ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 30 ገጽ 74-ገጽ 75 ሕ.ጽ. 9
  • የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ከሰስቱ ዝሃቦ ምላሽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ትንቢት ኵሉ ናብ ክርስቶስ የተኵር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • “መገድን ሓቅን ህይወትን”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 30 ገጽ 74-ገጽ 75 ሕ.ጽ. 9
ኣይሁድ ንየሱስ፡ ሰንበት ጥሒስካ ኢሎም ይኸስስዎ

ምዕራፍ 30

የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና

ዮሃንስ 5:17-47

  • ኣምላኽ ንየሱስ ኣቦኡ እዩ

  • የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣተስፈወ

ገሊኦም ኣይሁድ ንየሱስ፡ ንሓደ ሰብኣይ ብምሕዋዩ ሰንበት የኽብር ከም ዘየሎ ምስ ከሰስዎ፡ ንሱ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፣ ኣነ እውን እዓዪ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 5:17።

እቲ የሱስ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ በቲ ብዛዕባ ሰንበት እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ክልኩል ኣይነበረን። ኣብነት እቲ ኣምላኽ ዚዓይዮ ሰናይ ዕዮ ስዒቡ እዩ ነቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምሕዋይን ዕዮኡ ዚዓዪ ዝነበረ። ስለዚ፡ የሱስ መዓልቲ መዓልቲ ሰናይ ዕዮ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ግናኸ፡ እቶም ከሰስቱ በቲ ዝሃቦም ምላሽ ብዝያዳ ተቘጥዑ፡ ኪቐትልዎ እውን ደለዩ። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰንበት ከም ዝጠሓሰ ዝነበሮም ግጉይ ኣረኣእያ፡ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምዝራቡ እውን ኣዝዮም ተቘጢዖም እዮም። ንኣምላኽ ከም ኣቦኡ ገይሩ ምርኣዩ ኸም ጸርፊ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ ንየሆዋ ኣቦይ እዩ ምባሉ፡ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ከም ዘመዓራረየ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። የሱስ ግና ኣይፈርሀን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ዝምድና ኸኣ፡ “ኣቦ ንወዲ ይፈትዎ፡ ንሱ ዚገብሮ ዅሉ ድማ የርእዮ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ዮሃንስ 5:20።

ኣቦ፡ ወሃብ ህይወት እዩ፣ ንሰባት፡ ምዉታት ኬተንስኡ ሓይሊ ብምሃብ ድማ ነዚ ኣርእዩ እዩ። የሱስ ቀጺሉ፡ “ከምቲ ኣቦ ንምዉታት ዜተንስኦምን ህያዋን ዚገብሮምን፡ ወዲ እውን ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 5:21) እዝስ ንመጻኢ ተስፋ ዚህብ ከመይ ዝበለ ሓያል ትርጉም ዘለዎ ቓላት እዩ! ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ወዲ ብመንፈሳዊ መዳይ ምዉታት የተንስእ ኣሎ! ስለዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ቓለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሩ ኣሎ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኣይበጽሕን እዩ” በለ።—ዮሃንስ 5:24።

የሱስ ክሳዕ ሽዑ ቃል ብቓሉ ኻብ ምዉታት ከም ዘተንስአ እተመዝገበ ነገር እኳ እንተ ዘየልቦ፡ ነቶም ከሰስቱ ግና ቃል ብቓሉ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ነገሮም። እወ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ፡ . . . ኺወጹ እዮም” በሎም።—ዮሃንስ 5:28, 29።

የሱስ ዘለዎ ግደ ፍሉይ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዚትሕት ንምንጻር ግና፡ “ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። . . . ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 5:30) ኰይኑ ግና፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ብግህዶ ገሊጽዎ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ሽዑ ገለጾ። ከሰስቲ የሱስ ግና ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ የሱስ ዝሃቦ ምስክርነት ጥራይ ኣይኰነን ቀሪቡሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ “ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ [መጥምቕ] ልኢኽኩም፣ ንሱ ድማ ንሓቂ እዩ መስኪሩ” ኢሉ ዘዘኻኸሮም።—ዮሃንስ 5:33።

ክልተ ዓመት ይገብር፡ ዮሃንስ መጥምቕ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ “ነብዪ”ን “ክርስቶስ”ን ከም ዝነገሮም፡ ከሰስቲ የሱስ ሰሚዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 1:20-25) የሱስ ከኣ ነቶም ከሰስቱ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ዮሃንስ ዝነበሮም ልዑል ኣረኣእያ ብምዝኽኻር፡ “በቲ ብርሃኑ ንቝሩብ ግዜ ባህ ኪብለኩም ደለኹም” በሎም። (ዮሃንስ 5:35) እንተዀነ ግና፡ ካብቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝሃቦ ምስክርነት ዚዓቢ ነገር ኣቕረበሎም።

እወ፡ “እዚ ኣነ እውን ዝገብሮ ዘለኹ ዕዮ፡ [እንተላይ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ምሕዋይ] ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስኪሩ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 5:36, 37) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ጥምቀቱ መስኪሩ እዩ።—ማቴዎስ 3:17።

ከሰስቲ የሱስ፡ ንዕኡ ዘይቅበሉሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። እተን ንምርምረን ኢና ዚብልወን ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ ብዛዕባኡ እየን ዚምስክራ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንዓይ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ንቓለይ ክትኣምንዎ፧” ኢሉ ደምደመ።—ዮሃንስ 5:46, 47።

  • የሱስ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባሩ፡ ንሕጊ ሰንበት ዘይጥሕስ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሱስ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ብኸመይ እዩ ዝገልጾ፧

  • የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ምስክርነት እዩ ዘቕረበ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ