ክፍሊ 4
ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝስምዓኒ፧
ዝበዝሕ ግዜ ጽምዋ ዝስምዓካ: እትጭነቕ: እተስቈርቍር: እትሕለል ዓይነት ሰብዶ ኢኻ፧ ብርግጽ: ከምኡ ኣይኰንካን! ልክዕ ከም መብዛሕትኦም መንእሰያት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ዝስምዓካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሉታዊ ስምዒታት ይስምዓና ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ክትፈልጣ ከም እትኽእልን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሉን ንኽትፈልጥ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት ብምርዳእ ኣንብቦ።