ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 11
  • እታ ናይ መጀመርታ ቀስተ-ደበና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ናይ መጀመርታ ቀስተ-ደበና
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዓለም ብማይ ጠፍአት​—⁠ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ካብ ታሪኽ እተረኽበ መጠንቀቕታ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 11

ዛንታ 11

እታ ናይ መጀመርታ ቀስተ⁠-​ደበና

ኖህ ምስ ስድራቤቱ ካብ መርከብ ምስ ወጸ መጀመርታ ዝገ​በሮ እንታይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧ ንኣምላኽ መስዋእቲ ወይ ከኣ ህያብ ኣቕረበ። ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ከምኡ ክገብር ከሎ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኖህ ነዚ ናይ እንስሳታት ውህበት ዘቕረቦ: ኣምላኽ ንዕኡን ንስድራቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ስለ ዘድሓኖ ንምምስጋን ኢዩ።

የሆዋ በቲ ውህበት ባህ ዝበሎዶ ይመስለካ፧ እወ: ባህ ኢልዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ንምድሪ እንደገና ብማይ ኣይሂ ከም ዘየጥፍኣ ንኖህ ተመባጽዓሉ።

ብምልእታ ምድሪ ቀልጢፋ ነቐጸት: ኖህን ስድራቤቱን ከኣ ካብታ መርከብ ወጻኢ ሓድሽ ህይወት ጀመሩ። ኣምላኽ ባረ​ኾም ከምዚ ኸኣ በሎም:⁠-‘ፍረዩ። ተባዝሑ ንምድሪ ኸኣ ሰባት ይምልእዋ።’

እንተዀነ ግን: ድሓር ሰባት ብዛዕባ ማይ ኣይሂ እንተድኣ ሰሚዖም ከምኡ ዝበለ ነገር እንደገና ከይመጽእ ይፈርሑ ይዀኑ። ስለዚ ኣምላኽ ነቲ ንምድሪ እንደገና ብማይ ከም ዘየዕለቕልቓ እተመባጽዖ ንሰባት ዘዘኻኽር ሓደ ነገር ሃበ። እንታይ መዘኻኸሪ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧ ቀስተ⁠-​ደበና ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምዝናቡ ጸሓይ ምስ በረቐት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰማይ ቀስተ⁠-​ደበና ይርአ። ቀስተ⁠-​ደበና ብዙሕ ምልኩዕ ሕብርታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧

ኣምላኽ ‘ድሕሪ ሕጂ ሰባትን እንስሳታትን ብማይ ኣይሂ ከም ዘይጠፍኡ ኪዳን አቕውም ኣሎኹ። ቀስተይ ኣብ ደበና አንብር ኣለኹ። ይኸውን ከኣ ቀስተ⁠-​ደበና ኽርአ ከሎ ነዚ ኪዳነይ ክዝክር ኢየ’ በሎም።

ስለዚ ቀስተ⁠-​ደበና ክትርኢ ከለኻ እንታይ ኢዩ ከዘክረካ ዘለዎ፧ እወ: ነቲ ኣምላኽ ንዓለም እንደገና ብማይ ከም ዘየጥፍኣ ዝኣተዎ ኪዳን ኢዩ ዘዘክር።

ዘፍጥረት 8:⁠18⁠-​22፣ 9:⁠9⁠-​17

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ