ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 27 ዳንኤል
ጸሓፊ:- ዳንኤል
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ባቢሎን
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 536 ቅ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 618–ከባቢ 536 ቅ.ክ.
ኣብዚ ግዜና ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ጥቓ መዓት በጺሖምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን: መጽሓፍ ዳንኤል ዓብዪ ኣገዳስነት ንዘለዎ ትንቢታዊ መልእኽትታት ከም እነተኵረሉ ትገብር እያ። መጽሓፍ ሳሙኤልን መጽሓፍ ነገስትን መጽሓፍ ዜና መዋእልን ነቲ ጽላሎት መንግስቲ ኣምላኽ (ስርወ-ንግስነት ዳዊት) ብዓይኖም ርእዮም ዝመዝገብዎ ታሪኽ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ: ዳንኤል ግን ኣብ ኣህዛብ ዓለም እዩ ዜተኵር፣ ነቲ ኻብ ግዜኡ ኽሳዕ እዚ “ዘመን መወዳእታ” ዘሎ ኣብ ዓበይቲ ስርወ-ንግስነታት ዚግበር ቃልሲ ድማ ኣቐዲሙ ብራእይ ረኣዮ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ታሪኽ ዓለም ኣቐዲሙ እተጻሕፈላ እያ። እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ “መወዳእታ ዘመን” ዚኸውን ዚምስጥ መፈጸምታ ዚመርሕ እዩ። ኣህዛብ እውን: ከም ነቡካድነጻር: “እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ:” ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል:” መሲህ ወይ መራሒ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ከም ዚህቦ ብመከራ ኺመሃሩ እዮም። (ዳን. 12:4፣ 10:14፣ 4:25፣ 7:13, 14፣ 9:25፣ ዮሃ. 3:13-16) ንፍጻመታት እቲ ኣብታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መጽሓፍ ዳንኤል እተመዝገበ ትንቢታት ብምቕላብ: ነቲ የሆዋ ኣብ ትንቢት ዘለዎ ሓይሊ ኸምኡውን ንህዝቡ ኸም ዜዕቍቦምን ከም ዚባርኾምን ዝሃበና መረጋገጺ ብዝያዳ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።—2 ጴጥ. 1:19
2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ጸሓፊኣ እያ ተሰምያ። “ዳንኤል” (ብእብራይስጢ: ዳኒየል) እትብል ቃል “ዳኛይ ኣምላኽ እዩ” ማለት እያ። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብር ዝነበረ ህዝቅኤል ንዳንኤል ምስ ኖህን እዮብን ብምጽዋዕ ብሓቂ ዚነብር ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። (ህዝ. 14:14, 20፣ 28:3) ዳንኤል ነታ መጽሓፉ ዝጀመረላ ዕለት “ንመንግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ” ብምባል ጢቒስዋ ኣሎ። እዛ ዕለት እዚኣ እታ ዮኣቂም ንነቡካድነጻር ዚግብር ንጉስ ዝዀነላ ሳልሰይቲ ዓመት: ማለት 618 ቅ.ክ. እያ።a እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእያት ክሳዕ ሳልሳይ ዓመት ግዝኣት ቂሮስ: ማለት ክሳዕ ከባቢ 536 ቅ.ክ. ቀጺሉ እዩ። (ዳን. 1:1፣ 2:1፣ 10:1, 4) ዳንኤል ኣብ ህይወቱ ኸመይ ዝበላ ኣገደስቲ ዓመታት ኰን እዩ ኣሕሊፉ! ንቝልዕነቱ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ይሁዳ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ኣሕሊፍዎ። ድሕሪኡ: ገና ዀተቴ መስፍን ከሎ: ምስ ልዑላን ኣይሁድ ብሓበራ ናብ ባቢሎን ተወስደ: ኣብኡ ኸኣ ምትንሳእን ምውዳቕን እታ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ሳልሰይቲ ሓይሊ ዓለም ርኣየ። ዳንኤል ኣብታ ራብዐይቲ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሜዶንን ፋርስን ብዓል ስልጣን መንግስቲ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ብህይወት ጸኒሑ ኪኸውን ኣለዎ።
3 መጽሓፍ ዳንኤል ካብ ቀደም ኣትሒዛ ኣብ መዛግብቲ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት እተጠቓለለት እያ። ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ቐኖናዊ መጻሕፍቲ: ቍርጽራጽ መጽሓፍ ዳንኤል ተረኺቡ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር: ንሓቅነት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዜረጋግጽ ዝያዳ ኣገዳሲ መርትዖ: ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እተጠቕሰት ምዃና እዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” ዝሃቦ ትንቢት ንዳንኤል ብስሙ ጠቒስዎ: ካብታ መጽሓፍ ድማ ብተደጋጋሚ ጠቒሱ እዩ።—ማቴ. 24:3፣ ዳን. 9:27፣ 11:31፣ 12:11—ማቴ. 24:15 ከምኡውን ማር. 13:14፣ ዳን. 12:1—ማቴ. 24:21፣ ዳን. 7:13, 14—ማቴ. 24:30
4 ዋላኳ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሓያስያን ንታሪኻዊ ሓቅነት መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ሕቶ እንተ ኣእተውዎ: በብእዋኑ እተረኽበ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ግን ነቲ ኽስታቶም ምሉእ ብምሉእ ኣፍሺልዎ እዩ። ንኣብነት: እዞም ሓያስያን እዚኣቶም: ናቦኒደስ ገዛኢ ምንባሩ ኣብ ዚፍለጠሉ እዋን ቤልሻጽር ንጉስ ከም ዝነበረ ዳንኤል ምግላጹ የስተናዕቕዎ ነይሮም። (ዳን. 5:1) መጽናዕቲ ስነ-ጥንቲ ግን ቤልሻጽር ብሓቂ ህያው ሰብ ከም ዝነበረ: ኣብ መወዳእታ ዓመታት ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ከኣ ምስ ናቦኒደስ ብሓባር ነጊሱ ምንባሩ ብዘየተሓታትት መገዲ ኣረጋጊጹ እዩ። ንኣብነት: “ቨርስ ኣካውንት ኦቭ ናቦኒደስ” ተባሂሉ ዚፍለጥ ጥንታዊ ስሉስ ኵርናዓዊ ጽሑፍ: ቤልሻጽር ኣብ ባቢሎን ንጉስ ምንባሩ ብንጹር የረጋግጽ: ምስ ናቦኒደስ ብሓባር ገዛኢ ዝዀነሉ ኣገባብ ድማ ይገልጽ።b ካልእ ጽሑፋት እውን ቤልሻጽር ነጊሱ ምንባሩ ይድግፍ እዩ። ኣብ መበል 12 ዓመት ናቦኒደስ እተጸሓፈ ጽላት: ብስም ናቦኒደስ እቲ ንጉስን ብስም ቤልሻጽር ወዲ ንጉስን እተገብረ ማሕላ ሒዙ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ ቤልሻጽር ምስ ኣቦኡ ዚመዓራረ ደረጃ ኸም ዝነበሮ ይሕብር።c እዚ ኸኣ ቤልሻጽር ንዳንኤል ነታ ኣብቲ መንደቕ ብኢድ እተጻሕፈት ጽሕፍቲ እንተ ፈቲሕዋ “ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ” ኪኸውን እተዛረበሉ ምኽንያት ንጹር ይገብሮ። ከመይሲ: ናቦኒደስ ቀዳማይ እዩ ነይሩ: ቤልሻጽር ካልኣይ እዩ ነይሩ: ዳንኤል ከኣ ሳልሳይ ገዛኢ ዀይኑ እዩ ተኣዊጁሉ። (5:16, 29) ብዛዕባ እዚ ሓደ ተመራማሪ ኸምዚ በለ:- “እቲ ንቤልሻጽር ዚእምት ስሉስ ኵርናዓዊ ጽሑፍ ነቲ ዝነበሮ ግደ ኣጸቢቑ ስለ ዜብርሆ: ኣብ ታሪኽ ዘለዎ ቦታ ብንጹር እዩ ተገሊጹ። ቤልሻጽር ብቦታኡን ብኽብረቱን ዳርጋ ማዕረ ናቦኒደስ ምንባሩ ዚገልጽ ሓያሎ ጽሑፋት ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ መወዳእታ ኽፋል ግዝኣት ባቢሎን: ክልተ ገዛእቲ ኸም ዝነበሩ እተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ናቦኒደስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ኣብ ተማ ዚርከብ ቤተ-መንግስቱ ዀይኑ ልዑላዊ ስልጣኑ ኣብ ዚጥቀመሉ እዋን: ቤልሻጽር ንባቢሎን ከም ማእከል ጽልዋኡ ብምግባር ኣብ ሃገሩ ሓቢሩ ይገዝእ ነበረ። ቤልሻጽር ድኹም ምስለኔ ዘይምንባሩ ንጹር እዩ፣ የግዳስ ‘ንግስነት’ እዩ ተዋሂቡዎ ነይሩ።”d
5 ገሊኦም ነቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ግሁር እቶን ሓዊ ዝገለጾ ጸብጻብ (ምዕ. 3): ጽውጽዋይ እዩ ብምባል ሓቅነቱ ኣብ ሕቶ ኼእትውዎ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ሓደ ጥንታዊ ደብዳበ ባቢሎን ከምዚ ዚብል ይርከብ:- “ስለዚ ሪም-ስን ጐይታኻ ኸምዚ ይብል:- ነቲ መንእሰይ ባርያ ናብ እቶን ስለ ዝደርበዮ: ነቲ ባርያ ናብ እቶን ትድርብዮዶ፧” ጂ. ኣር. ድራይቨር ነዚ ኣመልኪቱ: እዚ መቕጻዕቲ እዚ “ኣብ ታሪኽ እቶም ሰለስተ ቕዱሳን ይርከብ እዩ (ዳን. 3:6, 15, 19-27)” በለ።e
6 ኣይሁድ ንመጽሓፍ ዳንኤል ምስ ነብያት ዘይኰነስ: ምስ መጻሕፍቲ እዮም ዚቘጽርዋ ነይሮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: እቲ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንተርታ መዝገብ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ከምኡውን ንናይ ላቲን ቩልጌት ብምስዓብ: ንመጽሓፍ ዳንኤል ኣብ መንጎ እቲ ዓበይትን ንኣሽቱን ነብያት ኣቐሚጥዋ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽልተ ኽፋላት እዩ ዘለዋ። እቲ ቐዳማይ: ካብ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 6 ዚሽፍን ኰይኑ: ነቲ ዳንኤልን ብጾቱን ካብ 617 ቅ.ክ. ክሳዕ 538 ቅ.ክ. ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዘሕለፍዎ ተመክሮ ብመስርዕ ፍጻመ ዘርዚርዎ ይርከብ። (ዳን. 1:1, 21) እቲ ኻልኣይ ክፋል ካብ ምዕራፍ 7 ክሳዕ 12 ዜጠቓልል ኰይኑ: ዳንኤል ባዕሉ ኸም ቀዳማይ ኣካል ዝጸሓፎ እዩ: ካብ ከባቢ 553 ቅ.ክ.f ክሳዕ ከባቢ 536 ቅ.ክ. ዝረኣዮ ራእያትን ምስ መልኣኽ ዝገበሮ ምይይጣትን ከኣ የጠቓልል። (7:2, 28፣ 8:2፣ 9:2፣ 12:5, 7, 8) እዚ ኽልቲኡ ኽፋል ብሓባር ሓንቲ ስኒት ዘለዋ መጽሓፍ ዳንኤል የቕውም።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
19 ኵሎም እቶም ኣብዛ ስደተኛ ዀይኖም ዚነብሩላ ዓለም ንጽህናኦም ኪሕልዎ ዚደልዩ ሰባት: ብዛዕባ እቲ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ዝሓደግዎ ኣብነት ምሕሳቦም ሰናይ እዩ። ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ዜስካሕክሕ መፈራርሂ እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ንስርዓታት ኣምላኽ ሰዓቡ። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ: ዳንኤል “ብምኽርን በእምሮን” ከምኡውን ነቲ ልዑላዊ ስልጣን ንጉስ ኣኽብሮት ብምርኣይ ስጕምቲ ወሰደ። (2:14-16) እቲ ጕዳይ ጸንኪሩ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: እቶም ሰለስተ እብራውያን ካብ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበዩ መረጹ: ዳንኤል ከኣ ናብ የሆዋ ንምጽላይ ዘለዎ ፍሉይ መሰል ኣብ ክንዲ ዚሓድግ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ሓረየ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ የሆዋ ዕቝባ ገበረሎም። (3:4-6, 16-18, 27፣ 6:10, 11, 23) ዳንኤል ንባዕሉ እውን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ብምውካል ዝመጸ ዜደንቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና።—2:19-23፣ 9:3-23፣ 10:12
20 ራእያት ዳንኤል ባህ ዜብልን እምነት ዜደልድልን እዩ። ፈለማ: ነቲ ብዛዕባ ሓይልታት ዓለም ዚገልጽ ኣርባዕተ ራእያት ይርከብ:- (1) ብዛዕባ ዜፍርህ ምስሊ ዚገልጽ ራእይ እዩ። እዚ ምስሊ እዚ ርእሱ ወርቂ ኪኸውን ከሎ: ነቲ ብነቡካድነጻር ዚጅምር ስርወ-ንግስነት ነገስታት ባቢሎን የመልክት፣ ድሕሪኡ ኸኣ ብኻልእ ክፍሊ ኣካላት እቲ ምስሊ እተመሰላ ሰለስተ ኻልኦት መንግስትታት ይትንስኣ። እዘን መንግስትታት እዚኣተን ብሓፈሻ ኸኣ እየን በታ ጸኒሓ “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ” ዝዀነት “እምኒ” ወይ ብመንግስቲ ኣምላኽ ዚጭፍለቓ። (2:31-45) (2) ድሕሪኡ ዳንኤል ብብሕቱ ዝረኣዮ ራእያት ንረክብ። እታ ናይ መጀመርታ ብዛዕባ ኣርባዕተ ኣራዊት ኰይኑ: ን“ኣርባዕተ ነገስታት” ዜመልክት ድማ ነበረ። እዚኣቶም ከኣ እቲ ቐዳማይ ንኣንበሳ: እቲ ኻልኣይ ንድቢ: እቲ ሳልሳይ ኣርባዕተ ርእሲ ንዘለዎ ነብሪ: እቲ ራብዓይ ዓበይቲ ኣስናን ሓጺንን ዓሰርተ ኣቕርንትን ጸኒሓ ዝወጸት ንእሽቶ ቀርንን ንዝነበሮ ኣራዊት ይመስሉ ነበሩ። (7:1-8, 17-28) (3) ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ድዑል (ሜዶንን ፋርስን): ብዛዕባ እቲ ድቤላ (ግሪኽ): ከምኡውን ብዛዕባ እታ ንእሽቶ ቐርኑ ዚገልጽ ራእይ ነበረ። (4) ኣብ መወዳእታ: ብዛዕባ ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን ዚገልጽ ራእይ ንረክብ። ዳንኤል 11:5-19 ነቲ ኣለክሳንደር ብ323 ቅ.ክ. ድሕሪ ሙማቱ ኻብታ ንሱ ዚገዝኣ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ እተፈንጨሉ ግብጽን እንዳ ሰሉከስን እተገብረ ምጽራድ ብልክዕ መዝጊብዎ ኣሎ። ካብ ቍጽሪ 20 ኣትሒዙ እቲ ትንቢት ንደቡብን ንሰሜንን ዝተክኡ ኣህዛብ ሒዙ ይቕጽል። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ህላወኡ ዝሃቦ ትንቢት ነቲ “ዜጥፍእ ፍንፉን” ምጥቃሱ (11:31): እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ነገስታት ዝያዳ ሓይሊ ንምርካብ ዚግበር ቃልሲ ኽሳዕ እዚ “መወዳእታ ዓለም” ከም ዚቕጽል ዚሕብር እዩ። (ማቴ. 24:3) ኣብቲ ‘ኸምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሃለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ኸቶ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዘመን ጸበባ:’ ሚካኤል ባዕሉ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ኣህዛብ ንምውጋድን ንእዙዛት ደቅሰብ ሰላም ንምምጻእን ከም ዚቐውም ካብቲ ትንቢት መረጋገጺ ምርካብናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—ዳን. 11:20-12:1
21 ብዘይካዚ: እቲ ዳንኤል ብዛዕባ እተን “ሰብዓ ሰሙን” እተነበዮ ትንቢት ኣሎ። ድሕሪ 69 ሰሙን “እቲ መሲህ: መስፍን” ኪቕልቀል ነበሮ። እቲ ዜገርም ከኣ: ካብቲ ኣርታሕሻስታ ኣብ መበል 20 ዓመቱ ዝኣወጆን ነህምያ ኣብ የሩሳሌም ከይዱ ዝፈጸሞን: የሩሳሌም ክትህነጽ ዚብል “ቃል ካብ ዚወጽእ” 483 ዓመት (69 ግዜ 7 ዓመት) ጸኒሑ: የሱስ ብዓል ናዝሬት ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ተጠምቀ: ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ ኸኣ ክርስቶስ: ወይ መሲህ (ማለት ቅቡእ) ኰነ።g እዚ ብ29 ድ.ክ. እዩ ተፈጺሙ። ድሕሪኡ: የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ምስ ባደመት: ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ “መፈጸምታ” ዀነ።—ዳን. 9:24-27 NW፣ ሉቃ. 3:21-23፣ 21:20
22 ኣብቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ እታ እተቘርጸት ኦም ዚምልከት ሕልሚ ነቡካድነጻር: እቲ በቲ ዕማማቱን ሓይሉን እተመክሐ ንጉስ: ብየሆዋ ኣምላኽ ተዋረደ። “እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ” ኽሳዕ ዚፈልጥ ከም እንስሳ መሮር ኰይኑ ኸም ዚነብር ተገብረ። (ዳን. 4:32) ንሕናኸ ሎሚ ኸም ነቡካድነጻር ብዕማማትና ብምጅሃርን ኣብ ሰባት ትውክልትና ብምግባርን ግዳይ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ኽንከውን ዲና: ወይስ ንሱ ንመንግስቲ ሰብ ከም ዚገዝእ ብጥበብ ኣፍልጦ ኽንህበሉን ትውክልትና ኣብ መንግስቱ ኽንገብርን ኢና፧
23 ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብምልእታ መጽሓፍ ዳንኤል እምነት ብዜደልድል መገዲ ጐሊሑ ኣሎ! የሆዋ ኣምላኽ: ሓንቲ ኸቶ ዘይትጠፍእን ንዅለን ካልኦት መንግስትታት እተጥፍአንን መንግስቲ ዜቕውም ልዕሊ ዅሉ ልዑላዊ ምዃኑ ተገሊጹ ይርከብ። (2:19-23, 44፣ 4:25) እቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ንጉስ ነቡካድነጻርን ንጉስ ዳርዮስን እኳ እንተ ዀኑ: ንልዑልነት የሆዋ ኣፍልጦ ኺህቡ ተገዲዶም እዮም። (3:28, 29፣ 4:2, 3, 37፣ 6:25-27) የሆዋ: ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኸም ምዃኑ መጠን ክብ ዝበለን ክብሪ ዝዓሰሎን እዩ፣ ንመንግስቲ ዚምልከት ጕዳያት ዚፈርድ ምዃኑ ኸምኡውን ንሓደ “ወዲ ሰብ ዚመስል” “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ከም ዚህቦ ተገሊጹ ኣሎ። ምስቲ “ወዲ ሰብ” እተባህለ ክርስቶስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ግደ ዚህልዎም “እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን” እዮም። (ዳን. 7:13, 14, 18, 22፣ ማቴ. 24:30፣ ራእ. 14:14) የሱስ ክርስቶስ: እቲ ዓብዪ መስፍን እተባህለ ሚካኤል እዩ፣ ንሱ ድማ ነቲ ሓይሊ መንግስቱ ንዅለን መንግስትታት እዛ ኣረጊት ዓለም ንምጭፍላቕን ንምጥፋእን ኪጥቀመሉ እዩ። (ዳን. 12:1፣ 2:44፣ ማቴ. 24:3, 21፣ ራእ. 12:7-10) እቶም ጽድቂ ዚፈትዉ ነዚ ትንቢታትን ራእያትን ኪርድኡ ምኽኣሎም: ርእሶም ብምንቕቓሕ ነቲ በታ መንፈስ ዝነፈሳን ጠቓሚትን መጽሓፍ ዳንኤል ኣቢሉ እተገልጸ ብሓቂ “ዜስተንክር” ዕላማታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍላጥ ንቓል ኣምላኽ ንኺምርምሩ ኺድርኾም ኣለዎ።—ዳን. 12:2, 3, 6
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 1269
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 283
c ኣርክዮሎጂ ኤንድ ዘ ባይብል: 1949: ጆርጅ ኤ. ባርተን: ገጽ 483
d ዘ የል ኦርየንታል ስርየስ · ሪሰርችስ: መበል 15 ጥራዝ: 1929
e ኣርኪቭ ፉወር ኦሪየንትፎርሸንግ: መበል 18 ጥራዝ: 1957-58: ገጽ 129
f ቤልሻጽር ካብ ሳልሰይቲ ዓመት ናቦኒደስ ኣትሒዙ ብሓባር ኪገዝእ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። ናቦኒደስ ብ556 ቅ.ክ. ግዝኣቱ ኸም ዝጀመረ ስለ ዚእመን: ንዕኡ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸምኡውን “ንቤልሻጽር . . . ቐዳመይቲ ዓመቱ”: 553 ቅ.ክ. እያ እትኸውን።—ዳን. 7:1፣ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 283፣ 2ይ ጥራዝ: ገጽ 457
g ነህምያ 2:1-8፣ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 899-901