ክፍሊ 14
ንየሆዋ እሙን ምዃንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ቁም። 1 ጴጥሮስ 5:6-9
ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይቃዶ ዝዀነ ይኹን ልምድታት ኣይትሳተፍ። ከምኡ ምግባር፡ ትብዓት ይሓትት እዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢድካ ኣይተእቱ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ንየሆዋን ንመንግስቱን ኣይድግፋን እየን።
ቅኑዕ ምርጫ ግበር—ንኣምላኽ ስምዓዮ። ማቴዎስ 7:24, 25
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕበር፣ ንሳቶም እውን ንኣምላኽ ክትቀርቦ ኺሕግዙኻ እዮም።
ወትሩ ብዛዕባ ኣምላኽ ተምሃር፣ ትእዛዛቱ ድማ ሓሉ።
እምነትካ ምስ ደልደለት፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ኣሎካ።—ማቴዎስ 28:19።
ንኣምላኽ ስምዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምእንቲ ኺሕግዙኻ ድማ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕተቶም። ድሕሪኡ፡ ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ።—መዝሙር 37:29።