*+ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል።+ 8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ። 9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+ 10 ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ 12 ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል።+
13 ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧+ 14 ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት* ኣይኰኑን፧+
2 ስለዚ፡ ምእንቲ ኸይንውሰድ፡+ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።+ 2 ከመይሲ፡ እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል+ ጽኑዕ ካብ ዚኸውን፡ ኵሉ ኣበሳን ዘይተኣዛዝነትን ከኣ ፍትሓዊ መቕጻዕቲ ኻብ ዚቕበል፡+ 3 ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ድሕነት ዕሽሽ እንብል እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧+ እዝስ ብጐይታ እዩ ኺንገር ጀሚሩ፡+ በቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ተረጋጊጹልና፣ 4 ኣምላኽ ድማ ከም ፍቓዱ፡ ብትእምርትን ብተኣምራትን ብእተፈላለየ ግብርታት ሓይልን+ ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን ምሳታቶም ሓቢሩ መስኪሩ።+
5 ነታ እንዛረበላ ዘለና እትመጽእ ዓለምሲ፡ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን።+ 6 ሓደ ግና ኣብ ሓደ ቦታ ኸምዚ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ፦ “ንስኻ እትዝክሮስ፡ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+ 7 ካብ መላእኽቲ ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ፣ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸይምካዮ። 8 ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዚእካዮ።”+ ኣምላኽ ንዅሉ ኼግዝኦ ኸሎ፡+ ንዕኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን።+ ሕጂ ግና ኵሉ ኺግዝኦ ገና ኣይንርእን ኢና ዘለና።+ 9 እቲ ኻብ መላእኽቲ ቝሩብ ዝነኣሰ የሱስ፡+ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕምሲ፡+ ብምኽንያት መከራ ሞቱ፡ ኣኽሊል ግርማን ክብርን ከም ዝደፍአ ግና ንርኢ ኣለና።+
10 ከመይሲ፡ እቲ ዅሉ ምእንታኡ፡ ኵሉ እውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉዳት ናብ ክብሪ ኼእቱ ኸሎ፡+ ነቲ ቐንዲ ወኪል ድሕነቶም+ ብመከራ ፍጹም ኪገብሮ ይግባእ እዩ።+ 11 እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱንሲ፡+ ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም፣+ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሓፍርን እዩ፣+ 12 እዚ ድማ፡ “ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ብመዝሙር ክውድሰካ እየ” ኺብል ከሎ እዩ ኢልዎ።+ 13 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡”+ ከም ብሓድሽ እውን፡ “እነና፡ ኣነን እቶም የሆዋ* ዝሃበኒ ደቅን” ይብል።+
14 እምበኣር፡ እቶም “ደቂ፡” ደምን ስጋን ካብ ኰኑ፡ ንሱ እውን ብተመሳሳሊ ኸማታቶም ኰይኑ እዩ።+ ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡+ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡+ 15 ንዅሎም እቶም ብፍርሂ ሞት ምሉእ ህይወቶም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ድማ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ እዩ።+ 16 ንዘርኢ ኣብርሃም+ እዩ ዚድግፍ ዘሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣይኰነን ዚድግፍ ዘሎ። 17 ስለዚ፡ ንሓጢኣት ህዝቢ ዜተዓርቕ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርብ፡*+ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ድማ መሓርን እሙንን ሊቀ ኻህናት ኪኸውንሲ፡ ብዅሉ ኸም “ኣሕዋቱ” ኪኸውን ይግብኦ ነይሩ እዩ።+ 18 ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ መከራ ጸጊቡ እዩ እሞ፡+ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይኽእል እዩ።+
3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+ 2 ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡+ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።+ 3 ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ* እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።+ 4 ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ። 5 ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣ 6 ክርስቶስ ግና ከም ወዲ+ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።+
7 ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ 8 ከምቲ ብመዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።+ 9 ኣብኡ ኣቦታትኩም ን40 ዓመት ግብርታተይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላሊኾምንን ፈቲኖምንን።+ 10 ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፊነዮስ፡ ‘ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ እዮም፣ ንመገድታተይ እውን ኣይፈለጥዎን’ ኢለ። 11 ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ።”+
12 ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣+ 13 ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። 14 ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና።+ 15 እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ።+
16 ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧+ 17 ንመንከ እዩ ኣምላኽ ን40 ዓመት ዝፈንፈኖም፧+ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧+ 18 ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19 ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።+
4 እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ሓደ ኻባኻትኩም ዘይበቅዕ መሲሉ ኸይህሉ ንፍራህ።+ 2 ንዓና እውን፡ ከምቲ ንዓታቶም፡ ብስራት ተሰቢኹልና እዩ፣+ ንሳቶም ከምቲ ናይቶም ዝሰምዑ ዓይነት እምነት ስለ ዘይነበሮም ግና፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣይጠቐሞምን። 3 ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡+ ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ” ዝበለ፡+ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4 ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ፡ “ኣምላኽ ድማ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ እቲ ግብሩ ዓረፈ” ይብል፣+ 5 ኣብዚ ኸኣ መሊሱ፡ “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ይብል።+
6 እምበኣር፡ ገሊኦም ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም እተበሰሩ ድማ ብሰሪ ዘይተኣዛዝነት ካብ ዘይኣትውዋ፡+ 7 ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ኣብ መዝሙር ዳዊት፡ “ሎሚ” ብምባሉ፡ ከም ብሓድሽ ሓንቲ መዓልቲ መዲቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲምካ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ” እተባህለ እዩ።+ 8 እያሱ+ ናብ መዕረፊ መሪሕዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣምላኽ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። 9 እምበኣር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።+ 10 እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ እውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ።+
11 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣርኣያ እቲ ዘይተኣዛዝነት ስዒቡ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጽዓር።+ 12 ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን* እዩ፡+ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣+ ነፍስን* መንፈስን፡* መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ። 13 ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ቕሉዕን ግሁድን እዩ እምበር፡+ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን።+
14 እምበኣር፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ንሱ ድማ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡+ ካብ ዚህልወና፡ ነቲ ብዛዕባኡ እንእመኖ ኣጽኒዕና ንሓዞ።+ 15 ከመይሲ፡ ብዘይ ሓጢኣት፡+ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን።+ 16 እምበኣር፡ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን፡ በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።+
5 ካብ ሰባት እተወስደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ ስለ ሓጢኣት መባእን መስዋእትን ኬቕርብ፡+ ብናይ ኣምላኽ ነገር፡ ምእንታኦም እዩ ዚሽየም።+ 2 ንሱ እውን ድኻም ስለ ዘለዎ፡ ነቶም ደናቝርን ዚጋገዩን* ኪርሕርሓሎም* ይኽእል እዩ። 3 ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ይግብኦ እዩ።+
4 ከም ኣሮን፡+ ብኣምላኽ ምስ ተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ባዕሉ ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን። 5 ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣+ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ”+ ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ። 6 ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል።+
7 ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡* ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕሪቡ እዩ፣+ ንኣምላኽ ብምፍራሁ ኸኣ ተሰሚዑ እዩ። 8 ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ።+ 9 ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡+ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ንናይ ዘለኣለም ድሕነቶም ምኽንያት ኰይኑ እዩ፣+ 10 ስለምንታይሲ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብኣምላኽ ተሰይሙ እዩ።+
11 ብዛዕባኡ ብዙሕ እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። 12 ክሳዕ ሕጅስ* መምህራን ክትኰኑ ዚግብኣኩም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መባእታዊ ነገራት+ እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ፣ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ ዜድልየኩም ኴንኩም ኣለኹም። 13 ጸባ ዚቕለብ ዘበለ፡ ሕጻን እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ቓል ጽድቂ ምኩር ኣይኰነን።+ 14 ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም* ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ።
6 ስለዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ ካብ ሰገርና፡+ ናብ ብስለት ንገስግስ።+ ከም ብሓድሽ እውን መሰረት ኣይንሰርት፣ እዚ ድማ፡ ንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ እምነት ብኣምላኽ፡ 2 ትምህርቲ ጥምቀታትን ምንባር ኣእዳውን፡+ ትንሳኤ ምዉታትን+ ናይ ዘለኣለም ፍርድን እዩ። 3 ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።
4 እቶም ሓንሳእ ብርሃን ዝበርሃሎም፡+ ነቲ ሰማያዊ ናጻ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡ 5 ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እቲ ዚመጽእ ስርዓትን* ከኣ ዝጠዓሙ፡ 6 ግናኸ ዝወደቑ፡+ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎን መላገጺ ስለ ዚገብርዎን፡ ከም ብሓድሽ ናብ ንስሓ ኺምለሱ ኣይክእሉን እዮም።+ 7 እታ ኣብኣ ብዙሕ ግዜ ንዝዘነመ ዝናም ሰትያ ነቶም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ኣትክልቲ እትህብ ምድርስ፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። 8 እሾዅን ተዀርባን እንተ ኣብቊላ ግና፡ ዘይትጠቅምን ጥቓ መርገምን እያ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ክትነድድ እያ።
9 ፍቑራተየ፡ ብዛዕባኹም ግና፡ በዚ ኸምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሓይሽን ናብ ድሕነት ዜብጽሕን ነገር ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኢና። 10 ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡+ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን። 11 ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸት ተስፋ ኽትህልወኩም ግና፡+ እዚ ትግሃት እዚ ኸተርእዩ ንደሊ ኣለና፣+ 12 እዚ ድማ ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ፈዛዛት ምእንቲ ኸይትዀኑ እዩ።+
13 ኣምላኽ ንኣብርሃም ኬተስፍዎ ኸሎስ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘየልቦ፡ ከምዚ ኢሉ ብርእሱ ምሒሉ እዩ፦+ 14 “ብርግጽ ክባርኸካን ብርግጽ ከብዝሓካን እየ።”+ 15 ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኺብዋ እዩ። 16 ሰባትሲ በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ፣ ማሕላኦም ከኣ ሕጋዊ ውሕስነት ስለ ዝዀኖም፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ።+ 17 ከምኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ* ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ+ ብንጹር ኬርእዮም ምስ ወሰነ፡ ብማሕላ ውሕስነት ሂቡ እዩ።* 18 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ንሕና እቶም እተማዕቈብና ዘበልና፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል+ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ጌርና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሓያል መተባብዒ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ። 19 እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+ 20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+
7 እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡+ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡* ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ። 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+
4 እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት* ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ።+ 5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡+ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም* እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም።+ 6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ።+ 7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። 8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል።+ 9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ* እዩ ነይሩ።+
11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ 12 ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ።+ 13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።+ 14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣+ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን።
15 እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ+ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣+ 16 ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ።+ 17 ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ”+ ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ።
18 እምበኣርሲ፡ እቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ፡ ተሳዒሩ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ፍጹም ኣይገበረን፣+ እቲ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ+ ዚሓይሽ ተስፋ ብምትእትታዉ ግና፡+ ከምኡ ገይሩ እዩ። 20 ከምቲ እዚ ብዘይ ማሕላ ዘይተገብረ፡ 21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ 22 ከምኡ ድማ የሱስ ዋሕስ እቲ ዝሓሸ ኺዳን ኰይኑ እዩ።+ 23 ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም፣+ 24 ንሱ ግና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡+ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ። 25 ስለዚ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።+
26 ከምዚ ዝኣመሰለ እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን+ ካብ ሓጥኣን እተፈልየን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን+ ሊቀ ኻህናት ኪህልወና ይግባእ እዩ። 27 ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ+ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ፣+ ከመይሲ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ፡ ነዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገይርዎ እዩ።+ 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም።
8 ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣+ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣+ 2 ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ* ዝተኸላ መቕደስን+ ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ* እውን እዩ። 3 ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።+ 4 ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን፡ ከም ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ካህን ኣይምዀነን ነይሩ።+ 5 እዚኣቶም ኣብ ምስልን ጽላሎትን+ እቲ ሰማያዊ ነገራት+ እዮም ዜገልግሉ፣* ከምቲ ሙሴ ነታ ድንኳን ኪገብር ምስ በለ እተዋህቦ መለኮታዊ ትእዛዝ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኵሉ ኸምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ጌርካ ተጠንቂቕካ ግበሮ” ኢልዎ እዩ።+ 6 ሕጂ ግና የሱስ ዝበለጸ ኣገልግሎት* ረኺቡ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ መንጎኛ+ እቲ ኣብ ዝሓሸ ተስፋታት ብሕጊ እተሰረተ+ ዝሓሸ ኺዳን እዩ።+
7 እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር እንተ ዘይህልዎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣይመድለየን ነይሩ።+ 8 ከመይሲ፡ ከምዚ ኺብል ከሎ ይነቕፎም እዩ፦ “‘እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።* 9 ‘ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም+ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣ ብኺዳነይ ስለ ዘይጸንዑ፡ ኣነ እውን ብዛዕባኦም ምግዳስ ገዲፈዮ’ ይብል የሆዋ።*
10 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+
11 “‘ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ* ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። 12 ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’”+
13 “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ።+ እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።+
9 እቲ ቐዳማይ ኪዳንሲ ስርዓታት ቅዱስ ኣገልግሎትን ምድራዊ መቕደስን+ ነይርዎ እዩ። 2 ከመይሲ፡ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ሰደቓን እንጌራታት መባእን*+ ዝነበራ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ተተኺላ ነይራ እያ፣ ቅድስቲ+ ድማ ትብሃል ነይራ። 3 ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና፡+ ቅድስተ ቕዱሳን+ እትብሃል ክፍሊ እታ ድንኳን ነይራ። 4 ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን+ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ+ ታቦት ኪዳንን+ ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን+ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን+ ጽላታት+ ኪዳንን ነይረን፣ 5 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መኽደን መተዓረቒ* ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነይሮም።+ ብዛዕባ እዚ ግና ሕጂ ብዝርዝር ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኰነን።
6 እዚ በዚ ኸምዚ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ብስሩዕ ይኣትዉ እዮም፣+ 7 እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ እዩ፣+ ግናኸ፡ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን+ ምእንቲ እቲ ብዘይፍላጥ እተገብረ ሓጢኣት ህዝብን+ ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ።+ 8 በዚ ኸምዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ድንኳን ቈይማ ኸላ፡ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ የነጽር እዩ።+ 9 እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣+ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ።+ እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል* ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ።+ 10 ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ስርዓት ምሕጻብን*+ ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። ምዱብ ግዜ ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ።+
11 ግናኸ፡ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ኰይኑ ምስ መጸ፡ በታ ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን ሓሊፉ እዩ። 12 ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ+ ናይ ዘለኣለም ድሕነት* ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ።+ 13 ደም ድቤላታትን ኣብዑርን+ ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡+ 14 ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡+ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል*+ ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧+
15 በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብቲ ቐዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምብጃው+ ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኪቕበሉ ኢሉ፡+ መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ።+ 16 ኪዳን ኣብ ዘለዎስ፡ ሞት እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ። 17 ኪዳንሲ ብሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። 18 ስለዚ፡ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኪዓዪ ኣይጀመረን።* 19 ሙሴ ዅሉ ትእዛዛት ሕጊ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ምስ ነገሮስ፡ ደም ዝራብዓትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸምርን ሃዛብን ወሲዱ፡ ነታ መጽሓፍን* ንዅሉ እቲ ህዝብን ከምዚ እናበለ ነጺጉሉ እዩ፦ 20 “ደም እቲ ኣምላኽ ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እዚ እዩ።”+ 21 ከምኡ ድማ ነታ ድንኳንን ንዅሉ ኣቕሑ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎትን* ደም ነጺጉሉ እዩ።+ 22 ከምቲ ሕጊ ኸኣ፡ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዚነጽህ፣+ ደም እንተ ዘይፈሲሱ እውን፡ ሕድገት ኣይከውንን እዩ።+
23 እምበኣር፡ ምስሊ+ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት በዚ ኺነጽህ ግዲ እዩ ነይሩ፣+ እቲ ሰማያዊ ነገራት ግና ካብዚ ዝሓሸ መስዋእቲ የድልዮ እዩ። 24 ከመይሲ፡ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ* ኣምላኽ ኪርኣየልና+ ናብ ሰማይ እምበር፡+ ናብታ ምስሊ እታ ናይ ሓቂ ዝዀነት+ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።+ 25 እዚ ኸኣ ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡+ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ሳዕ ምእንቲ ኬቕርብ ኣይኰነን። 26 እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ። ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓታት* ሓንሳእ ንሓዋሩ ተጋሂዱ እዩ።+ 27 ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሙማት፡ ብድሕሪኡ ግና ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፡ 28 ከምኡ ኸኣ ክርስቶስ፡ ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተሰዊኡ እዩ፣+ ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ስለ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡* ነቶም ዚጽበይዎ ንምድሓን ኪግለጽ እዩ።+
10 ሕጊ፡ ጽላሎት+ እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት ዘለዎ እምበር፡+ እቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ስለ ዘይኰነ፡ በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስዋእ ሕደ መስዋእትታት ገይሩ፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብር ከቶ ኣይክእልን እዩ።*+ 2 እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ዜገልግሉ* ሓንሳእ ብምንጻሆም ደጊም ኣብ ሕልናኦም ሓጢኣት ስለ ዘይስምዖም፡ ምስዋእዶ ኣይምሓደግዎን ነይሮም፧ 3 እኳ ደኣስ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብ ዓዓመት መዘከርታ ሓጢኣት እዩ፣+ 4 ከመይሲ፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ።
5 ስለዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ፡ ከምዚ ይብል እዩ፦ “‘ሰብነት ደኣ ኢኻ ኣዳሊኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን። 6 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ባህ ኣይበለካን።’+ 7 ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ‘እነኹ፡ መጺአ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ’ ኢለ።”+ 8 ቅድም፡ “መስዋእትን መባእን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይደለኻን፡ ባህ እውን ኣይበለካን” ድሕሪ ምባሉ፡—እዚ ኸኣ ከምቲ ሕጊ ጌርካ ዚቐርብ መስዋእቲ እዩ፡— 9 ድሕሪኡ፡ “እነኹ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ” ይብል እዩ።+ ነቲ ኻልኣይ ምእንቲ ኺስርት ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ስዒርዎ እዩ። 10 በዚ “ፍቓድ” እዚ፡+ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና።+
11 ካህን ዘበለ መዓልቲ መዓልቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኬቕርብን*+ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቕ ከቶ ዘይክእል+ ሕደ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ ኬቕርብን+ ይቐውም እዩ። 12 እዚ ግና ምእንቲ ሓጢኣት ንሓዋሩ ሓደ መስዋእቲ ኣቕሪቡስ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ እዩ፣+ 13 ካብኡ ኣትሒዙ ጸላእቱ ድኳ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ይጽበ ኣሎ።+ 14 ከመይሲ፡ ነቶም ዚቕደሱ ብሓደ መስዋእቲ እዩ ንሓዋሩ ፍጹማት ዝገበሮም።+ 15 መንፈስ ቅዱስ እውን ይምስክረልና ኣሎ፣ ከመይሲ፡ 16 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከእትዎ፡ ኣብ ኣእምሮኦም እውን ክጽሕፎ እየ’” ምስ በለ፡+ 17 “ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ይብል እዩ።+ 18 እምበኣር፡ ኣብቲ ሕድገት ሓጢኣት ዘለዎ፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት መስዋእቲ የልቦን።
19 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ብደም የሱስ ናብታ መቕደስ+ ንምእታው ትብዓት* ካብ ሃለወና፡— 20 እዚ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡+ ማለት ብስጋኡ ዝመረቐልና ሓድሽን ህያውን መገዲ እዩ፡— 21 ኣብ ቤት ኣምላኽ+ እውን ዓብዪ ኻህን ካብ ሃለወና፡ 22 ልብና ኻብ ክፉእ ሕልና ብምንጻግ ነጺሁ፡+ ሰብነትና እውን ብጽሩይ ማይ ተሓጺቡ፡+ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ንቕረብ። 23 እቲ ዘተስፈወና እሙን እዩ እሞ፡ ነቲ ምእማን ተስፋና ብዘይ ውልውል ኣጽኒዕና ንሓዞ።+ 24 ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ* ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።*+ 25 ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡+ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።+ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።+
26 ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልናስ፡+ ፈቲና ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን፣+ 27 የግዳስ፡ ዜፍርህ ትጽቢት ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ ዚበልዕ ዚነድድ ቍጥዓን እዩ ዘሎ።+ 28 ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ፡ ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ፡ ብዘይ ርሕራሐ እዩ ዚመውት።+ 29 ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን+ ከኣ ከም ተራ ዝቘጸረ፡ ንመንፈስ ጸጋ እውን ብንዕቀት ዘቘጥዐ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ መቕጻዕቲ ዘይግብኦ ይመስለኩም፧+ 30 ነቲ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ደጊሙ ኸኣ፡ “የሆዋ* ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ” ዝበለስ ንፈልጦ ኢና።+ 31 ኣብ ኢድ እቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ፡ ዜፍርህ እዩ።
32 ነተን ብርሃን ምስ በርሃልኩም፡+ ብርቱዕ ቃልስን መከራን እተጻወርኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ግና ዘክርወን። 33 ኣብ ገሊኡ እዋን ንጸርፍን ንጸበባን ተቓሊዕኩም* ኔርኩም ኢኹም፣ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ መማቕልቲ* እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዝበጽሖም ኴንኩም ኢኹም። 34 ዚሓይሽን ዚነብርን ገንዘብ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡+ ነቶም እሱራት ደንጊጽኩምሎም፡ ንምዝማት ንብረትኩም ድማ ብሓጐስ ተቐቢልኩምዎ ኢኹም።+
35 እምበኣር፡ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ናይ ምዝራብ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ።+ 36 ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ።+ 37 ከመይሲ፡ ድሕሪ “ኣዝዩ ቝሩብ ግዜ፡”+ “እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።”+ 38 “ጻድቐይ ግና ብእምነት ይነብር፡”+ ድማ “እንተ ኣድሓርሒሩ፡ ኣነ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”*+ 39 ንሕናስ ምስቶም ህይወቶም* ንምድሓን ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ዜድሓርሕሩ ኣይኰንናን።+
11 እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡+ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ* እያ። 2 ጥንቲ ዝነበሩስ* ብእኣ እዩ እተመስከረሎም።
3 እቲ ስርዓታት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና።
4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣+ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡* ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣+ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።+
5 ሄኖክ፡+ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣+ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ። 6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።+
7 ኖህ+ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣+ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣+ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ።
8 ኣብርሃም+ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።+ 9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣+ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን+ ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ።+ 10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።+
11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ። 12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡+ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን+ ተወሊዶም እዮም።+
13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡+ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣+ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም። 14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። 15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡+ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። 16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡+ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።+
17 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡+ ብእምነት ንይስሃቅ ሰዊእዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣—እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለስ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈቲኑ እዩ፣+— 18 እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ።+ 19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሲቡ እዩ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ረኺብዎ እዩ።+
20 ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን+ ንኤሳውን+ ብእምነት መሪቕዎም እዩ።
21 ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡+ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መሪቕዎም እዩ፣+ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰጊዱ እዩ።+
22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ተዛሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ* እውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።+
23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡+ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡+ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓቢኦምዎ እዮም።+ 24 ሙሴ ምስ ዓበየ፡+ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣብዩ እዩ፣+ 25 ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ፣ 26 ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ኣተኲሩ ስለ ዝጠመተ፡ ካብ መዛግብቲ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ። 27 ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡+ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡+ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ።+ 28 እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይጐድእ፡* ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዒሉ እዩ።+
29 ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳጊሮምዎ እዮም፣+ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሒጦም እዮም።+
30 መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወዲቑ እዩ።+ 31 ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን።+
32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓዪሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+ 35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣+ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ* ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም። 36 ገሊኦም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ብመቝሕን+ ብማእሰርትን+ ተፈቲኖም እዮም። 37 ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም፡+ ተፈቲኖም፡ ብመጋዝ ተቘሪጾም፡ ብሰይፊ ተቐቲሎም፡+ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞይሮም፡+ ስኢኖም፡ ጸቢብዎም፡+ መከራ ጸጊቦም እዮም፣+ 38 ዓለም ከኣ ንዓታቶም እትበቅዕ ኣይነበረትን። ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን+ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም እዮም።
39 ኵሎም እዚኣቶም ግና፡ ብእምነቶም እኳ እንተ ተመስከረሎም፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን፣ 40 ብዘይ ብኣና ፍጹማት ምእንቲ ኸይኰኑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓይሽ ኣቐዲሙ ርእዩ እዩ።+
12 ስለዚ፡ ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ንዅሉ ኽብደትን ነቲ ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣትን ንቐንጥጥ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ፣+ 2 ናብቲ ናይ እምነትና ቐንዲ ወኪልን ፍጹም ገባርን ዝዀነ የሱስ ድማ ኣተኲርና ንጠምት።+ ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት* ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ።+ 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉንሲ፡*+ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐድእ ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ።+
4 ምስቲ ሓጢኣት እቲ ኽትቃለሱ ኸለኹም፡ ደምኩም ክሳዕ ዚፈስስ ገና ኣይተቓወምኩምን። 5 ነቲ ኸም ውሉዳት ገይሩ ኸምዚ ዚብለኩም ምዕዶ ፈጺምኩም ረሲዕኩምዎ ኢኹም፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ* ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገኒሑካ እውን ኣይትተሓለል፣ 6 የሆዋስ* ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ፣ ነቲ ኸም ውሉዱ ዚቕበሎ ዘበለ እውን ይገርፎ* እዩ።”+
7 ከም ክፍሊ ተግሳጽኩም፡* ክትጻወሩ ኣሎኩም። ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ይርእየኩም ኣሎ።+ ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧+ 8 ካብቲ ዅሉ ዚቕበሎ ተግሳጽ እንተ ዘይተኻፊልኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉዳት ኣይኰንኩምን። 9 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰብኣውያን ኣቦታትና* ይግስጹና ነይሮም፡ ነኽብሮም እውን ኔርና። ነቲ ኣቦ መንፈሳዊ ህይወትና ግዳ ኣዚና እናተገዛእናዮዶ ኽንነብር ኣይግብኣናን እዩ፧+ 10 እቲኣቶምሲ ንሓጺር ግዜ ኸም ዝመሰሎም ገይሮም እዮም ገሲጾምና፣ ንሱ ግና ካብ ቅድስናኡ ኽንማቐል ኢሉ ንጥቕምና እዩ ዚገብሮ።+ 11 ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ።
12 ስለዚ፡ ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣+ 13 እቲ ዚሕንክስ ኪሓዊ እምበር፡ ወለም ምእንቲ ኸይብሎስ፡ ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።+ 14 ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላምን ቅድስናን ስዓቡ፣+ ብዘይ ቅድስናስ ሓደ እኳ ንጐይታ ኣይርእዮን እዩ። 15 ሓደ እኳ ጸጋ ኣምላኽ ከይስእን፡ መርዛም ሱር በቚሉ ድማ ከየሸግረኩም እሞ ብዙሓት ብእኡ ኸይረኽሱ ተጠንቀቑ።+ 16 ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ* ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ።+ 17 ንሱ ጸኒሑ ነቲ በረኸት ኪወርስ ምስ ደለየ ኸም እተኣብየስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ብንብዓት ሓሳብ* ኬለውጥ እኳ ኣጸቢቑ እንተ ደለየ፡+ ኣይጠቐሞን።*
18 ንስኻትኩምሲ ናብቲ ዚድህሰስን+ ብሓዊ ዚነድድን+ ናብ ጸሊም ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ህቦብላን+ 19 ናብ ደሃይ መለኸትን+ ናብቲ ምስ ሰምዕዎ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ+ ቓላት ዚዛረብ ድምጽን+ ኣይቀረብኩምን። 20 ንሳቶምሲ ነቲ፡ “እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንክይዎ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት”+ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይከኣሉን። 21 እቲ ትርኢት ኣዝዩ ዜፍርህ ስለ ዝነበረ እውን፡ ሙሴ፡ “እፈርህን ራዕራዕ እብልን ኣለኹ” ኢሉ እዩ።+ 22 ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን+ ናብ ከተማ እቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት የሩሳሌምን+ ናብ ኣእላፋት* መላእኽቲ 23 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባን+ ናብ ጉባኤ እቶም ኣብ ሰማያት ተመዝጊቦም ዘለዉ በዅራትን ናብቲ ፈራድ ኵሉ ዝዀነ ኣምላኽን+ ናብ መንፈሳዊ ህይወት+ እቶም ፍጹማት ዝዀኑ ጻድቃንን+ 24 ናብ የሱስ እቲ መንጎኛ+ ሓድሽ ኪዳንን+ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል+ ብዝሓሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም ቀሪብኩም።
25 ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ* ተጠንቀቑ። እቶም ነቲ ኣብ ምድሪ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ዝሃቦም ምስማዕ ዝኣበዩ ኻብ ዘየምለጡስ፡ ነቲ ኻብ ሰማያት ዚዛረበና ዝባንና እንተ መሊስናሉ ግዳ ኸመይ ኢልና ኸነምልጥ!+ 26 ሽዑ፡ ድምጹ ንምድሪ ኣናዊጽዋ እዩ፣+ ሕጂ ግና፡ “ገና ሓንሳእ ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰማይ እውን ከናውጾ እየ” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ።+ 27 እዚ “ገና ሓንሳእ” ዚብል ቃል፡ ዘይተናወጸ ነገራት ጸኒዑ ምእንቲ ኺነብር፡ እተናወጸ ነገራት፡ ማለት እተገብረ ነገራት፡ ከም ዜልግስ እዩ ዜመልክት። 28 ስለዚ፡ ዘይትናወጽ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ እቲ ንኣምላኽ ብፍርሃት ኣምላኽን ብኣኽብሮትን ብቕቡል መገዲ እነገልግለሉ* ጸጋ ኣምላኽ ንቀበል። 29 ከመይሲ፡ ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ።+
13 ሕውነታዊት ፍቕርኹም ትጽናዕ።+ 2 ገሊኦም ከይፈለጡ ንመላእኽቲ ኣአንጊዶም እዮም እሞ፡+ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።+ 3 ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡+ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም እውን ብስጋ ስለ ዘለኹም፡* ዘክርዎም።+ 4 ኣምላኽ ንኣመንዝራታትን* ንዘመውትን ኪፈርዶም እዩ እሞ፡+ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ ዓራት መውስቦ ኸኣ ዘይረኸሰ ይኹን።+ 5 ንሱ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፡+ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣+ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።+ 6 ስለዚ፡ ተቢዕና፡ “የሆዋ* ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ክንብል ንኽእል ኢና።+
7 ነቶም ዚመርሑኹም ዘለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ዝነገሩኹም ዘክርዎም፣+ ኣካይዳኦም ዜምጽኦ ውጽኢት እናተቛመትኩም፡ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ።+
8 የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።
9 ልብኹም በቲ ነቶም ብእኡ ዚመላለሱ ዘይጠቐሞም ብልዒ* ዘይኰነስ፡+ ብጸጋ እንተ ጸኒዑ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብእተፈላለየ ጋሻ ትምህርትታት ኣይትስሓቱ።
10 ንሕናስ እቶም ኣብ ድንኳን ዜገልግሉ* ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዘይብሎም መሰውኢ ኣሎና።+ 11 ከመይሲ፡ ስጋ እቶም ደሞም ስለ ሓጢኣት ብሊቀ ኻህናት ናብ መቕደስ ዚውሰድ ዝነበረ እንስሳታት ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሓርር ነይሩ እዩ።+ 12 ስለዚ፡ የሱስ እውን ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ፡+ ኣብ ወጻኢ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ መከራ ጸጊቡ እዩ።+ 13 እምበኣር፡ ነቲ ንሱ እተሰከሞ ጸርፊ ተሰኪምና ናብኡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ንውጻእ፣+ 14 ከመይሲ፡ ነታ እትመጽእ ኣጸቢቕና ንደልያ ኣለና እምበር፡ ኣብዚ ነባሪት ከተማ የብልናን።+ 15 ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ውዳሰ፡+ ማለት ንስሙ ዚእመና+ ፍረ ኸናፍርና፡+ ነቕርብ። 16 ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣+ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።+
17 ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን+ ተገዝእዎምን፣+ ከመይሲ፡ ንሳቶም ጸብጻብ ከም ዚህቡ ዀይኖም፡ ነቒሖም ይሕልውኹም* ኣለዉ፣+ ነዚ ብሓጐስ ኪገብርዎ እምበር፡ እህህ እናበሉ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንዓኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
18 ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ* ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና እሞ፡ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+ 19 ምናዳ ግና፡ ኣነ ቐልጢፈ ምእንቲ ኽምለሰኩም፡ እዚ ኽትገብሩ እምዕደኩም ኣለኹ።
20 እቲ ነቲ ዓብዪ ጓሳ+ ኣባጊዕ ዝዀነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ሰላም፡ 21 ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ብየሱስ ክርስቶስ ኣባና እናገበረ፡ ብሰናይ ዘበለ ፍቓዱ ኽትገብሩ የዕጥቕኩም። ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22 ኣሕዋተየ፡ ሓጻር ደብዳበ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ነዚ ዜተባብዕ ቃል እዚ ብዓቕሊ ኽትሰምዕዎ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 23 ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሐ ኽትፈልጡ እደልየኩም እየ። ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጺኡ፡ ምስኡ ዀይነ ኽርእየኩም እየ።
24 ንዅሎም እቶም ዚመርሑኹምን ንዅሎም ቅዱሳትን ሰላም በሉለይ። እቶም ኣብ ኢጣልያ+ ዘለዉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25 ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።
ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ኢድ ይንስኡሉ።”
ወይ፡ “ንህዝቢ ዜገልግሉ ኣገልገልቱ።”
ወይ፡ “ፍትሒ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ።”
ወይ፡ “ጻውዒት፣ ዕድመ።”
ማለት፡ የሱስ።
ወይ፡ “ሓያልን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ፋሉልን።”
ወይ፡ “ኪልውሃሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታት ስጋኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከምቲ ግዜስ።” ማለት፡ “ከም ምንዋሕ እቲ ግዜስ።”
ወይ፡ “ናይ ምስትውዓል ክእለቶም።”
ወይ፡ “መዋእልን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ምኽሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣትዩ እዩ።”
ወይ፡ “ህይወት።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝመቐሎ።”
ወይ፡ “በቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቘ ኣብርሃም ዝወጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቘ ኣቦኡ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣይኪጥዓስን ከኣ እዩ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንህዝቢ ዜገልግል ኣገልጋሊ።”
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “እንጌራታት ምርኣይን።”
ወይ፡ “ነቲ ቦታ መተዓረቒ።”
ወይ፡ “ቕዱስ ኣገልግሎት ዜቕርብ።”
ቃ.ቃ.፡ “እተፈላለየ ጥምቀታትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብጀዋ።”
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይተመረቐን።”
ወይ፡ “ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍን።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ገጽ።”
ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብዘይ ሓጢኣት።”
ወይ፡ “ሰባት በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስውእዎ ሕደ መስዋእትታት ገይሮም፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብርዎም ከቶ ኣይክእሉን እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪህብን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “እምንቶ።”
ወይ፡ “ንምድራኽ፣ ንምልዕዓል።”
ወይ፡ “ንሓድሕድና ንተሓላለ፣ ኣብ ንሓድሕድና ነቕልብ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ከም ኣብ ምርኢት ተቓሊዕኩም።”
ወይ፡ “ኣብ ጐድኒ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።”
ወይ፡ “ነፍሶም።”
ወይ፡ “ዜእምን መርትዖ።”
ወይ፡ “ኣቦታትናስ።”
ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ንመባኡ ብምቕባል ኪምስክረሉ ኸሎ።”
ወይ፡ “ቐብሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክርስቶስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኸይትንኪ።”
ወይ፡ “ብበጃ ሓራ ምውጻእ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሳትኩም ምእንቲ ኸይሕለላንሲ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ይቐጽዖ።”
ወይ፡ “ስልጠናኹም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣቦታት ስጋና።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ማለት፡ ሓሳብ ኣቦኡ።
ቃ.ቃ.፡ “ቦታ ኣይረኸበሉን።”
ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት።”
ወይ፡ “ከይተመኻንዩ፣ ዕሽሽ ከይትብልዎ።”
ወይ፡ “ቕዱስ ኣገልግሎት እነቕርበሉ።”
ወይ፡ “ምሳታቶም መከራ ኸም እትጸግቡ ዄንኩም” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ማለት፡ ብዛዕባ ብልዒ ዝወጸ ስርዓታት።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ንነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰናይ።”