ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 12/13 ገጽ 12-13
  • ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ምስ ዚፍጠር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • መጻምድቲ ፍሉይ ክንክን ኬድልዮ ኸሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 12/13 ገጽ 12-13

ንስድራ ቤት | መውስቦ

ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን

ጸገም

መጻምድትኻ፡ “ክዛረብ ከለኹ ኣይትሰምዓንን ኢኻ ኔርካ!” ትብለካ።a ንስኻ ድማ፡ ‘ግንኮ እሰምዓ እየ ነይረ’ ኢልካ ትሓስብ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ኻብቲ መጻምድትኻ ዝበለቶ እተፈልየ ዀይኑ ይርከብ። እዚ ኸኣ፡ ናብ ካልእ ክርክር ይመርሕ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባእሲ ኸተወግዶ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ግና፡ ሽሕ እኳ ንመጻምድትኻ ኸም እትሰምዓ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ ኣገዳሲ ንዝዀነ ዝርዝር ነጥብታት ስለምንታይ ክትሰምዓ ኸም ዘይከኣልካ ኽትርዳእ ኣሎካ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ከተስግል ከለኻ፡ ክትደክም ከለኻ፡ ወይ ክልቲኡ። ቈልዑ ያዕያዕ ይብሉ ኣለዉ፡ ተለቪዥን ተወሊዓ ኣላ፡ ንስኻ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስራሕ ዘጋጠመካ ጸገም ትሓስብ ኣለኻ ንበል። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ መጻምድትኻ፡ ምሸት ኣጋይሽ ኪመጹ ምዃኖም ክትነግረካ ትጅምር። ንስኻ ድማ ከም እተሰማማዕካሉ ርእስኻ ትንቕንቕ፣ ግናኸ፡ ነቲ እተባህለ ብሓቂዶ ሰሚዕኻዮ ኢኻ፧ ምናልባት ኣይሰማዕካዮን ትኸውን።

ናይ ርእስኻ ግምት ክትህብ ከለኻ። ነቲ መጻምድትኻ ዝበለቶ እምብዛ ስለ እትሓስበሉ፡ ናይ ርእስኻ ትርጕም ክትህበሉ ትፍትን። ንኣብነት፡ መጻምድትኻ፡ “ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ኢኻ እተሕልፍ ዘለኻ” ትብለካ ትኸውን። ነዚ ኸም ወቐሳ ጌርካ ስለ እትወስዶ፡ “ናተይ ጌጋ ኣይኰነን። ወጻኢታት ስለ እተብዝሒ፡ ተወሳኺ ሰዓታት ክሰርሕ ኣሎኒ” ኢልካ ትምልስ። መጻምድትኻ ኸምኡ ዝበለትሉ ምኽንያት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብሓንሳእ ግዜ ኸተሕልፉ ስለ ዝደለየት ብምዃኑ፡ “እወቕሰካ ኣይኰንኩን ዘሎኹ” ኢላ ትጭድር።

ተቐዳዲምካ ፍታሕ ኸተናዲ ኸለኻ። መርሲ፡b “ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒተይ ኪገልጽ ጥራይ እየ ዝደሊ። ማይክ ግና፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክፈትሖ ኸም ዘሎኒ ኽነግረኒ ይደሊ። ነቲ ጕዳይ ኪፈትሖ ኣይደልን እየ። ስምዒተይ ክፈልጠለይ ጥራይ እየ ዝደሊ” ትብል። እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ማይክ፡ ብሓሳቡ ፍታሕ ከናዲ ስለ ዚጽዕር፡ ንገሊኡ ወይ ንዅሉ እቲ መርሲ እትዛረቦ ነገራት ከይስምዖ ይተርፍ።

እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ጽን በሃሊ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ምሉእ ኣቓልቦኻ ሃባ። መጻምድትኻ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክትነግረካ ደልያ ኣላ ንበል፣ እሞኸ ንኽትሰምዓ ድሉው ዲኻ፧ ከይትኸውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ኣይተምስል። እንተ ተኻኢሉ፡ ነቲ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣቋሪጽካ፡ ንመጻምድትኻ ምሉእ ኣቓልቦ ሃባ፣ ወይ ከኣ፡ ምሉእ ኣቓልቦኻ ኽሳዕ እትህባ ንኽትጽበየካ ኽትሓትታ ትኽእል ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1:19።

በብተራ ኽትዛረቡ ተሰማምዑ። ንኽትሰምዕ ተራኻ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድትኻ ኸይተቋርጻ ተጠንቀቕ፡ ወይ ከም ዘይተሰማማዕካ ንኽትገልጽ ኣይትተሃወኽ። ተራኻ ምስ ኣኸለ ኽትዛረብ ኢኻ። ንሕጂ ግና ስቕ ኢልካ ስማዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 18:13።

ሕቶታት ሕተት። ሕቶታት ምሕታት ነቲ መጻምድትኻ እትብሎ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መርሲ፡ “ማይክ፡ ሕቶታት ኪሓትተኒ ኸሎ ደስ እዩ ዚብለኒ። ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ ዝዛረቦ ዘለኹ ነገራት ከም እተገደሰሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ቃላት ዘይኰነስ፡ መልእኽቲ ስማዕ። ኣካላውን ናይ ዓይንን ምንቅስቓስ ወይ ቃና ድምጺ ንዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኣስተብህለሉ። ንኣብነት፡ “ጽቡቕ እዩ” ዚብል ቃላት እተዘርበሉ መገዲ፡ “ጽቡቕ ኣይኰነን” ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “‘ክሕግዘኪዶ፧’ ኢልካኒ ኣይትፈልጥን ኢኻ” ዚብል ቃላት፡ “ብኣይ እትግደስ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ” ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መልእኽቲ ብቓላት እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ እንታይ ምዃኑ ኽትርድኦ ጽዓር። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብ እተዘርበ ቓላት ጥራይ ብምክርኻር ግዜኻ ኽትቀትል ኢኻ።

ስቕ ኢልካ ስምዓያ። ሓድሓደ ግዜ እቲ መጻምድትኻ እትዛረቦ ነገራት ባህ እኳ እንተ ዘይበለካ፡ እናተዛረበት ከላ ብሓሳብካ ኣይትግሽ ወይ ገዲፍካያ ኣይትኺድ። ንኣብነት፡ ትወቕሰካ ኣላ ንበል። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ን60 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሐ ግሪጎሪ፡ “ስቕ ኢልካ ስምዓያ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ነቲ መጻምድትኻ እትብሎ ዘላ ነገራት ካብ ልቢ ኸም እትግደሰሉ ኣርኢ። ከምዚ ንኽትገብር ብስለት ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ዓስቢ ኣለዎ” ብምባል ይገልጽ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 18:15።

ንመጻምድትኻ ኻብ ልቢ ተገደሰላ። ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ ፍቕሪ እውን እዩ። መጻምድትኻ ንእትብሎ ነገር ብሓቂ ትግደሰሉ እንተ ዄንካ፡ ከይተፈለጠካ ብባህርያዊ መገዲ፡ ጽን ኢልካ ኽትሰምዓ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ትስዕቦ ኣለኻ ማለት እዩ።—ፊልጲ 2:4።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሰብኡት እኳ ንዛረቦም እንተ ኣለና፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳብ ግና ንኣንስቲ እውን ዚምልከት እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19።

  • “ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።”—ምሳሌ 18:13።

  • “እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።”—ምሳሌ 18:15።

ክትዛረብ ከለኻ

መጻምድትኻ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኸላ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ነገር እናኣቕለበት ከላ ክትዛረብ ትፍትን እንተ ዄንካ፡ ብሓቂዶ ኽትሰምዓካ እያ፧ መጀመርታ ምሉእ ኣቓልቦኣ ኽሳዕ እትህበካ ወይ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኽሳዕ እትረክብ እንተ ተጸበኻ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:8።

ነዚ ዚስዕብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት ኣቕልበሉ፦ የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ትሕትና ኣገዳሲ ትምህርቲ ኼመሓላልፈሎም ምስ ሓሰበ፡ ስቕ ኢሉ ኣይደርጕሓሎምን። ጽን ኢሎም ዚስምዑሉ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዚርከብ ተጸበየ እሞ፡ ናብኡ ጸዊዑ መኸሮም።—ማርቆስ 9:33-35፣ 12:41-44።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ