ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 12/15 ገጽ 12-13
  • ነፍሲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነፍሲ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧
  • ነፍሲ ኻብ ኣካል እተፈልየት ድያ፧
  • ድሕሪ ሞት ነፍሲ እንታይ እያ እትኸውን፧
  • ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነፍሲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ነፍሲ እንታይ እያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ህይወት ድሕሪ ሞት —መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 12/15 ገጽ 12-13

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ነፍሲ

ሃይማኖታት፡ ንነፍስን ድሕሪ ሞት እንታይ ከም እትኸውንን ብዚምልከት ንሓድሕዱ ዚጋጮ እተፈላለየ ርእይቶታት እየን ዚህባ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንጹር መግለጺ እዩ ዚህበና።

ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ስጋዊ ኣካል ምስ ሞተ፡ እታ ነፍሲ ኻልእ ሓድሽ ስጋዊ ኣካል ሒዛ መመሊሳ ኸም እትውለድ እዮም ዚኣምኑ። ካልኦት ድማ ድሕሪ ሞት፡ እታ ነፍሲ ናብ እተፈልየ ዓለም ማለት፡ ናብ ሰማይ ወይ ገሃነም ከም እትኸይድ እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ኸም ዘይትመውት ገይሩ ኣይገልጻን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዙሕ ግዜ ነፍሲ ኸም እትመውት እዩ ዚነግረና። እቲ ኣምላኽ ንሓንቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፍ እተጠቕመሉ ነብዪ ህዝቅኤል፡ ነፍሲ ብሞት ክትቅጻዕ ከም እትኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ኣይምህርን እዩ።

“እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት።”—ህዝቅኤል 18:20።

ነፍሲ ኻብ ኣካል እተፈልየት ድያ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሓደ ሰብ ብህይወቱ ኸሎ ንኣካሉ ህያው እትገብሮ ነፍሲ እያ፣ ምስ ሞተ ግና ካብኡ ትወጽእ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ ኣደ ‘ነፍሳት፡’ ማለት ዜስተንፍሱ ህያዋን ሰባት ከም ዝወለደት ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 46:18) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ነፍሲ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ዜስተንፍስ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ሓድሓደ ግዜ ንእንስሳታት ንምምልካት እውን ትውዕል እያ። ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ምግቢ ኸም ዜድልያ ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 12:20) ነፍሲ ኻብ ኣካል እተፈልየት ነይራ እንተ ትኸውን፡ ከተተንፍስ ወይ ክትበልዕ መድለያዶ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ንዅለንትና ሓደ ህያው ሰብ ማለት፡ ኣካሉን ስምዒቱን ባህርያቱን እያ እተመልክት።

“እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ።”—ዘፍጥረት 46:18።

ድሕሪ ሞት ነፍሲ እንታይ እያ እትኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምስ ሞትና ኣካልና ኸም ዘይነበረ ስለ ዚኸውን ኣብ መቓብር “ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” (መክብብ 9:10) ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ “ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ብምባል ብንጹር ይነግረና። (መዝሙር 146:4) ዝሞተት ነፍሲ ንጥፈት ኣብ ዘይብሉ ዅነት ስለ እትኸውን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ግዜ ንምውታት ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ‘ደቂሶም’ ከም ዘለዉ ገይሩ እዩ ዚገልጾም።—ማቴዎስ 9:24።

ዝሓዘኑ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚ ሳንዱቕ ሬሳ ደው ኢሎም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እተፍቅሮም ሰባት ብሞት ምስ ዚፍለዩኻ፡ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ክትረክብ ትደሊ ኢኻ፦ ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዮም ዘለዉ፧ ይሳቐዩ ድዮም ዘለዉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምውታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ስለ ዜረጋግጸልና፡ እቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ብምፍላጥና ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቶም ገለ እኳ ዘይፈልጡ ዝሞቱ ነፍሳት ኣብ መጻኢ ኼተንስኦም ተስፋ ሂቡ ኸም ዘሎ ምፍላጥና ኸኣ ዝያዳ እዩ ዜጸናንዓና።—ኢሳይያስ 26:19።

“ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ