ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 8/14 ገጽ 7
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለም
  • ብሪጣንያ
  • ሩስያ
  • ኣፍሪቃ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ኣየር
    ንቕሑ!—2023
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2014
g 8/14 ገጽ 7

ካብ ከባቢ ዓለም

ዓለም

ሕጻን

“ኣብ ዓዓመት፡ ዳርጋ 3 ሚልዮን ዝዀኑ ሕጻናት ምስ ተወልዱ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ይሞቱ፣ መብዛሕትኡ ጠንቂ ሞቶም ከኣ ክትከላኸሎ ዚከኣል እዩ። ካብቶም ሕጻናት ልዕሊ ሲሶ ዝዀኑ፡ ምስ ተወልዱ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ይሞቱ።”—ሰይቭ ዘ ችልድረን ኢንተርናሽናል።

ብሪጣንያ

ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ማኪና ናፍታ ኺመልኣ ኸሎ

ብ2011፡ ብመሰረት ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ 15 ከተማታት ለንደን፡ ብሰንኪ እቲ ብንጥረ ነገራት ዝመጸ ብከላ ኣየር ዚስዕብ ሞት ወሲኹ እዩ። ናፍታ ውጽኢታዊ ነዳድን ሒደት ካርቦንዳይኦክሳይድ ዜውጽእን ብምዃኑ ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ እዩ ኺንገረሉ ጸኒሑ። ይኹን እምበር፡ 91 ሚእታዊት እቲ ብንጥረ ነገራት ዝመጸ ብከላ ኣየር እቲ ኸባቢ፡ ካብተን ብናፍታ ዚዓይያ ተሽከርከርቲ ዝመጸ እዩ።

ሩስያ

እቲ ናይ ሩስያ መሰረት ርእይቶ ህዝቢ ብ2013 ዝገበሮ ቘጸራ ኸም ዚሕብሮ፡ 52 ሚእታዊት ዝዀኑ ኦርቶዶክስ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሩስያውያን ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ከም ዘይፈልጡ፡ 28 ሚእታዊት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ዘይጽልዩ ገሊጾም እዮም።

ኣፍሪቃ

ሓደ ኣፍሪቃዊ ሓረስታይ

ዓለማዊ ባንክ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፡ ብዛዕባ ዋንነት ዚሕረስ መሬት ንጹር ስርዓት ብዘይምህላዉ፡ ማእቶት ሕርሻ ከም ዚተዓናቐፍን ድኽነት ከም ዜስፋሕፍሕን ገይሩ ኣሎ። ፍርቂ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ዚኽእል ዘይተሓርሰ መሬት፡ ማለት 202 ሚልዮን ሄክታር ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ። ኣፍሪቃ ኻብ ዘለዋ ተኽእሎ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ሕርሻ 25 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ እዩ ዚንገር።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ታብለት ዚብሃላ ኮምፕዩተራትን ናይ መምሃሪ መጻሕፍትን

ሓያሎ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርስትታትን ነቲ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ በተን ኣድላዪ ዝዀነ ጽሑፋትን ፕሮግራማትን ካልእ ትሕዝቶን እተጻዕና ታብለት ዚብሃላ ዓይነት ኮምፕዩተራት ይትክኣኦ ኣለዋ። እዚ ሜላ እዚ፡ ብገንዘብ ዜዋጽእ እንተ ዀይኑ ግና ኣይተረጋገጸን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ