ምዕራፍ 3
3 ወለደይ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝህቡኒ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
ንስኻ ስለ ዝዓበኻ ቀዳመ-ሰናብቲ ደገ እንተ ኣምሰኻ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይትኸውን ትገልጽ። ንሳቶም ግን ብሻዓኻ ገዛ ክትኣቱ ኣሎካ ይብሉኻ። ንስኻ ነታ መዛረቢት ኰይና ዘላ ሓዳስ ፊልም ክትርእያ ትደሊ። ንሳቶም ግን ይኽልክሉኻ። ንስኻ ክትሓብሮም እትደሊ እትፈትዎም ኣዕሩኽ ከም ዝረኸብካ ትዛረብ። ንሳቶም ግን መጀመርታ ክንርእዮም ንደሊ ኢና ይብሉኻ።
ኣብ ዕድመ ኰተቴ ስለ ዘለኻ ሓድሓደ ግዜ ወለድኻ ዝኣሰሩኻ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ነቲ ንስኻ “ክገብሮ እደሊ ኢየ” እትብሎ ዝዀነ ይኹን ነገራት ብዘየወላውል መገዲ “ኣይፋልን: ኣይከውንን ኢዩ” ጥራይ ዝብሉኻ ኢዩ ዝመስል። ኵሉ እትገብሮ ነገራት ኣብ ትሕቲ “ቍጽጽር” ወለድኻ ዝዀነ ይመስለካ። ደቢ እትበሃል ጓል 15 ዓመት ከምዚ ትብል:- “ባባ ኵሉ ግዜ ኣበይ ከም ዝኸይድ: ሰዓት ክንደይ ንገዛ ከም ዝምለስ ክፈልጥ ኢዩ ዝደሊ። መብዛሕትኦም ወለዲ ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ። እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ክፈልጥዎ ኣለዎም ድዩ ግን፧ ናጽነት ክህቡኒ ኣለዎም።”
ኣብ ርእሲ እዚ መንእሰያት ወለዶም ከም ዘየኽብርዎም ኢዮም ዝገልጹ። ኣብ ክንዲ ትውክልቲ ዝግበሮም ሓደ ጌጋ ምስ ዝፍጸም ዋላ ሓንቲ ከይመርመሩ እቶም ውሉዳት እተጋገዩ ገይሮም ይወስድዎም። ንገዛእ ርእሶም ዝምልከት ነገራት ባዕሎም ኣብ ክንዲ ዝመርጹ ብሕግታት እተቐየዱ ይዀኑ።
‘ጭንቀት’
ወለድኻ ሓድሓደ ግዜ ከም ቈልዓ ድዮም ዝርእዩኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ ቅድሚ ሓጺር እዋን ቈልዓ ከም ዝነበርካ ዘክር። እቲ ናይ ግዜ ቍልዕነትካ ተመክሮ ካብ ኣእምሮ ወለድኻ ገና ኣይሃሰሰን ዘሎ: ብቐሊሉ ዝለግስ ከኣ ኣይኰነን። ነቲ ቈልዓ ከሎኻ እትገብሮ ዝነበርካ ጌጋታት ገና ይዝክርዎ ስለ ዝዀኑ ንስኻ ፍቶ ኣይትፍቶ ብዘየገድስ ክሕልዉኻ ኢዮም ዝደልዩ።
እዚ ንኽሕልዉኻ ዘለዎም ድራኸ ኣዝዩ ሓያል ኢዩ። ኣቦኻን ኣዴኻን ንዓኻ መጽለሊ: ዝኽደን ወይ ዝብላዕ ንኽትረክብ ካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ የዕርፍ ከብሉ ኸለዉ: መብዛሕትኡ እዋን ንዓኻ ክምህሩ: ከለማምዱ: ከምኡውን ከዕቍቡ ንዘጋጥሞም ግድላት ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ኢዮም ዝሓስቡ። እቲ ኣባኻ ዘለዎም ተገዳስነት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ኣይኰነን። በቲ ዝገብሩልካ ኣተዓባብያ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተቲ ኢዮም። (ኤፌሶን 6:4) ሓድሓደ ግዜ ድሕንነትካ ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ መሲሉ እንተድኣ ተራእይዎም ከኣ ይጭነቑ።
ወለዲ የሱስ ክርስቶስ እስከ ከም ኣብነት ውሰድ። ናብ የሩሳሌም ክበጽሑ ምስ ከዱ ከይተፈለጦም ንየሱስ ገዲፎምዎ ተመለሱ። ምስኦም ከም ዘየለ ምስ ፈለጡ ብዓቕሊ ጽበት ክረኽብዎ ላዕልን ታሕትን በሉ! ኣብ መወዳእትኡ “ኣብ ቤተ መቕደስ” ምስ ረኸብዎ: ኣዲኡ ንየሱስ “በል ወደይ: ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ: ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና [“ተጨኒቕና:” NW ] ንደልየካ ኔርና” በለቶ። (ሉቃስ 2:41-48 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ፍጹም ቈልዓ ክነሱ ወለዱ ብዛዕባኡ ካብ ተጨነቑ: ወለድኻ ብዛዕባኻ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጭነቑ እሞ ሕሰቦ!
ንኣብነት: ነቲ ኵሉ ግዜ መበገሲ ባእሲ ዝኸውን ገዛ እትኣትወሉ ሰዓት እስከ ውሰድ። በዚ መዳይ እዚ ቀይዲ ክግበረልካ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ዘለዎም ኰይኑ ኣይስመዓካን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ነቲ ዅነታት ብዓይኒ ወለድኻ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ፧ ተማሃሮ ዘዳለውዋ ብዛዕባ ወለዲ እትገልጽ ናይ ቈልዑ መጽሓፍ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ነቲ ኵነታት ብዓይኒ ወለዲ ክትርእዮ ኢያ እትፍትን። “ቈልዑ ካብቲ ገዛ ዝኣትውሉ ሰዓት ምስ ዝድንጕዩ ወለዲ ዝሓስብዎ ነገራት” ትዝርዝር። ኣብቲ ዝርዝር ‘ሓሽሽ ይወስድ ኣሎ: ናይ ማኪና ሓደጋ ኣጋጢምዎ: ኣብ መናፈሻታት ዕንድንድ ይብል ኣሎ: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ: ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ፊልምታት ይርኢ ኣሎ: ሓሽሽ ይሸይጥ ኣሎ: ተዓሚጻ ወይ ተቐቲላ: ተኣሲሩ: ወለዱ የጽርፍ ኣሎ’ ዝብል ነገራት ይርከቦ።
ኵሎም ወለዲ ብኡንብኡ ከምዚ ዝኣመሰለ እተጋነነ ነገራት ይሓስቡ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም ዝጽመዱ ሓቅዶ ኸይኰነ፧ ስለዚ ደንጒኻ ምእታውን ሕማቕ ምሕዝነትን ጐዳኢ ከም ዝዀነ እንተ ተነግረካ ክትሓርቕ ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ወለዱ ንየሱስ እውን ከይተረፈ ኣበይ ከም ዝነበረ ክፈልጡ ጽዒሮም ኢዮም!
ቀይድታት ዘብዝሕሉ ምኽንያት
ገለ መንእሰያት እቲ ወለዶም ብዛዕባ ውሉዳቶም ዘለዎም ፍርሂ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ ኣይኰነን ይብሉ ይዀኑ! እንተዀነ ግን: ንዓኻ ንምዕባይ ብዙሕ ግዜ ከም ዘጥፍኡ: ከም እተጨነቑ ኣይትረስዓዮ። ዓቢኻ: ካብኦም ክትፍለ ክሓስብዎ ኸለዉ ኣዝዮም ይጭነቑ ይዀኑ። ሓደ ወላዲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ሓደ ወደይ ሕጂ ወዲ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ኢዩ: ካባና ክፍለ ኢዩ ንዝብል ሓሳብ ግን ፈጺመ ክጻወሮ ኣይክእልን ኢየ።”
ስለዚ ኸኣ ገለ ወለዲ ንደቆም ቀይዲ ከብዝሕሎም ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ክከላኸሉሎም ይደልዩ። ንስኻ ብግዴኻ ነዚ ብዓጸፋ ክትምልሰሉ ግን ዓቢ ጌጋ ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ትዝክር:- “ጓል 18 ዓመት ክሳዕ ዝበጽሕ ምስ ኣደይ ኣዝዩ ዝጠበቐ ርክብ ነበረና። . . . እናዓበኹ ምስ ከድኩ [ግን] ኣብ መንጎና ግድላት ክለዓል ጀመረ። ናጽነት ክወሃበኒ ደለኹ: ንሳ ግን ከምኡ ምግባር ነቲ ዘሎና ርክብ ዘስግእ ገይራ ዝወሰደቶ ይመስለኒ። ኣበርቲዓ ክትቅይደኒ ጀመረት: ካብኣ ዝያዳ ብምርሓቕ ከኣ መለስኩላ።”
እተወሰነ ናጽነት ምርካብ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ነቲ ምስ ስድራኻ ዝነበረካ ርክብ መስዋእቲ ብምግባር ዝመጽእ ግን ክኸውን የብሉን። ነቲ ምስ ወለድኻ ዘሎካ ርክብ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምርድዳእ: ምጽውዋር: ከምኡውን ምክብባር እተመስረተ ብሱል ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ቀዳማይ ነገር ንኻልኦት ምኽባር ከም እትኸብር ኢዩ ዝገብር። ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ግዜ ‘ዝቐጽዕዎም ኣቦታት ብስጋ ከም ዝነበርዎም እሞ ይሓፍርዎም [“የኽብርዎም:” NW ] ከም ዝነበሩ’ ጠቒሱ ኣሎ። (እብራውያን 12:9) ወለዲ ናይዞም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘይጋገዩ ኣይነበሩን። ጳውሎስ ቀጺሉ (ኣብ ቍጽሪ 10) “ሰብኣውያን ኣቦታትና . . . ዝበለጸ ኢዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ጥራይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ” በለ።—ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ)
እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ዝገብርዎ ውሳነታት ይጋገዩ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን ውሉዳቶም የኽብርዎም ነበሩ። ወለድኻ እውን ኣኽብሮት ይግብኦም ኢዩ። ቀይዲ ዘብዝሑ እንተዀኑ እውን ዓለወኛ ክትከውን ምኽንያት ኣይኰነካን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንስኻ ክትረኽቦ እትደሊ ዓይነት ኣኽብሮት ሃቦም።
ዘይምርድዳእ
ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ስለ ዘጋጠመካ ገዛ ደንጒኻ ኣቲኻዶ ትፈልጥ፧ ወለድኻ ተቘጢዖምዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ከሎ ወለድኻ ከም ዘኽብሩኻ ክትገብረሉ እትኽእል ካልእ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልካ ኢዩ። እቶም ተጨኒቖም ዝነበሩ ወለዱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ገለ መማህራን ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ክመያየጥ ከሎ ምስ ረኸብዎ የሱስ ብኸመይ ከም ዝመለሰሎም ዘክር። ከመይ ገይርኩም ብሕማቕ ትጥርጡሩኒ ብምባል ብስምዒት ተላዒሉ ሓሪቑ መሊሱሎምዶ ኢዩ፧ ነቲ ህድእ ኢሉ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ብምባል ዝሃቦ መልሲ ኣስተብህለሉ። (ሉቃስ 2:49) ወለዱ በቲ ዘርኣዮ ብስለት ከም እተመሰጡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ጥራይ ዘይኰነስ ወለድኻ ከም ዘኽብሩኻ እውን ክገብሮም ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 15:1
ስርዓታትን መምርሒታትን
ነቲ ወለድኻ ዝደልይዎ ነገር ንምፍጻም እተርእዮ ምላሽ ኣብቲ ዝገብሩልካ ኣተሓሕዛ ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ገለ ውሉዳት ድንዙዛት: ሓሰውቲ: ወይ ዘይእዘዙ ይዀኑ። ብስለት ዘለዎ ኣቀራርባ ይሃልኻ። ደንጒኻ ንኽትመጽእ ክፍቀደልካ እንተድኣ ደሊኻ “ካልኦት ከም ድላዮም ኢዮም ዘምስዩ” ዝብል ናይ ቈልዓ ምኽንያት ኣይትጠቐም። ኣንድሬ ኢገን እተባህለ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ ይመክር:- “ነቲ ዅነታት ምእንቲ ክርድእዎ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ብዝርዝር [ንገሮም] . . . ኣበይ ከም እትኸይድ: ምስ መን ከም እትኸይድ: እትድንጕየሉ ምኽንያት እንተድኣ ነጊርካዮም . . . ሕራይ ይብሉኻ ይዀኑ።”
ወለድኻ ምስ የዕሩኽትኻ ክፋለጡ ምስ ዝደልዩ—ክፈልጥዎም ከኣ ኣለዎም—ከም ቈልዓ ኣይተጕረምርም። ሰቨንቲን እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ከምዚ ትብል:- “ምስ ቢል ፊልም ክርኢ ክኸይድ ኢየ ክትብል ከሎኻ: ኣቦኻ ኣብቲ ሓደ ኽፍሊ ዀይኑ ‘ቢል፧ እንታዋይ ኢዩኸ ቢል፧’ ኢሉ ምእንቲ ከይንድር ነዕሩኽትኻ ኵሉ ግዜ ንገዛ ኣምጽኣዮም።”
“ዅሉ ይውሀቦ”
ጂም ብዛዕባ እቲ ሮን ዝበሃል ምንኣሱ ሓዉ ክዛረብ ከሎ ፍሽኽ ኢሉ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኡን ናይ 11 ኣዋርሕ ጥራይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎና” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ወለድና ግን ኣብ ክልቴና እተፈላለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ንዓይ ብዙሕ ናጽነት ኢዮም ዝህቡኒ። ናይ ገዛና ማኪና ክሕዝ እኽእል ኢየ። አረ ሓደ ዓመትሲ ንሓደ ንእሽቶ ሓወይ ናብ ኒው ዮርክ ከብጽሖ እውን ከይተረፈ ኣፍቂዶምለይ ኢዮም።
“ኣብ ሮን ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ብዙሕ ናጽነት ኣይወሃቦን ኢዩ። ዕድሜኡ ምስ ኣኸለ እውን ከይተረፈ ኣቦይ ማኪና ምዝዋር ክምህሮ ብዙሕ ኣይተገደሰን። ምስ ኣንጻር ጾታ ንምልላይ ክቋጸር ዕድሜኡ ምስ ኣኸለ እውን ከይተረፈ ወለደይ ኣይፈቐድሉን።”
ኣዳልዮም ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ጂም ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሮን ብዙሕ ሓላፍነት ዝስምዖ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ሓደ ነገር ንምግባር ተበግሶ ኣይወስድን ኢዩ ነይሩ። ግበሮ እተባህሎ ነገር መብዛሕትኡ እዋን ኣይገብሮን ኢዩ። ኣነ ንወለደይ ፈጺመ መሊሰሎም ኣይፈልጥን ኢየ: ሮን ግን ኣንጻሮም ይምልስ ኢዩ። እዚ ኸኣ ተመሊሱ ንዕኡ ጐዲእዎ።” የሱስ ኣብ ማቴዎስ 25:29 “ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ” ኢሉ ኣሎ።
ዝያዳ ናጽነትን ሓላፍነትን ክወሃበካ ትደልዶ ኢኻ፧ እምበኣር ሓላፍነት ክትስከም ከም እትኽእል ኣርኢ። ወለድኻ ዝሃቡኻ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ኣርዚንካ ርኣዮ። ከምቲ ኣብ ሓደ ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ መንእሰይ ኣይትኹን። ኣቦኡ “ወደይ: ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር” ምስ በሎ እቲ ቘልዓ “ሕራይ ጐይታይ” ኢሉ መሊሱ ከብቅዕ “ኣይወፈረን።” (ማቴዎስ 21:28-30) ወለድኻ ሓደ ነገር ክትገብር ምስ ዝነግሩኻ: ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ እውን ይኹን ብዘየገድስ: ክትገብሮ ምዃንካ ከም ዝተኣማመኑ ግበሮም።
ጂም ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ሓላፍነት ክስከም ከም ዝኽእል ንወለደይ ኣእሚነዮም ኢየ። ባንክ: ዝኽፈል ነገራት ክኸፍል: እንዳ ድኳን ከይደ ክሽምት ይልእኹኒ ኢዮም። ማማ ንስራሕ ክትከይድ ከላ ኸኣ ንስድራና ዝኸውን መግቢ እውን ከይተረፈ እኽሽን ኢየ።”
ተበግሶ ምውሳድ
ወለድኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ንኽትገብር ምስ ዘይነግሩኻኸ፧ ካልእ እተፈላለየ ተበግሶታት ውሰድ። ሰቨንቲን እትበሃል መጽሔት ከምዚ ትብል:- “ነታ ስድራ ዝኸውን መግቢ ንኽትሰርሕ ንወለድኻ ሕተቶም: ኵሉ ማለት ክቐርብ ዘለዎ ዓይነት መግቢ ምምራጽ: ዝርዝር ኣስቤዛ ምውጻእ: ገንዘብ ምምዳብ: ምሽማት: ምኽሻን: ምጽራይ ባዕልኻ ከም እትገብሮ ንገሮም።” ምኽሻን ብዙሕ ዘይትፈቱ እንተድኣ ዄንካ ድማ ኣብቲ ገዛ ክስራሕ ዝኽእል ካልእ ነገር ርአ። ዝሕጸብ ኣቝሑ: ዝውልወል ገዛ: ወይ ዝተዓራረ ክፍሊ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ካብ ወለድኻ መምርሒ ክሳዕ ዝወሃበካ ምጽባይ ኣየድልየካን ኢዩ።
ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ግዜ ክረምቲ ወይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ስራሕ ይሰርሑ ኢዮም። ከምዚ ክትገብር ትኽእል እንተድኣ ዄንካ: ነቲ እትረኽቦ ገንዘብ ከተዋህልሎ ከምኡውን ብኣገባብ ክትጥቀመሉ ክእለት ከም ዘሎካ ኣርኢኻዶ ኢኻ፧ ነቲ እትረኽቦ ዘለኻ መጽለልን መግብን ዝኸውን ገንዘብ ከተዋጽእ ፍቓደኛ ዲኻ፧ (ኣብ ከባቢኻ ክራይ ገዛ ክሳዕ ክንደይ ይውስኽ ከም ዘሎ ምሕታት ኣበርክቶ ኣብ ምግባር መጀመሪ ክዀነካ ይኽእል ኢዩ።) ከምዚ ምግባር ማለት እቲ እትረኽቦ ዝነበርካ ናይ ጁባ ገንዘብ ምጕዳል ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ወለድኻ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝበሰልካ ምስ ዝርእዩ ዝያዳ ናጽነት ንኽህቡኻ ክድረኹ ኢዮም።
ርእስኻ ምኽኣል
ወለዲ ምኽርን ማዕዳን እንረኽበሎም ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽትና ክዀኑ ኣለዎም። (ምስ ኤርምያስ 3:4 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: እዚ ንኣሽቱ ውሳነታት ኣብ ምግባር እውን ኣብ ወለድኻ ክትምርኰስ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዘሎካ “ናይ ምስትውዓል ክእለት” (NW ) ብምጥቃም ጥራይ ኢኻ ውሳነታት ኣብ ምግባር ዝያዳ ርእሰ-ተኣማንነት ከተጥሪ እትኽእል።—እብራውያን 5:14
ስለዚ ንኣሽቱ ግድላት ኣጋጢሙካ ናብ ወለድኻ ኣብ ክንዲ ምጕያይ መጀመርታ ነቲ ግድል ባዕልኻ ክትፈትሖ ፈትን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጥመካ ነገራት ኣብ ክንዲ ‘ዝንጉዕ’ እትኸውን ወይ እትርበሽ ነቲ ብመጀመርታ ‘ፍልጠት ከተስተውዕል’ ከም ዘሎካ ዝገልጽ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ሰዓቦ። (ኢሳይያስ 32:4) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ክኸውን ከሎ ብፍላይ ገለ ምርምር ግበር። ነቲ ኵነታት ተጠንቂቕካ ምስ መመኻዮ ድሕሪኡ ንወለድኻ ኣዛርቦም። ኵሉ ግዜ ‘ባባ እንታይ ክገብር፧’ ወይ ‘ማማ: ንስኺ እንተ ትዀኒ እንታይ ምገበርኪ፧’ ኣብ ክንዲ ምባል ነቲ ኵነታት ግለጸሎም። ነቲ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝመመኻዮ ንገሮም። ድሕርዚ ዘለዎም ሓሳባት ሕተቶም።
ከምዚ ክትገብር ከሎኻ ወለድኻ ከም ቈልዓ ዘይኰነስ ከም ዓቢ ሰብ ኴንካ ትዛረብ ከም ዘለኻ ክርድኡ ኢዮም። ናጽነት ዝግብኦ ዓቢ ሰብ ትኸውን ከም ዘለኻ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ስጕምቲ ኢኻ እትወስድ ዘሎኻ። ወለድኻ እውን ከም ዓቢ ገይሮም ክርእዩኻ ክጅምሩ ኢዮም።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 3
◻ ወለዲ ብዙሕ ግዜ ንደቆም ከዕቝብዎም: ኣበይ ከም ዘለዉ እውን ክፈልጡ ዝደልዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ንወለድኻ ብኣኽብሮት ክትርእዮም ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ምስ ወለድኻ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብዝሓሸ መገዲ ክትፈትሖ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
◻ ምስቲ ወለድኻ ዘውጽእዎ ስርዓታትን መምርሒታትን እናተሰማማዕካ ናጽነት ክህልወካ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሓላፍነት ዝስምዖ ዓይነት ሰብ ምዃንካ ንወለድኻ ከተርእየሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 29]
“ባባ ኵሉ ግዜ ኣበይ ከም ዝኸይድ: ሰዓት ክንደይ ንገዛ ከም ዝምለስ ክፈልጥ ኢዩ ዝደሊ። . . . እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ክፈልጥዎ ኣለዎም ድዩ ግን፧”
[Picture on page 27]
ወለድኻ ሓጺሮም ዝሓዙኻ ኰይኑዶ ይስመዓካ ኢዩ፧
[Picture on page 30]
ዘይምርድዳእ ክፍጠር ከሎ ህድእ ምባል ኣኽብሮት ክትረኽበሉ እትኽእል ሓደ መገዲ ኢዩ