ምዕራፍ 5
5 ወላድየይ ካልእ ክምርዖ ኸሎ ንዝፍጠር ስምዒት ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
ሸን “ባባ ንሪታ እተመርዓወላ መዓልቲ ኣብ ህይወተይ እታ ዝኸፍአት መዓልቲ ኢያ ነይራ” ብምባል ትዝክር። ቀጺላ ኸኣ ኸምዚ በለት:- “ኣዝየ ኢየ ሓሪቐ ነይረ። ባባ ንማማ ስለ ዝገደፋ ኣሕረቐኒ። ማማ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ንኽትማሃር ጠንጢናትና ስለ ዝኸደት ኣሕረቐትኒ። እቶም ናብ ገዛና ክመጹ ዝነበሮም ክልተ ህውከተኛታት ደቂ ሪታ እውን ኣሕረቑኒ። . . . ልዕሊ ዅሉ ግን ሪታ ኢያ ኣሕሪቓትኒ። . . . ጸሊአያ። ሰብ ክጸልእ የብለይን ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሰይ እውን ሓሪቐ ኢየ።”—ስቴፕፋሚሊስ—ኒው ፓተርንስ ኢን ሃርሞኒ: [እንግሊዝኛ] ብሊንዳ ክረቨን
ወላዲኻ እንደገና ምምርዓዉ ነቲ ወለደይ ክተዓረቑ ኢዮም ዝብል ተስፋኻ ፈጺሙ ዘጥፍኦ ኢዩ። ድሕንነት ኣይስምዓካን: እተጠለምካ ኰይኑ ይስመዓካ: ከምኡውን ትቐንእ።
እቲ መርዓ ደድሕሪ ሞት እተፍቅሮ ወላዲኻ እተፈጸመ እንተድኣ ዀይኑ ብፍላይ ከቢድ ኢዩ። ሚሲ እተባህለት ጓል 16 ዓመት ከምዚ ትብል:- “ኣደይ ብሙማታ ኣዝየ ኢየ ሓዚነ። እታ ሓዳስ ሕጽይቲ ኣቦይ ነቲ ናይ ኣደይ ቦታ ትወስድ ዘላ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ ኸኣ ብሕማቕ ተቐበልክዋ።” ንሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ከተፍቅሮም ምስ እትጅምር ብፍላይ: ንወላዲኻ እሙን ከም ዘይኰንካ ኰይኑ ስለ ዝስምዓካ ናይ ገበን ስምዒት ይሓድረካ።
ስለዚ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ዘለዎም ስምዒታዊ ስቅያት ጐዳኢ ብዝዀነ መገዲ እንተ ኣውጽእዎ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። አረ ገሊኣቶምሲ ነቲ ናይ ወላዲኦም ሓድሽ ሓዳር ከም ዝፈርስ ንምግባር እውን ነገራት ይኣልሙ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ወላዲኻ እንደገና ምምርዓው ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ብምእሳር እተገብረ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ስለዚ ኸኣ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ [ወይ ውላድ] ኣይፍለዮ።” (ማቴዎስ 19:6) ነቲ ሓዳር እንተ ኣፍረስካዮ እውን ነቶም እተባእሱ ናይ ሓቂ ወለድኻ ከም ዝተዓረቑ ክገብሮም ኣይክእልን ኢዩ።
ምስ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ኵሉ ግዜ ምቍያቝ እውን ትርጕም የብሉን። ምሳሌ 11:29 “እቲ ኣብ ቤቱ ህውከት ዝፈጥር ንፋስ ጥራይ ኢዩ ዝወርስ” ብምባል ዝረኽቦ ፍረ ከም ዘይብሉ ተጠንቅቕ ኢያ። (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ጌሪ ኣብ ሰይተቦኣ ዝነበራ ጽልኢ ኣብ መወዳእታ ብርቱዕ ባእሲ ፈጠረ። እቲ ውጽኢቱኸ፧ እታ ሰይተቦኣ ኸኣ ንሰብኣያ ንሰበይቱ ወይ ንጓሉ ክመርጽ ነገረቶ። ጌሪ ኸኣ ምስታ ንኻልእ እተመርዓወት ኣዴኣ ክትነብር ከደት።
ፍቕሪ ንኽትዕወት ትሕግዘካ ኢያ
ወላዲኻ እንደገና ክምርዖ ኸሎ ብምርኣይ ንዝፍጠር ስምዒት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ዝሕግዘካ ቀንዲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧ ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ ምንጽብራቕ ሓጋዚ ኢዩ:-
ፍቕሪ “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።” (NW ) እዚ ማለት ከኣ ‘ጥቕሚ ርእስና ዘይኰነስ ጥቕሚ ብጻይና ምድላይ’ ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:24) እቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ናይ መርዓ ብጻይ እንተ ደለየ ክትሓርቕዶ ኣሎካ ኢዩ፧
ፍቕሪ “ኣይትቐንእን” ኢያ። ዝበዝሕ ግዜ መንእሰያት እቲ ወለዶም ኣብኣቶም ዘለዎም ፍቕሪ ካልእ ክወስደሎም ኣይደልዩን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ፍቕሪ ክትዓቢ ስለ እትኽእል ወላዲኻ ንኻልእ ብምምርዓዉ ኣባኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዝጐድል ኰይኑ ኣይሰማዕካ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 6:11-13 ኣረኣእዮ።) ወላዲኻ ነቲ ኣባኻ ዘለዎ ፍቕሪ ከየጕደለ ነቲ ሓድሽ ናይ መርዓ ብጻዩ ንምፍታው ፍቕሩ ከስፍሕ ይኽእል ኢዩ! ንሰይተቦኻ ወይ ሰብኣይ ኣዴኻ ንምፍቃር ልብኻ ከተግፍሕ ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምግባርካ ነቲ ካባኻ እተፈልየ ወላዲኻ ከዲዕኻዮ ማለት ኣይኰነን።
ፍቕሪ “ኣይተስተሐፍርን” ኢያ። ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሓደስቲ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ምንባር ስነ-ምግባራዊ ጸቕጢ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣብ 25 ሚእታዊት ካብተን ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ወይ ሒዞምዎም ዝመጹ ውሉዳት ዘለውወን ስድራቤታት ዘይግቡእ ጾታዊ ርክባት ከም ዝፍጸም ብጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣዴኡ እንደገና ብምምርዓዋ ኣብ ገዝኡ ኣርባዕተ ኰተቴ ኣዋልድ ብምምጽአን ደቪድ “ንጾታዊ ስምዒታት ዝምልከት ኣብ ሓሳበይ ቀይድታት ክገብር ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ” ይብል። ኣብ ርእሲ እውን: ኣከዳድናኻ ይኹን ጠባይካ ጾታዊ ስምዒት ከም ዘየለዓዕል ብምግባር ዘየድሊ ምቅርራብ ከይትገብር ምጥንቃቕ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።—ቈሎሴ 3:5
ፍቕሪ “ኵሉ ትጸውር። . . . ንዝዀነ ይኹን ነገር ንምጽማም ሓይሊ ትህብ።” (ትርጕም: ቻርለስ ቢ. ዊልያም) ሓድሓደ ግዜ እቲ ዝስምዓካ ብርቱዕ ስምዒታዊ ቃንዛ ዝሓዊ ኰይኑ ኣይስምዓካን ኢዩ! ማርላ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ኣብ ገዛ ዋላ ሓንቲ ቦታ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ንማማ እንተዘይውለድ ምሓሸኒ ነይሩ ኢለ ክሳዕ ምንጋር በጺሐ ኢየ።” ማርላ ዓለወኛ ኰይና: ካብ ገዝኣ ወጸት! ሕጂ ግን “እቲ ዝበለጸ ምጽማም ኢዩ” ትብል። ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ እንተድኣ ተጸሚምካ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ምረት: ጸገም: ከምኡውን ቃንዛ ክትርስዖ ኢኻ።
‘ኣደይ ኣይኰንክን! ኣቦይ ኣይኰንካን!’
ሰይተቦኻ ወይ ሰብኣይ ኣዴኻ ክግስጹኻ ቀሊል ኣይኰነን: ገለ ነገር ክትገብር ክእዝዙኻ ኸለዉ ኸኣ ሓሪቕካ ‘ኣደይ ኣይኰንክን! ኣቦይ ኣይኰንካን!’ ንምባል ትፍተን ትኸውን። እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:20 ተጠቒሱ ዘሎ “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ዘክሮ።
ሰይተቦኻ ወይ ሰብኣይ ኣዴኻ ንኽግስጹኻ ስልጣን ከም ዘለዎም ምእማን ሓደ ካብቲ ‘በእምሮ ሰብኣይ ምዃንካ’ ዘርኢ ኢዩ። ነቲ ናይ ወላዲኻ ሓላፍነት ተሰኪሞም ስለ ዘለዉ ከተኽብሮም ይግብኣካ ኢዩ። (ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:1-4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ኣስቴር ወለዳ ምስ ሞቱ ማርዶካይ ከም ኣቦኣ ዀይኑ ‘የዕበያ።’ ናይ ሓቂ ወላዲኣ እኳ እንተዘይነበረ ምስ ዓበየት እውን ከይተረፈ ‘ትእዛዙ’ ኣኽቢራ ኢያ! (ኣስቴር 2:7, 15, 17, 20) ብሓቂ እምበኣር እቲ ሰይተቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዝህብዎ ተግሳጽ ኣባኻ ወይ ኣባኺ ዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ዘርኢ ኢዩ።—ምሳሌ 13:24
ገና ግን መሰረት ዘለዎ መረረ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ። ከምኡ እንተደኣ ኣጋጢሙ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:13 ዘሎ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ” ዝብል ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ‘በእምሮ ሰብኣይ ምዃንካ’ ወይ ከም ዝበሰልካ ኣረጋግጽ።
ብጽሒትካ ምክፋልን ተዓጻፊ ምዃንን ተማሃር
ጃሚ እትበሃል ጓል 15 ዓመት ንበይና ምስ ኣዴኣ ክትነብር ከላ ናይ ብሕታ መደቀሲ ክፍሊ ነበራ: ክቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ ድማ ትኽደን ነበረት። ኣዴኣ ስለ እተመርዓወት ጃሚ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ቈልዑ ዘለውዎ ስድራቤት ምስ ኣተወት ግን እቲ ኵነታት ተለወጠ። “ሕጂ ናይ ብሕተይ መደቀሲ ክፍሊ እውን የብለይን። ዝዀነ ይኹን ነገር ምስኦም ክካፈሎ ኣሎኒ” ብምባል ጓሂኣ ትገልጽ።
እቲ ከም ቦዅሪ ወይ እንኮ ውላድ ዝነበረካ ቦታ እውን ክትገድፍ ትግደድ ትኸውን። ወዲ እንተድኣ ዄንካ ንነዊሕ ግዜ ዝኣክል ናይቲ ገዛ ሰብኣይ ኴንካ ነይርካ ትኸውን: ሕጂ ግን ሰብኣይ ኣዴኻ ኢዩ ነቲ ቦታ ዝሕዞ። ጓል እንተድኣ ዄንኪ ድማ ንስኽን ኣዴኽን ከም ኣሓት ትቀራረባ: ምናልባት እውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ትድቅሳ ነይርክን ትዀና: ሕጂ ግን ሰብኣይ ኣዴኺ ስለ ዘሎ እቲ ኵነታት ክቕየር ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል ይምሕጸን። (ፊልጲ 4:5) እታ ቦዅሪ ቓል “ተዓጸፍቲ ምዃንኩም” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ዀይኑ ኵሉ መሰለይ ክረክብ ኣሎኒ ኢሉ ድርቕ ዘይብል ሰብ ዘንጸባርቖ መንፈስ ኢያ እተመሓላልፍ። ስለዚ ተዓጻፊ: እትለዝብ ኩን። ነቲ ሓድሽ ኵነታትካ ብግቡእ ተጠቐመሉ: ብዝሓለፈ ኣይተስቈርቍር። (መክብብ 7:10) ነቶም ብኣቦ ወይ ብኣደ ኣሕዋትካ ከም ጓኖት ዘይኰነስ ከም ኣሕዋትካ ብምርኣይ ንእትውንኖ ነገራት ምስኦም ክትካፈሎ ፍቓደኛ ኹን። (1 ጢሞቴዎስ 6:18) ንሓድሕድኩም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንምርእኣይ ቀልጢፍኩም ምስ እትጅምሩ: እቲ ንሓድሕድኩም ናይ ምፍታው ስምዒት ድማ ቀልጢፉ ክዓቢ ኢዩ። በቲ ኣቦ እቲ ገዛ ዀይኑ ዘሎ ሓድሽ ሰብ ድማ ኣይትሕረቕ። ነቲ ናይ ገዛ ሓላፍነት ንምስካም ክሕግዝ ብምምጽኡ ባህ ይበልካ።
ነቲ ዝርአ ኣድልዎ ብዓወት ተዋጽኣሉ
ሓንቲ መንእሰይ ጓል ሰብኣይ ኣዲኣ ኣፍቃሪ ምዃኑ ድሕሪ ምእማና ከምዚ ብምባል ትውስኽ:- “ግን ፍልልይ ኣለዎ። ካብቶም መሳቱና ደቁ ንላዕሊ . . . ካባና ኢዩ ብዙሕ ዝጽበ: ዝያዳ ኢዩ ዝቐጽዓና: ጸገማትና ድማ ብዙሕ ኣይርድኦን ኢዩ። እቲ ዘሎና ቀንዲ ግድል እዚ ኢዩ።”
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ነቶም ዘይወለድዎም ቈልዑ ከምቶም ናይ ሓቂ ውሉዳቶም ገይሮም ከም ዘይርእይዎም ተገንዘብ። እዚ ምስቶም ናይ ሓቂ ውሉዳቶም ብደም ስለ እተኣሳሰሩ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓባር ዘሕለፍዎ ተመክሮ እውን ስለ ዘለዎም ኢዩ። ደሓር ከኣ ሓደ ወላዲ እውን ከይተረፈ ነቶም ዝወለዶም ኵሎም ደቁ ሓደ ዓይነት ገይሩ ኣየፍቅሮምን ኢዩ። (ዘፍጥረት 37:3) እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ማዕረን ፍትሓውን ዝብል ኣገላልጻ ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ። ሰባት እተፈላለየ ባህርያትን እተፈላለየ ድሌታትን ኢዩ ዘለዎም። ስለዚ ምስቶም ካልኦት ብሓደ ዓይኒ ትርአ ዲኻ ኣይትርአን ብምሕሳብ ኣዚኻ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ እቲ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ እታ ሰይተቦኻ ዘድልየካ ነገራት ከማልኡልካ ይጽዕሩ ኣለዉ ድዮም የለዉን ንኽትርኢ ፈትን። ዘድልየካ ነገራት ዘይተማልኣልካ ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ ነቲ ጕዳይ ምስ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ክትመያየጠሉ ምኽንያት ኣሎካ።
እቶም ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ዝወለድዎም ውሉዳት ምኽንያት ባእሲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንሳቶም እውን ምስቲ ስድራቤት ክሰማምዑ ግድላት የጋጥሞም ምህላዉ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። አረ ኣብ ገዝኦም ከም መጻእተኛ ገይሮም ብምርኣይ ብኣኻ ይሓርቁ ይዀኑ ኢዮም። ስለዚ ሕያዋይ ንምዃን ዝከኣለካ ኵሉ ጸዓር። እንተድኣ ብነገር ክተናኽፉኻ ጀሚሮም “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ” ሰዓሮ። (ሮሜ 12:21) ደሓር ከኣ እቶም በቦን በደን ኣሕዋት እውን ከይተረፈ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይበኣሱ ስለ ዝዀኑ ከምዚ እንተ ኣጋጠመ ዘገርም ኣይኰነን።—ምዕራፍ 6 ርአ።
ትዕግስቲ ዓስቢ ኣለዎ!
“ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእታኡ ይሐይሽ: ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።” (መክብብ 7:8) እቶም ኣብ ሓንቲ ሰብኣይ ኣደ: ሰይተቦ: ወይ ሒዞምዎም ዝመጹ ቈልዑ ኣብ ዝሓዘት ስድራቤት ዘለዉ ዅሎም ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝተኣማመኑ ዓመታት ክወስድ ልሙድ ኢዩ። ድሕሪኡ ኢዩ እቲ እተፈላለየ ልምድታትን ስርዓታትን ኣብ ሓደ ንዅሉ ዝጠቅም ልምዲ ክልወጥ ዝኽእል። ስለዚ ተዓገስ! “ብኡንብኡ ምዉቕ ፍቕሪ” ክትረክብ ወይ እውን “ብኡንብኡ ስድራቤት” ክትምስረት ትጽቢት ኣይትግበር።
ኣዴኡ እንደገና ምስ ተመርዓወት ቶማስ ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይተሰምዖን። ኣዴኡ ኣርባዕተ ቈልዑ ነበርዋ: እቲ እተመርዓወቶ ሰብኣይ ድማ ሰለስተ ቈልዑ ነበርዎ። “ኣብ መንጎና ባእሲ: ክትዕ: ረብሻ: ሕማቕ ስምዒታት ነበረና” ይብል ቶማስ። ዳሕራይ ግን ብኸመይ ክዕወቱ ኸኣሉ፧ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ሽግራት ተፈትሐ፣ እዚ ግን ብቕጽበት ዘይኰነስ ምስ ግዜን ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ዝመጸ ኢዩ: ቀስ እናበለ ኵሉ ነገራት ተዓረየ።”—ገላትያ 5:22, 23
ኣብተን ብሰብኣይ ኣደ: ሰይተቦ: ወይ ሒዞምዎም ብዝመጹ ቈልዑ ዝቘማ ስድራቤታት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ናይ ሓቂ ዓወት ከም ዘምጽእ በዚ እዞም ቃለ-መጠይቕ እተገብረሎም መንእሰያት ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ክበርህ ይኽእል ኢዩ:-
ኣብተን ሰብኣይ ኣደ: ሰይተቦ: ብወሰን ዝውለዱ ቈልዑ ዘለውወን ስድራቤታት ዝርከቡ ዕዉታት መንእሰያት
ሓታቲ:- ነቲ ብሰብኣይ ኣዴኹም ወይ ሰይተቦኹም ዝወሃበኩም ተግሳጽ ካብ ምንጻግ እትቝጠቡ ብኸመይ ኢኹም፧
ሊንች:- ተግሳጽ ክወሃብ ከሎ ኣደይን ሰብኣይ ኣደይን ሓደ መርገጺ ኢዩ ዘለዎም። ገለ ነገር ከጋጥም ከሎ ንኽገብርዎ ክልቴኦም ኢዮም ዝሰማምዑ: ስለዚ ክቕጻዕ ከለኹ ካብ ክልቲኦም ምዃኑ ኢየ ዝኣምን።
ሊንዳ:- “ከምዚ ክትብለኒ መሰል የብልካን” እብል ስለ ዝነበርኩ ኣብ መጀመርታ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ደሓር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’ ከም ዝብል ክሓስብ ጀመርኩ። ናይ ሓቂ ኣቦይ እኳ እንተዘይኰነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ኣቦይ ኢዩ።
ሮቢን:- ምስቲ ኣደይ እትፈትዎ ሰብ እንተድኣ ተዃርየ ንሳ ክሳዕ ክንደይ ከም እትጕዳእ ይርድኣኒ ኢዩ።
ሓታቲ:- ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ከም ዝህሉ ዝገብር እንታይ ኢዩ፧
ሊንች:- ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ዝገብርዎ ነገራት ክትግደስ ኣሎካ። ኣብ ስርሑ እሕግዞ። ክንሰርሕ ከሎና ኸኣ ንዘራረብ። እዚ ኸኣ ኣተሓሳስብኡ ከመይ ምዃኑ ንኽፈልጥ ሓጊዙኒ። ካልእ ግዜ ኸኣ ምስኡ ኮፍ እብል እሞ ‘ስቕ ኢልና’ ነዕልል ነበርና።
ቫለሪ:- ኣነን ሰይተቦይን ሓቢርና ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ኢና: እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃና ክፈልጣ ከኣ ክኢለ። ናይ ማሕርሮ መሓዙት ድማ ኰንና።
ሮቢን:- ኣቦይ ምስ ሞተ ኣደይ ኣብ ዓመቱ ኢያ ተመርዕያ። ቦታ ናይ ኣቦይ ክህቦ ስለ ዘይደለኹ ምስ ሰብኣይ ኣደይ ኣይሓበርኩን። ብሞት ኣቦይ ክጸናናዕ: ምስ ሰብኣይ ኣደይ ኣጸቢቐ ንኽቐርብ ክሕግዘኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ደጋጊመ ኢየ ጸልየ። የሆዋ ኸኣ ብሓቂ መልሲ ሂብኒ ኢዩ።
ሓታቲ:- ኣጸቢቕኩም ንኽትቀራረቡ እንታይ ገይርኩም፧
ቫለሪ:- ሓድሓደ ግዜ ንሰይተቦይ ክልቴና ጥራይ ፊልም ክንርኢ ክንከይድ እዕድማ። ወይ ድማ ደገ ምስ ዝውዕል ዕንባባ ወይ ካልእ ብዛዕባኣ ከም ዝሓስብ ዘርኢ ነገር ገዚአላ እመጽእ። ነዚ ኸኣ ብሓቂ ተማስወሉ ኢያ።
ኤሪክ:- ክልቴኻ እትፈትዎ ነገር ንኽትረክብ ክትደሊ ኣሎካ። ምስ ሰብኣይ ኣደይ ዘራኽበና ናይ ሓባር ነገር ነደይ ስለ እተመርዓወን ኣብ ሓደ ገዛ ስለ እንነብርን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘለዎ ኣነውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክግደስ ምስ ጀመርኩ ጥራይ ኢየ ዝዓበየ ሓገዝ ረኺበ። ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ክቐርብ ምስ ጀመርኩ ናብ ሰብኣይ ኣደይ ድማ ክቐርብ ጀመርኩ። ሕጂ ብሓቂ ናይ ሓባር ነገር ኣሎና!
ሓታቲ:- ብብሕትኹም እንታይ ረብሓ ረኺብኩም፧
ሮቢን:- ምስ ኣደይ ጥራይ ክነብር ከለኹ ዓለወኛን ጸይቅን ኢየ ነይረ። ኣነ ዝደለኽዎ ጥራይ ክገብር ኢየ ዝደሊ ነይረ። ሕጂ ግን ንኻልኦት እውን ኣብ ግምት ከእቱ: ከምኡውን ስሱዕ ክኸውን ከም ዘይብለይ ተማሂረ።
ሊንች:- ሰብኣይ ኣደይ ከም ሰብኣይ ክሓስብ ሓጊዙኒ ኢዩ። ሞያ ከጥሪ: ከምኡውን ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ምሂሩኒ ኢዩ። ኣጸጋሚ ነገራት ኣጋጢሙ ሓገዝ ክደሊ ከለኹ ንኽሕግዘኒ ኵሉ ግዜ ቅሩብ ኢዩ። ማንም ሰብ ክረኽቦ ዘይክእል ኣቦ ኢዩ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 5
◻ ብዙሓት መንእሰያት ወለዶም እንደገና ክምርዓዉ ኸለዉ ከመይ ይስምዖም፧ ስለምንታይከ፧
◻ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምንጽብራቕ ንሓደ መንእሰይ ዕዉት ንኽኸውን ብኸመይ ክሕግዞ ይኽእል፧
◻ ነቲ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ዝህብዎ ተግሳጽ ክትቅበሎ ኣሎካዶ ኢዩ፧
◻ ተዓጻፊ ምዃንን ዘሎካ ንኻልኦት ምክፋልን ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ምስቶም ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ካብ ካልእ ዝወለድዎም ውሉዳት ብማዕረ ክትርአ ትጽቢት ክትገብር ኣሎካዶ ኢዩ፧ ርትዓዊ ኣተሓሕዛ ከም ዘይተገብረልካ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካኸ፧
◻ ምስ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ እንታይ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ፧
[Blurb on page 45]
“እታ ሓዳስ ሕጽይቲ ኣቦይ ነቲ ናይ ኣደይ ቦታ ትወስድ ዘላ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ ኸኣ ብሕማቕ ተቐበልክዋ”
[Picture on page 43]
ወላዲኻ እንደገና ክምርዖ ኸሎ ምርኣይ ሕርቃን: ፍርሂ: ከምኡውን ቅንኢ ከም ዝስምዓካ ዝገብር ኢዩ
[Picture on page 46]
መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኣይ ኣዴኻ ወይ ሰይተቦኻ ዝህቡኻ ተግሳጽ ክትቅበሎ ከቢድ ኢዩ