ንደቅኹም ካብ ሓደጋ ኣዕቍብዎም
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ሽወደን
እታ ጓል ሰለስተ ዓመት ኣቢላ እትኸውን ሃና ምስቶም ናይ ሓደ ዝሞተ ጐረቤት መንበሪ ገዛ ዘለዓዕሉ ዝነበሩ ካርል-ኤሪክ ኣቦኣን ቢርጊታ ኣዲኣን ነበረት። ድሕሪ ገለ ግዜ ሃና ናይ ከኒና ጥርሙዝ ሒዛ ካብ ሓደ ኽፍሊ ወጸት። ንገለ ካብቲ ኸኒና ውሒጣቶ ነበረት። ቢርጊታ እቲ ጥርሙዝ ናይ ምንታይ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸት ብፍርሂ ረዓደት። ናይቲ ጐረቤት ናይ ልቢ መድሃኒት ዝሓዘ ጥርሙዝ ኢዩ ነይሩ።
ሃና ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ተወስደት እሞ ጽዑቕ ሕክምና ክግበረላ ሓደረ። ኣብ ልባ ነባሪ ጕድኣት ከውርደላ ዝኽእል ዓቐን መድሃኒት እኳ ውሒጣ እንተ ነበረት: ብዘይገለ ሳዕቤን ግን ደሓነት። ከመይ ኢላ፧ ምኽንያቱ ነቲ ከኒናታት ቀቅድሚ ምውሓጣ ሒደት ስብቆ ወሲዳ ስለ ዝነበረት ኢዩ። ገለ ካብቲ መርዚ ኣብቲ ስብቆ ተዋሒጡ ስለ ዝተረፈ: ከተምልስ ከላ ወጺኡላ ኢዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሃና ዘጋጠመ ኵነታት ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም: መዓልቲ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ብሰንኪ ሓደጋታት ኣብ ሓኪም ይቐርቡ ወይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ይዕቈቡ። ዓመት ዓመት ኣብ ሽወደን ካብ 8 ቘልዑ 1 ብሰንኪ ሓደጋ ሕክምና ይግበረሉ። ስለዚ ወላዲ እንተድኣ ዄንካ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ውላድካ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ዝጕድኡ ኣብ ከም ገዛን ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዘሎ መውዓሊ ከባቢታትን ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ዓይነት ናይቲ ዝወርዶም መጕዳእቲ ኸኣ ዕድመ እናወሰኹ ምስ ከዱ እናተቐየረ ኢዩ ዝኸይድ። ናጽላ ካብ ዓራት ብቐሊሉ ክወድቕ ወይ ድማ መግቢ ወይ ንእሽቶ ነገር ኣብ ጐረርኡ ኣትዩ ክሓንቆ ይኽእል ኢዩ። ፍርዝን ዝበሉ ቘልዑ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ክሓዅሩ ከለዉ ብምውዳቖም ወይ ሓዊ ብምንዳዶም ወይ ከኣ ኣብ ከርክብዎ ዝኽእሉ ቦታ እተቐመጠ ነገር ስለ ዝሕዙ ወይ ዝጥዕሙ ብምምራዞም ኢዩ ሓደጋ ዝወርዶም። ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ከኣ ብሓደጋ ትራፊክ ወይ ኣብ ግዳም ክጻወቱ ኸለዉ ይጕድኡ።
መብዛሕትኡ ካብዚ ሓደጋታት እዚ ግን ክትከላኸሎ ዝከኣል ኢዩ። ኣቐዲምካ ብምጥንቃቕን ንናይ ውላድካ ደረጃ ዕቤት ኣብ ግምት ብምእታውን ጕድኣት ወይ ሞት እውን ከይተረፈ ዘውርድ ሓደጋታት ክትከላኸል ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝከኣል ምዃኑ እቲ ካብ 1954 ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን ብውዱብ ኣገባብ ዝካየድ ዘሎ ንድሕንነት ህጻናት ዝምልከት ፕሮግራም ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 450 ህጻናት ብሰንኪ ሓደጋ ይሞቱ ነበሩ። ሎሚ እቲ ዓመታዊ ቍጽሪ ዝሞቱ ህጻናት ናብ ከባቢ 70 ጐዲሉ ይርከብ።
ኣብ ውሻጠ
ኸሽቲን ባክስትሮም እተባህለት ናይ ቈልዑ ስነ-ኣእምሮ ተመራማሪት “ንደቂ ሓደ: ክልተ: ሰለስተ ዓመት ዝዀኑ ህጻናት ከመይ ገይሮም ካብ ሓደጋ ከም ዝእለዩ ክትምህሮምን ነቲ ዝመሃርካዮም ክዝክርዎ ክትጽበዮምን ኣይትኽእልን ኢኻ” ብምባል ትዛረብ። ስለዚ ከም ወላዲ መጠን ንውላድካ ካብ ሓደጋ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣሎካ: ወይ ድማ እቶም ሓድሓደ ግዜ እቲ ቘልዓ ምስኦም ዝጸንሕ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ሓላፍነት ኣለዎም።
እስከ በቲ ኣብ ከባቢ ቤትካ ዘሎ ነገራት ንጀምር። ነቲ ኣብ ዝቕጽል ገጽ ኣብ ዘሎ ሳጹን እተዋህበ ዝርዝር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ገለ ካብቲ ድሕንነት ዝሕለወሉ መሳርሒታት ኣብ ኵለን ሃገራት ዘይርከብ ወይ ድማ ዋግኡ ክቡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንእሽቶ ናይ ምምሃዝን ምብልሓትን ክእለት ብምጥቃም ግን ምስቲ ፍሉይ ኵነታትካ ክሰማማዕ ዝኽእል ፍታሕ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን።
ንኣብነት: ኣብ ክሽነኹም ነቲ መስሓቢ ናይቲ ተመዛዚታት ዕንጨይቲ ብምእታው ክትቅርቅርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንናይ ፎርኖ መዕጸዊ እውን ተመሳሳሊ ሜላ ተጠቒምኩም ከም ዘይክፈት ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፕላስቲክ ዘሎ ነገር ኣሲርካ ምቕማጡ ድማ ሓደጋ ከም ዝንኪ ዝገብር ኢዩ።
ኣብ ውሽጥን ከባብን ቤት ንዘጋጥሙ ሓደጋታት እትከላኸለሉ ካልእ ቀሊል መገድታት ክትደልን ንኣሽቱ ቘልዑ ንዘለዎም ኣዕሩኽን ዝፈልጡኻ ሰባትን ክትነግሮምን ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ግዳም
እቲ ውላድኩም ዝጻወተሉ ቦታ ድሕንነት ዘለዎ ምዃኑ ኣረጋግጹ። መብዛሕትኡ ካብቲ ንደቂ ኣርባዕተ ዓመትን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦምን ቈልዑ ዘጋጥሞም ሓደጋ ኣብ ግዳም ክጻወቱ ኸለዉ ኢዩ። ወዲቖም ይህሰዩ: ምናልባትውን ብሽክለታ ክዝውሩ ኸለዉ ይወድቁ ይዀኑ። ናይ ትራፊክ ሓደጋን ምጥሓልን ነቶም ኣብ መንጎ ሰለስተን ሸውዓተን ዓመት ዘለዉ ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዳም ዘጋጥሞም ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ሓደጋታት ኢዩ።
ድሕንነት መዘናግዒ ቦታታት ክትምርምር ከሎኻ: ውላድካ ማህሰይቲ ምእንቲ ከይወርዶ ኵሉ እቲ መጻወቲ ኣቝሑ ጥዑይ ምዃኑ ኣረጋግጽ። እቲ ትሕቲ ሰለልን ትሕቲ እቲ በእዳዎምን ኣእጋሮምን እናተንጠልጠሉ ዝገላበጥሉ መጻወትን ትሕቲ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መጻወትን ዘሎ ባይታ: ውላድካ ምስ ዝወድቕ ምእንቲ ኸይህሰ ከም ሑጻ ዝኣመሰለ ልምሉም ነገራት እተነጽፈሉ ድዩ፧
ኣብ ጥቓ ቤትኩም ዕቋር ወይ ወሓዚ ማይ ኣሎ ድዩ፧ ናይ ሒደት ሰንቲ ሜተራት ጥልቀት ዘለዎ ማይ ንሓደ ወይ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኡ ህጻን ንኸጥሕሎ ቀሊል ኢዩ። ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራማሪት ባክስትሮም ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ዝዓቘረ ማይ ብኣፉ ተደፊኡ እንተድኣ ወዲቑ መኣዝኑ ስለ ዝስሕት ናይ ኣቀማምጣ ፍልልይ ኣይርድኦን ኢዩ። ፈጺሙ ድማ እንደገና ሓፍ ክብል ኣይክእልን።”
ስለዚ እምበኣር እቲ ቐንዲ መሰረታዊ መምርሒ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ኣብ መንጎ ሓደን ሰለስተን ዓመት ዝዕድሚኡ ህጻን ንበይኑ ብዘይምቍጽጻር ዓበይቲ ኣብ ግዳም ክጻወት ዘይምሕዳጉ። ኣብ ከባቢኹም ብዝሕ ዝበለ ማይ ዘለዎ ቦታ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ: እቲ ቘልዓ ብዘይገለ ምቍጽጻር ኣብ ግዳም ክጻወተሉ ዝኽእል ደረጃ ዕድመ ክሳዕ ዝበጽሕ ክወጽእ ኣይትፍቀድሉ።
ኣብ ጐደና
ኣብ ከባቢ ገዛኹም ተሽከርከርቲ ዝመላለሳሉ ጐደና እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ባክስትሮም “ሓደ ናይ ኣጸደ ሕጻናት ተመሃራይ ዝዀነ ቈልዓ ጭቡጥን ንጹርን ሓበሬታ ጥራይ ኢዩ ክሕዝ ከምኡውን ኣብ ሓንቲ ግዜ ናብ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዩ ከተኵር ዝኽእል” ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ። ወሲኻ ድማ “ተሽከርከርቲ ዝመላለሳሉ ጐደና ግን ብዙሕ ትዅረት ዝሓትት ነገራትን ዘማትእ ሓበሬታን ዝመልኦ ኢዩ” ትብል። ውሉድካ ቅድሚ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምብጽሑ ንበይኑ ጽርግያ ክሳገር ክትፈቕደሉ የብልካን። ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ ቈልዑ እንተ ወሓደ ደቂ 12 ዓመት ክሳዕ ዝዀኑ ኣብ ተሽከርከርቲ ዘዘውትርኦ ጐደና ብሽክለታ ክዝውሩ ዕድሚኦም ኣይፈቕደሎምን ኢዩ።
ውሉድካ ብሽክለታ ክዝውር ከሎ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እንስሳ ክውጣሕ ከሎ: ብኮረር ዝብል ጫማ ክጻወት ከሎ: ወይ ብመንሸራተቲ ክዘናጋዕ ከሎ ናይ ድሕንነት ቍራዕ ክገብር ምሃሮ። ኣብ ርእሲ ዘጋጥም ማህሰይቲ ንኽትሕከሞ ኣጸጋሚ ከምኡውን ነባሪ ጕድኣት—ሞት እውን ከይተረፈ—ከምጽእ ይኽእል ኢዩ! ኣብ ሓደ ናይ ህጻናት ክሊኒክ ካብቶም ናይ ብሽክለታ ሓደጋ ኣጋጢምዎም እተሓከሙ ውቑዓት 60 ሚእታዊት ኣብ ርእሶምን ገጾምን ማህሰይቲ ዝወረዶም እኳ እንተ ነበሩ: እቶም ቍራዕ ገይሮም ዝነበሩ ግን ከቢድ ናይ ርእሲ ጕድኣት ኣየጋጠሞምን።
ብማኪና ኣብ ዝግበር ጕዕዞ እውን ናይ ውሉድካ ድሕንነት ኣረጋግጽ። ብዙሓት ሃገራት ንኣሽቱ ህጻናት ንድሕንነቶም ተባሂሉ ኣብ ዝዳሎ ፍሉይ ኮፍ መበሊ ተኣሲሮም ክኸዱ ዝሓትት ሕግታት ኣለወን። እዚ ንቝጽሪ እቶም ሓደጋ ትራፊክ ምስ ዘጋጥሞም ዝቘስሉን ዝሞቱን ህጻናት ብዘገርም መገዲ ከም ዝንኪ ገይርዎ ኢዩ። ኣብቲ እትነብረሉ ሃገር እዚ ንድሕንነት ቈልዑ ተባሂሉ ዝዳሎ ፍሉይ ኮፍ መበሊ ዝርከብ እንተድኣ ዀይኑ ምዝውታሩ ውሕስነት ህይወት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት ኮፍ መበሊ ምዃኑ ግን ኣረጋግጽ። እቲ ንናጽላታት ዝግባእ ካብቲ ንልዕሊ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣቢሎም ዝዀኑ ዝዓዀኹ ቈልዑ ዝግባእ ኮፍ መበሊ እተፈልየ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።
ደቅና ብዋጋ ዘይሽነኑ ካብ የሆዋ እተቐበልናዮም ህያብ ኢዮም: ብዅሉ መዳያት ከኣ ክንጥንቀቐሎም የድልየና። (መዝሙር 127:3, 4) ካርል-ኤሪክን ቢርጊታን ከም ሓለይቲ ወለዲ መጠን ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃና ዘጋጠመ ኵነታት ይኹን ድሕሪኡ ወትሩ ደቆም ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ምስ ተገደሱ ኢዮም። “ርግጽ ኢዩ ድሕሪ እቲ ሓደጋ እቲ ኢና ዝያዳ ጥንቁቓት ዝዀንና” ብምባል ካርል-ኤሪክ ይእመን። ቢርጊታ ኸኣ “ሕጂ ደቂ ደቂ ኣለዉና: መድሃኒትና ድማ ዅሉ ግዜ ኣብ ስቱር ቦታ ኢና ነቐምጦ” ብምባል ትድምድም።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ቤትኩም ድሕንነት ይሃሉ
• መድሃኒት:- ቈልዓ ከርክቦ ኣብ ዘይክእል ከብሒ ብመፍትሕ ዓጺኻ ኣቐምጦ። ብሓኪም ከይተኣዘዙ ክግዝኡ ዝኽእሉን ባህላዊ መድሃኒታትን እውን ከምኡ ገይርካ ኣቐምጦም። ኣብ ገዛኹም ክሓድሩ ንዝመጹ ኣጋይሽ እውን መድሃኒቶም ቈልዓ ኣብ ዘይረኽቦ ቦታ ከቐምጥዎ ንገሮም።
• ኣብ ቤት እትጥቀመሎም ኬሚካላት:- ቈልዓ ኣብ ዘየርክቦ ብመፍትሕ ዝዕጾ ከብሒ ኣቐምጦም። እንታይ ምዃኖም ብቐሊሉ ምእንቲ ኽፍለጡ ካብቲ ኣብ ፋብሪካ እተዋህቦም መትሓዚ ናብ ካልእ ኣይትገልብጦም። ክትጥቀመሎም ከሎኻ ካብ ዓይንኻ ኣይፈለዩ: ንሒደት ደቓይቕ እውን ይኹን ካብቲ ክፍሊ ክትወጽእ እንተ ዄንካ ኣልዕሎ። ኣብ መሕጸብ ኣቝሑትኩም ዝፈሰሰ ወይ ተረፍ መረፍ ናይቲ ንንጽህና እትጥቀመሉ ነገራት ኣይትሕደግ።
• ምድጃ:- ናይቲ ኣብ ምድጃ ተሰኽቲቱ ዘሎ ባዴላ ይኹን ድስቲ እዝኑ ንውሽጢ ገጹ ከም ዝኸውን ግበሮ። እቲ ድስቲ ሸተት ኢሉ ንኸይድፋእ: ዝከኣል እንተ ዀይኑ መጋረዲ ግጠመሉ። እቲ ቘልዓ ኣብ እተኸፍተ መዕጸዊ እቶን ሰለል ክብል ስለ ዝኽእል ግልብጥ ምእንቲ ከይብል ኣቐዲምካ ነቲ ምድጃ ዘድሊ መከላኸሊ ግበረሉ። እቲ እቶን ብመፍትሕ ዝዕጾ ወይ ዝሽገጥ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቘልዓ ነቲ ናይ እቶን መዕጸዊ ብምትንካፍ ክነድድ ይኽእል ድዩ፧ ክነድድ ዝኽእል እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ርሱን መዕጸዊ ምእንቲ ኸይትንክፎ መጋረዲ ወይ ድማ ሬተ ግበረሉ።
• ሓደገኛታት ናውቲ ቤት:- ከራሩ: መቐስ: ከምኡውን ሓደገኛ መሳርሒታት ኣብ ከብሒ ወይ ኣብ ብመፍትሕ ወይ ምስ ተዓጽወ ዝጠብቕ ተመዛዚ ወይ ቈልዓ ኣብ ዘየርክቦ ቦታ ክቕመጥ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ንግዚኡ ኣብ ጥቓኻ ከተቐምጦ እንተድኣ ደሊኻ ኣብ ደንደስ ጣውላ ወይ ባንኮ ዘይኰነስ እቲ ቘልዓ ከርክቦ ኣብ ዘይክእል ግበሮ። ክርቢትን ፕላስቲክን እውን ንነኣሽቱ ቘልዑ ሓደገኛ ኢዩ።
• ኣስካላ:- ኣብ ክልቲኡ ላዕላይን ታሕታይን ጫፋት ካብ 70 ክሳዕ 75 ሳንቲ ሜተር ዝንውሓቱ ማዕጾ ግጠም።
• መሳዅትን ማዕጾታት ሰገነት ርሻንን:- ቈልዓ ዘይከፍቶ ሰጋጥ ወይ ልዕል ዝበለ ሰንሰለት ዘለዎም ይኹኑ ወይ ድማ ከም ዘይከፍቶ ወይ ናብቲ ኽፍሊ ንፋስ ንኽኣቱ ክኽፈት ከሎ ከም ዘይሰሉኽ ዝገብር ሜላ መከላኸሊ ተጠቐም።
• ከብሒ እንዳ መጻሕፍቲ:- እቲ ቘልዓ ምሕኳርን ጠልጠል ምባልን ዝፈቱ እንተድኣ ዀይኑ ከብሒ እንዳ መጻሕፍትን ካልእ ነዊሕ ኣቝሑን ምእንቲ ኸይወድቕ ኣብ መንደቕ እተላገበ ይኹን።
• ናይ ኤለክትሪክ ሶኬታትን ገመዳትን:- ዘይትጥቀመሎም ሶኬታት ብገለ ዓይነት መጋረዲ ክጋረዱ ይግባእ። ገመድ ናይ ኮሞ መብራህትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መሳርሒታትን ቈልዓ ስሒቡ ከይጐቶ እሞ እቲ መብራህቲ ምእንቲ ኸይሃርሞ: እቲ ገመድ ኣብ መንደቕ ወይ ኣብ ካልእ ኣቕሓ ክጠብቕ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ንኸምዚ ዝኣመሰሉ መብራህትታት ኣርሒቕካ ኣቐምጦም። ብኤለክትሪክ ዝሰርሕ መስታረሪ ኣብ ናይ መስታረሪ ጣውላ ኣይትሕደግ: ነቲ ገመድ ከኣ ጠልጠል ከም ዝብል ገይርካ ኣይትሕደጎ።
• ውዑይ ማይ:- ንዓቐን ሙቐት ናይቲ ኣብ ቤትኩም ዘሎ ውዑይ ማይ ከተተኻኽሎ ትኽእል እንተድኣ ዄንካ: ቈልዓ ቡምባ ክኸፍት ከሎ ምእንቲ ኸይነድድ ናብ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከተውርዶ ኣሎካ።
• መጻወቲ:- በሊሕ ጥርዝን ኵርናዕን ዘለዎ መጻወቲ ክትድርብዮ ኣሎካ። ክፈራኸሽ ዝኽእል መጻወቲ ክትጕሕፎ ይግብኣካ: ምኽንያቱ እቲ ቘልዓ ነቲ ፍርክሽካሽ ኣብ ኣፉ እንተድኣ ኣእትዪዎ ክሓንቆ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይቲ ቘልዓ መጻወቲ ባምቡላ ዘሎ ኣዒንትን ኣፍንጫን ሰጢሙ ኣብ ቦትኡ ዝኣተወ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህጻን ኣብ ምድሪ ቤት ክወርድ እንተድኣ ዀይኑ እቶም ዕብይ ዝበሉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ነቲ ንኣሽቱ መጻወቲታቶም ከልዕሉ ምሃሮም።
• ካራሜለን ብሽኮትን:- ካራሜለ: ብሽኮቲ: ከምኡውን ፉል ወይ ሓለዋት: ቈልዓ ኣብ ዘርክቦ ኣይትሕደግ። ክሓንቆ ይኽእል ኢዩ።
[ምንጪ]
ምንጪ:- ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ህጻናት
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሓደጋ ምስ ዘጋጥም
• ምምራዝ:- እቲ ቘልዓ ስሚ ዘለዎ ፈሳሲ ነገር እንተድኣ ሰትዩ: ኣፉ ኣጸቢቕካ ኣጽርዮ ከምኡውን ክልተ ብርጭቆ ማይ ወይ ጸባ ኣስትዮ። ድሕርዚ ናብ ሓኪም ውሰዶ ወይ ምስ ማእከል ሓበሬታ መርዚ ተራኸብ። እቲ ቘልዓ ኣብ ዓይኑ ዝባላዕ ነገር እንተድኣ ኣትይዎ: ብኡንብኡ ብብዙሕ ማይ ገይርካ ንዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ሕጸቦ።
• ምንዳድ:- ቅልል ዝበለ ምንዳድ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ቝስሊ እንተ ወሓደ ን20 ደቒቕ ዝኸውን ኣብ ዝሑል (ኣመና ዝሑል ክኸውን የብሉን) ማይ እለኮ። እቲ ቝስሊ ካብ ከብዲ ኢድ ናይቲ ቘልዓ ዝዓቢ እንተድኣ ዀይኑ ወይ ድማ ኣብ ገጽ: መላግቦ ኣካላት: ወይ ድማ ኣብ ታሕታይ ክፋል ከብዲ ወይ ኣብ ብልዕቲ እንተድኣ ዀይኑ ግን ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ክትወስዶ ይግባእ። ከቢድ ናይ ቈርበት ምንዳድ ኵሉ ግዜ ብሓኪም ሕክምና ክግበረሉ ይግባእ።
• ገለ ነገር ውሒጡ ክሕነቕ ከሎ:- ንቘልዓ ገለ ነገር ክስርንቖ ኸሎ ብቕልጡፍ ከተውጽኣሉ የድሊ። ገለ ነገር ውሒጡ ንእተሓንቀ ሰብ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝዝውተር ሄይምሊክ ማኒዩቨር ዝበሃል ሜላ ቀዳማይ ረዲኤት ውጽኢታዊ ብምዃኑ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሜላ እዚ ከመይ ገይርካ ከም ዝዝውተር ዘይትፈልጦ እንተድኣ ዄንካ ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ሓኪም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ወይ ድማ ኣብቲ እዚ ስልጠና እዚ ዝወሃበሉ ንሓደጋ ህጻናት ዝምልከት ወይ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ኮርሳት ተኻፈል።
[ምንጪ ስእሊ]
ምንጪ:- ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሽወደን
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ግዜ ምዝዋር ብሽክለታ ናይ ድሕንነት ቍራዕ ምግባር
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ማኪና ብድሕንነት ኮፍ ምባሉ