ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 25 ድጕዓ ኤርምያስ
ጸሓፊ:- ኤርምያስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ጥቓ የሩሳሌም
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- 607 ቅ.ክ.
እዛ ኽፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝዀነት መጽሓፍ ግቡእ ስም እዩ ተዋሂቡዋ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝወረደ መዓትን ብ607 ቅ.ክ. ብነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣትን ከቢድ ሓዘን እትገልጽ ድጕዓ እያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብእብራይስጢ በታ ኢህኻህ! ማለት “ከመይ!” እትብል ናይ መጀመርታ ቓላ እያ ተሰይማ። ተርጐምቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተረኖይ: ማለት “ልቕሶ፣ ድጕዓ” ኢሎም ጸውዕዋ። እቲ ታልሙድ ባቢሎን ከኣ ቂኖህት: ማለት “ልቕሶ፣ ወዮ” ዚብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ጀሮም ብላቲን ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ከኣ ላመንታቲዮንስ ዚብል ስም ሃባ: እዚ ድማ ነቲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ኣውሮጳ እትጽውዓሉ መሰረት ኰነ።
2 ኣብ ናይ ትግርኛ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: ድጕዓ ኤርምያስ ድሕሪ ትንቢት ኤርምያስ እያ እትርከብ። ብመሰረት ቀኖና እብራይስጢ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሃግዮግረፋ ወይ መጻሕፍቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ: ምስ መሃልየ መሃልይን ሩትን መክብብን ኣስቴርን ብሓባር እያ እትርከብ ነይራ፣ እዚ ንእሽቶ ጕጅለ ኸኣ ብሓባር ሓሙሽተ መግሂሎት (ጥቕላላት) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ኣብ ገሊኡ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱሳት እብራይስጢ: ኣብ መንጎ ሩትን መክብብን ወይ ኣብ መንጎ ኣስቴርን መክብብን ትርከብ፣ ኣብ ጥንታዊ ቕዳሓት ግን ከምቲ ሎሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላቶ ደድሕሪ ትንቢት ኤርምያስ ትርከብ ምንባራ እዩ ዚግለጽ።
3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ መን ከም ዝጸሓፋ ኣይትገልጽን እያ። ኰይኑ ግን: ኤርምያስ ምዃኑ ብዙሕ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ከምዚ ዚብል መቕድም ኣለዋ:- “ኰነ ድማ: እስራኤል ምስ ተማረኸን የሩሳሌም ምስ ባደመትን: ኤርምያስ ተቐሚጡ ነብዐ: ንየሩሳሌም ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ድጕዓ ደጕዓላ።” ጀሮም ነዘን ቃላት እዚኣተን ሓቅነት ዘይብለን ገይሩ ስለ ዝወሰደን ካብቲ ትርጕሙ ኣውጺእወን ኣሎ። ይኹን እምበር: ብመሰረት ያታ ኣይሁድ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኤርምያስ እዩ ጽሒፍዋ፣ እዚ ድማ በቲ ትርጕማት ሱርስት: ናይ ላቲን ቩልጌት: ታርጉም ጆናታን: ታልሙድ ባቢሎን: ከምኡውን ብኻልእ ጽሑፋት ተረጋጊጹ እዩ።
4 ገሊኦም ሓያስያን ኤርምያስ ነዛ ድጕዓ ኤርምያስ እትበሃል መጽሓፍ ከም ዘይጸሓፋ ኼረጋግጹ ይፍትኑ እዮም። ይኹን እምበር: እታ ኤ ኮመንታሪ ኦን ዘ ሆሊ ባይብል ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ኤርምያስ ከም ዝጸሓፋ መርትዖ ትህብ:- “ኣብ ምዕ. 2ን 4ን የሩሳሌም ብንጹር ተገሊጻ ምህላዋ: ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝጸሓፋ መርትዖ ዚኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ እውን እቲ ኣብ ኵሉ እቲ ግጥምታት እተንጸባረቐ ብርቱዕ ብቝባቘን ትንቢታዊ መንፈስን ከምኡውን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ኣሰራርዓ ሓረጋትን ሓሳባትን ብምሉኡ ናይ ኤርምያስ ምዃኑ ይልለ እዩ።”a ኣብ ድጕዓ ኤርምያስን ኣብ ትንቢት ኤርምያስን ሓያሎ ተመሳሳሊ መግለጺታት ኣሎ። ንኣብነት: ነቲ ኸቢድ ሓዘን ዜመልክት ‘ኣዒንቲ ንብዓት ከም ዜውሕዛ (ዘርባሕባሕ ከም ዚብላ)’ (ድጕ. 1:16፣ 2:11፣ 3:48, 49፣ ኤር. 9:1፣ 13:17፣ 14:17) ከምኡውን ነብያትን ካህናትን ብልሹዋት ብምዃኖም ከም እተፈንፈኑ ዚገልጽ ሓሳብ ኪጥቀስ ይከኣል። (ድጕ. 2:14፣ 4:13, 14፣ ኤር. 2:34፣ 5:30, 31፣ 14:13, 14) እቲ ኣብ ኤርምያስ 8:18-22 ከምኡውን 14:17, 18 ዚርከብ ሓሳባት: ኤርምያስ ከምቲ ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ ዝነበረ ገይሩ ኼልቅስ ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ።
5 እቲ እተጻሕፈትሉ ግዜ ደድሕሪ እቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ዝወደቐትሉ ግዜ ምዃኑ መብዛሕትኡ ዚሰማምዓሉ እዩ። እታ ኸተማ እተኸበበትሉን ዝነደደትሉን ኣጋጣሚ ኣብ ኣእምሮ ኤርምያስ ገና ብሓድሹ እዩ ነይሩ: ጓሂኡ ድማ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ: ሓደ መዳይ እቲ ዜሕዝን ኵነት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተገልጸ: የግዳስ ብእተፈላለየ ግጥምታት ከም ዚደጋገም ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “እዚ ምብትታን ሓሳብ እዚ . . . ሓደ ኻብቲ እታ መጽሓፍ ምስቲ ኸተመሓላልፎ እትደልዮ ፍጻመታትን ስምዒታትን ኣብ ዚቀራረብ ግዜ ኸም እተጻሕፈት ዚሕብር ኣዝዩ ሓያል መርትዖታት እዩ” በለ።b
6 ድጕዓ ኤርምያስ እተጻሕፈትሉ ኣገባብ ንብዙሓት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ። ሓሙሽተ ምዕራፋት ኣለዋኣ: እዚ ኸኣ ሓሙሽተ ግጥምታት እዩ። እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ምዕራፋት ብተርታ ፊደላት እብራይስጢ ዚጅምራ እየን: ማለት ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ብሓደ ኻብተን 22 ፊደላት እብራይስጢ እያ እትጅምር። በቲ ኻልእ ሸነኽ: እታ ሳልሰይቲ ምዕራፍ 66 ቍጽርታት ኪህልዋ ኸሎ: ነፍሲ ወከፍ 3 ተኸታተልቲ ቝጽርታት ብሕደ ፊደል ይጅምራ: እተን ዚቕጽላ ድማ በታ እትቕጽል ፊደል ይጅምራ። እታ ሓምሸይቲ ግጥሚ 22 ቝጽርታት እኳ እንተ ኣለዋ: ብተርታ ፊደላት እትጅምር ኣይኰነትን።
7 ድጕዓ ኤርምያስ: ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ብምኽባቡን ብምሓዙን ብምዕናዉን ብዙሕ ሓዘን እተገልጸላ መጽሓፍ እያ: ብንጹርነትን ብኣገላልጻ ስምዒትን ድማ መወዳድርቲ ዘይብላ እያ። እቲ ጸሓፊ በቲ ዝረኣዮ ምብዳምን ጸበባን ሕንፍሽፍሽን ዓሚቝ ሓዘኑ ገሊጹ እዩ። ጥሜትን ሰይፍን ካልእ ዜስካሕክሕ ነገራትን ነታ ኸተማ ብዙሕ ስቓይ እዩ ኣምጺኡላ። እዚ ዅሉ ብሰንኪ እቲ ህዝብን እቶም ነብያትን እቶም ካህናትን ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ቐጥታዊ መቕጻዕቲ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ የሆዋ ዝነበረ ተስፋን እምነትን ኣይጠፍአን: እቲ ናብ ዓዶም ንምምላስ ዚግበር ጸሎት እውን ናብኡ እዩ ዚቐርብ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
13 ድጕዓ ኤርምያስ ነቲ ኤርምያስ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ምሉእ ምትእምማን ትገልጽ እያ። ኣብቲ ዓሚቝ ሓዘንን ዚደቍስ ስዕረትን ዝነበረሉ እዋን: እቲ ነብዪ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ምንጪ ናይ ምጽንናዕ ተስፋ ኣብ ዘይረኽበሉ ግዜ: እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኵሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ንዜምጽኦ ድሕነት ብሃንቀውታ ይጽበ ነበረ። ድጕዓ ኤርምያስ ኣብ ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ተኣዛዝነትን ንጽህናን ከተለዓዕል ከላ: ነቶም ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ስምን ነቲ ዝቘመሉ ዕላማን ዚንዕቁ ኸኣ ዜፍርህ መጠንቀቕታ ትህቦም እያ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝንን ውሽጥኻ ዚትንክፍን ቃላት እተደጕዓላ ኻልእ ዝዓነወት ከተማ ኣብ ታሪኽ ኣይንረክብን ኢና። ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታትን ተረርቲ ኽሳድን ዘይንስሑን ዘበሉ ተሪር ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ምግላጻ ጠቓሚ እዩ።
14 ድጕዓ ኤርምያስ ሓያሎ መጠንቀቕታታትን ትንቢታትን ኣምላኽ ከም እተፈጸመ ብምግላጻ እውን ጠቓሚት እያ። (ድጕ. 1:2—ኤር. 30:14፣ ድጕ. 2:15—ኤር. 18:16፣ ድጕ. 2:17—ዘሌ. 26:17፣ ድጕ. 2:20—ዘዳ. 28:53) ብዘይካዚ: ድጕዓ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ዘዳግም 28:63-65 ዚርከብ ቃላት ንጹር ምስክርነት ከም ዝዀነት ኪስትበሃለሉ ይግባእ። ብተወሳኺ: እታ መጽሓፍ ካብ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ትጠቅስ እያ። (ድጕ. 2:15—መዝ. 48:2፣ ድጕ. 3:24—መዝ. 119:57) ዳንኤል 9:5-14 መዓት ብሰንኪ እቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኸም ዚመጽእ ክትሕብር ከላ: ንድጕዓ ኤርምያስ 1:5 ከምኡውን 3:42 ትድግፍ እያ።
15 እቲ ንየሩሳሌም ዘጋጠማ ዜሕዝን መዓት ብርግጽ ልቢ ዚዅምትር እዩ። ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ግን የሆዋ ሳህሉን ምሕረቱን ከም ዜርእን ንጽዮን ከም ዚዝክራን ከም ዚመልሳን ድጕዓ ኤርምያስ ትገልጽ እያ። (ድጕ. 3:31, 32፣ 4:22) ከምቲ ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ሰሎሞንን ኣብ የሩሳሌም ዚገዝኡሉ ዝነበሩ ዝኣመሰለ ‘እተሓደሰ መዓልትታት’ ከም ዚመጽእ ተስፋ ትገልጽ እያ። የሆዋ ምስ ዳዊት ንዘለኣለማዊ መንግስቲ ዝኣተዎ ኺዳን ገና ኣሎ! “ምሕረቱ ኣይተወድኤን . . . ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ።” ነቶም ክሳዕ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ጽድቃዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ዅሉ ፍጡር ብምስጋና ‘የሆዋ ግደይ እዩ’ ዚብለሉ እዋን ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ዘበሉ: ምሕረቱ ኪቕጽል እዩ።—5:21፣ 3:22-24
[እግረ-ጽሑፋት]
a 1952, ብጀይ. ኣር. ዳመሎው እተሰናደወ: ገጽ 483
b ስታዲስ ኢን ዘ ቡክ ኦቭ ላመንቴሽንስ: 1954: ኖርማን ከይ. ጎትዋልድ: ገጽ 31