ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • መስቀል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መስቀል
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኣብ መስቀል ድዩ ሞይቱ፧
  • ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ወይ ከም ምልክት ክርስትና ይጥቀሙሉ ነይሮም ድዮም፧
  • ክርስትያናት ንየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ኣኽብሮት ብኸመይ ኬርእዩ ይግባእ፧
  • የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 2 ገጽ 14-15
መስቀል እተንጠልጠሎ ስልማት ክሳድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መስቀል

ብዙሓት ሰባት ንመስቀል ከም ምልክት ክርስትና ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኰይኑ ግና፡ መስቀል ኣብ ኣካላት ወይ ኣብ ኣባይቲ ወይ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኪግበር ከም ዘለዎ ዚኣምኑ ዅላቶም ኣይኰኑን።

የሱስ ኣብ መስቀል ድዩ ሞይቱ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሮማውያን ንየሱስ ኣብ እተመሳቐለ ኽልተ ዕንጨይቲ ሰቒሎም እዮም ቀቲሎምዎ ይብሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንየሱስ “ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም” እዮም ቀቲሎምዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:30፣ ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል)። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ እተቐትለሉ መሳርሒ ንምግላጽ እተጠቕሙለን ክልተ ቓላት፡ ንኽልተ ዘይኰናስ ንሓንቲ ዕንጨይቲ እየን ዜመልክታ። ብመሰረት ክሩሲፊኬሽን ኢን ኣንቲኲቲ፡ እታ ስታውሮስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ሓፈሻዊ ትርጉማ ጕንዲ እዩ። ምስ ‘መስቀል’ ማዕረ ኣይኰነትን።” እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:30 እትርከብ ክሲሎን እትብል ቃል ድማ ነቲ “ሮማውያን ነቶም ዚስቀሉ ሰባት ዚሽንክሩሉ ዝነበሩ ቐጥ ዝበለ ዕንጨይቲ ወይ ጕንዲ” እያ እተመልክት።a

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ንእተቐትለሉ መገዲ ምስ ሕጊ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን የተሓሕዞ እዩ። እቲ ሕጊ፡ “ሰብ ሞት ዜፍርድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ እንተ ተቐቲሉ፡ ኣብ ጕንዲ ኸኣ እንተ ሰቒልካዮ፡ . .  እቲ እተሰቕለስ ብኣምላኽ እተረግመ እዩ” ይብል ነበረ። (ዘዳግም 21:22, 23) እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣመልኪቱ፡ “‘ኣብ ጕንዲ [ክሲሎን] ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡’ ተባሂሉ ስለ እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም” ከም ዝዀነ ጸሓፈ። (ገላትያ 3:13) በዚ ኸምዚ ጳውሎስ፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ፡ ማለት ኣብ ሓደ ቐጥ ዝበለ ዕንጨይቲ ኸም ዝሞተ ሓበረ።

“ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም ቀቲሎምዎ።” —ግብሪ ሃዋርያት 10:39፡ ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ወይ ከም ምልክት ክርስትና ይጥቀሙሉ ነይሮም ድዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ንመስቀል ከም ሃይማኖታዊ ምልክት ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ኣይሕብርን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሮማውያን እዮም ንኣማልኽቶም ንምምልካት ምልክት መስቀል ዚጥቀሙ ነይሮም። ድሕሪ ሞት የሱስ 300 ዓመት ኣቢሉ ጸኒሑ፡ ናይ ሮማ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ንመስቀል ኣርማ ሰራዊቱ ገበሮ፣ ጸኒሑ ኸኣ ምስ ቤተ “ክርስትያን” ኪተኣሳሰር ጀመረ።

ኣረማውያን ንኣማልኽቶም ንምምላኽ መስቀል ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩስ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምላኽ መስቀል ኪጥቀሙ ነይርዎም ማለት ድዩ፧ ብኣንጻሩ፡ ኣምላኽ ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ “መልክዕ ዝዀነ ምስሊ” ኣብ ኣምልኾ ምጥቃም ከም ዚዅንን፡ ክርስትያናት ድማ “ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ” ኸም እተባህሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 4:15-19፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) “ኣምላኽ መንፈስ” ስለ ዝዀነ ብዓይኒ ደቂ ሰብ ኣይርአን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ኪቐርቡ ኢሎም ዚርአ ነገራትን ምስልታትን ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብመንፈስ፡” ማለት በቲ ዘይርአ መንፈሱ ተመሪሖም፡ “ብሓቂ፡” ማለት ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ተሰማሚዖም እዮም ዜምልኽዎ ነይሮም።—ዮሃንስ 4:24።

‘ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ እዮም።’—ዮሃንስ 4:23።

ክርስትያናት ንየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ኣኽብሮት ብኸመይ ኬርእዩ ይግባእ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

“ንድሕነት ንዘገልገለ መሳርሒ ፍሉይ ኣኽብሮትን ኣድንቖትን ምሃብ ባህርያውን ርትዓውን እዩ። . . . ምስልታት ዜኽብር ሰብ፡ እቲ ምስሊ ንዚውክሎ ኣካል እዩ ዜኽብር።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ክርስትያናት ንየሱስ ሰብ ዕዳኡ እዮም፣ ከመይሲ ሞቱ፡ ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡን ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ እብራውያን 10:19-22) ነዚ ውህበት እዚ ዘለዎም ኣኽብሮት ንምርኣይ፡ ንየሱስ ዜመልክት ምስሊ ኺጥቀሙ ወይ ብእኡ ኸም ዚኣምኑ ኺዛረቡ ጥራይ ኣይተነግሩን። ከመይሲ፡ “እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።” (ያእቆብ 2:17) ክርስትያናት ኣብ የሱስ ዘለዎም እምነት ብግብሪ ኼርእዩ ኣለዎም። ብኸመይ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣ . . . እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ክርስትያናት በቲ ሓለፍ ዝበለ መርኣያ ፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኾም፡ ኣብነቱ ምእንቲ ኺስዕቡ ኣብ ህይወቶም ምትዕርራያት ይገብሩ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ንየሱስ ዘለዎም ኣኽብሮት፡ ሃይማኖታዊ ምልክት ካብ ምጥቃም ንላዕሊ ዝያዳ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ የርእይዎ እዮም።

“ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡ . . . እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”—ዮሃንስ 6:40።

a ብኤትልበርት ቡሊንገር እተዳለወ ኤ ክሪቲካል ለክሲኮን ኤንድ ኮንኮርዳንስ ቱ ዘ ኢንግሊሽ ኤንድ ግሪክ ኒው ተስታመንት፡ መበል 11 ሕታም፡ ገጽ 818-819።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ