ዛንታ 28
ሙሴ ዝደሓነሉ መገዲ
እዚ ኣጻብዕቲ እታ ሰበይቲ ሒዙ ዝበኪ ዘሎ ሕጻን እሞ ርኣዮ። ንሱ ሙሴ ኢዩ። እዛ ጽብቕቲ ሰበይቲ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧ ናይ ግብጺ ልእልቲ: ጓል ፈርኦን ኢያ።
ኣደ ሙሴ ብግብጻውያን ክቕተል ስለ ዘይደለየቶ ነቲ ሕጻን ወዳ: ወዲ ሰለስተ ወርሒ ክሳዕ ዝኸውን ሓብኣቶ። ሙሴ ክርከብ ከም ዝኽእል ግን ትፈልጥ ነይራ ኢያ: ስለዚ ንኸተድሕኖ ከምዚ ገበረት።
ሳጹን ወሲዳ ማይ ከም ዘየእቱ ገይራ ለበጠቶ። ብድሕርዚ ንሙሴ ኣብኡ ኣእተወቶ: ነቲ ሳጹን ከኣ ኣብቲ ገምገም ርባ ኒል ዝነበረ ሰልሰላ ኣቐመጠቶ። ንሚርያም ሓፍቲ ሙሴ ኸኣ እንታይ ከም ዘጓንፎ ኣማዕድያ ክትርኢ ነገረታ።
ብዙሕ ከይጸንሐት ጓል ፈርኦን ክትሕጸብ ኣብ ገምገም ርባ ኒል መጸት። ብሃንደበት ከኣ ነቲ ኣብቲ ሰልሰላ ዝነበረ ሳጹን ረኣየቶ። ንሓንቲ ካብተን ኣግራዳ ጸዊዓ ኸኣ ‘ነታ ሳጹን ኣምጽእያ’ በለታ። እታ ልእልቲ ነቲ ሳጹን ምስ ከፈተቶስ ከመይ ዝበለ ምልኩዕ ሕጻን ኰን ኢያ ዝረኣየት! ሙሴ ይበኪ ነበረ: እታ ልእልቲ ኸኣ ሓዘነትሉ። ክቕተል ከኣ ኣይደለየቶን።
ብድሕርዚ ሚርያም መጸት። ኣብዚ ስእሊ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። ሚርያም ንጓል ፈርኦን ከምዚ በለታ:- ‘ከይደ ካብ እስራኤላውያን ኣንስቲ ነዚ ቘልዓ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ክጽውዓልኪ፧’
እታ ልእልቲ ኸኣ ‘በጃኺ ጸውዕለይ’ በለታ።
ስለዚ ሚርያም ጐያ ነዲኣ ነገረታ። ኣደ ሙሴ ምስ መጸት ከኣ እታ ልእልቲ ‘ነዚ ሕጻን ወሲድኪ ኣጥብውለይ: ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ክህበኪ ኢየ’ በለታ።
ስለዚ ኣደ ሙሴ ንወዳ ኣለየት። ሙሴ ምስ ዓበየ ኸኣ: ናብታ ከም ወዳ ገይራ ዘዕበየቶ ጓል ፈርኦን ወሰደቶ። ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን ክዓቢ ዝኸኣለ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ።