“እምንቶ ተሕድረልካ: እምነትካ ድማ ተደልድለልካ”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዘዳለውዎ “ኣህጕራዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ፕሮግራም” ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ዳንኤል ተመዝጊቡ እንረኽቦ ጥንታዊ ታሪኽን ትንቢትን ሓያለይ ኣዋርሕ ዝወሰደ ዓሚቝ መጽናዕቲ ተኻይዱ ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ካብ ፖላንድ እተላእከ ምስጋና እሞ ኣቕልበሉ።
“ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ዳንኤል ርጡብ ፍልጠት ክንረክብ ተመኒና ኢና። ሕጂ ሓሳብ ልብና ሰሚሩልና። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እትበሃል መጽሓፍ ቅልል ዝበለ ዘመያይጥ ነጥብታትን ንጹር ኣዘራርባን ዝምስጥ ስእልታትን ዝሓዘት ኢያ። ንኣእምሮኻን ልብኻን ብዝስሕብ መገዲ ኸኣ ኢያ ቐሪባ። ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ ኽፍጸም ምዃኑ ንዘሎና ተኣማንነት ወሲኻትሉ ኢያ። እዛ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ብልጽቲ መጽሓፍ እዚኣ እምንቶ ተሕድረልካ: እምነትካ ድማ ተደልድለልካ።”
እዚ ሎሚ ዘሎ ንታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ብመርትዖ ዘይተደገፈ ነቐፌታ ዘጠቓለለ ናይ ጥርጣረ ኣመለኻኽታ ኣጨኒቑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እትበሃል መጽሓፍ ከተሐጕሰካን ልብኻ ክትንክፈካን ኢያ። ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ቅዳሕ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኽስደደልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ እታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እትብሃል መጽሓፍ ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።
[ምንጪ ስእሊ]
Persian frieze: From the book The Coloured Ornament of All Historical Styles; Alexander the Great: Roma, Musei Capitolini; cylinder: Photograph taken by courtesy of the British Museum