ምዕራፍ 4
4 ስለምንታይ ኢዮም ኣቦይን ኣደይን ተፋቲሖም፧
“ኣቦይ ራሕሪሑና ክኸይድ ከሎ እዝክሮ ኢየ። እንታይ ሽግር ከም እተፈጥረ እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ማማ ኵሉ ግዜ ንበይንና ገዲፋትና ስራሕ ትኸይድ ነበረት። ሓድሓደ ግዜ ብመስኮት ንደገ ገጽና እናጠመትና ኮፍ ብምባል ማማ እውን ገዲፋትና ከይዳ ከይትኸውን ንጠራጠር። . . .”
—ሓንቲ ወለዳ እተፋትሑ ጓል
ወለድኻ ክፋትሑ ማለት ኵሉ ነገር ዘብቅዐ: ንሓዋሩ ዘሳቒ ዕንወት ዝወረደ ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓካ። ናይ ውርደት: ሕርቃን: ጭንቀት: ተደርቢኻ ከይትተርፍ ምፍራህ: ጸጸት: ከምኡውን ዓሚቝ ጽምዋ አረ ሓድሓደ ግዜስ ሕነ ናይ ምፍዳይ ዝኣመሰለ ዘሳቒ ስምዒታት የለዓዕል ኢዩ።
ወለድኻ ቅድሚ ቀረባ ግዜ እተፋትሑ እንተድኣ ዀይኖም: ንስኻውን ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ይህልወካ ይኸውን ኢዩ። እዚ ባህርያዊ ኢዩ: ከመይሲ ፈጣሪና እውን ከይተረፈ ኣቦኻን ኣዴኻን ሓቢሮም ከዕብዩኻ ኢዩ ዝደሊ። (ኤፌሶን 6:1-3) ሕጂ ግን ነቶም እተፍቅሮም ወለድኻ መዓልታዊ ክትርእዮም ዝነበረካ መሰል ተነፊጉካ ኢዩ። ሓደ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ ወለዱ እተፋትሑ ፖውል ዝበሃል መንእሰይ “ምስ ኣቦይ ክኸውን ኣዝየ ኢየ ዝምነ: እቲ ቈልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ግን ንማማ ኢዩ ተዋሂብዋ” ብምባል ጓሂኡ ይገልጽ።
ወለዲ ዝፋትሕሉ ምኽንያት
ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ ነቲ ዘለዎም ግድላት ምስጢር ገይሮም ኢዮም ዝሕዝዎ። ገና ቈልዓ ኸላ ወለዳ እተፋትሑ ሊና እትበሃል ጓል “ወለደይ ክቋየቑ ፈጺሙ ኣይዝከረንን ኢዩ: ዝሰማምዑ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ” ትብል። ወለዲ ኵሉ ግዜ ዝበኣሱ እንተዀነ እውን ከይተረፈ ክፋትሑ ኸለዉ ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ!
ዝበዝሕ ግዝያት ሓዲኦም ካብቶም ወለዲ ጾታዊ ርኽሰት ምስ ዝፍጽም ኢዩ ምፍታሕ ዝመጽእ። እቲ ንጹህ ናይ መርዓ ብጻይ ንኽፋታሕ ኣምላኽ እውን የፍቅደሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:9) ኣብ ካልእ ጕዳያት ከኣ “ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ናብ ጐነጽ ኣምሪሑ ኢዩ: እቲ ጥዑይ ወላዲ ኸኣ ንድሕንነቱን ድሕንነት ደቁን ብምስጋእ ክፈላለ ይደሊ ይኸውን።—ኤፌሶን 4:31
ገለ ፍትሕ ግን ብቐንጠ መንጢ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ገሊኦም ንግድላቶም ከዐርዩ ኣብ ክንዲ ዝጽዕሩ ከም ‘ዘይተሓጐሱ’ ወይ ‘ከም እተማነዉ’ ብምግላጽ ይፋትሑ። እዚ ግን ነቲ ‘ፍትሕ ዝጸልእ’ ኣምላኽ ዘጕሂ ኢዩ። (ሚልክያስ 2:16) ገሊኦም እውን ናይ መርዓ ብጻዮም ክርስትያን ብምዃኑ ሓዳሮም ከም ዘፍርሱ የሱስ ሓቢሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 10:34-36
እንተዀነ ግን: እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ብዛዕባ ምፍትሖም ወለድኻ ዋላ ሓንቲ ኸይነገሩኻ ስቕ ምስ ዝብሉ ወይ ንሕቶኻ ንጹር ዝዀነ መልሲ ምስ ዘይህብሉ ኣየፍቅሩኻን ኢዮም ማለት ኣይኰነን።a በቲ ኵነታት ኣዝዮም ብምጕሃዮም ብዛዕባ እቲ ፍትሕ ምሳኻ ክዛረቡ ይኸብዶም ይኸውን። (ምሳሌ 24:10) ጕድለታቶም ምእማን ባህ ኣይብሎምን ወይ እውን ዘሕፍሮም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ዘሎካ ጭንቀት ምስ ወለድኻ ህድእ ኢልካ ክትመያየጠሉ ዘኽእለካ ምቹእ ግዜ ክትረክብ ፈትን። (ምሳሌ 25:11) ብምፍትሖም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃኻን ዓቕልኻ ከም ዝጸበበካን ንገሮም። ምናልባት ዘዕግብ መልሲ ይህቡኻ ይዀኑ። እንተዘይኰይኑ ግን ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ክጸርዎ ዘይክእሉ ብምንባሩ ካብ ምንጋሮም እተቘጠበሉ ግዜ ከይነበረዶ፧ (ዮሃንስ 16:12) ደሓር ከኣ ወለድኻ ገለ ነገራት ብምስጢር ክሕዝዎ መሰል የብሎምንዶ ኢዩ፧
ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ፍትሕ ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ምሳኻ ዘይኰነስ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተገንዘብ! ዋለርስተይን ከምኡውን ኬሊ ኣብቲ ኣብ 60 እተፋትሑ ሰባት ዝገበርዎ መጽናዕቲ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምኽንያት መፋትሒኦም ናይ ንሓድሕዶም ጕድለት: ወይ ብሰንኪ ኣስራሕቶም: ኣባላት ስድራቤቶም: ወይ ኣዕሩኾም ምዃኑ ኢዮም ተዛሪቦም። ድሕርዚ እቶም ተመራመርቲ “እቲ ዘገርም ብሰንኪ ደቅና ኢና ተፋቲሕና ዝብሉ ዘይምንባሮም ኢዩ” ይብሉ። እቲ ወለድኻ ኣባኻ ዘለዎም ፍቕሪ ዘይቅየር ኢዩ።
ግዜ ኣብ ምሕዋይ ዘለዎ ኣበርክቶ
“ንምሕዋይ . . . ጊዜ” ኣለዎ። (መክብብ 3:3) ልክዕ ከምቲ እተሰብረ ዓጽሚ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ቍስሊ ምሉእ ብምሉእ ንኽሓዊ ሰሙናት ወይ እውን ኣዋርሕ ዘድልዮ ስምዒታዊ ቍስሊ እውን ንኽሓዊ ግዜ የድልዮ ኢዩ።
ድሕሪ እቲ ፍትሕ ገለ ዓመታት ጸኒሑ “እቲ ዝነበረ ዓሚቝ ፍርሂ: ጓሂ: ስንባደ . . . ዝሃስስ ወይ ፈጺሙ ዝጠፍእ” ምዃኑ ብዛዕባ ፍትሕ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዋለርስተይን ከምኡውን ኬሊ ገሊጾም ኢዮም። ገለ ክኢላታት እቲ ዝኸፍአ ፍትሕ እውን ከይተረፈ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ከም ዝርሳዕ ኢዮም ዝገልጹ። እዚ ነዊሕ ይመስል ይኸውን: ግን ህይወትካ ክሳዕ ዝሃድእ ብዙሕ ነገር ኢዩ ዘጋጥም።
ቀዳማይ ነገር እቲ ብሰንኪ ፍትሕ ሕንፍሽፍሽ ዝኣተዎ ኣብ ገዛ ዝግበር ነገራት እንደገና ክተዓራረ ኣለዎ። ወለድኻ ብስምዒት ክሳዕ ዝሓውዩ እውን ግዜ ክወስድ ኢዩ። ሽዑ ጥራይ ኢዮም እቲ ዘድልየካ ደገፍ ክህቡኻ ዝኽእሉ። ኣብቲ ልሙድ ናብራኻ ምስ ተመለስካ ድማ ሽዑ ጽቡቕ ክስመዓካ ክጅምር ኢዩ።
እንተዀነ ግን ሰሎሞን “ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሻ ስለምንታይ እዩ፧ ኣይትበል: እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሐቶ ዘሎኻ” ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ። (መክብብ 7:10) ብዝሓለፈ ምስቍርቋር ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታትካ ከም ዘይተስተውዕል ዝገብር ኢዩ። ቅድሚ እቲ ፍትሕ ኵነታት ስድራኻ ከመይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣኔት “ኵሉ ግዜ ባእሲ: ዋዕዋዕ: ጸርፊ ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ትእመን። ሕጂ ግን ምናልባት ብመጠኑ ብሰላምዶ ትነብሩ ኣለኹም፧
‘ከተዓርቖም እኽእል ኢየ’
ገለ መንእሰያት ወለዶም ንኻልእ ተመርዕዮም ከለዉ እውን ከይተረፈ ከተዓርቕዎም ዝኽእሉ ኰይኑ ይስምዖም!
እንተዀነ ግን ነቲ ፍትሕ ብዘይምቕባልካ ክትቅይሮ እትኽእል ነገር የለን። ኵሉ ሰብ ኣብ እግሮም ወዲቑ እንተ ዝልምኖም እውን ከይተረፈ ወለድኻ ኣይዕረቑን ይዀኑ። ስለዚ ዘይከውን ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ደጋጊምካ ብምሕሳብ ንምንታይ ርእስኻ እተሳቒ፧ (ምሳሌ 13:12) ሰሎሞን “ንምጥፋእ . . . ጊዜ አለዎ” ኢሉ ኣሎ። (መክብብ 3:6) ስለዚ እቲ ፍትሕ ናይ ሓቅን ነባርን ምዃኑ ተቐበሎ። ነቲ ዝፍጠር ስምዒታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ እዚ ናይ መጀመርታ ዓቢ ስጕምቲ ኢዩ።
ምስ ወለድኻ ምስምማዕ
ወለድኻ ንህይወትካ ህውከት ስለ ዘእተውሉ ብእኦም ትሓርቕ ትኸውን። ሓደ መንእሰይ ኣምሪሩ ከምዚ በለ:- “ወለደይ ስሱዓት ኢዮም። ብዛዕባና: እቲ ዝገብርዎ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሃስየና ፈጺሞም ኣይሓሰቡሉን። ዕጅብ ከይበሎም መደባቶም ጥራይ ኢዮም ገይሮም።” እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሕርቃንን ምረትን ሒዝካ እናነበርካ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደጋ ከየእተኻ ክትነብር ትኽእልዶ ይመስለካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ . . . ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ኢዩ ዝመኽረና። (ኤፌሶን 4:31, 32) ንሓደ ኣጸቢቑ ዝጐድኣካ ሰብ ከመይ ገይርካ ኢኻ ይቕረ እትብለሉ፧ ወለድኻ ክጋገዩ ዝኽእሉ ዘይፍጹማት ሰባት ከም ዝዀኑ ገይርካ ክትርእዮም ፈትን። እወ: ወለዲ እውን ከይተረፈ ‘ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም’ ኢዮም። (ሮሜ 3:23) ነዚ ምግንዛብ ምስ ወለድኻ ንኽትሰማማዕ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።
ስምዒትካ ኣውጽኣዮ
ሓደ መንእሰይ ቃለ-መጠይቕ ክንገብረሉ ኸሎና “ብዛዕባ ምፍታሕ ወለደይ ከመይ ከም ዝስምዓኒ ፈጺመ አዕሊለ ኣይፈልጥን ኢየ” በለ። ብዛዕባ ናይ ወለዱ ምፍታሕ ክነግረና ኸሎ ኣብ መጀመርታ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተሰምዖ ዳሕራይ ግን ስምዒቱ ብዝያዳ ክገልጽ: አረ ክበኪ እውን ጀመረ። እቲ ተዓቢጡ ዝነበረ ስምዒታት ወጸ። በዚ ተገሪሙ “ስለ እተዛረብኩ ብሓቂ ፍዅስ ኢሉኒ” ብምባል ተኣመነ።
ንስኻ እውን ኣብ ክንዲ ርእስኻ እተግልል ምስ ካልእ ሰብ ክትዘራረብ ሓጋዚ ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን። ከመይ ከም ዝስምዓካ: ዘሎካ ሻቕሎት: ከምኡውን ጭንቀትካ ንወለድኻ ንገሮም። (ምስ ምሳሌ 23:26 ኣረኣእዮ።) ብሱላት ክርስትያናት እውን ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኪት ካብቶም ብፍትሕ እተፈላለዩ ወለዱ ዳርጋ ሓገዝ ኣይረኸበን ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ካብ ካልኦት ግን ሓገዝ ረኺቡ ኢዩ። ኪት “እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስድራይ ኰነት” ይብል።
ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ሰማያዊ ኣቦኻ ጽን ኢሉ ይሰምዓካ ኢዩ። (መዝሙር 65:2) ሓደ ፖውል እተባህለ መንእሰይ ነቲ ናይ ወለዱ ምፍታሕ ብዓወት ንኽዋጽኣሉ እንታይ ከም ዝሓገዞ ክገልጽ ከሎ “ኵሉ ግዜ ኢየ ዝጽሊ: የሆዋ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ድማ ኢዩ ዝስምዓኒ” ይብል።
ናብራኻ ምቕጻል
ድሕሪ እቲ ፍትሕ እቲ ኵነታት ከምቲ ናይ ቅድም ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ይኹን እምበር: ህይወትካ ድሕሪ ደጊም ቍም ነገርን ሓጐስን ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ” ኢሉ ኢዩ ዝምዕደና። (ሮሜ 12:11) እወ: ብጓሂ: ሓዘን: ወይ ሕርቃን ክትድቈስ ኣብ ክንዲ እተፍቅድ ናብራኻ ቀጽል! ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮታትካ ኣብ ምዕያይ ትሑዝ ኩን። እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮ ዝነበርካ ደስ ዝብለካ ነገራት ምግባር ቀጽል። ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ኩን።’—1 ቈረንቶስ 15:58
እዚ ጻዕሪ: ቈራጽነት: ግዜ ዘድልዮ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ፍትሕ ወለድኻ ዝፈጥሮ ስምዒታት ኣብ ህይወትካ ዓብላሊ ሓይሊ ኣይክኸውንን ኢዩ።
[Footnote]
a ዋለርስተይን ከምኡውን ኬሊ እተባህሉ ተመራመርቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጹ:- “ካብቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም [ወለዶም እተፋትሑ] ንኣሽቱ ቘልዑ ካብ ሓሙሽተ እቶም ኣርባዕተ ቀጻሊ ዝዀነ ምንክብኻብ ከም ዝግበረሎም ካብ ወለዶም እኹል መግለጺ ወይ መረጋገጺ ኣይተዋህቦምን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሓደ ንግሆ ካብ ድቃሶም ምስ ተበራበሩ እቲ ሓደ ወላዲኦም ከም ዘየለ ተረድኡ።”
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 4
◻ ወለዲ ዝፋትሕሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባኡ ንኽዛረቡ ንወለድኻ ዝኸብዶም ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ንኸይዛረቡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ከም ዘለዎም ምስ ዘርእዩ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
◻ ብዛዕባ ዝሓለፈ ከተስቈርቍር ወይ ንወለድኻ ከተተዓርቕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምጥሓል ረብሓ ዘይብሉ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ብሰንኪ ፍትሕ ዝፍጠር ስምዒታት ንኽትዋጽኣሉ ክትገብሮ እትኽእል ኣወንታዊ ነገራት እንታይ ኣሎ፧
◻ ብሰንኪ ፍትሕ ወለድኻ ንዝፍጠር ሕርቃን ብዓወት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
[Box on page 36, 37]
‘እቲ ፍትሕ ንህይወተይ ከበላሽዎ ድዩ፧’
ደድሕሪ ምፍታሕ ወለዶም ኣብ ዘሎ ግዜ ገለ መንእሰያት ንህይወቶም ቃል ብቓሉ ኢዮም ዘበላሽውዎ። ገሊኦም ከም ትምህርቲ ምቍራጽ ዝኣመሰለ ናይ ሃወኽ ውሳነታት ይገብሩ። ካልኦት ከኣ ወለዶም ምስ ተፋትሑ ዘለዎም ተስፋ ምቝራጽን ሕርቃንን ሕማቕ ጠባይ ብምንጽብራቕ የውጽእዎ: በዚ ድማ ንወለዶም ዝቐጽዕዎም ዘለዉ ኰይኑ ይስምዖም። ደኒ ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ወለደይ ምስ ተፋትሑ ዘይሕጕስን ጭኑቕን ኰንኩ። ኣብ ትምህርተይ ክሰንፍ ጀመርኩ እሞ ሓደ ዓመት ድማ ተረፍኩ። ድሕርዚ . . . ናይቲ ክፍሊ ቀዳማይ ጸይቂ ተማሃራይ ብምዃን ብዙሕ ግዜ እበኣስ ነበርኩ።”
ዘሰንብድ ጠባይ ምንጽብራቕ ናይ ወለድኻ ኣቓልቦ ከም እትረክብ ይገብር ይኸውን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ድሮ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ካልእ ጭንቀት ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧ እቲ ብሕማቕ ዝቕጻዕ እቲ ሕማቕ ዝገበረ ጥራይ ኢዩ። (ገላትያ 6:7) ወለድኻ እውን ይሳቐዩ ምህላዎም: ንዓኻ ዝረስዑኻ እንተመሰሉ ኸኣ ክፍኣት ከም ዘይኰነ ክትርዳእ ጸዓር። ኣዲኡ ንደኒ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ንደቀይ ብሓቂ ኢየ ዕሽሽ ኢለዮም። ድሕሪ እቲ ፍትሕ ኵሉ ነገራት ተሓዋዊሱኒ ስለ ዝነበረ ክሕግዞም ኣይከኣልኩን።”
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እብራውያን 12:13 “እቲ ዚሕንክስ . . . ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ: ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ” ብምባል ይምዕድ። ናይ ወለዲ ተግሳጽ እንተዘይረኸብካ እውን ከይተረፈ ሕማቕ ጠባይ ንኸተርኢ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልካን። (ያእቆብ 4:17) በቲ እትገብሮ ነገራት ብሓላፍነት ከም እትሕተት ገይርካ ሕሰብ እሞ ንገዛእ ርእስኻ ገስጽ።—1 ቈረንቶስ 9:27
ንኣብነት: ከም ገዛ ጠንጢንካ ምኻድ ዝኣመሰለ ናይ ታህዋኽ ውሳነታት ኣይትግበር። “ለባም . . . ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።” (ምሳሌ 14:15) ወለድኻ ጽን ኢሎም ንኽሰምዑኻ ዝጽግሞም እንተድኣ መሲሉ ነቲ ዝገበርካዮ ውሳነ ምስ ሓደ ዓቢ ፈታዊኻ ዘይትዘራረበሉ፧
ገና ብዛዕባ መጻኢኻ ብዙሕ ትጭነቕ ትኸውን ኢኻ። ወለድኻ ኣብ ሓዳሮም ዕዉታት ስለ ዘይኰኑ ንስኻ እውን ኣብ መጻኢ ሓዳር ምስ ገበርካ ዕዉት ክትከውን ዲኻ ኣይትኸውንን ከም እትጠራጠር ርዱእ ኢዩ። ዘየሐጕስ ሓዳር ግን ልክዕ ከም ብውርሻ ዝመሓላለፍ ዓይነት ሕማም ካብ ወለድኻ ዝውረስ ዘይምዃኑ ጽቡቕ ኢዩ። ንስኻ ካብ ወለድኻ እተፈለኻ ሰብ ኢኻ: ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብ መጻኢ ዝህልወካ ሓዳር ከመይ ከም ዝኸውን ኣብቲ ወለድኻ ዝገበርዎ ጕድለት ዘይኰነስ ኣብቲ ንስኻን ናይ መርዓ ብጻይካን ንቓል ኣምላኽ ብምስዓብ እትወስድዎ ስጕምቲ እተመርኰሰ ኢዩ።
ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይገለ ጸገም ትረኽቦ ዝነበርካ ከም መግቢ: ክዳን: መጽለሊ: ገንዘብ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ክትሽገር ክትጅምር ኢኻ። ይኹን እምበር: ወለዲ ምስ ተፋትሑ ዝበዝሕ ግዜ ዋላ ኣዴኻ ስራሕ ክትጅምር እንተ ኣድለያ እውን ከይተረፈ ንደቆም ዘዕብይሉ ሜላ ይፈጥሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: እታ ሳርቫይቪን ዘ ብሬክኣፕ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክውንነታዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ብምባል ተጠንቅቕ:- “እቲ ሓደ ግዜ ንሓንቲ ስድራቤት ጥራይ ዝኣሊ ዝነበረ ሕጂ ክልተ ስድራቤት ክኣሊ ኢዩ ዝግደድ: እዚ ኸኣ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዝነበሮ ኣነባብራ ከም ዘንቈልቍል ኢዩ ዝገብሮ።”
ስለዚ እምበኣር ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብቐሊሉ ትረኽቦ ዝነበርካ ከም ሓደስቲ ክዳውንቲ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ ዘይትረክብ ክትቅበሎ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዘዘኻኽረና:- “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና።” (1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8) ምናልባት ሓድሽ ናይ ስድራቤት ባጀት ኣብ ምውጻእ እውን ትሕግዝ ትኸውን። የሆዋ ‘ኣቦ ዘኽታማት’ ምዃኑ ድማ ኣይትረስዕ። (መዝሙር 68:5) ብዛዕባ ዘድልየካ ነገራት ኣጸቢቑ ከም ዝግደስ ርግጸኛ ኹን።
ኤርምያስ ከምዚ ይብል:- “ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።” (ድጕዓ ኤርምያስ 3:27) ልክዕ ኢዩ: ወለዲ ክፋትሑ ምርኣይ “ሰናይ” ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ተመክሮ እውን ከይተረፈ ጥቕሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ተመራማሪት ጁዲት ዋለርስተይን ከምዚ ትብል:- “እቲ ብሰንኪ ኣብ ስድራቤት ዝወርድ ቅልውላው [ኣብቶም ወለዶም እተፋትሑ ቈልዑ ዝርአ] ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ዕቤት ኣዝዩ መሳጥን ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ደራኽን ኢዩ። እቶም መንእሰያት . . . ነቲ ወለዶም ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኣጸቢቖም ምስ ሓሰብሉ ብዛዕባ መጻኢኦም ኣብ ዘገርም መደምደምታ ኢዮም ዝበጽሑ። ወለዶም ዝገበርዎ ጌጋ ንኸይደግምዎ መገድታት ኢዮም ዘናድዩ።”
ናይ ወለድኻ ምፍታሕ ኣብ ህይወትካ በሰላ ከም ዝገድፍ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ በሰላ ዝሃስስ ዓይነት ድዩ ክኸውን ወይስ እናበርትዐ ዝኸይድ ቍስሊ ብዓቢኡ ኣባኻ እተመርኰሰ ኢዩ።
[Picture on page 35]
ወለድኻ ክፋትሑ ምርኣይ ሓደ ካብቲ ክትግምቶ እትኽእል ኣዝዩ ኣሰቃቒ ተመክሮ ኢዩ
[Picture on page 38]
ብዛዕባ እቲ ቅድም ዝነበረካ ናብራ ምስትንታን ዝያዳ ጭንቀት ዝፈጥረልካ ጥራይ ኢዩ