ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 2 ገጽ 12-13
  • ናብ ስጳኛ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ስጳኛ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2017
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 2 ገጽ 12-13
ብዙሓት በጻሕቲ ዚፈትውዋ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ከተማ ቶሌዶ

ቶሌዶ፡ ታሪኻውን ባህላውን ጽባቐ ስጳኛ ዜንጸባርቕ ቦታ እዩ። ብ1986 ኣብ መዝገብ ቅርስታት ዓለም እተመዝገበን ኣቓልቦ በጻሕቲ ዚስሕብን ፍሉጥ ቦታ ድማ እዩ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ስጳኛ እተገብረ ምብጻሕ

ስጳኛ ዜርኢ ካርታ

ስጳኛ እተፈላለየ ኣቀማምጣ መሬትን ካብ ብዙሕ ቦታታት ዝመጸ ህዝብን ዘለዋ ሃገር እያ። ዝበዝሐ ኽፋል ስጳኛ ብግራውቲ ስርናይን ብኣታኽልቲ ወይንን ብኣእዋም ኣውልዕን እተሸፈነ እዩ። ብሸነኽ ደቡብ፡ 14 ኪ.ሜ. ንውሓት ዘለዎ ማያት ጥራይ እዩ ንስጳኛ ኻብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዚፈልያ።

ግሪኻውያንን ካርታጂናውያንን ፊንቄኣውያንን ዚርከብዎም ብዙሓት ህዝብታት ናብዛ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ምዕራብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ተሰዲዶም እዮም። ሮማውያን ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ናብዚ ቦታ እዚ ምስ መጹ፡ ነዚ እተቘጻጸርዎ ሓድሽ ግዝኣት ሂስፓንያ ኢሎም ሰመይዎ። ድሕሪ ግዜ፡ እዛ ሃገር እዚኣ በቶም ባህላዊ ውርሻኦም ዝሓደጉ ቪዝጎትስን ሞርስን ዚብሃሉ ቐቢላታት መልአት።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 68 ሚልዮን ሰባት ናብ ስጳኛ ምብጻሕ ገይሮም እዮም። ንብዙሓት ናብዚ ኺመጹ ኻብ ዚድርኾም ነገራት፡ እኹል ብርሃን ጸሓይ፡ ወርቃዊ ገማግም ባሕሪ፡ ከምኡ ድማ ስነ ጥበባውን ታሪኻውን ስነ ቕርጻውን ሃብቲ እታ ሃገር እዩ። ምግቢ ስጳኛ እውን ንብዙሓት በጻሕቲ ይስሕቦም እዩ። ገለ ኻብቲ ዝውቱር ምግብታት፡ ምግቢ ባሕሪ፡ እተቓመመ ስጋ ሓሰማ፡ ፍሉይ ጸብሕታት፡ ሰላጣ፡ ከምኡ ድማ ዝበሰለ ወይ ብዘይቲ ኣውልዕ እተቓመመ ኣሕምልቲ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ስንክቶ እንቋቝሖ (ኦምለት) ስጳኛን ፓየላን ታፓስን ከኣ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነ ምግብታት እዩ።

ማሪስካዳ ዚብሃል ካብ ባሕሪ ዚርከብ ባህላዊ ምግቢ ስጳኛውያን

ማሪስካዳ፡ ካብ ባሕሪ ዚርከብ ባህላዊ ምግቢ እዩ

ክልተ ስጳኛውያን ሳዕሳዕቲ ፍላሜንኮ

ሳዕስዒት ፍላሜንኮ

ህዝቢ ስጳኛ፡ ፍሽሕዋትን ምቕሉላትን እዮም። መብዛሕትኦም ሰዓብቲ ካቶሊክ ምዃኖም ዚገልጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ቅዳሴ ዚካፈሉ ግና ውሑዳት እዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ሰባት ካብ ኣፍሪቃን እስያን ደቡብ ኣመሪካን ናብ ስጳኛ ተሰዲዶም እዮም። ብዙሓት ካባታቶም፡ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነቶምን ልምዶምን ምዕላል ባህ እዩ ዚብሎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳታቶም ውጽኢታዊ ምይይጥ ብምግባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለየ ርእሰ ነገራት እንታይ ከም ዚምህር ምእንቲ ኺፈልጡ ኺሕግዝዎም ክኢሎም እዮም።

ኣብ 2015፡ ልዕሊ 10,500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንዚብሃል 70 ዚኸውን መአከቢ ቦታታቶም ኣብ ምህናጽ ወይ ኣብ ምጽጋን ወለንተኛታት ኰይኖም ዓይዮም እዮም። ምምሕዳር ከተማ ኸኣ ንገሊኡ ፕሮጀክትታት ዚኸውን መሬት ሂብዎም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንስደተኛታት ምእንቲ ኺሕግዝዎም ብዘይካ ብቛንቋ ስጳኛ፡ ብ30 ኻልእ ቋንቋታት ክርስትያናዊ ኣኼባታት የካይዱ እዮም። ብ2016፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ንምብዓል ኣብ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ልዕሊ 186,000 ተኣከብቲ ነይሮም።

ትፈልጥዶ፧

ስጳኛ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ዘይቲ ኣውልዕ እተፍሪ ሃገር እያ።

እቲ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዚርከብ፡ ክሳዕ 3,718 ሜተር ዚበጽሕ ብራኸ ዘለዎ ኸረን ተይድ ኣብ ስጳኛ እቲ ዝነውሐ ኸረን እዩ። ካብቲ ኣብ ባይታ ውሽጢ ባሕሪ ዚርከብ ዝተሓተ ኽፋሉ እንተ ተዓቂኑ፡ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝነውሐ እሳተ ጎመራ እዩ።

  • ወግዓዊ ቛንቋታት፦ ስጳንኛን ባስክኛን ካታልኛን ጋሊሽኛን ቫለንስኛን

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 46,439,000

  • ርእሲ ኸተማ፦ ማድሪድ

  • ኵነታት ኣየር፦ ኣብ ሓጋይ ሃሩር፡ ኣብ ክራማት ድማ ኣዝዩ ቘራሪ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ