መእተዊ
እዚኣ ናይ ሓቂ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እቲ ዝበለጸ መጽሓፍ: ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ተወሲዱ። እቲ ዛንታታት ካብታ ኣምላኽ ክፈጥር ዝጀመረላ ግዜ ክሳዕ እዚ ግዜና ዘሎ ናይ ዓለም ታሪኽ ኢዩ ዝነግር። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመጻኢ ተመባጺዑዎ ዘሎ ነገራት እውን ይነግረና ኢዩ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብሓፈሽኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝዛረብ ሓሳባት ትህብ። ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባትን ዝገበርዎ ነገራትን ትዛረብ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰባት ሂብዎም ዘሎ ዓቢ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ እውን ትዛረብ ኢያ።
ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ 116 ዛንታታት ኣሎ። ኣብ ሸሞንተ ክፍልታት ከኣ ተኸፋፊሉ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዘላ ገጽ ኣብታ ክፍሊ እንታይ ከም ዘሎ ኣሕጽር ኣቢላ ትጠቅስ። እቲ ዛንታታት በቲ ኣብ ታሪኽ እተፈጸሞ መስርዕ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። እዚ ኸኣ ምስ ካልእ ነገራት ተዛሚዱ ሓደ ነገር መዓስ ኣብ ታሪኽ ከም እተፈጸመ ንምፍላጥ ይሕግዝ።
እቲ ታሪኽ ብቕልል ዝበለ ኣዘራርባ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። መብዛሕትኹም ቈልዑ ባዕልኹም ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ወለዲ እውን እቶም ንኣሽቱ ደቅኹም እዚ ዛንታታት እዚ መመሊሱ ክንበበሎም ከም ዝደልዩ ክትዕዘቡ ኢኹም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ንነኣሽቱ ይኹን ንዓበይቲ ባህ እተብል ኰይና ክትረኽብዋ ኢኹም።
ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ነዚ መሰረት ናይቲ ዛንታታት ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ከተንብቦ ነተባብዓካ። ሓንቲ ዛንታ ምስ ወዳእካ: ነቲ ኣብ ድሕሪ ዛንታ 116 ዘሎ ሕቶታት መጽናዕቲ እውን ርአ: መልሱ ኽትዝክሮ ድማ ፈትን።