ክፍሊ 1
ኣብ ገዛ ዘሎ ጕዳያት:- ምስ ኣባላት ስድራቤት ዕዉት ርክብ ምግባር
“ከም ገዛኻ ዝመስልዎ የለን።” እዚ ልሙድ ዝዀነ ኣገላልጻ እዚ ንሓደ ሎሚ ብዘሕዝን መገዲ እናጠፍአ ዝኸይድ ዘሎ ስምዒት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ዝፍጠር መዕለቢ ዘይብሉ ግጭታት ንገዛ ዓውደ-ዂናት ኢዩ ዝገብራ ዘሎ። ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ገፊሕ ዝዀነ ሃጓፍ ምህላዉ ኸኣ ነቲ ሽግራት ንምፍትሑ ዝግበር ጻዕሪ ተስፋ ዘቝርጽ ዝገብሮ ኢዩ።
ገዛኻ ኣብ ክንዲ ርሱን ባእሲ: ሰላም ዘለዋ ክትገብራ ትደሊዶ ኢኻ፧ ነዚ ንምግባሩ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት እውን ግዴኦም ከበርክቱ ከም ዘለዎም ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ኣብቲ ገዛ ሰላም ከም ዝህሉ ኣብ ምግባር ብዙሕ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ።