2ይ ክፋል
መዝገበይ—ለውጥታት
እቲ ኣብ ሰብነትካ ዚርአ ምዕባለ የበሳጭወካ ድዩ፧
□ እወ □ ኣይፋል
ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ዚርአ ለውጥታት የጨንቐካ፡ የፍርሃካ፡ ወይ ካብ ሰብ እተፈለኻ ኸም ዝዀንካ ዀይኑ ይስምዓካ ድዩ፧
□ እወ □ ኣይፋል
ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ትሓስብ ዲኻ፧
□ እወ □ ኣይፋል
ንሓንቲ ኻብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ሕቶታት “እወ” ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎካ ዚሕብር ስለ ዘይኰነ ኣይትሻቐል። ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ዜጋጥም ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት፡ ፍስሃን ጭንቀትን ካልእ ስምዒታትን ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ዓብዪ ሰብ ክትከውን ትደሊ እኳ እንተ ነበርካ፡ እቲ ዕቤት ምስ ጀመረ ግን ዜፍርህ እዩ! ምዕራፍ 6-8 ነቲ ዜጋጥመካ ለውጥታት ብኸመይ ከም እትሕዞ ንኽትፈልጥ ኪሕግዛኻ እየን።
[ኣብ ገጽ 56, 57 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]