4ይ ክፋል
ቤት ትምህርትን መዛኑኻን
ኣብ ገሊኡ ዓይነት ትምህርቲ ዜሕልፍ ነጥቢ ንምርካብ እውን ቃልሲ ድዩ ዚዀነካ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ኣብ ቤት ትምህርቲ ደንዲኖምኻ ወይ ብጾታዊ ኣሸጊሮምኻዶ ይፈልጡ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
ንመዛኑኻ ኣብ ዘይግቡእ ተግባሮም ክትሓብሮም ዝደለኻሉ እዋን ኣሎዶ፧
□ እወ
□ ኣይፋል
‘ትምህርተይ ብጽቡቕ ክውድእ እንተ ኽኢለ፡ ዝዀነ ይኹን ጸገም ክሰግር እኽእል እየ!’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እዚ እተወሰነ ሓቅነት ኣለዎ። ከመይሲ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መንፈሳውን ብርታዐኻ ዚፍተነሉ ቦታ እዩ። ብኣረኣእያ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም መዛኑኻ ኸይተበከልካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽትረክብ እትኽእል፧ ምዕራፍ 13-17 ነዚ ኽእለት እዚ ንኸተጥሪ ኺሕግዛኻ እየን።
[ኣብ ገጽ 112, 113 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]