ምዕራፍ 11
11 ክዳውንተይ ነቲ ናይ ሓቂ እንታይነተይ ዝገልጽ ድዩ፧
ፔጊ ምስ ወለዳ ክትዛረብ ከላ “ክሳዕ ኽንድቲ ሓጺር ኣይኰነን” ኢላ ምስ ጨደረት: ወሲኻ ኸኣ “ንስኻትኩም ድሑራት ስለ ዝዀንኩም ጥራይ ኢዩ!” በለት። በቲ ኽትክደኖ ዝደለየት ጐና ክዳን ክረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ ኰርያ ናብ መደቀሲኣ ከደት። ምናልባት ንስኻትኩም እውን ወለድኹም: መምሃራንኩም: ወይ ኣስራሒኹም ነቲ እትፈትውዎ ክዳን ምስ ዝነቕፍዎ ተመሳሳሊ ዝዀነ ዘይምርድዳእ ኣጋጢምኩም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንስኻትኩም ጽቡቕ ኢዩ ትብልዎ: ንሳቶም ግን ቅጥዒ ዘይብሉ ክዳን ኢዩ ይብልዎ። ንስኻትኩም ዘመናዊ ኢዩ ትብልዎ: ንሳቶም ግን ንሕማቕ ነገር ዝዕድም ኢዩ ይብልዎ።
ናይ ሰብ ምርጫ ከም ዝፈላለ: ምርጫኹም ከተኽብሩ ድማ መሰል ከም ዘለኩም ርዱእ ኢዩ። ብኣከዳድና ዝመጸ ግን ‘ዝዀነ ይኹን ክዳን ቅቡል ኢዩ’ ማለት ድዩ፧
እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፧
ሓንቲ ፓም እትበሃል ጓል “እትኽደኖ ኽዳን ናይ ሓቂ መንነትካን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ከም ዝስምዓካን ዝገልጽ ኢዩ” ትብል። እወ: ኣከዳድና መልእኽቲ የመሓላልፍ ኢዩ: ብዛዕባኻ ይዛረብ ኢዩ። ኣከዳድና ጥንቁቕን ርጉእን ምዃንካ: ልዑል ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ከም ዘሎካ ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ ዓለወኛን ዘይሕጉስን ምዃንካ ዘቃልሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከም መለለዪ ኰይኑ እውን ከገልግል ይኽእል ኢዩ። ገለ መንእሰያት ቀዳድ ክዳውንቲ: ናይ ፓንክ ቅዲ: ወይ ምልክት ንግዲ ዘለዎ ክቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ ይኽደኑ። ካልኦት ድማ ንኣከዳድናኦም ኣንጻር ጾታ ንምስሓብ ወይ ዓበይቲ መሲሎም ንኽርኣዩ ይጥቀምሉ።
ስለዚ ኣከዳድና ንብዙሓት መንእሰያት ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዘገድሶም ብቐሊሉ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ደራሲ ናይታ ድረስ ፎር ሳክሰስ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጆን ቲ. ሞለይ ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ኣከዳድናና ኣብቶም እንረኽቦም ሰባት ብርቱዕ ጽልዋ ኣለዎ: ነቲ ዝገብሩልና ኣቀባብላ ድማ ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኢዩ።”
ስለዚ እምበኣር ወለድኹም ብዛዕባ ኣከዳድናኹም እምብዛ እንተ ተጨነቑ ኣየገርምን ኢዩ! ብኣረኣእያኦም ኣከዳድና ክበሃል ከሎ ናይ ምርጫ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። ኣከዳድናኹም ብዛዕባኹም እቲ ልክዕ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ኢዮም ዝደልዩ። ሚዛናውያንን ሓላፍነት ዝስምዖምን ሰባት ምዃንኩም ዘንጸባርቕ ክዳውንቲ ክትክደኑ ኢዮም ዝደልዩ። እንተዀነ ግን: ኣከዳድናኹም እዚ መልእኽቲ እዚ ድዩ ዘመሓላልፍ፧ ክዳውንቲ ክትመርጹ ኸለኹም ብምንታይ ኢኹም እትምርሑ፧
“ኣዕሩኽተይ ክገብርዎ ዝደልዩ ዅሉ ኢየ ዝገብር”
ንብዙሓት መንእሰያት ክዳውንቲ ናጽነቶምን መንነቶምን ዝገልጽሉ መገዲ ኢዩ። መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን ግን ባህርያትካ ገና ኣብ መስርሕ ኢዩ ዘሎ። ገና ክዓብን ክቀያየርን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እንታይነትካ ክትገልጽ እኳ እንተ ደለኻ: እንታይ ኢልካ ከም እትገልጽ ወይ ብኸመይ ክትገልጾ ከም እትኽእል ግን ትወላወል ኢኻ። ገለ መንእሰያት ቅጥዒ ዘይብሉን ጽዩፍን ዝዀነ ኣከዳድና የዘውትሩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ብምግባሮም ንወለዶም የሕፍርዎም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ክንዲ ናይ ሓቂ ‘መንነቶም’ ዘንጸባርቑ ዘይብሱላት ምዃኖም ኢዮም ዝሕብሩ።
ካልኦት መንእሰያት ድማ ከም መዛንኦም ክኽደኑ ይደልዩ፣ ከምዚ ምግባሮም ናይ ድሕንነት ስምዒትን ኣባላት እቲ ጕጅለ ምዃኖም ዘረጋግጸሎምን ይመስሎም። ንብጾትካ ክትመስል ምድላይ ጌጋ ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 9:22 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ኣባል ናይ ዘይኣመንቲ ጕጅለ መንእሰያት ኰይኑ ክፍለጥ ይደልዶ ኢዩ፧ ዝኸፈልካ ከፊልካ ናይ መዛኑኻ ስምረት ክትረክብ ምድላይከ ጥበባዊዶ ኢዩ፧ ሓንቲ መንእሰይ “ብዛዕባይ ገለ ሕማቕ ነገር ምእንቲ ከይዛረቡ ኣዕሩኽተይ ክገብርዎ ዝደልዩ ዅሉ ኢየ ዝገብር” ኢላ ትእመን። ሓደ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ናይ ካልእ ሰብ ድሌት ዝግዛእ: ንናይ ካልእ ባህግን ድሌትን ዝጕንባሕ ምስ ዝኸውን እንታይ ኢልካ ምጸዋዕካዮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ርእስኹም ንትህብዎ . . . ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ሮሜ 6:16
መንእሰያት “ምስ ጕጅለኦም ክሰማምዑ ብርቱዕ ድሌት ስለ ዘለዎም ብናይቲ ጕጅለ መምርሒ ቅዩዳት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ ብዛዕባ ኣከዳድና: ኣዘራርባ: ተግባር: አረ ብዛዕባ ዝሓስብዎን ዝኣምንዎን ነገራት እውን ከይተረፈ ምኽሪ ንምርካብ ኣብኦም [ኣብ መዛንኦም] ኢዮም ዝምርኰሱ።”—ኣዶለሰንስ:- ትራንስሽን ፍሮም ቻይልድሁድ ቱ ማቹሪቲ (እንግሊዝኛ)
እንተዀነ ግን: ኣዕሩኽትኻ ብዛዕባ እዚ ምኽሪ ንኽህቡኻ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ብቑዓት፧ (ምስ ማቴዎስ 15:14 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ከምቲ ናትካ ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ጸገማት ዘለዎምዶ ኣይኰኑን፧ ስለዚ እምበኣር: ንሳቶም መምርሒታት—ሓድሓደ ግዜ ኣንጻር እቲ ንስኻ ብልምዲ እትፈልጦ ወይ ኣንጻር እቲ ወለድኻ ዝማሃሩኻን ዝደልይዎን መምርሒታት—ከውጽኡልካ ስቕ ኢልካ ክትርእስ ጥበባውዶ ኢዩ፧
ሎሚ “ዘሎ” ጽባሕ “የለን”
ካልኦት መንእሰያት ድማ በቲ ናይ ፋሽን ንፋሳት ኢዮም ዝምርሑ። እዚ ንፋሳት እዚ ግን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተለዋዋጢ ኰን ኢዩ! እዚ ኸኣ ነቲ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ [“ተለዋዋጢ:” NW ] እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ዘዘኻኽረና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ሎሚ “ዘሎ” ጽባሕ ግን ብሃንደበት (እትገብሮ ብዙሕ ወጻኢ ብዘየገድስ) ግዜኡ ዝሓለፈ ይኸውን። ናይ ደቀንስትዮ ክዳውንቲ ይሓጽር ይነውሕ: ስረታት ሓንሳእ ጃንጎ ሓንሳእ ድማ ጸቢብ እናዀነ ይቀያየር። ካብዚ ዅሉ ዝረብሑ ድማ እቶም ነቲ ብቐሊሉ ዝጠዋወ ህዝቢ ተጠቒሞም ሃብቲ ዘኻዕብቱ ኣፍረይትን ቅዲ ኽዳን ዘውጽኡን ሰባት ኢዮም።
ንኣብነት: ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝነበረ ቅዲ ጂንስ ስረ ውሰድ። ብሃንደበት ጂንስ ዘመናዊ ክዳን ኰነ። ካልቪን ክለይን: ግሎርያ ቫንደርቢት ዝብል ኣስማት እተለጠፎ ስረታት ገይሮም ኳዕነን ንኽብሉ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ከፈሉ። ፕረዚደንት ናይቲ “ሰርጅዮ ቫለንተ” ዝበሃል ዓይነት ጂንስ ዘፍሪ ኩባንያ ኤሊ ካፕላን “ሰባት ስም ኢዮም ዝደልዩ” ኢሉ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: እዚ ስሙ ከም ክቡር ኰይኑ ተራእዩ ኣብ ናይ ጂንስ ጁባታት ተጻሒፉ ዘሎ ቫለንተ ዝበሃል ሰብኣይ እንታዋይ ኢዩ፧ ኒውስዊክ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት “ሕጂ ብህይወት የለን” ይብል። ካፕላን ባዕሉ ክገልጽ ከሎ “ኣብቲ ጂንስ ኤሊ ካፕላን ዝብል ስያመ እንተ ዝልጠፍ መን ምዓደጎ፧” ይብል።
‘እሞ ዘመናዊ ክዳን ምኽዳን ጌጋ ኢዩ ማለት ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ዅሉ ግዜ ጌጋ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ከባቢኦም ቅቡል ዝዀነ ዓይነት ክዳውንቲ ኢዮም ዝኽደኑ ነይሮም። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ “ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ” ታማር ወለል ዝብል ቀሚሽ ተኸዲና ምንባራ ይነግር።—2 ሳሙኤል 13:18
እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ባርያ ዘመናዊ ቅዲ ክኸውንዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ተማርር:- “ኵሉ ሰብ ዝገብሮ ዓይነት ስረ ኣብ ሓደ ድኳን ትርኢ እሞ ‘ማማ እዚ ስረ እዚ ግዝእለይ’ ትብል: ንሳ ኸኣ ‘ኣይፋልን: ልክዕ ከምኡ ኣብ ገዛ ባዕለይ ክሰፍየልኪ ኢየ’ ትብለካ። ኣነ ኸኣ ‘ግን ኣይተረዳእክንን ኣሎኺ ማማ: ኣነ እዚ ስረ እዚ ኢየ ዝደሊ’ እብል።” ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን መጋበርያ ኣውጻእቲ ቅዲ ምዃን ነቲ ከም ውልቀ-ሰብ መጠን ዝነበረካ መለለዪ ገፊፉ እንታይነትካ ዘጥፍእዶ ከይኰነ፧ ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሬክላማትን ጭርሖታትን ኣስማት ኣውጻእቲ ቅድን ትኣቱ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ 12:2 “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ይነግረና። ብኣመራርጻ ኽዳን ዝመጸ ‘ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ’ እንታይ ኢዩ፧
‘ግቡእን ሕንኪ ዘለዎን’
ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:9 ክርስትያናት ‘ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሶምን ክስለሙ’ ተተባብዕ። ‘ግቡእ ክዳውንቲ’ ክበሃል ከሎ ጽፉፍን እዱብን ማለት ኢዩ። ‘ሕንኪ’ ድማ ንዅነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ዓይነት ማለት ኢዩ። ብግቡእ እተስታረረ ጁባን ስረን ንስራሕ ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ኣብ ደንደስ ባሕሪ ክትናፈስ ከሎኻ ክትገብሮ ግን ግቡእ ኣይኰነን! ወይ ድማ ናይ መሐንበሲ ክዳን ኣብ ቤት ጽሕፈት ክትገብሮ ዘሕፍር ኢዩ።
ስለዚ ኸኣ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ወይ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝኽደንዎ ክዳውንቲ ኣብ ምዝንጋዕ ዝኽደንዎ ዓይነት ዘይኰነስ ከም መንእሰያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘፍልጦም ንኽኸውን ክጥንቀቕሉ ኣለዎም። ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:3, 4 ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ዘክርዎ። ከምዚ ይብል:- “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና።”
ሕንኪ ዘለዎ ክዳውንቲ ምኽዳን ናይ ካልኦት ስምዒት ኣብ ግምት ከም እተእቱ ዝገብር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ሓደ ክርስትያን ገለ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ሕልንኡ ጥራይ ዘይኰነስ ሕልና ‘ብጻዩ’ እውን ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:29) ብፍላይ ሕልና ወለድኻ ከገድሰካዶ የብሉን ኢዩ፧
ብግቡእ ምኽዳን ዘለዎ ረብሓ
ንግስቲ ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ዝነበረ በዓል ቤታ ክትቀርብ ኣድልይዋ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከይተዓደምካ ኣብ ንጉስ ምቕራብ ከም ከቢድ ገበን ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ! ኣስቴር ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ኣበርቲዓ ከም ዝጸለየት ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: “ልብሰ መንግስቲ”—ነቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ክዳን—ብምኽዳን ኣብ ኣከዳድናኣ ተገዳስነት ኣርእያ ኢያ! ስለዚ ኸኣ “እቲ ንጉስ ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞገስ ረኸበት።”—ኣስቴር 5:1, 2
ሕንኪ ዘለዎ ማራኺ ክዳን ምልባስ ስራሕ ንምርካብ ቃለ-መጠይቕ ኣብ እትገብረሉ ግዜ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዳይረክተር ናይ ሓደ ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዝ ማእከል ዝዀነት ቪኪ ኤል. ባውም ከምዚ በለት:- “ገለ ደቂ ኣንስትዮ ቃለ-መጠይቕ ክገብራ ክኸዳ ከለዋ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ጽቡቕ ዝዀነ ኣፍልጦ የብለንን። ምስ ኣንጻር ጾታ ቈጸራ ዘለወን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዐን: ንኸስድዓ ዝዓለማ ኸኣ ኢየን ዝመስላ።” እቲ ውጽኢትከ፧ “ስራሕ ደሊኻ ዝመጻእካ ኣይትመስልን ኢኻ።” ስለዚ ኸኣ “ጸቢብ ወይ ካልእ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዓይነት ክዳን” ክኽደና ከም ዘይብለን ምኽራ ተመሓላልፍ።
መንእሰያት ኣወዳት እውን ስራሕ ደልዮም ክኸዱ ኸለዉ ግቡእ ክዳውንቲ ክኽደኑ ኣለዎም። ጆን ቲ. ሞለይ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ ሓለፍቲ ስራሕ “ጸጕሮም ብግቡእ እተመሸጠ: ኣሳእኖም ድማ እተወልወለ ኢዩ: ስለዚ ካልኦት ሰብኡት እውን ከምኡ ክዀኑ ኢዮም ዝደልይዎም” ይብል።
ይኹን እምበር: ሕንኪ ዘይብሉ ክዳን ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። ሳይኮሎጂ ቱደይ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ኣባጽሕ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እተገብረ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ደቀንስትዮ “ደረተን ዘይሽፍን ናይ ላዕሊ ክዳን: ሓጺር ስረ: ጸቢብ ጂንስ ምስ ዝኽደና: ወይ መትሓዚ ጡብ ምስ ዘይገብራ” ደቂ ተባዕትዮ ንጾታዊ ርክብ ዝዕድምኦም ዘለዋ ገይሮም ከም ዝርድእዎ ይሕብር። ሓደ መንእሰይ “ኣነ ንኣከዳድና ንኣሽቱ ኣዋልድ ርእየ ንጹህ ነገር ጥራይ ክሓስብ ኣዝዩ ኢዩ ዝኸብደኒ” ኢሉ ይእመን። ሕንኪ ዘለዎ ክዳን ምልባስ ካልኦት ንውሽጣዊ ባህርይ ናይቲ ሰብ ከም ዘማስውሉ ዝገብሮም ኢዩ። ሓደ ክዳን ሕንኪ ዘለዎ ድዩ ኣይኰነን እንተድኣ ርግጸኛታት ዘይኴንኩም ምኽሪ ክህብኹም ንወለድኹም ሕተትዎም።
‘ናይ ውሽጢ ሰብ’ ምልባስ
ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ስልማቶም ‘እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ [እወ: ኣብ ቅድሚ ካልኦት እውን] ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ’ ክኸውን ኣተባቢዑ ኢዩ! (1 ጴጥሮስ 3:4) መዛኑኻ ዘመናዊ ክዳውንቲ የድንቑ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ክዳውንቲ ልቢ ሰብ ከም እትትንክፍ ወይ እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከም እተጥሪ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ‘ናይ ውሽጢ ሰብ’ ብምልባስ—ውሽጣዊ ባህርይኻ ብምምዕባል—ኢዩ ዝዕመም። (2 ቈረንቶስ 4:16) ሓደ ሰብ ብውሽጡ ምልኩዕ ምስ ዝኸውን ክዳውንቱ ወይ ክዳውንታ ዘመናዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ወይ ተራ ኣሰፋፍያ ዘለዎ እንተዀነ እውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኵሉ ግዜ ስሓቢ ኢዩ።
መንእሰያት ጸኒሖም ነየናይ ዘመናዊ ቅዲ ንምግዛእ ናብ ድኳውንቲ ከም ዝጐዩ ዝፈልጥ የለን። ንስኻትኩም ግን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኹም ክትሓስቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣመራርጻ ክዳውንቲ ልዑል ዝዀነ መዐቀኒ ይሃልኹም። ዘመናዊ ቅድን ንጾታዊ ርክብ ዝዕድምን ክዳውንቲ ንየው በልዎ። ሞድኡ ዝወደቐ ክዳውንቲ ተኸደኑ ማለት እኳ እንተዘይኰነ: ደድሕሪ ዘመናዊ ቅዲ ንምጕያይ ግን ፈለምቲ ኣይትኹኑ። ቀልጢፉ ፋሽኑ ዝሓልፍ ዓይነት ክዳውንቲ ዘይኰነስ ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝኽእል ብሉጽ ክዳውንቲ ምረጹ። ክዳውንትኹም መራኸቢ ብዙሓን ወይ መዛንኹም ዘውጽእዎ ዓይነት ባህርይ ከም እተንጸባርቑ ዝገብረኩም ክኸውን ይብሉን። ነቲ ናይ ሓቂ እንታይነትኩም ብልክዕ ዘመሓላልፍ ምዃኑ ኣረጋግጹ!
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 11
◻ ክዳውንቲ ብዛዕባ ሓደ ሰብ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ገለ መንእሰያት ኣብቲ ዝገብርዎ ናይ ክዳውንቲ ምርጫ ነቲ ካብ ልሙድ ወጻኢ ዝዀነ ናብ ምምራጽ ዝዘዝዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ብኣመራርጻ ክዳውንቲ ዝመጸ ክሳዕ ክንደይ ኢኹም ብመዛንኹም እትጽለዉ፧
◻ ኵሉ ግዜ ደድሕሪ ሓድሽ ቅዲ ምስዓብ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧
◻ ሓደ ቅዲ ‘ሕንኪ ዘለዎን ግቡእን’ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውስኖ እንታይ ኢዩ፧
[Picture on page 91]
ብኣከዳድና ዝመጸ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኵሉ ግዜ ምስ ተጋጨዉ ኢዮም። ወለዲ ዘመናዊ ምዃን እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈልጡ ድዮም፧
[Picture on page 92]
ብዙሓት መንእሰያት እተፈልየ ዓይነት ክዳውንቲ ብምልባስ እንታይነቶም ከርእዩ ይደልዩ
[Picture on page 93]
ምስቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ክዳውንቲ ተኸደኑ። ኣከዳድናኹም ብዛዕባኹም ይዛረብ ኢዩ!
[Blurb on page 94]
“እትኽደኖ ክዳን ናይ ሓቂ መንነትካን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ከም ዝስምዓካን ዝገልጽ ኢዩ”