ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 28
  • ሙሴ ዝደሓነሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙሴ ዝደሓነሉ መገዲ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙሴ ንየሆዋ ኼምልኽ መረጸ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ንየሆዋ ዘምሩሉ”!
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ መዝገብ ግብጺ ዝበልጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ወለዲ ብዘርኣይዎ እምነት ዓስቢ ረኸቡ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 28

ዛንታ 28

ሙሴ ዝደሓነሉ መገዲ

እዚ ኣጻብዕቲ እታ ሰበይቲ ሒዙ ዝበኪ ዘሎ ሕጻን እሞ ርኣዮ። ንሱ ሙሴ ኢዩ። እዛ ጽብቕቲ ሰበይቲ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧ ናይ ግብጺ ልእልቲ: ጓል ፈርኦን ኢያ።

ኣደ ሙሴ ብግብጻውያን ክቕተል ስለ ዘይደለየቶ ነቲ ሕጻን ወዳ: ወዲ ሰለስተ ወርሒ ክሳዕ ዝኸውን ሓብኣቶ። ሙሴ ክርከብ ከም ዝኽእል ግን ትፈልጥ ነይራ ኢያ: ስለዚ ንኸተድሕኖ ከምዚ ገበረት።

ሳጹን ወሲዳ ማይ ከም ዘየእቱ ገይራ ለበጠቶ። ብድሕርዚ ንሙሴ ኣብኡ ኣእተወቶ: ነቲ ሳጹን ከኣ ኣብቲ ገምገም ርባ ኒል ዝነበረ ሰልሰላ ኣቐመጠቶ። ንሚርያም ሓፍቲ ሙሴ ኸኣ እንታይ ከም ዘጓንፎ ኣማዕድያ ክትርኢ ነገረታ።

ብዙሕ ከይጸንሐት ጓል ፈርኦን ክትሕጸብ ኣብ ገምገም ርባ ኒል መጸት። ብሃንደበት ከኣ ነቲ ኣብቲ ሰልሰላ ዝነበረ ሳጹን ረኣየቶ። ንሓንቲ ካብተን ኣግራዳ ጸዊዓ ኸኣ ‘ነታ ሳጹን ኣምጽእያ’ በለታ። እታ ልእልቲ ነቲ ሳጹን ምስ ከፈተቶስ ከመይ ዝበለ ምልኩዕ ሕጻን ኰን ኢያ ዝረኣየት! ሙሴ ይበኪ ነበረ: እታ ልእልቲ ኸኣ ሓዘነትሉ። ክቕተል ከኣ ኣይደለየቶን።

ብድሕርዚ ሚርያም መጸት። ኣብዚ ስእሊ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። ሚርያም ንጓል ፈርኦን ከምዚ በለታ:⁠- ‘ከይደ ካብ እስራኤላውያን ኣንስቲ ነዚ ቘልዓ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ክጽውዓልኪ፧’

እታ ልእልቲ ኸኣ ‘በጃኺ ጸውዕለይ’ በለታ።

ስለዚ ሚርያም ጐያ ነዲኣ ነገረታ። ኣደ ሙሴ ምስ መጸት ከኣ እታ ልእልቲ ‘ነዚ ሕጻን ወሲድኪ ኣጥብውለይ: ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ክህበኪ ኢየ’ በለታ።

ስለዚ ኣደ ሙሴ ንወዳ ኣለየት። ሙሴ ምስ ዓበየ ኸኣ: ናብታ ከም ወዳ ገይራ ዘዕበየቶ ጓል ፈርኦን ወሰደቶ። ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን ክዓቢ ዝኸኣለ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ።

ዘጸኣት 2:⁠1⁠-​10

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ